እዚ ካርታ

ጁማማፕ ፡ ንስደተኛታት ናይ ኣገልግሎት ካርታ፡ ብደረጃ ዓለም ለኸ ዑቕባ ንዝሓቱን ዑቕባ ንዝረኸቡን ዘነጻጸረ ኣገልግሎት። ናይዚ ፕላትፎርም ትሕዝቶ ብ 22 ቋንቋታት ይርከብ።

ብምምሕዳር ወይ ብገበርቲ ሰናይ ዝንቀሳቐስ ትካል፦ ናይ ለይቲ መደቀሲ፣ ናይ ኣደታትን ሕጻናትን ናይ ስድራ ቤት መንበሪ ገዛውቲ፣ ኣብ ህጹጽ ሓደጋ ውሽጢ ዝርከቡ ንኣረገውቲ ወይ ንዝሓመሙ ሰባት ሆስቴላት። እዞም ኣገልግሎታት ብፍላይ ሓተቲ ዑቕባን ዑቑባትን፡ ኣብቲ ናይ መጽለሊ ኣጋይሽ ተቐባልነት ምስ ዘይረኽቡን ተመሊሶም ክኣትዉ ንዘይክእሉን ዝርኢ እዩ።

ሆስፒታላት ምስ ፍሉይ ክሊኒካት፣ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ትካላትን ብነጻ ዘገልግሉ ማሕበራትን ወይ መድሓኒት ዘቕርቡ ትካላት፡ ጥዕና ብዝምልከት ሓበሬታ ክረኽቡ ንዝደልዩ ሰባት ብቐሊሉ ንምርካብ ዝዓለመ እዩ።

ኣፍልጦ ቋንቋ ጥልያን፡ ናብ ዓዲ ጥልያን ኣትዮም ናይ ምንባር መንገዲ ንዝጅምሩ ሰባት መሰረታዊ መሳርሒ እዩ። ናይ ቤት ትምህርትታት ስርዓትን ማሕበራትን ብነጻን ደረጅኡ ዝሓለወ ናይ ጥልያን ቋንቋ ኮርስታትን ንምክትታል ዝተፈላለዩ ዕድላት ይህቡ። እዚ ኮርስታት ንዓበይትን ንቆልዑን ዝወሃብ ኮይኑ ከከም ደረጀኦም ይኸፋፍሎም።

ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ንምስታፍን ነጻ ሓበሬታን መምርሕን ዝህቡ ኣሰልጠንቲ ኣካላት፣ ናይ ሰራሕተኛ ማሕበራት፣ ማሕበራት ፣ ስራሕ ዝቖጽሩ ማእከላት (CPI) ናይ ስራሕ ሓበሬታ ዝህቡ ማእከላትን (COL)። በዚኦም ኣቢልካ፡ ስራሕ ንምጅማር ኣድለይቲ ዝኾኑ ናይ ስራሕ ክእለት ንምጥንኻር ዓላማ ንዘለዎም፡ ልምድን ናይ ስራሕ ድጋፍን ክረኽቡ ይኽእሉ።

ትካላት፣ ማሕበራትን ገበርቲ ሰናይን፦ ኣብ ኣብ ሕግን ኣብ ካልኦት ዝሳለጡ ጉዳያትን ምኽሪ ይልግሱ። ካብቶም ቀንዲ ሓገዛቶም ድማ ፡ ናይ ዞባ ኮሚሽን ምስ ዝነጽገካ ይግባይ ኣብ ምባል፣ ዑቕባ ንኽትሓትት ናይ ሂወት ታሪኽካ ኣብ ምእካብን ምድላውን፣ ናይ ቤተሰብ ጥርናፈ፣ ዜግነትን መንበሪ ፍቓድን ንዛመሰሉ ምኽርታቶም ይልግሱ።

ሆስፒታላት፣ክሊኒካት፣ ድጋፍ ዝ ህቡ መስኮታት፣ ዘዳምጹ ማእከላትን ናብቶም ኣገልግሎት ክህቡ ክፉት ዝኮነ ናይ ሓለዋ ጥዕና ዘለዉ ብሉጻት ሰብ ሞያን፡ ካብዚኦም ድማ፦ ናይ ስነ ልቦናን ስነ ኣእምሮ ሓገዝ: ሓኻይም (ሜዲኮ ሌጋለ) ንዝበጽሐ ሽግር ዘረጋግጽ ሰርተፊኬት ምሃብን

ዓለም ለኻዊ ሕቶ ዝቐርበሉ ናይ ፖሊስ ቤት ጽሕፈት ቦታታት። ሓተትቲ ዑቕባ፡ ሕተኦም ዘቕርቡሉን ሕቶኦም ተራእዩ ናይ ዑቕባ ኣፍልጦ ዝወሃበሉ ናይ ዞባ ኮሚሽን ቤት ጽሕፈታት። ናይ ቤተሰብ ጥርናፈ፣ ዘግነትን ካልኦት ዝሳለጡ ጉዳያትን ዝጅመረሎም ናይ ስፖርቴሎ ኡኒኮን ፕረፌቱራ ቤት ጽሕፈት።

መሰረታዊ ኣድላይነት ዘለዎም ነገራት ዘከፋፍሉ ማሕበራትን ትካላትን። ኣብዚ ክፍሊ፡ ምግቢ ዝብለዓሎምን ናይ መግቢ ቀረብ (ኣስቤዛ) ዘከፋፍልሉን ቦታታት የመልክት።

ናይ መጥቃዕቲ ሰልባ ዝኾና ደቀንስትዮን ሕፃውንቲ ደቀን፡ ንምቕባልን ንምሕጋዝን ዝተዳለዉ ትካላት። ደቀንስትዮን ንኣካለመጠን ዘይበጽሑ ቆልዑን ዝቕበሉ ሰራሕተኛታት፡ ናይ ባህሊ ፍልልይን ናይ ሕድ ሕድ ጓል ኣንስተይቲ ታሪኽ ብምኽባርን ናይ ሓገዝ መንገዲ ክረጋገጸሉ ብዘኽእል በዓል ብዙሕ ዲሲፒሊናዊ ክእለታት ከረጋግጹ ኣለዎም።

ስንክልና፡ ምስ ካልኦት ማዕርነትን ኣብቲ ሕብረተሰብ ውሽጢ ሙሉእን ውጽኢታዊ ተሳትፎን ዝኽልክሉ ናይ ኣካል ጉዱኣትን ከባብያዊ ማሕለኻታትን ኣብ ዘለዎም ሰባት ማእከል ዘሎ ውጽኢት እዩ።

ማሕበራት

2821

ኣገልግሎታት

3942

ከተማ

622

መድለዪ ቦታታት

ጋዜጣ

ርክብ ክቕጽልን ሓድሽ ነገር ንምፍላጥን ኣብ ናይ ጁማማፕ ዘዳልዎ ጋዜጣ ተመዝገብ:

  • ንህቦ ኣገልግሎት
  • ክርከብ ዝኽእል ዕድል
  • ዜና
  • ጨረታታት
  • ብዙሕ ካልእ ነገራት

iscriviti alla nostra newsletter

*campi obbligatori

ኮርስታትትን ዕድላትን

ንዑቕባ ሓተትን ዑቑባትን፡ በዚ ናይ ነጻ መራኸቢ ስልኪ ቑጽሪ

ንኦፐሬተራት ዘገልግሉ ምንጭታት

ፕሮጀክትታት

Share on facebook
Share on twitter
Share on whatsapp
Share on telegram
Share on email
Share on facebook
Share on twitter
Share on whatsapp
Share on telegram
Share on email