መተሓሳሰቢ

Share on facebook
Share on twitter
Share on linkedin
Share on telegram

መተሓሳሰቢ

በዚ ናይዚ ኣዋጅ ቀጻሊ ምምሕያሻት ምኽንያት፣ ንሓደሽቲ ዜናታት ኣብ https://www.jumamap.it/it/covid/ ዝወጽእ መርበብ ተኸታተሉ

ህዝባዊ በዓላትን ናይ ዲሴምበር 29 ድንጋጌታትን፦ ሓደሽቲ ሕግታት ኣብ ልዕሊ ናይ ፍሉይ መጽንሕን ዝተጠናኸረ ቀጠልያ መሕለፍን

ብዲክሰምበር 23 ከምኡ ድማ ብዲክሰምበር 29 ንዝወጹ ናይ በዓላትአዋጅ ብምኽታል ኣብ ዓዲ ጥልያን ናይ ኮቪድ – 19 ን ናይ ምኽታል እርምጃታት ብዝምልከት እዞም ዝኽተሉ ሓደሽቲ ሕግታት ኣለዉ። 

 

ካብ ጃንዋሪ 10 – 2022 ናይ ዝተጠናኸረ ቀጠልያ መሕለፊ ሕግታትን (ሱፐር ግሪን ፓስ) ናይ ኳራንቲን ሕግታት ክልወጡ እዮም።   

ካብ ጃንዋሪ 10 2022 ንዝተጠናኸረ ቀጠልያ መሕለፊ ሓደሽቲ ሕግታት

ዝተጠናኸረ ቀጠልያ መሕለፊ ወይ ሱፐር ግሪን ፓስ፡ (ክትባት ዘማለአ ወይ ተሓኪሙ ምስደሓነ ዝወሃብ) 

ነዞም ዝስዕቡ ኩነታት ንምክያድ ክተሓዝ ግድን እዩ፦

 

  • ናይ ከባቢ ወይ ናይ ዞባ ናይ ሕዝቢ መመላለሲ ኣጠቓቕማ;
  • ሆቴላትን ናይ መዕቆቢ ተቛማት;
  • ካብ ሲቪላዊ ወይ ሃይማኖት ስነ ስርዓታት ዝመጹ በዓላት;
  • በዓላትን ባዛራትን;
  • መአከቢ ማዕከላት;
  • ናይ መግቢ ኣገልግሎት: ኣብ ክፉት ቦታ እንተኾነ እውን;
  • ኣብ በረድ ሸተት ዝበሃለሉ ኮይኖም  ናብ ንግዲ ቱሪዝም ዕላማታት ዝውዕሉ ናይ በረድ ሸተት መበልታት;
  • መሐምበሲ ፣ መሐምበሲ ቦታታት፣ ናይ ጋንታ ስፖርትታትን ናይ ቁንጅና ሳሎንን፡ ዋላ ኣብ ክፉት ቦታ እንተኾነ;
  • ናይ ባህሊ ማዕከላት፣ ማሕበራውን መዘናግዕን ቦታታት፡ ኣብ ክፉት እውን እንተኾነ።

 

ሰራሕተኛታት ፡ ብታምፖነ ምርመራ ኣሉታዊ ወይ ነጋቲቨ  ውጽኢት እንተረኺቦም (ኣገልግሎቱ፡ 24 ሰዓታት ንቑልጡፍ ናይ ታምፖነ ምርመራ፡ 48 ሰዓታት ንሞሎኪውላር ምርመራ)  ስርሖም ክቕጽሉ ይኽእሉ።  

ናይ ዩኒቨርስቲ ተመሃሮ ብኔጋትቭ ናይ ምርመራ ውጽኢት ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣትዉ ይኽእሉ።  

 

ካብ ፌብሩዋሪ 1 – 2022  ጀሚሩ ሓድሽ ናይ ቀጠልያ መሕለፊ ሕግታት

ካብ ፌብሩዋሪ 1 – 2022 ጀሚሩ ናይ ቀጠልያ መሕለፊ ክትባት ግዜ ካብ 9 ኣዋርሕ ናብ 6 ኣዋርሕ ይቕንስ። ናይ መጀመርያ ክትባት ምስተጠናቐቐ ነቲ ሳልሳይ ናይ ክትባት መጠን ንምውሳድ፡ ግዜኡ ብውሕድ ካብ 5 ክሳብ 4 ኣዋርሕ ይቕንስ።   

 

