መሰል ጥዕና ኣብ ዓዲ ጣልያን

መሰል ክንክን ጥዕና ኣብ ዓዲ ጣልያን ብቅዋም ናይታ ሃገር ዝተሓለወ እዩ። ብመሰረት ዓንቀጽ 32 ሪፓብሊክ  ጥልያን ክንክን ጥዕና ከም መሰረታዊ መሰል ውልቀሰብን ሓባራዊ ረብሓን ትሕሉ፣ ከምኡ’ውን ንጽጉማት ማለት ነቶም ኣብ ፍጹም ድኽነት ዝነብሩ ማለት ነቶም ዝኮነ ነገር ዘይብሎም  ነጻ ክንክን ጥዕና ውሕስነት ትህብ።







እዚ ማለት ኩሎም ኣብ መሬት  (ግዝኣት) ጥልያን ዝርከቡ  ሰባት፡ 

ዜግነቶም፡ ሕጋዊ ደረጃ፡ ቁጠባዊ ዓቕሞም ብዘየገድስ፡ ኣገዳሲ ሕክምናዊ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። እዚ መሰል እዚ ኣድማሳዊ ኮይኑ፣ ስለዚ ንኹሉ ዝምልከት እዩ።




ነዚ መሰል ንምውሓስ ድማ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (SSN) ተፈጢሩ፡  እዚ ድማ ኣብ መላእ ኢጣልያ ክንክን ጥዕና ዝህብ ህዝባዊ ስርዓት እዩ። ናይ ከባቢ  ኣገልግሎት ጥዕና ዋሃብቲ (ASL) ምስ ነጻ ሆስፒታላት ብሓባር ብደረጃ ከባቢ ንህዝቢ ክንክን ጥዕና ዘውሕሱ መሓውራት እዮም።

እቲ ኣወዳድባን፡ ኣገባብ ምብጻሕን ካብ ዞባ ናብ ካልእ ክፈላለ ይኽእል እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ኣብታ እትነብረላ ከተማ ASL (ከባብያዊ በዓል መዚ ጥዕና) ምምዝጋብ ኣገዳሲ ዝከውን።












ኣስተውዕል፦ ASL ከባብያዊ በዓል መዚ ጥዕና ASL  (Aziende Sanitarie Locali) ዝብል ቃል እቲ ዝበዝሐ ዝውቱር ኮይኑ ብብዙሓት ዞባታት ከም በዓል Campania, Lazio e Sardegna ዝጥቀመሉ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ካልእ ከባቢታት ኢጣልያ እዞም መሳለጥያታት ዝተፈላለየ ኣስማት ኣለዎም።

 

ንኣብነት፡




  • ATS (Agenzia di Tutela della Salute), ኣብ ኣውራጃ ሎምባርድያ (Lombardia) ይጥቀምሉ፡
  • ASST (Azienda Socio Sanitaria Territoriale), እዚ እውን ኣብ ሎምባርድያ (Lombardia) 

 

  • ASP (Azienda Sanitaria Provinciale), ዝበሃል ከም በዓል ሲሲልያ (Sicilia) ዝኣመሰላ ኣውራጃታት ዝትቀማሉ እዩ።

  • ULSS (Unità Locali Socio-Sanitarie)

ኣብ ቨኔቶ (Veneto) ዝዝውተር እዩ።


Azienda USL (Azienda Unità Sanitaria Locale), እዚ ውን ኣብ Toscana, Emilia-Romagna ከምኡ ውን Umbria ዝጥቀማሉ እዩ።

ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንምርካብ፡ ኣብ ሃገራዊ ስርዓተ ጥዕና ተመዝጊብካን ናይ ጥዕና ካርድ ክህልወካን ኣለዎ፡  (ወይ STP ካርድ – እዚ ማለት ክኣ ኣገዳሲ ኮድ ኮይኑ፡ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዘይኮኑ ዜጋታት ኣብ ዓዲ ጣልያን ብዘይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዝነብሩ ዝተወሰነ ኣገልግሎታት ክንክን ጥዕና ንምርካብ ዝወሃብ እዩ)።

