ተደጋገምቲ ሕቶታት – መሰል ስራሕ፡ ሓጋዚ ሕቶታትን መልስታትን

ድሕነት ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ክበሃል ከሎ፡ ኩሎም
ሕግታትን መሳርሕን ተጠቂምካ ኣብ ስራሕ ቦታ ክኽሰቱ
ዝኽእሉ ጎዳእቲ ፍጻመታት ምክልኻል እዩ። ( ሓደጋን
መጉዳእትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሰራሕተኛታት፡
ምጅማር ወይ ምምዕባል ሕማማት ኣብ ቦታ ስራሕ እዩ)
ስለዚ ድማ ናይ ስራሕ ቦታታት ውሑስ ምግባር።

ሕግታት ድሕነትን ጽሬትን ምኽታል ኣገዳሲ እዩ፣ ንዝኾነ
ሓደገኛ ኩነታት ኣቓልቦ ምሃብ፣ ኩሎም ብዛዕባ ድሕነት
ዝዋሃቡ ሓብረታት ድማ ምኽትታል። ኣብ ቦታ ስራሕ
ውን ጉቡእ ዝኮነ ንነብስካ መከላከሊ መሳርሒ
ምጥቃም።
ንኣብነት፥ ጫማ ናይ ስራሕ፥ ቆቢዕ፥ ጛንቲ ወዘተ።
ንሱ ድማ ብኣስራሒ ክቐርብ ኣለዎ። ዝኾነ ሓደገኛ ወይ
ዘይተለምደ ኩነታት እንተ ታዓዚብካ ምሕባር ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ኢጣልያ ብሓፈሻዊ ምሉእ ግዜ ናይ ስራሕ ሰዓታት
ኣብ ሰሙን 40 ሰዓታት ኮይኑ፡ ኣብ ዝገበርካዮ ውዕል
ግን ይምርኮስ። እቲ ናይ ስራሕ ኩንትራትካ ውን
ተወሳኪ ሰዓታት (overtime) ከማልእ ይክእል።
ብሓላፍነት ናይ ኣስራሒ ክከዉን ዘለዎ ኮይኑ
ብመልክዕ ጽሑፉን ሕግውነት ዝለበሰን ክከዉን
ኣለዎ።
ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 24 ሰዓታት 11 ኸታተልቲ
ሰዓታት ዕረፍቲ ክረክብ ኣለዎ፡ ኣብ ሰሙን ድማ ብሓፈሻ
ምስ ሰንበት ብምግጥጣም እንተወሓደ ን24 ተኸታተልቲ
ሰዓታት ናይ ዕረፍቲ ግዜ ክረክብ መሰል ኣለዎ።
ዓመታዊ ዕረፍቲ እንተወሓደ ንኣርባዕተ ሰሙን ክወሃብ
ዘለዎ ኮይኑ ናይ ግድን ድማ እዩ።

ኣይፋል፡ ኢጣልያ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ
ዝተሓተ ደሞዝ ዘይብለን ሃገራት እያ።
ብመሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ዝተሓተ
ደሞዝ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 7 ክሳብ 9 ዩሮ ኣብ
ሰዓት ይከውን።

ብዛዕባ ምዝመዛ ኣብ ስራሕ ክበሃል ከሎ፣ ሓደ ሰብ
ብዘለዎ ብጸገማት ተገዲዱ ክሰርሕ ከሎ እዩ። ( ብትሑት
ዶሞዝ ወይ ብዘይ ሕጋዊ ኩንትራት ) ዘይፍትሓዊ ኩነታት
ስራሕ ድማ ይቅበል።
እቲ ኣስራሒ ጉልበት ሰብ መዝሚዙ ይከስብ።
መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ግዳይ ምዝመዛ ኮይኑ ዘሎ ሰራሕተኛ
ይምዝመዝ ከም ዘሎ ከማን ኣይስተባህለሉን እዩ።

