ቀጠልያ ናይ ይሕለፍ ሰነድ (ቀጠልያ ናይ ይሕለፍ ምስክር ወረቐት) ኣብ ዓዲ ጥልያንን ኣብ ኣውሮጳን ብዝተረጋገጸ መንገዲ ንምጉዓዝ ዘገልግል ሰነድ እዩ። እዚ ናይ ምስክር ወረቐት ካብ ጁላይ 21/2021 ጀሚሩ ኣብ ኩለን ናይ ኣውሮጳ ሕብረት ክሰርሕ እዩ።
ካብ ኦገስት 6 ጀሚሩ ኣብ ዞባ ጻዕዳ እውን እንተኾነ ነዞም ዝስዕቡ ግድን ክኸውን እዩ፦
– ኣብ ውሽጢ ዕጹው ቤት ምግብታትን ባራትን ንዝግበር ጠለብ
– ናብ ሙዘይማትን ኤግዚቪሽናትን ንምእታው
– ንህዝቢ ክፉት ዝኾኑ ምድላዋት፣ ኮንሰርትታት፣ ናይ ስፖርት ምድልዋትን ውድድራትንንዝሳተፉ፡
– ኣብ ባህላዊን፣ ማሕበራውን መዘናግዒ ማእከላትን ኣብ ዕጹው ምንቅስቓሳት ንዝሳተፉ ( ብዘይካ ናይ ሕጽናት መውዓሊ ትምህርትን ናይ ሓጋይ ማእከላትን)
– ኣብ ቁንጅና ሳሎናትን ናይ ስፖርት ማእከላትን (መሐምበሲ፣ ፓሌስትራ፣ ብጋንታታት ዝጻወትሉ ናይ ስፖርት ሜዳታት) ናብ ዕጹዋት ናብ ተርማላት ንምእታው
– ናብ ናይ ሽማግለታት ዝነብርሉ ክሊኒካት ንምእታው
– ናይ ቤተሰብ መዘናግዕታትን ፓርክታትን ንምእታው
– ኣብ ባዛራት፣ ንግደታት፣ ኣኼባታትን ኮንግሬሳትን ንዝሳተፉ
– ኣብ በዓላትን ምድልዋትን ንዝሳተፉ
– ኣብ ህዝባዊ ውድድራት ንዝሳተፉ
– ኣብ ናይ መጻወቲ ቦታታት፣ ስኮሜሳ፣ ቢንጎን ካዚኖታትን ንዝኣትዉ
እዚ ቀጠልያ ይሕለፍ ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ብዲጂታል ቻናላትን ብኣካል ብምኻድን ካብ ጥዕና ሚኒስተር ይወሃብ፡፡
ክትሓትትን ክወሃበካን ይከኣል
– ብ ስፒድ ወይ ምስ ናይ ጥዕና ካርድ ወይ ምስ ናይ መንነትካ ሰነድ ብምትሕሓዝ ናብ dgc.gov.it መርበብ ብምርኻብ
– Immuni ካብ ዝብል ኣፕሊኬሽን
– IO ካብ ዝብል ኣፕሊኬሽን
– ናብ ናይ ኤሌክትሮኒክ ናይ ጥዕና መዝገብ ብምእታው
– ናብ ናይ ቤተሰብካ ሓኪም፣ ነጻ ምርጫ ካብ ዘለዎ ናይ ሕጻናት ሓኪም ወይ ናብ ፋርማቻ ብምኻድ
ኣብ ሕዝባዊ ናይ ጥዕና ጣብያ ዘይተመዝገበ እውን እዚ መረጋገጺ ክረክብ ይኽእል። ናይ ኮቪድ መርመራ ክገብር ከሎ ወይ ካብቲ ሕማም ምስ ሓወየ ብመልእኽቲ ኤስ ኤም ኤስ ወይ ብኢመይል ብዝቕበሎ ኮድ (AUTHCODE) ናይ መንነት ሰነድ ብምትሕሓዝ ካብቲ ናይ ኮቪድ – 19 ናይ ቀጠልያ ሰነድ መረጋገጺ መርበብ Certificazione verde COVID-19 መረጋገጺ ክረክብ ይኽእል።
ናይ መረጋገጺ ሰርቲፊኬት መን ክረክብ ይኽእል?
እዚ ናይ ምስክር ወረቐት ብቐጥታ (ብኣውቶማቲክ) ዝቐርብ ኮይኑ ነዞም ዝስዕቡ ኩነታት በዘይ ክፍሊት ኰሃብ ተጌሩ ፦
ሀ) ናይ መጀመርያ ክትባት ንዝተኸተበ፡ ወይ ናይ ሓደ ግዜ ክትባት ካብ 15 መዓልቲ ንዝተኸተበ
- አገልግሎቱ ፡ ክሳብ ካልኣይ ክትባት ዝወስድ (ክልተ ክትባት ንዘማልእ ክትባት ብዝምልከት) ወይ ን 9 ወርሒ (እንድሕር ሓደ ክትባት ጥራሕ ኮይኑ)
- እዚ ናይ ምስክር ወረቐት ፡ (ክልተ ክትባት ንዘድልዮ) ወይ ናይ ሓደ ግዜ ክትባት ጥራሕ ምስወሰደ ድሕሪ 15 መዓልቲ ብዲጂታል ወይ ብወረቐት መልክዕ ይወሃብ።
ለ) ናይ ክትባት ዑደት ንዝወድኡ፦
- አገልግሎቱ ፡ 9 ኣዋርሕ
- እዚ ናይ ምስክር ወረቐት ብዲጂታል ወይ ብወረቐት መልክዕ፡ ናይ ሓደ ግዜ ክትባት ምስወሰደ ድሕሪ 15 መዓልቲ ወይ ካልኣይ ክትባት ምስወሰደ ድሕሪ 2 መዓልታት ይወሃብ፡፡
ሐ) ካብ ኮቪድ – 19 ዝደሓነን ውሸብኡ ንዝወደአን
- አገልግሎቱ ፡ ምስሓወየ ን 6 ኣዋርሕ
- ነዚ ጉዳይ ስዒቡ ፡ ንቐጠልያ ፓስፖርት ድልየት ንዘለዎ ኣካል (ብወረቐት ወይ ብዲጂታል መልክዕ) ካብ ደቂስሉ ዝነበረ ሆስፒታል ወይ ሆስፒታል ንዘይኣተወ ሕሙም ካብ ሓኪሙ ፡ ካብ ዝሓወየሉ መዓልቲ ቀጺሉ ይወሃቦ፡፡
መ) ንኮቪድ – 19 ሞለኪውላዊ ወይ ቅልጡፍ አንቲጂን ምርመራ ጌሩ ኣሉታዊ ውጽኢት ንዝረኸበ
- አገልግሎቱ ፡ ምርመራ ምስገበረ ድሕሪ 48 ሰዓታት
- ነዚ ስዒቡ ንቐጠልያ ይሕለፍ (ፓስፖርት) ኣመልካቲ ፓስፖርት ምስ ዝሓትት ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት (ብወረቐት ወይ ብዲጂታል) ብናይ መንግስትን ብናይ ግሊ ናይ ጥዕና ኖቕጣታት፣ ብፋርማቻ ወይ ብሓኪሙ ይወሃቦ።