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት፡ ዋላ  ህጻናት፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ጥዕና ካርድ (tessera sanitaria) ወይ STP ካርድ ክህልዎ ኣለዎ።



ናይ ጥዕና  ታሴራ ኣብ ሃገራዊ ስርዓተ ጥዕና ምስ  ተመዝገብካ ክዋሃበካ እዩ። ምስ ናይ መንበሪ ፍቓድካ ማዕረ ንውሓት ግዜ ዘለዎ ኮይኑ ፍቓድካ ምስ ኣሐደስካ እዩ ዝሕደስ። 

ንእንታይ እዩ ከ ዝጠቅም፧



  •  ናብ ሓኪም ብነጻ ክትከይድ።



  • ብሓኪም ዝተኣዘዘ መድሃኒት ንምግዛእ።

 

  • ሕክምናዊ መርመራታት ወይ ናብ ሓኪም ምብጻሕ (ሓፈሻዊ ሕክምናዊ ምብጻሕ ኣብ ክሊኒክ፡ ሕክምናዊ ምብጻሕ ናብ ስፔሻሊስት፡ ሕክምናዊ ምብጻሕ ኣብ ገዛካ ፡ ክታበት፡ መርመራ ደም፡ ራጂ፡ ኣልትራሳውንድ) ንምግባር።






  •  ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ንምርካብ።

 

  • ኣብ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ሕክምና ንምርካብ፡ ካርድ መድሕን ጥዕና ኤውሮጳ ንምርካብ ናብ ናይ ከባቢኻ በዓል መዚ ጥዕና (ASL) ከተመልክት ኣለካ።

 

ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ  እንተዘይብልካ፡  ግዝያዋኢ  ንወጻእተኛ  ዝወሃብ ካርድ  ( STP)  ናብ በዓል መዚ ጥዕና (ASL) ብምካድ ክትሓትት ትክእል ኢካ። 

 

(ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈት ንምርካብ ኣብ ካርታ ርአ፡

https://www.jumamap.it/map/litemap.php?ser=san)

 

STP ካርድ ህጹጽን ኣገዳስን ክንክን ጥዕና ብነጻ ክትረክብ ዘኽእለካ ሰነድ (ግዝያዊ ኮድ ግብሪ) እዩ። እቲ ካርድ ብናይቲ ከባቢ በዓል መዚ ጥዕና (ASL) ዝወሃብ ብነጻ ኮይኑ፡  ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ይህብ፡ ድሕሪኡ ዋላ ኩነታትካ ስሩዕ እንተዘይገበርካዮ ክሕደስ ይኽእል።

ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (SSN) ምዝገባ ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ግዴታ እዩ፤



  • ሰራሕተኛታት፡
  • ናይ ገዛእ ርእሱ ወናኒ ስራሕ
  • ስድራቤታዊ ምኽንያት፣
  • ሙሉእ ዑቅባ ዘለዎ ስደተኛ 
  • ንኡስ ዑቅባ (protezione sussidiaria)
  • ፍሉያት ጉዳያት፣
  • ፍሉይ መከላኸሊ (protezione speciale)
  • ሕክምናዊ ክንክን (ብፍላይ ኣብ መበቆል ሃገር ብእኹል መንገዲ ክሕከሙ ዘይክእሉ ከበድቲ ሕማማት ኣብ ዝህልዉሉ እዋን)፣
  • ሕቶ ዑቕባ (ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ኢጣልያ ምስ ኣተዉ ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ካብ ምኽፋል ነጻ እዮም)፣
  • ንውዕል ወዲ ጡብነት ዝጽበዩ (waiting for adoption)
  • መግዙይነት 
  • ዜግነት ዝሃዙ።

 

መሰነይታ ዘይብሎም ናይ ወጻኢ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከም ተቓላዕቲ ጉጅለ ይቑጸሩ፣ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (ASL)  ምዝገባ ግዴታውን ነጻን እዩ።

 እቲ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ መንበሪ ፍቓድ ይጽበ እንተሃለወ እውን ሕክምናዊ ክንክን ክረክብ  ይኽእል እዩ።