ብመሰረት ሕጊ ኢጣልያ ምዝመዛ ኣሎ ክበሃል
እንተኾይኑ፤
– እቲ ደሞዝ ምስ ሃገራዊ ደረጃታት ወይ ምስ
ዝተሰርሐ ሰዓታት ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ትሑት እዩ፥
– ብዘይ ዕረፍቲ ምስራሕ፥ ኣብ በዓላት ዕረፍቲ
ዘይምርካብ ወይ ናይ ሕማም ፍቃድ
ዘይምርካብ፤
– ኣብ ስራሕ ሕግታት ድሕነት ኣይክበሩን።
– ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ቁፅፅር ብዘዋርድ ወይ
ዘሕፍር ኣገባብ ይፍጸም፤
– ኩነታት ትቅመጠሉ ገዛውቲ ምቹእ ኣይኮነን፥
እቲ ገበን ኣዝዩ ከቢድ ይከውን እንተ እዞም ኣብ ታሕቲ
ተቂሶም ዘለዉ ኮይኑ፡
– ልዕሊ 3 ሰራሕተኛታት ዘሳትፍ ምስ ዝከዉን
– ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ዕድምኦም ንስራሕ
ዘይኣከለ
– ንሰባት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምእታው

እቶም ተግባራት ብዓመጽ ወይ ምፍርራሕ ዝፍጸሙ
እንተኾይኖም፡ ቅልጡፍ ግዴታዊ ማእሰርቲ ይብገስ: ኣብዚ
ጉዳይ እዚ ብዛዕባ ከቢድ ምዝመዛ ኣብ ስራሕ ኢና ንዛረብ።

ምዝመዛ ኣብ ስራሕ ምስ ካልኦት ከበድቲ ገበናት

– ባርነት
– ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት (ንጉልበት፡
ምንዝርና፡ ልመና፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣካላት)፡

– ምዕዳግ ወይ ምሻጥ ባሮት።

ሕጊ ኢጣልያ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝኾኑ ሰባት
ንምክልኻል ተኸታታሊ ስጉምትታት ይህብ፣ ባርነትን
ምዝመዛ ኣብ ስራሕ ይውግድ። ብፍላይ ድማ እቲ ቀዳማይ
ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ መሳርሒ ዓንቀጽ .18 እዩ። እዚ
ዓንቀጽ እዚ ድማ፡ ኣብ ጉዳይ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር
ሰባት ወይ ኩነታት ዓመጽ ወይ ከቢድ ምዝመዛ ኣብ ስራሕ
ዝኾኑ ወጻእተኛታት፡ "ንፍሉይ ጉዳያት መንበሪ ፍቓድ"
ዝበሃል ፍሉይ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምሃብ ተኽእሎ ዝህብ
እዩ።

እወ፥ እቶም ኣገባባት ግን  ከከም  ኩንታቱ ይፈላለዩ፥



  • ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ዓመጽ ወይ ከቢድ ምዝመዛ እንተሃልዩ እቲ ሰብ ን”ፍሉይ ጉዳያት” መንበሪ ፍቓድ ክሓትት ይኽእል። ( ዓንቀጽ 18 Testo Unico Immigrazione)  ክትወስደሉ ትኽእል ድማ  ክልተ  መንገድታት ኣለዉ።

 

  • ጸብጻብ ከይሃብካ ፡ ግን ከኣ ናብ መስርሕ ማሕበራዊ ሓለዋ ምእታው (ብማእከላት ጸረ ዓመጽ፡ ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት መሓውራት)፤
  • ናብ ሕጊ ጠሪዕካ ገበናዊ መስርሕ  ምጅማር።

 

እዚ ፍቓድ ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ብሕጋዊ ምኽንያት ንሓደ ዓመት ወይ ልዕሊኡ ክሕደስ ይኽእል።

