ኣብ መወዳእታ ናይ ትምህርትና ቦርሳ ነዳልወሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ። ሎሚ ዓመት መጻሕፍትን ጥራውዝትን ሓዊስካ ካልኦት ሓደሽቲ ልምድታት እውን ከነተኣታቱ ኢና።
ካብቲ በዓል መዚ ዝወሃቡ ናይ ቅስቀሳ መልእኽትታት፡ ንስድራቤት፣ ንደቀንስትዩ ተመሃሮን ንተመሃሮ ብሙሉኦምን፡ ትምህርቲ እንደገና ንምጅማርን ሓደሽቲ ዝተአታተው ልምድታት ክኽበሩን ንምትብባዕ ይሕግዝ።
- Poster – italiano (PDF 0.52 Mb)
- Poster – italiano-inglese (PDF 482.0 Kb)
- Poster – italiano-francese (PDF 481.7 Kb)
- Poster – italiano-spagnolo (PDF 0.61 Mb)
- Poster – italiano-rumeno (PDF 490.1 Kb)
- Poster – italiano-arabo (PDF 0.56 Mb)
- Poster – italiano-cinese (PDF 0.64 Mb)
(Fonte: Ministero della Salute)

ኣብ ነብስኻ ዘሎ ናይ ሙቀት መጠን ተለካዕ
ቅድሚ ምውጻእካ ኩሉ ግዜ ግበሮ። ካብ 37.5% ንላዕሊ እንተለካ ወይ ብኮቪድ – 19 ዝፍለጡ ምልክታት እንተርኢኻ ካብ ገዛኻ ከይወጻእካ ንዶክተርካ ኣዘራርብ።

ኣእዳውካ ብዙሕ ግዜ ተሓጸብ
ኣብቲ ቤት ትምህርትካ ዝርከቡ ናይ ጽርየት መሐለዊ ዝቀርቡ ተጠቐም።

ምልክታት ተኸተል
መእተውን መውጽእን ዝተፈላለዩ አዮም። አቲ ቤት ትምህርቲ ዘዳለዎ መምርሒ ተኸተል።

ኢሙኒ (IMMUNI)ዝብል ኣፕሊኬሽን ኣውርድ
ዕድመኻ ካብ 14 ዓመት ንላዕሊ እንተኮይኑ ሕጂ ኣውርዶ። እዚ ኣፕሊኬሽን ወይ መፈጸሚ ብኮቪድ – 19 ንዝፍለጡ ምልክታት ንኽትፈሊ የኽእለካ።.

ምርሕሓቕ ሓሉ
ካብ ዝኾነ ምትእኽኻብ ተቖጠብ። ኩሉ ግዜ ካባኻን ካብ ካልኦትን እንተወሓደ ናይ ሓደ ሜትሮ ርሕቀት ምህላዉ ሓሉ።

ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስክ ተጠቐም
ኣብ ትንቀሳቐሰሉን ኣብ እኩብ ዘለዎ ቦታን ኩሉ ግዜ ተጠቐመሉ። ኮፍ ትብለሉ ናይ ቤት ትምህርቲ ወንበር ወይ ደስክ ምስ ካልኦት ናይ ሓደ ሜትር ምርሕሓቕ እንተሎ እቲ ማስክ ከተውጽኦ ትኽእል። ካብ 6 ዓመት ንታሕቲ ንዝኾኑ ኣይምልከትን።.

ናይ መእተዊ ሓበሬታ ርኸብ
ንሓደ ተመሃራይ ሓደ ሓጋዚ ጥራሕ ት አወሲኑ ዘሎ። ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ መርበብ ብምእታው እቲ ናይ መእተዊ ደምብታት ክትርኢ ትኽእል።
ንነብስና ብምሕላው ንኻልኦት እውን ንሓሉ