ካብዚኦም ወጻኢ ካልእ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልዩካ (ንኣብነት ንትምህርቲ  ወይ ከም au pair )   ሕጂ’ውን ሕማም፡ መጉዳእቲ ወይ ሕርሲ ኣብ ዘጋጥመካ ውሕስነት ኣለካ።

 ስለዚ ክትገብሮም  ትኽእል  ነገራት፤




  • ናይ ብሕቲ መድሕን ጥዕና ምውሳድ (ናይ ጥልያን ወይ ናይ ወጻኢ፡ ግን ኣብ ኢጣልያ ዝሰርሕ)፤

 

  • ብወለንታኻ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (SSN) ተመዝገብ፣ ዓመታዊ ክፍሊት እናኸፈልካ (ዝኾነ ሓድሽ ባህርያት ወይ ቅናስ እንተሃልዩ ተኸታተል)።



ኣስተውዕል፡  ብምርጫካ  ዝተመርኮሰ ኣድራሻ መንበሪ ፍቃድ (permesso di soggiorno per “residenza elettiva”) ምስ ዝህልወካ፡ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣካለ–ስንኩላን ወጻእተኛታት ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (SSN) ብነጻ ምዝገባ ክገብሩ መሰል ኣይህቦምን እዩ። እዞም ክመዚ ዓይነት ጉዳይ ዘለዎም ሰባት ዋላ ከማን ከምቶም መንበሪ ፍቃድ ዘይብሎም  ወጻእተኛታት “ህጹጽን ኣገዳስን” ክንክን ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ኣማራጺ ሽፋን የድሊ መድሕን ወይ ወለንታዊ ምዝገባ፡ ብዝተኻእለ መጠን።

 

ንሓበሬታ፡ ንነጻ መስመር ቴሌፎን 800 999 977፡ NABILA፡ Help Desk  ንስንኩላንን ተቓላዕቲ ኩነታትን ስደተኛታት ዜጋታት  (ኣብ ገጽ ካርታ ጁማ ተወከሱ)።

https://www.jumamap.it/it/disabilita/

ንምምዝጋብ፡ ናብ በዓል መዚ ጥዕና ከባቢኻ (ASL) ክትከይድ ኣለካ፤

 

መንበሪ ፍቓድካ (ወይ መንበሪ ፍቓድ ትጽበ ከምዘለኻ ዝምስክር ቅብሊት)።



  • ኣድራሻኻ ዘረጋግጽ ሰነድ (ውዕል ክራይ፡ ወይ ጋሻ ኮንካ ተዓቂብካ ከም ዘለካ ዝምስክር ሰነድ ወዘተ)።





ንኣብነት ኣብ ሮማ ትነብር እንተኾንካ፡ ዘድሊ ሰነዳት ሒዝካ ናብቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ASL ክትከይድ ኣለካ።


ምዝገባን ካርድን ብነጻ እዩ፡ ግን ናይ ግብሪ ኮድ (codice fiscale)  ክህልወካ ኣለዎ።

 

ንግዚኡ ወይ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኢጣልያ እንተሃሊኹም፤

 

  • መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ ናይ ወጻኢ ዜጋ እንተኾንካን ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝኾነት ሃገር (ንኣብነት፡ ኣመሪካ፡ ጋምብያ፡ ኣፍጋኒስታን) እንተመጺእካ፡ ሕጂ’ውን ኣገዳስን ህጹጽን ሕክምናዊ ክንክን ክትረክብ መሰል ኣለካ። መንግስታዊ ሆስፒታላት ዋላ ዓቕሚ እንተዘይብልካ ክንክን ክህባካ  ግዴታ ኣለወን።






ሓገዝ ንምርካብ፡  STP  (Temporarily Present Foreigner) ካርድ  ክህልወካ ይኽእል እዩ። STP ግዝያዊ ናይ ግብሪ ኮድ (codice fiscale provvisorio)ዝሃዘ  ኮይኑ፡ ብነጻን ህጹጽን ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ  (ንህይወት ወይ ንጥዕና ብዘይ ሓደጋ ክናዋሕ ዘይክእል) ከምኡ’ውን ኣገዳሲ ክንክን (ኣብ ሓጺር ግዜ ሓደገኛ ዘይኮኑ ኩነታት፡ ግን ከኣ ምስ ግዜ ኣብ ህይወት እቲ ሰብ ዝዓበየ ጉድኣት ወይ ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእል ኩነታት ኣገልጉለት ጥዕና ምርካብ ይሕግዝ)።





ኣብነታት መን STP  ካርድ ክረክብ ከም ዝኽእል፤



ዝኾነ ሰብ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮ ግን ከኣ ኣብ ኢጣልያ ዝተነጸረ ሕጋዊ ደረጃ ዘይብሉ። 

 

ንኣብነት፥



  • በጻሕቲ (tourists) ኣብ ኢጣልያ ንሓጺር እዋን ዝጸንሑ ኮይኖም ህጹጽ ክንክን ዘድልዮምን ምስ  ዘድልዮም።

 

  • መንበሪ ፍቓድ ዝጽበዩ ሓተትቲ ዑቕባ።

 

  • ኣብ ገለ ዞባታት፡ መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ወጻእተኛታት ገና ናብ ዓዲ ጥልያን ዝኣተዉን መንበሪ ፍቓድ ዝጽበዩን።

 

  • ኣብ ዘይስሩዕ ኩነታት ዝርከቡ ወጻእተኛታት፡ ዝኮነ ኮይኑ ህጹጽ ክንክን ክረኽቡ ይኽእሉ።



ሓደ ሰብ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ መጺኡ ትሕቲ ሽዱሽተ ወርሒ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልይዎ፡ ግዝያዊ ናይ ጥዕና  ወረቐት  ይረክብ።  በዚ ናይ ጥዕና ወረቀት  ውን ሕክምናዊ ክንክን ክረክብ ይኽእል ኢዩ፡ ግን ንውሓት ናይቲ ግዝያዊ  ናይ ጥዕና  ምስቲ ዘለካ መንበሪ  ፍቓድካ ዝተተሓሓዘ እዩ።

ሓፈሻዊ ሓኪም (ወይ ሓኪም ስድራቤትካ) እቲ መሰረታዊ ሕክምናዊ ክንክን ዝህበካን ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ናብቲ ዘድልየካ ፍሉይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝመርሓካን  እዩ።




እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም እንታይ ይገብር፧



  • ልሙዳት ሕማማት (ጉንፋዕ፡ ሕማም ርእሲ፡ ሰዓል ወዘተ) ይምርምረካ።

 

  • መድሃኒታት ይእዝዝን፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ናብ ክኢላ ሓኪም (specialist doctor) ይሰደካን።

 

  • ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐት ይህብ።



ቅልል ዝበለ ምልክታት እንተሃልዩካ፡ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል ካብ ምኻድ፡ ኩሉ ግዜ መጀመርታ ንሓኪምካ ክትውከስ ይግባእ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ምሉእ ብምሉእ ነጻ ኣገልግሎት እዩ ዝህብ።

ድሕሪ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (SSN) ምስ ተመዝገብካ፡ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ክትመርጽ ትኽእል ወይ ድማ ሓደ ብኣውቶማቲክ ክምደበልካ እዩ።

ኣብ ኢጣልያ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ንምምራጽ፡ ምስቲ ኣብ እትነብረሉ ከባቢ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ASL (በዓል መዚ ጥዕና ከባቢ) ክትራኸብ ኣለካ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ሓፈሻዊ ሓካይም ክሕብረካ  እዩ፣ ሓደ ክትመርጽ ድማ ትሕተት (እቲ ቤት ጽሕፈት ግን ንክተመርጾ ዘለካ ክመኽረካ  ኣይክእልን እዩ)።

ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ናብ ቤት ጽሕፈት ሓኪም ክትድውል ወይ ብኣካል ክትበጽሕ ትኽእል ኢካ።

ገለ ሓካይም እውን ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓቶም ብዘይ ቆጸራ  ይቕበሉ እዮም።





ኣስተውዕል: ቋንቋ ጥልያን ጽቡቕ ጌርካ እንተ ዘይትኽእል ኮንካ ፡ ናብቲ ናይ ሓፈሻዊ ሓኪም ቆጸራኻ ተርጓሚ ሒዝካ ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ። ምስ ሓኪምካ ብንጹር ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ: ተርጓሚ ምህላው ንሓድሕድኩም ብዝበለጸ ክትረዳድኡን፡ ዝያዳ ቅኑዕ ክንክን ክትረክብን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (NHS) ምርካብ  ካብ ካልእ ሃገር ንዝመጹ  ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ብፍላይ ምስ ሰነዳትን ቢሮክራስያዊ ስርዓታትን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት።



ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጸገም ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዝጽበዩ ዝምልከት እዩ።

 ብፍላይ ድማ፤



እቶም ዑቕባ ዝሓተቱ መብዛሕትኡ ግዜ ቅብሊት  (ዑቅባ  ከም ዝሓተቱ ዘረጋግጽ ወረቀት) ጥራይ ኣለዎም፤  ግን ገና ወግዓዊ መንበሪ ፍቓድ የብሎምን።




  • ብዘይ ፍቓድ መንበሪ ፍቓድ ቀዋሚ  ግብሪ ኮድ (codice fiscale) ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ SSN ንምምዝጋብ የድሊ። 

 

ገለ ሓተትቲ ዑቕባ  ቁጽሪ ጥራይ ዝሓዘ ናይ  ግብሪ ኮድ (codice fiscale numerico)  ይረኽቡ፡ እዚ ግን ኩሉ ግዜ ብስርዓት ክንክን ጥዕና ተቐባልነት የብሉን።



ክኸውን ዝኽእል መፍትሒ፡ ጠበቓታት ነቲ ዝወሃበካ ቅብሊት (cedolino) ከም ቅኑዕ ሰነድ ንናይ ግብሪ ኮድ (codice fiscale) ንምሕታት ወይ ግዝያዊ ናይ ግብሪ ኮድ ( STP Card – Temporarily  Present Foreigner) ክትወስድ ይመኽሩ።




ጠበቓ ወይ ሕጋዊ  ኣገልግሎት ሓገዝ ዝህብ  ተወከስ።

 

https://www.jumamap.it/map/litemap.php?ser=leg


መሰነይታ ዘይብሎም ናይ ወጻኢ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ እውን ኣብ መጀመርታ ወግዓዊ ሰነዳት ኣብ ዝጽበዩሉ እዋን ጸገማት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሃገራዊ ስርዓተ ጥዕና ግዴታውን ነጻን ምዝገባ ከም ዘለዎምን ከም ኩሎም ካልኦት ትሕቲ ዕድመ ኣብ ኢጣልያ ክሕገዙ  ከም ዘለዎምን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ንቐሊል ናይ ጥዕና ጸገማት (ሕማም ርእሲ፡ ሰዓል፡ ዝተፈላለየ ቃንዛን ቃንዛን) ናብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ክትከይድ ኣለካ። ሓፈሻዊ ሓኪምካ ናይ ስፔሻሊስት ምብጻሕ ወይ መርመራታት ክእዝዘልካ ይኽእል።




  • ብለይቲ፡ ኣብ ሰሙን ዕረፍቲ፡ ወይ ኣብ በዓላት፡ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ኣብ ዘይርከበሉ እዋን ንዝፍጠሩ ጸገማት ድማ ሓላዊ ሕክምና (guardia medica)  ክትከይድ ኣለካ።




ናብ ክፍሊ ቀዳማይ ረድኤት ንኸቢድ ህጹጽ ኩነታት፡ ከም ጸገም ምስትንፋስ፡ ከቢድ ስንባደ፡ ከቢድ ቃንዛ ኣፍልቢ ወዘተ ጥራይ ኢኻ ክትከይድ ዘለካ።

 

ኣስተውዕል፡ ንኮዳት ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ኣቓልቦ ሃብ፤

ኣብ ሆስፒታል ምስ በጻሕካ፡ ነርስ ንኹነታትካ ብምግምጋም  ሕብራዊ ኮድ ክምደበካ እዩ፤



  • ቀይሕ: ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሓደጋ ዘመልክት ኮይኑ፡ ቅልጡፍ ሕክምናዊ ክንክን የድልዮ።
  • ብጫ: ከቢድ ጸገም ከምዘሎ ዘመልክት እዩ፣ ቅልጡፍ ምብጻሕ የድሊ።
  • ቀጠልያ፦  ውሕድ ዝበለ ጸገም ከም ዘሎ የመልክት፣ ምጽባይ የድሊ።

 

  • ጻዕዳ፡ ህጹጽ ከምዘይኮነ ዘመልክት ኮይኑ፡ ነዊሕ ምጽባይ ወይ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ  ክትከይድ ከም ዘለካ ሓበሬታ ይወሃበካ።




ኩነታትካ ህጹጽ እንተዘይኮይኑ፡ ንሓያሎ ሰዓታት ክትጽበ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ድማ እዩ ቅድሚ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ምኻድካ ምስ ናይ ሓፈሻዊ  ሓኪምካ ወይ   ናይ ሓለዋ ኣገልግሎት (guardia medica ) ምውካስ ኣገዳሲ ዝኸውን።

ሓፈሻዊ ሓኪም እቲ ናይ ጥዕና ጸገም ተወሳኺ ገምጋም የድልዮ እዩ ኢሉ እንተ ኣሚኑ፡ ነቲ ሕሙም ናብ ክኢላ (specialist)፡ ናብ ሓደ ፍሉይ ዓውዲ ዝነጥፍ ሓኪም (ንኣብነት፡ ሓኪም ዓይኒ፡ ሓኪም ጭዋዳታት፡ ሓኪም ልቢ፡ ወዘተ) ክሰዶ ይኽእል።





ሓደ ሓደ ግዜ፡ እቲ ክኢላ ነቲ ጸገም ብዝበለጸ ንምርዳእ፡ ከም ራጂ (RX)  ወይ MRIs ዝኣመሰሉ መርመራታት መርመራ ይሓትት። ይኹን እምበር፡ ነዞም መርመራታት ዘድልዮም ሰባት ልዑል ቁጽሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ምጽባይ ነዊሕ ክኸውን ይኽእል እዩ።



ቀዳምነት ብኸመይ ይቐውም፧

 

ሓፈሻዊ  ሓኪም ነቲ ናይ ስፔሻሊስት ምብጻሕ ሕቶ ህጹጽ ኮድ ይምድበሉ፤



  • U (Urgente):  ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ምብጻሕ።
  • B (Breve): ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ

 

  • D (Differibile): ምብጻሕ ካብ 30 ክሳብ 60 መዓልታት።



  • P (Programmabile): ህጹጽ ኣይኮነን፡ ቡዙሕ ግዜ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ።



እቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣዝዩ ነዊሕ እንተኾይኑ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል ።

  1. ኣብ ቀረባ ከተማታት ዝርከባ ካልኦት ትካላት ሆስፒታል ምፍታሽ፣ ኣብኡ ድማ ውሑድ ምጽባይ ክህሉ ይኽእል እዩ።




  1. ምስ ናይ ብሕቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ቆጸራታት እንተሃልዮም ሕተት፣ ናይ ቲኬት ክፍሊት ጥራይ ትኸፍል (እንተሃልዩ) ። 


3. ንማእከላት ክንክን ጥዕና ብምርኻብ ህጹጽ ኩነታት ምሕባርን ነቲ ምብጻሕ ንቕድሚት ንምምጻእ ምፍታን።

እንተ ቋንቋ ጥልያን ጽቡቕ ጌሩ ዘይርዳኣካ ኮይኑ፡ ኣቀዲምካ ንሰራሕተኛታት ሕክምና ክትሕብር ኣለካ፡ ብኡ መሰረት ድማ  ኣብ እዋን ቆጸራካ ቶርጋሚ ከዳልዉልካ ይክእሉ።

ሓኪም ህጻናት ማለት ንጥዕና ህጻናትን ቖልዑን  ዝከናኸን ሓኪም እዩ።

ዕብየቶም ይከታተል፣ ሕማማትን ጸገማትን ይሕክም፣ ግቡእ መድሃኒታትን  ክታበትን ድማ ይእዝዝ፣ ንጥዕናዊ ድሌታት ንኣሽቱ ህጻናት (ምምጋብ፣ ድቃስ፣ ናይ ባህሪ ጉዳያት ወዘተ) ምኽሪ ይህብ። ኣብ ዓዲ ጥልያን ኩሉ ህጻን ሓኪም ህጻናት ክህልዎ መሰል ኣለዎ።





ኣብ ኢጣልያ ሓኪም ህጻናት ንምርካብ፡ ዝርዝር ናይቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሓካይም ህጻናት ክትፍትሽ ትኽእል ኢኻ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ክንክን ጥዕና (ASL) ይርከብ። ከም ኣማራጺ ድማ፡ ንኣዕሩኽትኻ፡ ኣዝማድካ፡ ወይ ኣብ ከባቢኻ ንዝነብሩ ሰባት ምኽሪ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

  • ናብ 112 (ነጻ ቁጽሪ ሃገራዊ ህጹጽ ረድኤት) ደውል።

  • ናብ ኣብ ቀረባ ዝርከብ ሆስፒታል  ክፍሊ ቀዳማይ ሕክምና ህጻናት ምኻድ።


  • ንሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ምልክታት ወይ ህጹጽ ኩነታት ብንጹር ግለጽ።


  • ኩሉ ግዜ ቁጽሪ ሓኪም ህጻናትካ ኣብ ኢድካ ምሓዝ።

ሕሙማት እዞም ዝስዕቡ መሰል ኣለዎም፤

 

  • ብዛዕባ ጥዕንኦም ሓበሬታ ይረኽቡ፣

 

  • ሕክምና ክትቅበልን ዘይክትቅበልን ምምራጽ (ብሓበሬታ ዝተሰነየ ፍቓድ)፣

 

  • ምስጢራዊነት ናይ ጥዕና ዳታኦም (health data) ምሕላው፣

 

  • ሕክምናዊ መዛግብቶም ምውካስ።




ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ምስ ናይ ከባቢኻ በዓል መዚ ጥዕና (ASL) ወይ ምስ ሕሙማት  ዝነትጥፋ ማሕበራት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።



ካርታ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ተወከስ፡

 

https://www.jumamap.it/map/litemap.php?ser=san

 

እዞም FAQs ብ Arci ኣብ ጽሑፋት Infomigranti ተመርኲሶም ዝተዳለዉ እዮም።

https://www.infomigranti.org/services/salute/

Loading

Asilo e immigrazione

ሓድሽ ውዕል ኤውሮጳ 12 ሰነ 2026

ካብ 12 ሰነ 2026 እንታይ እዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል፧ እቲ ብኤውሮጳዊ ውዕል ስደትን ዑቕባን ዝፍለጥ ሓድሽ ሕጊ ዑቕባን ስደትን ኣብ ግብሪ ይውዕል። ንሓባራዊ ስርዓተ ዑቕባ

Continua a leggere »

JumaMap እንታይ እዩ?

JumaMap – Services for Refugees እዚ ካርታ ብኽንዲ ኣብ ዝቐረብዎ ቦታ ዘሎ ጠቃሚ ኣገልግሎታት ብቐጥታ ክትረኽቡ ተዘጋጅቶ እዩ።
ኣብዚ ቦታ ትኽእል ትርከብ ቦታ ምምፃእ፣ ምብላዕ፣ ጣሊያንኛ ምምሃር፣ እንተኾይኑ ድጋፍ ጤናዊ፣ ሕጊዊ ወይ ስነ–ጸባይ ምቕራብ፣ እንታይ ኣብ ዝሓለፈ ንሰባት ምዕራፍ ዘለዉ ምጽዋዕ ዘለዉ ኣገልግሎታትን ምፍላጥ ትኽእል።

እዚ ፕላትፎርም ብ17 ቋንቋታት ይቐርባ።
ቋንቋ ካብ ላዕሊ ሜኑ ትቕይር ትኽእል። ቋንቋታት፦
ኣልባኒያ፣ ኣማርኛ፣ ዓረብኛ፣ በንጋሊ፣ ቻይንኛ፣ ዳሪ፣ ፋርሲ፣ ፍራንሳይ፣ እንግሊዝኛ፣ ፓሽቱ፣ ፕንጃቢ፣ ራሺያን፣ ሶማልኛ፣ ስፓኒሽ፣ ትግርኛ፣ ዩክሬንኛ፣ ኡርዱ፣ ዎሎፍ።

ሓበሬታ JumaMap ካብ ስልኪኻ እንኳ ትመልከት ትኽእል። ና ድሕሪት www.jumamap.it

ዋልከም ሰንተር (Welcome Center)

እንተ ሓገዝ ብግልጋሎት ትደሊ ትኽእልካ ብቀረባዊ ትመጽእ ናብ Welcome Center፦

ሰኑይ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣቀናብሪ

ሰሉስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ስነ–ጸባይ ድጋፍ (18–26 ዓመት)
14:00 – 17:00 — ጽሕፈት ድጋፍ ጤና
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ሕጊ

ረቡዕ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ሓሙስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ሕጊ (18–26 ዓመት)
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ዓርቢ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
16:30 – 19:30 — ጽሕፈት ሕጊ

ዲጂታል ድጋፍ

ሰሉስ 9:30 – 14:00
ረቡዕ 10:00 – 15:00
ሓሙስ 9:30 – 16:30

ለመፍለጥ ጥዕና ኣብ ስልኪ ነጻ ቁጥር ለመጻእነትን ለስደተኛታትን

ንሓበሬታ እና ስልኪ ድጋፍ ይደውሉ ናብ ነጻ ቁጥር Arci ንመጻእነትን ንስደተኛታትን፦
800 905 570 (ካብ ጣሊያን)
+39 351 1376335 (WhatsApp፣ Lycamobile እና ካብ ደገ ሃገር)

ይመልስ ሰኑይ–ዓርቢ 9:30–17:00።
መልሲ ብብዙሕ ቋንቋታት እዩ ዘለዎ እና መተርጎምቲ ብ35 ቋንቋታት ይመልሱ።
ኢሜይል ትርከብ ትኽእል፦ numeroverderifugiati@arci.it

ነጻ ቁጥር ንሰባት ዘለዎም ኣካል ጉዳት ዝሰለዉ መዕረፍ ንስደተኛታት

NABILA ንስደተኛታትን ንመጻእነትን ኣካላዊ ጉዳት ወይ ካልእ ድኹምነት ዘለዎም ንሰባት ምስማዕ፣ ድጋፍን ምኽሪን ዝሃብ ኣገልግሎት እዩ።
ብነጻ ቁጥር 800 999 977 ትደውሉ ትኽእል።
እንተ ብቀረባዊ ምናገር ትደሊ ትኽእል ክትሕረት ኣብ ቢሮ ኢሚግሬሽን Arci Nazionale፣
Via dei Monti di Pietralata 16 – Rome.

ቦታ ምስማዕ ንንኡስናን ንወጻኢ ስደተኛታት

U-Report On The Move ደሓን ዘለዎ ቦታ እዩ ፣ እቲ ኣብዚ ክትተወክራ ትኽእል ናይ ሕጊ ድጋፍ፣ እንተዘይኮነ ናይ ስሜትኻ፣ ናይ ጸገምኻን ናይ ጭንቀትኻን ናይ ትሕዝቶ ነገር ብደሓን ክትነግር ትኽእል።
ባለሙያ ይሰማካ እና ኣብ ሓቂ ድጋፍኻ ክትረኽብ ይሕግዘካ።
ኣገልግሎቱ ሰኑይ–ዓርቢ 9:00–18:00 ይሰርሕ።

ክትጠቀም እንተደሊኻ፣ መልእኽቲ ብ Facebook Messenger ናብ U-Report On The Move ይላእ።
ናይ ስነ–ጸባይ ባለሙያት መልእኽት ይመልሱ እና ዝተስተኻኽሉ ድጋፍ ይሃብዎ።