ብዝተረጋገጸ መንገዲ ናብ ትምህርትና ክንምለስ ኢና

Share on facebook
Share on twitter
Share on linkedin
Share on telegram

ኣብ መወዳእታ ናይ ትምህርትና ቦርሳ ነዳልወሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ። ሎሚ ዓመት መጻሕፍትን ጥራውዝትን ሓዊስካ ካልኦት ሓደሽቲ ልምድታት እውን ከነተኣታቱ ኢና።

ካብቲ በዓል መዚ ዝወሃቡ ናይ ቅስቀሳ መልእኽትታት፡ ንስድራቤት፣ ንደቀንስትዩ ተመሃሮን ንተመሃሮ ብሙሉኦምን፡ ትምህርቲ እንደገና ንምጅማርን ሓደሽቲ ዝተአታተው ልምድታት ክኽበሩን ንምትብባዕ ይሕግዝ።

(Fonte: Ministero della Salute)

ኣብ ነብስኻ ዘሎ ናይ ሙቀት መጠን ተለካዕ
ቅድሚ ምውጻእካ ኩሉ ግዜ ግበሮ። ካብ 37.5% ንላዕሊ እንተለካ ወይ ብኮቪድ – 19 ዝፍለጡ ምልክታት እንተርኢኻ ካብ ገዛኻ ከይወጻእካ ንዶክተርካ ኣዘራርብ።

ኣእዳውካ ብዙሕ ግዜ ተሓጸብ
ኣብቲ ቤት ትምህርትካ ዝርከቡ ናይ ጽርየት መሐለዊ ዝቀርቡ ተጠቐም።

ምልክታት ተኸተል
መእተውን መውጽእን ዝተፈላለዩ አዮም። አቲ ቤት ትምህርቲ ዘዳለዎ መምርሒ ተኸተል።

ኢሙኒ (IMMUNI)ዝብል ኣፕሊኬሽን ኣውርድ
ዕድመኻ ካብ 14 ዓመት ንላዕሊ እንተኮይኑ ሕጂ ኣውርዶ። እዚ ኣፕሊኬሽን ወይ መፈጸሚ ብኮቪድ – 19 ንዝፍለጡ ምልክታት ንኽትፈሊ የኽእለካ።.

ምርሕሓቕ ሓሉ
ካብ ዝኾነ ምትእኽኻብ ተቖጠብ። ኩሉ ግዜ ካባኻን ካብ ካልኦትን እንተወሓደ ናይ ሓደ ሜትሮ ርሕቀት ምህላዉ ሓሉ።

ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስክ ተጠቐም
ኣብ ትንቀሳቐሰሉን ኣብ እኩብ ዘለዎ ቦታን ኩሉ ግዜ ተጠቐመሉ። ኮፍ ትብለሉ ናይ ቤት ትምህርቲ ወንበር ወይ ደስክ ምስ ካልኦት ናይ ሓደ ሜትር ምርሕሓቕ እንተሎ እቲ ማስክ ከተውጽኦ ትኽእል። ካብ 6 ዓመት ንታሕቲ ንዝኾኑ ኣይምልከትን።.

ናይ መእተዊ ሓበሬታ ርኸብ
ንሓደ ተመሃራይ ሓደ ሓጋዚ ጥራሕ ት አወሲኑ ዘሎ። ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ መርበብ ብምእታው እቲ ናይ መእተዊ ደምብታት ክትርኢ ትኽእል።

ንነብስና ብምሕላው ንኻልኦት እውን ንሓሉ

Evidenza

ናይ ሕዝቢ ውድድራት ንዝግበር መረጻ መመሓየሺ: ኣብቲ ምምራጽ ስደተኛታትን ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ምክታት

ናይ ሕዝቢ ውድድራት መመሓየሺ (ብ ኦገስት 6/2021 ናብ ሕጊ ቁጽሪ 113 ዝተለወጠ ኣዋጅ ቁጽሪ 80/2021) ኣብ ናይ ሕዝቢ ምምሕድዳር ዘሎ ናይ ስራሕ ሙቕጻር ብጽሒታት ንምምሕያሽ

 674 Visite totali,  11 visite odierne

Continua a leggere »
Violenza di genere

ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝግበር ናይ ደቂ ሰባት ዝውውር ከቢድ ናይ ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰት እዩ።

ብኸምዚ ዓይነት ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ብዝበዛ ትነብር እንተኔርካ ወይ ትነብር እንተለኻ፡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ብ 800290290 ደውል ብነጻን ሽም ብዘይምጥቃስን ን24 ሰዓታት ይሰርሕ   ኣብ

 1,881 Visite totali,  11 visite odierne

Continua a leggere »