| እቲ ብኤውሮጳዊ ውዕል ስደትን ዑቕባን ዝፍለጥ ሓድሽ ሕጊ ዑቕባን ስደትን ኣብ ግብሪ ይውዕል። ንሓባራዊ ስርዓተ ዑቕባ ኤውሮጳ ይጽግኑን ንኣህጉራዊ ሓለዋን ስርዓት ኣቀባብላን ዝምልከት መመልከቲታት ንምምሕዳር ሓድሽ ኣገባባትን ደረጃታትን የተኣታቱ። |
ምትእትታው ናይ ወሰን (ዶብ) ኣገባባትን መስርሓትን፡ እዚኦም ንገሊኦም ሓተቲ ዑቕባ ዝምልከቱ ኮይኖም፣ ሕቶኦም ንምምርማር ዝሓጸረ ግዜ ዝወሃቦም እዩ። ከምኡ እውን ኣብቶም ናይ ወሰን (ዶብ) ቦታታት ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ፍሉያት ሕግታት ዘለዎም ኮይኑ፣ ንሓተቲ ዑቕባ ግን ዝወሓደ ውሕስነታት (ናጻነታት) ዝህብ እዩ።
ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ንኣህጉራዊ ሓለዋ ብማእከላይ ገምጋም 20% ወይ ትሕቲኡ ኣፍልጦ ካብ ዘለወን ሃገራት ዝመጹ ኣመልከትቲ፡ ብዘይካ ብሕጊ ዝተቐመጠ ። እዚ ኣገባብ እዚ ነቶም ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝህቡ ወይ መንነቶም ንምውጋድ ናይ ሓሶት ሰነዳት ዘቕረቡ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ንህዝባዊ ስርዓት ሓደጋ ዝኾኑ ተባሂሎም ዝሕሰቡ ሰባት’ውን ዝምልከት ክኸውን እዩ። ብመሰረት ደንቢ ኣሰራርሓታት (ex art.42, comma 1, lettera e, 2024/1348) ውሑስ ኮይኑ ካብ ዝተባህለ ሳልሳይ ሃገር ዝመጹ ኣመልከትቲ እውን ዝተቐላጠፈ ኣገባብ ክግበረሎም እዩ።
እዚ ናይ ወሰን (ዶብ) ኣሰራርሓ፡ ከም ልሙድ ብኣገባብ፡ ኣብ ውሽጢ 12 ሰሙናት ክዛዘም ኣለዎ፤ ብተወሳኺ እውን ነቲ ብኡንብኡ ዝስዕብ ናይ ምምላስ (rimpatrio) መስርሕ 12 ሰሙናት ይውሰኸሉ::
| እዚ ማለት፡ ሓደ ኣመልካቲ ብኣካል ኣብ መሬት እቲ ኣባል ሃገር እኳ እንተሃለወ፡ ንሕቶኡ (ንሕቶ ዑቕባኡ) ንምምርማር ክበሃል ግን፡ ብሕጋዊ መዳይ ገና ናብ ክልል (መሬት) ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዘይኣተወ ጌርካ ይሕሰብ ማለት እዩ። |
ኣይፋልን፣ እተን ኣባላት ሃገራት እቲ ኣመልካቲ ኣብ መስርሕ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ ወሰን (ዶብ) ኣሰራርሓ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ ምስቲ ብሕጊ ኤውሮጳ ዝተቐመጠ ረቛሒታት ብምስምማዕ ናይ ምንቅስቃስ ናጽነቱ ዝቐይድ (ዝድርት) ስጉምትታት ክወስዳ ይኽእላ እየን።
እወ። እቲ ስምምዕ ፡ መንነት ምፍላጥ፣ ናይ ባዮሜትሪክ መለለዪታት (ኣሰር ኣጻብዕን ምስልን) ምውሳድ፣ ናይ ጥዕና መርመራታትን ናይ ጸጥታ ምርጋገጻታትን ዘጠቓልል፣ ግዴታዊ ዝኾነ ናይ መጀመርታ መጻረዪ መስርሕ (screening) የተኣታትው።
እተን ሃገራት ነቲ ናይ ምምሕዳርን ፍርዳዊን ኣሰራርሓታተን ምስቲ ሓድሽ ኤውሮጳዊ ድንጋገታት ከም ዝሰማማዕ ክገብራኦ ኣለወን፤ ከምኡ እውን ምስቲ በቶም ሓደሽቲ ሕግታት (Regolamenti) ሓድሽ መምርሒን (Direttiva) ዝተቐመጡ ረቛሒታት ንምምላእ ዘኽእሉ እኹላት መሳለጥያታትን ከውሕሳ ኣለወን።