  • እቲ ገበን   ብዛዕባ ምዝመዛ  ኣብ  ስራሕ ዝምልከት ኣብ እዋን ፈተሻ፡  ወይ መርመራ እንተተረኪቡ፡

“ፍሉይ ጉዳያት – ዓንቀጽ 18 ተር” ዝብል መንበሪ ፍቓድ ክረክብ ይከኣል፡ እዚ እውን ን6 ኣዋርሕን ዝሕደስን እዩ።

ዋል እቶም ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ኣባላት ስድራቤት ናይቲ ግዳይ ከይተረፉ ብስድራቤታዊ ምኽንያት ፍቓድ ክረኽቡ ይኽእሉ፣  ካብቲ ተቓላዕነታዊ ኩነታት ንምውጻእ (ንምድሓን)።

ኣይፋል፡ ንፍሉያት ጉዳያት መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዝቐረበ

 ሕቶ ስዒቡ፡ ዳኛ ነቲ መስርሕ የቋርጾ፡ መንበሪ ፍቓድ እንተተዋሂቡ ድማ፡ እቲ ጉዳይ ክስረዝ ይእዝዝ፡ ነቲ መስርሕ ድማ ይዛዝሞ።

እቲ ምዝመዛ  እንድሕር ኣብ እዋን  ናይ  ፖሊስ መርመራ  ወይ ኣብ ሕጋዊ መስርሕ እንተተረኺቡ፡ እቲ ሕጊ ግድን ነቲ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ  ክሕብር ኣይግድድን።

ግን ኣብ እዋን ገበናዊ መስርሕ ንመለለዪ ተሓተትቲ  ሰባት ዝገብሮ ጠቓሚ ኣበርክቶ ጥራይ እዩ።



እንተኾነ ግን፡ ተቖጻጻሪ ስራሕ (መሰል ሰራሕተኛታት ዝከታተል ህዝባዊ ኣካል) ነቲ ምዝመዛ እንተድኣ ብመልኽዕ ጸብጻብ ኣቅሪቡ፡ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ኣወንታዊ ርእይቶ ክህብ ይኽእል።

ኣይፋል፡ መንበሪ ፍቃድ ንክትወሃብ ብሕጊ ትሕተቶ ኣይኮነን። ብስድራ ምኽንያት መንበሪ ፍቓድ ክጥቀሙ ንዝኽእሉ ኣባላት ስድራቤት ግን ግዴታ ድዩ ኣይኮነን ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።

ብዝኾነ ኮይኑ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ትሓተሉ እዋን፡ ብመሰረት ኣብ ዓንቀጽ 18-ter ዝተጠቕሰ  እቲ ሰብ ክነብረሉ ዝሓሰበሉ ቦታ ምምልካት የድሊ።

 

 መደበር  ፖሊስ – ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ኣገዳሲ ረቛሒ ኮይኑ እንተረኺብዎ፡ ብጽሑፍ ምኽንያት ምሕታትን ጠበቓ ምውካስን ይምከር።

ዝርዝር ሕጋዊ ሓገዝ ብነጻ ዝህባ ኣብ ታሕቲ  ተወከስ፤

 

https://www.jumamap.it/map/litemap.php?ser=leg

ካርታ ናይ ከባቢ ተቖጻጸርቲ ስራሕ ተወከስ፤

https://www.ispettorato.gov.it/lagenzia/struttura-organizzativa/le-sedi-inl/cerca-le-sedi-territoriali/

እቲ “ፍሉይ ጉዳያት” ዝብል መንበሪ ፍቓድ፡ ኣገልግሎት ድሕነትን ትምህርትን ንምርካብ፥   ኣብ ህዝባዊ ቤት ጽሕፈት  ቀብሌ ( comune)ምምዝጋብ ከምኡ ውን  ማእከላት ስራሕ ንምስታፍ  የኽእል።

እወ፡ እቶም  መንበሪ ፍቓድ ዘመልከቱ ስራሕ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም። 

እቲ  ንመንበሪ ፍቃድ ምስ ሓተትካ ዝዋሃበካ ቅብሊት ወረቀት ኣብ ኢጣልያ ክትጸንሕን፡ ክትሰርሕን የኽእለካ እዩ፡  ዋላ እኻ እቲ ዕላዊ መንበሪ ፍቃድ እንተዘይተዋህበካ።

ዝነበረካ ናይ ስራሕ ቦታ ምጥፋእ ዝተዋህበካ  መንበሪ ፍቓድ ንምስራዝ ምኽንያት ክከውን ኣይክእልን  ብመሰረት ዓንቀጽ 18-ter።


ወጻእተኛ ኣብ ቦታ ስራሕ ግዳይ ዝኮነ ኣብዚ  ታሕቲ ዘሎ link ብምካድ ክምዝገብ መሰል ኣለዎ።

SIISL, il Sistema informativo per l’Inclusione Sociale e Lavorativa፣ እዚ platform ኮይኑ  ናትካ  curriculum vitae ከማኡ ድማ ኣብኡ  ዳህሲስካ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ንምውሳድ ይሕግዝ። ኣብ SIISL ውን ክትምዝገብ ትኽእል ብቀጠታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ INPS ወይ ድማ ናብ ታሓጋገዝቲ ኣሳለጥቲ ጉዳያት ብምካድ፡ እዚ ኩሉ ንምግባር ግን identità digitale (SPID o CIE) የድልየካ።

እወ! ወነንቲ መንበሪ ፍቃድ “ፍሉይ ጉዳያት“ ዘለዎም እዚ ዝስዕብ መሰል ኣለዎም፡



  • Assegno di inclusione ዝብሃል ኣበል ይምልከተካ፣ ብዘይገድስ  ኩነታት ምንባርካን፡ ዘለካ እቶትን ንብረትን።
  • ኣበል ን ቆልዑት ደቅካ (Assegno unico e universale per  i figli a carico )



እቲ ናይ ሓገዝ ኣገልግሎት መመልከቲ በቲ መጸበዪ ወረቀት  ቅድሚ ዕላዊ መንበሪ ፍቃድ ዝወሃበካ ቅብሊት ክትሓትት ትኽእል ኢካ።

ኣብ መላእ ሃገር ጽዑቕ ናይ ደገፍ፡ ሓበሬታን መምርሕን መርበብ ኣሎ። 

ብነጻ ተሌፎን መን ሙኻንካ ከይነገርካ( ስምካ ከይነገርካ) ናብ 800290290 ምድዋል ይከኣል።  ወይ ድማ ምስ ኣገልጉላት ዝህባ ማሕበራት ኣብቲ ትነብረሉ ቀበሌ (comune ) ብምካድ።





ዝርዝር ናይ ሓገዝ ዝህባ ቤት ጽሕፈት  ኣንጻር ኣብ ስራሕ ምዝመዛ ተወከስ፤

https://www.jumamap.it/it/soleil/

 

ዝርዝር ናይ ሕጊ ኣብያተ ጽሕፈት ርአ፤

https://www.jumamap.it/map/litemap.php?ser=leg

እወ! ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ብፍላይ ድማ እቲ ኣስራሒ ድሕሪ 3 መዓልቲ ናብ INAIL ክሕብር ኣለዎ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ሓደጋ ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ሰራሕተኛ።

ዋላ ሕማም ምስ ዘጋጥም ብሰንኪ እቲ ስራሕ ናብ INAIL  ናይ ግድን ክሕበር ኣለዎ ብመንገዲ ኣስራሕን ሰራሕተኛን።

ክትገብሮም ዘለካ ነጋራት ኣብ ስራሕ ሓደጋ  ምስ  ዘጋጥመካ፡

  •  ዋላ እቲ መጉዳእቲ ፎኪስ እንተመሰለ፡ ንኣስራሒኻ ብቁልጡፍ ኣፍልጦ። ከምኡ እንተዘይገይርካ፡ ቅድሚ እቲ ሓበሬታ ምሃብካ ዘሎ ግዜ ወይ መዓልታት ክትካሓሶ ዝግባኣካ ክትስእኖ ትክእል።



  • ንኣስራሒካ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብቲ  ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ዘሎ ሃብ ( መለለዪ ቁጽሪ፡ ዕለትን ግዜን ክትሓውየሉ ተባሂሉ ብገምጋም ተወሲዱሉ ዘሎ ግዜ) ከምኡ’ውን ናይ ዝኾነ ስዒቡ ዝመጽእ ምስክር ወረቐት።



