ናይ ዓዲ ጥልያን ቀይሕ መስቀል ኣብ ሮማን ሚላኖን ናይ ባቡር ጣብያታት ቁልጡፍ ናይ ኮቪድ መመርመሪ ጣብያ ኣዳልዩ ኣሎ። ናይ ኮቪድ ምርመራ ክገብር ዝደሊ ዝኾነ ሰብ በዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ወይ በዘይ ቆጸራ ክገብር ይኽእል። ናይ ዕድመ ገደብ የብሉን።
ንምምርማር ኣበይን መዓስን:
ሮማ፡ ሮማ ተርሚኒ ናይ ባቡር ጣቢያ
ኣብ ሮማ ተርሚኒ ባቡር ጣብያ ካብ ሰዓት 6:00 ክሳብ ሰዓት 20:00 – ኣብ ፒያሳ ቺንኴቸንቶ ናብ ሙራ ደል ሰርቪያኒ መዕጸፊ
ሚላኖ፡ ሚላኖ ቸንትራለ ባቡር ጣብያ
ኩሉ መዓልቲ ካብ ሰዓት 6:00 ክሳብ ሰዓት 20:00 ኣብ ሚላኖ ቸንትራለ ባቡር ጣብያ ኣብ ጋለርያ ዴለ ካሮሰ (ናብቲ ባቡር ጣብያ መእተዊ ኣብ ፒያሳ ዲ ኣኦስታ ኣብ ምድሪ)
ካብ ወርሒ ጉንበት ወይ ማጆ ፡ ኣብ ባሪ፣ ቦሎኛ፣ ፊሬንሰ ሳንታ ማሪያ ኖቨላ፣ ኣብ ናፖሊ ቸንትራለ፣ ሬጅዮ ካላብሪያ፣ ቶሪኖ ፖርታ ኑዎቫን ቨኔስያ ሳንታ ሉቺያን ባቡር ጣብያታት ምምርማር ይከኣል። ፡፡
ምንጪ ፡ ናይ ዓዲ ጥልያን ቀይሕ መስቀል:
