ምትዕርራይ (ጽገና) ስንክልና ካብ 1 መጋቢት 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ተገይሩ። እቲ ምትዕርራይ
ኣብ ኢጣልያ ስንክልናን ሲቪላዊ ስንክልናን ኣፍልጦ ዝወሃበሉ ስርዓት ዓሚቅ ለውጢ ዝውክል እዩ።
ብሕጋዊ ኣዋጅ 62/2024 ዝተቐመጠ ሓድሽ ሞዴል ዘተኣታቱ ኮይኑ እዞም ዝስዕቡ ኣፈጻጽማኦም ዝቕይር እዩ፤
- መርመራ ጥዕና
- ገምጋም ስንክልና
- ምስ ሲቪላዊ ስንክልናን ሕጊ 104ን ዝተኣሳሰሩ ጸብጻባት ምድላው
እቲ ምትዕርራይ (ጽገና) ነቲ መስርሕ ቢሮክራስያዊ (bureaucracy) ከምዘይከውን ዘተኮረ ኮይኑ፡ ሕክምናዊ መርመራ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጭቡጥ ጽልዋ ኩነታት ስንክልና ኣብ መዓልታዊ ህይወት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ከእቱ ዝዓለመ እዩ።
ኣይፋልን፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ምትዕርራይ ኣብ ፈተነ ምዕራፍ ይርከብ።
እዚ ማለት ድማ፤
- ኣብቲ ፈተነ ዝሳተፋ ኣውራጃታት (ነጥቢ 8 ርአ)፡ ሓደስቲ መመልከቲታት ነቲ ሓድሽ ስርዓት ይኽተላ ኣለዋ።
- እተን ካልኦት ኣውራጃታት እቲ ናይ ቀደም ኣሰራርሓ ይቕጽል ኣሎ (FAQ – Il riconoscimento della condizione di disabilità – JumaMap)።
ናይ መንግስቲ ዕላማ ፡ ነቲ ሓድሽ ስርዓት ክሳብ 1 ጥሪ 2027 ኣብ መላእ ሃገር ንምዝርጋሕ እዩ።
በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ኣገባባት ክፈላለ ስለ ዝኽእል፡ ከተመልክት ከለካ ኣበይ ኣውራጃ ከም እተቕርብ ምፍታሽ ኣገዳሲ እዩ።
እቲ ምትዕርራይ (ጽገና) በብቑሩብ ኣብ ሓያሎ ኣውራጃታት ኢጣልያ ተኣታትዩ ኣሎ። ኣብ ታሕቲ ዝርዝር ናይተን ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሳተፋ ዘለዋ ኣውራጃታት ኣሎ፤
ኣሌሳንድርያ (Alessandria)
ኣንኮና (Ancona)
ኣሬዞ (Arezzo)
ኣስኮሊ ፒቸኖ (Ascoli Piceno)
ኣስቲ (Asti)
ቤርጋሞ (Bergamo)
ቦለኛ (Bologna)
ቦልዛኖ / ቦዘን (Bolzano / Bozen)
ብረሺያ (Brescia)
ብሪንዲሲ (Brindisi)
ካልያሪ (Cagliari)
ካልታኒዜታ (Caltanissetta)
ካምፖባሶ (Campobasso)
ካዜርታ (Caserta)
ካታንያ (Catania)
ካታንዛሮ (Catanzaro)
ኬቲ (Chieti)
ኮሞ (Como)
ኮሴንሳ (Cosenza)
ክሮቶነ (Crotone)
ኩኔኦ (Cuneo)
ፊሬንዘ (Firenze)
ፎርሊ-ቸሴና (Forlì-Cesena)
ፍሮዚኖነ (Frosinone)
ጀኖቫ (Genova)
ኢሰርንያ (Isernia)
ላ ስፔስያ (La Spezia)
ለቸ (Lecce)
ማቼርታ (Macerata)
ማንቶቫ (Mantova)
ማሳ ካራራ (Massa Carrara)
ማቴራ (Matera)
መሲና (Messina)
ሚላኖ (Milano)
ፓሌርሞ (Palermo)
ፓቪያ (Pavia)
ፔሩጃ (Perugia)
ፒያቸንሳ (Piacenza)
ፖርዴኖነ (Pordenone)
ፖቴንሳ (Potenza)
ራቬና (Ravenna)
ረጆ-ካላብርያ (Reggio Calabria)
ሪምኒ (Rimini)
ሮማ (Roma)
ሳሌርኖ (Salerno)
ሳሳሪ (Sassari)
ሳቮና (Savona)
ሶንድርዮ (Sondrio)
ቴራሞ (Teramo)
ተርኒ (Terni)
ቶሪኖ (Torino)
ትረቪዞ (Treviso)
ትሪኤስተ (Trieste)
ኡዲነ (Udine)
ቨኔስያ (Venezia)
ቬሮና (Verona)
ቪቦ-ቫለንቲና (Vibo Valentia)
ቪቸንሳ (Vicenza)
እንድሕር ኣብዘን ኣውራጃታት ትነብር ኮንካ እሞ ሓድሽ መመልከቲ ከተቕርብ እንተድኣ ደሊካ፡ ኩነታትካ በቲ ሓድሽ ስርዓት ክግምገም እዩ። ዕላማ መንግስቲ፡ ነቲ ሓድሽ ሞዴል ክሳብ 1 ጥሪ 2027 ኣብ መላእ ሃገር ንምስፍሕፋሕ እዩ።
- 1. ናብ ሓኪምካ ኪድ
ሓፈሻዊ ሓኪም ወይ ክኢላ (specialist) ነቲ መእተዊ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት መሊኡ ብኤሌክትሮኒካዊ ኣገባብ ናብ INPS (ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ማሕበራዊ ድሕነት) ክሰዶ እዩ።
እቲ ሓኪም ኩሉ ናብ INPS ይሰዶ። ንስካ ክትገብሮ ዘለካ፤
- ቆጸራ ምሓዝ
- ሰነዳት ምውሳድ
- ቅብሊት ምዕቃብ (ምሓዝ)
እዚ ማለት ነቲ መስርሕ ብኣውቶማቲክ ይጅምርን INPS ብቐጥታ ነቲ መስርሕ የበግሶን ። ስለዚ ካብዚ ሰዓት እዚ ንደሓር እቲ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ምርካብ ፍሉይ መመልከቲ ምቕራብ ኣድላዪ ኣይኮነን።
ምርካብ ፍሉይ መመልከቲ ምቕራብ ኣድላዪ ኣይኮነን።
ኣብ ኢጣልያ ከመይ ጌርካ ሓፈሻዊ ሓኪም ትረክብ ንምፍላጥ ኣብዚ ተወከስ ፡ FAQ – Il diritto alla salute in Italia – JumaMap.
- ኣብ ቆጸራካ ንገምጋም ኪድ
እቲ መስርሕ ምስ ጀመርካዮ ፡ INPS በዞም ዝስዕቡ ኣገባብ ጻውዒት ክግበረልካ እዩ ፤
- ብመሰጅ (SMS)
- ኢመይል (emai)l
- ደብዳቤ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት
- online ኣብ መርበብ ሓበሬታ INPS
መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ዝስዕብ ክወሃበካ እዩ
- ናይ ሕክምና መርመራ ትገብረሉ ዕለት
- ሰዓታት
- ኣድራሻ ቦታን ኣገባባትን
እቲ ገምጋም እዚ ዝስዕብ የጠቃልል፡
ናይ ሕክምና መርመራ (ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ፡ ግን ብሓድሽ መምዘኒታት)
ኣብ ገሊኡ ኩነታት ድማ ብሰነዳት ዝግበር ገምጋም
እቲ ገምጋም ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣብ ግምት የእቱ፦
- ጥዕና
- ባዕላዊ ተጻዋርነት (ናይ ባዕልኻ ክእለትን ናጽነትን)
- ማሕበራዊን ናይ ስራሕን ህይወት
በዚ ምኽንያት እዩ ድማ ብዙሕ መዳያዊ ገምጋም (Valutazione Multidimensionale) ኢልና ንዛረብ፦
ዝተፈላለዩ ሞያተኛታት ዘለውዎ ጉጅለ (équipe multidisciplinare)፡ ነቲ ሕማም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ሰብ ዝነብረሉ ኩነታት፡ ድሌታቱን ዘጋጥምዎ ዕንቅፋታትን እውን ይግምግሙ። ስለዚ፡ እቲ መረጋገጺ ኣብ ናይ ሕክምና ሚእታዊት (percentuale) ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ፡ ነቲ ሰብ ዘለዎ ዝተፈላለየ መዳያት ህይወት ኣብ ግምት የእቱ፤ በዚ ኣገባብ እዩ ድማ እቲ ገምጋም “ብዙሕ መዳያዊ” ዝኸውን።