ናይ ኳራንቲን ሓደሽቲ ሕግታት  

ኣወንታዊ ውጽኢት ዘለዎ ወይ ምስ ፖሲቲቭ ዝኮነ ሰብ ናይ ቀረባ ርክብ ዝነበሮም ሰባት፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ክግለል ወይ ኣብ ኳራንቲን ክዕጾ ግዴታ የብሉን  ። ነዚ ድማ፦

  • ኣብ 4 ኣዋርሕ ውሽጢ ካልኣይ ክትባት ዝወሰደ እንተኾይኑ;
  • ሳልሳይ ክትባት (መበረታትዒ ክትባት) ዝወሰዱ እንተኾይኖም።

 

ኣጸቢቕኩም ኣስተውዕሉ፡ ኣብ ዝኾነ ግዜ ምስ ፖሲትቭ ዝተበሃለ ሰብ ርክብ ዝነበሮም  ን 8  መዓልታት ናይ Ffp2 ማስኬራ ክገብሩ ናይ ግድን እዩ። ናይቲ ሕማም ምልክት እንተሎ ድማ ኣብ ሓምሽይ መዓልቲ እቲ ቕልጡፍ ወይ ሞለኪውላር አንቲጂን ምርመራ ክገብሩ ኣለዎም።

 

ጭንብል ወይ ማስኬራ

  • ኣብ ክፉት ቦታ ወይ ኣብ ደገ ዋላ ኣብ ዞና ጻዕዳ ማስኬራ ምግባር ናይ ግድን እዩ;
  • ካብ ገዛ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ገዛ፣ ኣብ ትያትር፣ ኣብ ናይ ኮንሰርት ኣዳራሻት፣ ኣብ ቺነማ፣ ኣብ መዘናግዒ ቦታታትን ብቐጥታ ሙዚቃ ዝረኣየሎምን፣ ኣብ ዕጹው ይኹን ኣብ ክፉት ዝካየዱ ናይ ስፖርት ዝግጅታትን ውድድራትን ብጠቕላላ ናብ ህዝቢ ዝቐርቡ ዝግጅታት ኩሉ ናይ Ffp2 ዓይነት ማስክ ምግባር ግዴታ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ምግብን መስተን ኣብ ውሽጢ ገዛ ወይ ኣብ ዕጹው ምቕራብ ክልኩል እዩ።;
     
  • ኣብ ኩለን ናይ መጓዓዓዚ ኣገልግሎታት ናይ Ffp2 ዓይነት ማስክ ምግባር ግድን እዩ። 

ምድላዋት፣ በዓላትን እንዳ ሳዕስዒትን

ክሳብ ጃንዋሪ  31 – 2022 ፡  ኣብ ክፉት ቦታታት ምእካብ ዘካተቱ ምድላዋት፣ ድግሳት፣ ኮንሰንታትን ክልኩላት እዮም። እንዳ ሳዕስዒታት፣ ዲስኮታትን ክለባትን ይዕጸዉ።

 

ናብ ናይ ጥዕና ትካላት በጻሕቲን መዕቆብታትን

ዝተጠናኸረ ግሪን ፓስ፣ ናይ ታምፖነ ኣሉታዊ ውጽኢት ዘለዎም ወይ ሳልሳይ ክትባት ንዝወሰዱ ሰባት ጥራሕ ናብ ናይ ጥዕና ትካላት ናይ ሕክምና መጽለሊ ትካላትን ንኽበጽሑ ወይ ንኽኣትዉ ይፍቀደሎም ።

 1,860 Visite totali,  1 visite odierne

Evidenza

ናይ ሕዝቢ ውድድራት ንዝግበር መረጻ መመሓየሺ: ኣብቲ ምምራጽ ስደተኛታትን ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ምክታት

ናይ ሕዝቢ ውድድራት መመሓየሺ (ብ ኦገስት 6/2021 ናብ ሕጊ ቁጽሪ 113 ዝተለወጠ ኣዋጅ ቁጽሪ 80/2021) ኣብ ናይ ሕዝቢ ምምሕድዳር ዘሎ ናይ ስራሕ ሙቕጻር ብጽሒታት ንምምሕያሽ

 1,397 Visite totali,  2 visite odierne

Continua a leggere »
Violenza di genere

ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝግበር ናይ ደቂ ሰባት ዝውውር ከቢድ ናይ ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰት እዩ።

ብኸምዚ ዓይነት ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ብዝበዛ ትነብር እንተኔርካ ወይ ትነብር እንተለኻ፡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ብ 800290290 ደውል ብነጻን ሽም ብዘይምጥቃስን ን24 ሰዓታት ይሰርሕ   ኣብ

 2,605 Visite totali,  2 visite odierne

Continua a leggere »