ካብ ዲክሰምበር 6 – 2021 ክሳብ ጀንዋሪ 15 – 2022 ጸኒዖም ዘገልግሉ ሓደሽቲ ሕግታት:
ቀጠልያ መሕለፊ ተጠናኺሩ (ሱፐር ቀጠልያ መሕለፊ እውን ተባሂሉ ተፈሊጡ)፡ መን ክረኽቦ ይኽእል?
- እቲ ክትባቱ ዝወደአ
• ካብ ኮቪድ – 19 ተፈዊሱ ዝደሓነ
መሰረታዊ ቀጠልያ መሕለፊ፦ መን ክረኽቦ ይኽእል?
- መደበኛ መርመራ (ታምፖነ) ዝገብር
ናይ ሱፐር ቀጠልያ መሕለፍን መሰረታዊ ቀጠልያ መሕለፍን ኣገልግሎት
ሱፐር ቀጠልያ መሕለፊ፦ ካብ ናይ መወዳእታ ክትባት ካብ ናይ ሕክምና ቦታ ምስክር ወረቐት ካብ ዝተወሃበሉ ንትሽዓተ ኣዋርሕ የገልግል።
መሰረታዊ ቀጠልያ መሕለፊ፦ ብሞሎኪውላሪ ምርመራ ምስተመርመረ ን 72 ሰዓታት የገልግል። ብኣንቲጀኒክ ምርመራ ድማ ን 48 ሰዓታት የገልግል።
ኣብ ሕዝቢ ዘመላልሳ ዘሎ ሓደሽቲ ሕግታት
ብልዑል ፍጥነት ዝጓዓዛ ባቡራት፣ ኣውሮፕላናት፣ ናይ ዞባ ባቡር ትራንስፖርት (ኢንተርሲቲን ፔንዶላርን)ንምጉዓዝ፡ እንተወሓደ ኣብ ዝሓለፉ 48 ሰዓታት ውሽጢ ወይ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተገበረ ምርመራ ኣሉታዊ ውጽኢት (ኔጋቲቭ) ከምዝኾነ ምርኣይ ግዴታ እዩ።
ሕድሽ፦ ኣብ ከባቢ ናይ ሕዝቢ ዘመላልሳ (ኣውቶቡሳት፣ ናይ ከተማ ኣውቶቡሳትን ብውሽጢ ምድሪ ዝኸዳ ባቡራትን)ንዝጥቀሙ፡ ታምፖነ ምርመራ ምግባር ናይ ግድን ኮይኑ፡ እቲ ቁጽጽር ዝግበር እውን ሓሓሊፉ ክኸውን ይኽእል። ሱፐር ቀጠልያ መሕለፊ ዘለዎም ግን ከምድላዮም ይንቀሳቐሱ።
ኣብ ዕጹው ቦታታት ናይ ጭምብል ኣጠቓቕማ
ኣብ ኩሉ ኣከባቢታት ንኹሉ ግዴታ እዩ
ጭምብል ኣብ ክፉት ቦታታት
ኣብ ዞና ቢጫ፣ ኣራንቾነን ቀይሕን ጭምብል ምጥቃም ግድን እዩ። ኣብ ኩሉ ቦታታት ምሳኹም ክህልወኩም ግዴታ ይኸውን።
ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ከመይ ይሰርሕ
ናብ ስራሕ ንምኻድ መሰረታዊ ቀጠልያ መሕለፊ ምርኣይ፦ ማለት ሞለኪውላር ምርመራ (ን 72 ሰዓታት ዝሰርሕ) ወይ ኣንቲጀኒክ (ን 48 ሰዓታት)ምግባር። ናብ ሜንሳታት (ምግቢ ዝብልዓሉ)ንምእታው ግን ናይ ሱፐር ቀጠልያ መሕለፊ ምሓዝ ናይ ግድን እዩ።
ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዝቆጻጸርን ዝቐጽዕን መን እዩ
ኣብ ስራሕ ቦታ ዘሎ ቁጽጽር ለውጢ የብሉን። ወሃብቲ ስራሕ፡ ሰራሕተኛታት መሰረታዊ ቀጠልያ መሕለፊ ከምዝሓዙ ክቆጻጸሩ ኣለዎም። እቲ ቁጽጽር ኣብ መእተዊ ክፍጸም ኣለዎ፡ እቲ ዝግበር ቁጽጽር እውን ሓሓሊፍካ ክኸውን ይኽእል። ነዚ ደምቢ ዘየኽብሩ ሰባት ካብ 600 ክሳብ 1.500 ኤውሮ ክቕጽዑ ይኽእሉ።
ናይ ሱፐር ቀጠልያ መሕለፊ ዘይብሎም፡ ኣብ ባራት፣ እንዳ ብልዕን እንዳ ሳዕስዒትን ከይኣትዉ ክልኩላት እዮም
ኣብ ዞና ጻዕዳ እውን እንተኾነ፡ ዘይተኸተቡ ሰባት ናብ ባራት፣ ኣብ ዕጹው ቤት ምግብታት፣ ኣብ በዓላት፣ እንዳ ሳዕስዒት፣ ኣብ ሕዝባዊ ስነስርዓታትትን ከምኡ ድማ ኣብ ስታድዮማትን ኣብ ናይ ከባቢ ስፖታዊ ምርኢታትን ክሳተፉ ወይ ክኣትዉ ኣይክእሉን።
መደበኛ ምርመራ ጌሮም ኣሉታዊ ውጽኢት ዝረኸቡ ግን ኣብ መሐምበስን ፓሌስትራታትን ክኸዱ ይኽእሉ።
መተሓሳሰቢ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ኣብ ቀይሕ ዞን ኣብዘይተኸተቡ ሰባት ዝግበሩ ገደባት ነቶም ኣብ ልዕሊ ሱፐር ቀጠልያ መሕለፊ ዘለዎም እውን ተግባራዊ ይኸውን።
ኣብ በረድ ሸተት ዘብሉ መሳርሕታት፡ ሓድሽ ደምቢ
ኣብ ዞና ጻዕዳን ቢጫን እቶም መሰረታዊ ናይ ቀጠልያ መሕለፊ ዝሓዙ ሰባት ኣብ ናይ በረድ ሸተት ዝበሃለሉ ቦታታት ክኸዱ ይኽእሉ፡ ኣብ ዞና ኣራንቾነ ግን እቶም ሱፐር ቀጠልያ መሕለፊ ዘለዎም ጥራሕ ክኸዱ ይኽእሉ። ኣብ ዞና ቀይሕ ግን ኣብ በረድ ሸተት ዝበሃለኡ ምኻድ ንኹሉ ክልኩል እዩ።