- ውጽኢት ምርመራኻ ምቅባል
እቲ ውጽኢት፡ ኣብ ክንዲ በቲ ናይ ቀደም ናይ ስንክልና ሚእታዊት (percentuale) ዝግለጽ፡ ሕጂ ግን ብመሰረት ኣህጉራዊ መምዘኒታት ICF (International Classification of Functioning) መሰረት ብምግባር፡ ነቲ ዘድልየካ ሓገዝ ኣብ ኣርባዕተ ደረጃታት ይከፍሎ፦
- ቀሊል : ትሑት ዝበለ ደገፍ ወይ ሓገዝ ዘድልዮ።
- ማእከላይ : መጠናዊ ሓገዝ ዘድልዮ።
- ጽዑቕ – ልዑል: ከቢድ ምስ ናይ ገዛእ ርእስካ ደረት ዝተኣሳሰር።
- ጽዑቕ – ኣዝዩ ልዑል: ቀጻሊ ክንክን ዘድልዮም ባዕሎም ነብሶም ዘይኽእሉ ሰባት።
ናይ ኩነታት ምርጋገጺ
እቲ ናይ መወዳእታ ምስክር ወረቐት (certificato)፡ ስንክልና ከም ዘለካ ወይ ከም ዘይብልካ የረጋግጽ። ብመሰረት እቲ ዝተወሰነ ደረጃ ከቢድነት (ቀሊል፡ ማእከላይ፡ ልዑል ወይ ኣዝዩ ልዑል)፡
እቲ ውጽኢት ነዞም ዝስዕቡ መሰላት የረጋግጽ፦
- ቁጠባዊ ጥቅምታት (Benefici economici): እዚ ንናይ ቀደም ጡረታን ክፍሊታትን ዝትክእ ኮይኑ። እቲ ናይ መጀመርታ ገምጋም፡ “ልዑል” (elevato) ወይ “ኣዝዩ ልዑል” (molto elevato) ደገፍ ዘድልዮ ስንክልና ምዃኑ እንተረጋጊጹ፡ ብቀጠታ ናይ ረድኤት ክፍሊታትን ደገፍን ወይ ከም ተሓጋጋዚ ( ኣላዪ) ኣካል ይፍቀድ።
- ጽዑቕ – ኣዝዩ ልዑል: ቀጻሊ ክንክን ዘድልዮም ባዕሎም ነብሶም ዘይኽእሉ ሰባት።
ናይ ኩነታት ምርጋገጺ
እቲ ናይ መወዳእታ ምስክር ወረቐት (certificato)፡ ስንክልና ከም ዘለካ ወይ ከም ዘይብልካ የረጋግጽ። ብመሰረት እቲ ዝተወሰነ ደረጃ ከቢድነት (ቀሊል፡ ማእከላይ፡ ልዑል ወይ ኣዝዩ ልዑል)፡
እቲ ውጽኢት ነዞም ዝስዕቡ መሰላት የረጋግጽ፦
- ቁጠባዊ ጥቅምታት (Benefici economici): እዚ ንናይ ቀደም ጡረታን ክፍሊታትን ዝትክእ ኮይኑ። እቲ ናይ መጀመርታ ገምጋም፡ “ልዑል” (elevato) ወይ “ኣዝዩ ልዑል” (molto elevato) ደገፍ ዘድልዮ ስንክልና ምዃኑ እንተረጋጊጹ፡ ብቀጠታ ናይ ረድኤት ክፍሊታትን ደገፍን ወይ ከም ተሓጋጋዚ ( ኣላዪ) ኣካል ይፍቀድ።
- ኣሸላሻል ናይ ግብሪ (ታክስ)ናይ ስራሕ ምፍኳስን፤
እቲ ውጽኢት ኣወንታዊ ምስ ዝከውን ፡ ካብ ስራሕ ፍቓድ ንምውሳድ (ብመሰረት ሕጊ 104)፡ ንተሽከርከርቲ ወይ ቴክኒካዊ ሓገዛት ናይ ግብሪ ቅናሽ ንምርካብ፡ ከምኡ እውን ንመሓገዚ መሳርሒታት (ausili) ንምዕዳግ ንዝግበር ደገፋት መሰል ይህብ።
እቲ ውጽኢት፡ ብኣውቶማቲክ ኣብቲ ናይ ጥዕና ኤሌክትሮኒካዊ መዝገብካ (FSE – Fascicolo Sanitario Elettronico) ይስነድ፤ እዚ ድማ ንኹሉ ናይ ጥዕና ታሪኽካ (ሕክምናዊ ሰነዳትካ) ዝእክብ ዲጂታላዊ መሳርሒ እዩ። ነዚ መዝገብ እዚ
ንኽትጥቀም SPID ወይ ኤሌክትሮኒካዊ መንነት ወረቐት (CIE – Carta d’Identità Elettronica) ጌርካ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።
ናብቲ ናይ ጥዕና ኤሌክትሮኒካዊ መዝገብካ (FSE) ንምእታው ኣብዚ ጠውቕ!
ብሕጽር ዝበለ መገዲ፡ እንታይ ክትረክብ ኢኻ፧
ምስ ስንክልና ዘለካ ፍሉይ ኩነታት ዘረጋግጽ ዲጂታላዊ ሰነድ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ሰነድ እዚ ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ዘድሊ እንኮ መረጋገጺ እዩ፦
- ካብ INPS ናይ ቁጠባዊ ሓገዝ ክፍሊት ንምቕባል::
- ካብ ቤት ጽሕፈት ናይ ግብሪ (Agenzia delle Entrate) ናይ ግብሪ ቅናሽ ንምርካብ።
- ኣብቲ ትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ (Comune) ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምኽፋት።
እቲ ኣዋጅ (D.Lgs. 62/2024) ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ንምትግባር ዝዓለመ እዩ፦
- ኣብ መንጎ ስቪላዊ ስንክልናን (Invalidità Civile) ከምኡ እውን ናይ ስንክልና መረጋገጺ (Disabilità) ዘሎ ምድንጋር ንምውጋድ፦
- ናይ ሲቪል ስንክልና ቃለ–ጉባኤ (Verbale di Invalidità Civile): እዚ ንናይ ስራሕ ዓቕሚ ምንካይ ይግምግም
(ብሚእታዊት ዝግለጽ፡ ንኣብነት 74%፡ 100%)። ብቐንዱ ድማ ቁጠባዊ ረድኤት (ጡረታ፡ ክፍሊታት) ወይ ናይ ግብሪ ቅናሽ ንምርካብ ዘገልግል እዩ።
- ናይ ስንክልና ቃለ–ጉባኤ (Verbale di Disabilità – ሕጊ 104/92)፦ እዚ ንኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ ወይ ስምዒታዊ (ምስማዕን ምርኣይን) ጉድኣታት ይግምግምን ይፈልጥን (እዚ ድማ ናይ ሲቪል ስንክልና፡ ዕውርነት፡ ጸማምነት፡ ወይ ጸማም–ዕውርነት ዘጠቓልል እዩ)። ከምኡ እውን እቲ ሰብ ዘድልዮ ናይ ሓገዝ ኩነታት የረጋግጽ (ማሕበራዊ ገምጋም፡ ብመሰረት ሕጊ 104/1992)።
- ነቶም ክልተ ቃለ–ጉባኤታት (verbali) ምውህሃድ
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ጽገና (62/2024)፡ ካብዚ ግዜ እዚ ንደሓር ዝተፈላለዩ ቃለ–ጉባኤታት (verbali) ኣይክህልዉን እዮም፤ ኣብ ክንድኡ፡ ኩነታት ስንክልና ብንጹር ዝገልጽ ሓደ ወግዓዊ ምስክር ወረቐት (certificato) ጥራይ ክህሉ እዩ።
- ሓድሽ ኣጸዋውዓ (terminologia) ምትእትታው
እቲ ኣዋጅ፡ ንኩሎም ተራ ሕግታት፡ ነቶም ከም ስንኩል (invalidità)፡ ስንክልና (handicap) ወይ ዝተፈልየ ዓቕሚ ዘለዎ (diversamente abile) ዝብሉ ቃላት ሰሪዙ፤ ኣብ ክንድኦም ድማ ሰብ ምስ ስንክልና (Persona con disabilità) ብዝብል ስም ይትክኦም።
- መደብ ብዛዕባ ውልቃዊ ሂወት (Progetto di Vita)
ኣወንታዊ ውጽኢት ገምጋም፡ ነቶም መንግስታዊ ትካላት (ምምሕዳር ከተማ ከምኡ ድማ ቤት ጽሕፈት ጥዕና)፡ ብጠለብካ መሰረት ናይ ህይወት ውልቃዊ መደብ (Progetto di Vita Individuale) ንኸዳልዉ የገድዶም እዩ። እዚ መደብ እዚ፡ ንኹሎም ዘድልዩኻ ሓገዛት (ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ጥዕናዊን) ብዝተወሃሃደ መገዲ ዝሕዝ መምርሒ እዩ።
እቲ ጽገና ነቲ ኣገባብ ገምጋም ይቕይሮ።
ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ እቲ ገምጋም ብቐንዱ ኣብ ሚእታዊት ስንክልና (percentuale di invalidità) ዝተመርኮሰ እዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሕማም ምስ ሓደ ዝተወሰነ ቁጽሪ ብመልኽዕ ብሚእታዊት ብዘተኣሳስሩ ሰሌዳታት (tabella) እዩ ዝውሰን ነይሩ።
እቲ ሓድሽ ስርዓት ብተወሳኺ እቲ ኩነታት ኣብ ህይወት ሓደ ሰብ ዘለዎ ጽልዋ ይግምግም፣ ገለ ከም ኣብነታት ድማ ነዞም ዝስዕቡ ኣብ ግምት የእቱ፦
- ውልቃዊ ርእሰ–ምሕደራ
- ናይ ስራሕ ዓቕሚ
- ማሕበራዊ ተሳትፎ
- ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት ምጽጋም።
እዚ ኣገባብ እዚ፡ ንስንክልና ብዝያዳ ጭቡጥን (realistico) ኣብቲ ሰብ ተኾረ ብዝህብ መገዲ ንምፍላጥ ዝዓለመ እዩ።
እወ።
በዚ ሓድሽ ኣገባብ ገምጋም፡ እቲ ገምጋም ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘጋጥሙ ናይ ሓቂ ዕንቅፋታት ኣብ ግምት የእቱ።
ንኣብነት፦ ሓደ ጽቡቕ ጌሩ ገዛእ ርእሱ ዝክእል (autonomia) ሰብ፡ ምስቲ ተመሳሳሊ ሕማም ወይ ምርመራ (diagnosi) ዘለዎ ግናኸ ዝያዳ ናይ ሓገዝን ደገፍን ድሌት ዘለዎ ካልእ ሰብ ክነጻጸር ከሎ፡ እቲ ዝወሃቦ ገምጋም እተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ካብ ዕላማታት እቲ ጽገና ዕላምኡ ሓደ ናይ ስንክልና ምስክር ወረቐት ምትእትታው እዩ።
ኣብ መጻኢ ሓደ ምስክር ወረቐት ንዝተፈላለዩ ጥቕምታት ዝውዕል ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት፤
- ሲቪላዊ ስንክልና
- ሕጊ 104 ኣፍልጦ ምሃብ
- ካልኦት ናይ ድሕነት ወይ ደገፍ ስጉምትታት።
እቲ ዕላማ ንኣካለ–ስንኩላንን ስድራቤቶምን ዝምልከት መስርሕ ምቕላል እዩ፤
- ተደጋጋሚ ምብጻሕ
- ናይ ምጽባይ ግዜ
● ቢሮክራስያዊ ኣገባባት።
እቲ ጽገና ነቶም ረብሓታት ንምርካብ ዘድልዩ ረቋሒታት ብቀጠታ ባዕሉ ኣይቅይሮምን እዩ።
ብፍላይ ድማ፦
- ናይ ጥዕና ደረጃታት ኣይወርድን እዩ።
- ቁጠባዊ ደረት ኣይቅየርን እዩ።
- ዝለዓለ ሚእታዊት ውሕስነት የብሉን።
ይኹን እምበር፡ እቲ ኣገባብ ናይ ገምጋም ይቕየር ስለዘሎ፡ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ህይወት ሓደ ሰብ ኣብ ግምት ንምእታው ዝዓለመ እዩ።
ንሲቪላዊ ስንክልና ወይ ሕጊ 104ን ንምምልካት፡
ክትገብሮም ዘለካ ነገራት፤
- እዋናዊ መዛግብቲ ሕክምናን ፡ ዝርዝር ሕክምናዊ ምስክር ወረቐትን ምእካብ
ናብ ሓኪምካ ነዞም ዝስዕቡ ውሰድ፡
- እዋናዊ ጸብጻብ ክኢላታት (specialist)
- መርመራታት (ናይ ቀረባ እዋን እንተተኻኢሉ)
- ናይ ሆስፒታል ምስክር ወረቐት
- ዝኾነ ቅድሚ ሕጂ ዝቐረበ ጸብጻባት
እቶም ሰነዳት ንጹር፡ ተነባቢ፡ ብቋንቋ ጥልያን ክኾኑ ኣለዎም፡ ከምኡ’ውን እቲ ስንክልና ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ክገልጹ ኣለዎም።
- ምስ ሓኪም ጽቡቕ ጌርካ ተዘራረብ፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ንዘጋጥሙ ጸገማት ብንጹር ግለጽ፣ ዝኾነ ናይ ስራሕ ወይ ማሕበራዊ ድሩትነት ድማ ጸብጻብ።
እቲ ሓኪም ( ናህካ ሓኪም ወይ ስፔሻሊስት) ነቲ ምስክር ወረቐት ክመልኦ ኣለዎ፣ እዞም ዝስዕቡ ድማ ክማልኡ ኣለዎም፤
- ኩሉ ሕክምናዊ ኩነታት
- ዘለካ ጭቡጥ ምልክታት
- ግብራዊ ጸገማት (ምጉዓዝ፡ ምስራሕ፡ ንብስካ ምኽኣል ወዘተ)
መተሓሳሰቢ፡ ነቲ ኩነታት ኣቃሊልካ ኣይትግበሮ፤ እዚ እውን መሰረት ናይቲ ገምጋም እዩ።
- ምምሕዳራዊ ረቛሒታት ምፍታሽ
ቅድሚ ምጅማርካ ፡ ከምዚ ዝስዕብ ኣረጋግጽ፤
- ብቁዕ ናይ ግብሪ ኮድን (codice fiscale) መለለዪ መንነትን ይሃልኻ
- ኣብ ዓዲ ጥልያን ነባሪ ክትከውን ኣለካ
- ከም በዓል SPID/CIE (ንመስርሕ ንምክትታል ጠቓሚ) ክህልወካ ኣለዎ
- ዝኾነ ተወሳኺ ሰነድ ምድላው
ምስቲ ጉዳይ ክትኣሳሰር ዝኽእል፤
- ናይ ስራሕ ምስክር ወረቐት (ትሰርሕ እንተኮንካ)
- መዛግብቲ ቤት ትምህርቲ (ንትሕቲ ዕድመ)
- ማሕበራዊ ዝምድና ወይ ድሕነት ዝምልከት መዛግብቲ
ብፍላይ ነቲ ጽገና ዝጠልቦ ዝያዳ “ምሉእ” ገምጋም ጠቓሚ እዩ።
መስርሕ እቲ ጽገና (reform) ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦ ድሕሪ እቲ ናይ ፈተነ ግዜ ፡ እቲ ሓድሽ ስርዓት ካብ
ጥሪ 1፡ 2027 ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢጣልያ ስራሕ ክጅምር እዩ።
ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ መዳያት ክትትል ክግበረሎም እዩ፡ ገለ ካብኣቶም ድማ፤
- መርመራ ንምግባር ናይ ቆጸራ ግዜ
- ኣገባብ ኣሰራርሓ ጸብጻባት
- ኣብ ፋይናንሳውን ሓገዝውን ጥቕምታት ጽልዋ ኣለዎ።
ስለምንታይ እዩ ሓበሬታ ምርካብ ኣገዳሲ ዝዀነ ፧
ኣብ እዋን ናይ ምስግጋር ምዕራፍ፡ ኣገባብ ኣሰራርሓ ካብ ኣውራጃ ናብ ኣውራጃ ክፈላለ ይኽእል።
ሓደስቲ ባህርያት ናይቲ ጽገና ምፍላጥን ነቲ ሰነዳት ብግቡእ ምድላውን፡ ንዓኻን ስድራቤትካን ነቲ መስርሕ መመልከቲ ብዝያዳ ብሓበሬታ ክትቀርብዎ ክሕግዘኩም ይኽእል።
እቲ ጽገና ገና ኣብ መስርሕ ትግባረ ስለ ዘሎ፡ ብጭቡጥ ካብ ጥሪ 2027 ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ምውዓሉ ንምርግጋጽ፡ ነቲ መስርሕ ክትከታተሎ ንመክረካ።
NABILA è un Help Desk per cittadini migranti con disabilità e vulnerabilità che assicura assistenza socio legale, mediazione linguistica e orientamento ai servizi sul territorio nazionale.
Attraverso la linea telefonica gratuita 800 999 977, NABILA fornisce:
- Ascolto e supporto da remoto
- Orientamento ai servizi sul territorio grazie a JUMA MAP
- Possibilità di richiedere appuntamenti in presenza (nella sede dell’Ufficio Immigrazione di ARCI Nazionale)