ብትሰርሖ ስራሕ ምኽንያት ግዳይ ሕማም ምስ ትከውን ክትገብሮም ዘለካ ነጥብታት፡ 

 

  • ካብቲ ዘጋጥመካ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ንኣስራሒካ ሓብር። እንድሕር ዶንጊካ ሓበሬታ ሂብካ መሰል ናይ ካሕሳ ቅድሚ ሓበሬታ ዝሃብካዮ ግዜ ተጥፍእ።




  • ከምኡ ውን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኩሉ ሓበሬታ  ካብቲ ናይ መጀመርታን ስዒቡን ዘሎ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ምሃብ።




እቲ ኣስራሒ፡ ነቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ INAIL ዝርከብ ቅጥዒ ተጠቒሙ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት፡ ልዕሊ ሰለስተ መዓልታት ከምዘይተረኽበ ዘመልክት ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ዝሓዘ ብኤሌክትሮኒካዊ መንገዲ ጸብጻብ ከቕርብ ኣለዎ።

ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ ሓደጋ ወይ ብሰንኪ እቲ  ስራሕ ሕማም ምስ ዘጋጥሞም ቅልጡፍ ሕክምናዊ ክንክንን ካሕሳን  መሰል ኣለዎም። ኣስራሕቲ ንውሕስነት ናይ ስራሕ ቦታ ሓላፍነት ዝስከሙ ኮይኖም ውሑስ ናይ ስራሕ ሃዋህው ክህቡ ኣለዎም።

ኣስራሒኻ ነቲ ዝገበርካዮ ውዕል ኣብ ስራሕን ማሕበራውን መሰላትካ ኣየኽብርን ኣሎ ኢልካ እንተኣሚንካ፡ ነቲ ዘይፍትሓዊ ኩነታት መወዳእታ ንምግባርን ምስ ማሕበር ሰራሕተኛታት ወይ ጠበቓ ክትራኸብን ነቲ ዝወረደካ ጉድኣት ካሕሳ ክትሓትትን ትኽእል ኢኻ።

ዝኾነ ዓይነት ምግፋዕ ወይ ኣድልዎ ኣብ ስራሕ ብቕልጡፍ ናብ ኣስራሒኻ ወይ ንሓላፊ ድሕነት ናይ ስራሕ ቦታ ምሕባር ኣገዳሲ እዩ፡ ወይ ድማ ምስ ከም ፖሊስ ዝኣመሰሉ ሰበስልጣን (ፖሊስ፡ ካራቢኒየሪ ወዘተ) ወይ ናይቲ ከባቢ ተቖጻጻርቲ ስራሕ ዝኣመሰሉ ማሕበራት  ርክብ ግበር። 

መሰል ሰራሕተኛታት ኣብ ዝግህሰሉ እዋን፡ ክትረኽቦም ዘለካ ብቑዓት ትካላትን ሰበስልጣንን ኣለዉ።



ኣብ ስራሕ ቦታ ብሰንኪ ዓሌትነት፡ ጾታዊ ምፍልላይ፡  ጽልኢ  ኣብ ልዕሊ ግብረ ሰዶማውያን ፡ ወይ  ብኩነታት ጥዕና ካብ ዝፍጸም ኣድልዎ ንምክልኻል፡  ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ተወከሱ፡

https://www.jumamap.it/it/faq/discriminazioni/


ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቦታ ስራሕ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ  ዝኮነ ይኩን ግዜ  ግዳይ ምግፋዕን፡ ዓመጽን ዝኾና  ናብ ሃገራዊ ናጻ ቁጽሪ 1522 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም፡  ምስ ምሉእ ውሕስነት ስሞ ከይገለጽኩም ኮይኑ፡  እዚ ድማ ኣብ ቀረባኹም ሓገዝን ደገፍን ትኽእሉ ኢኹም።


ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ትካል ንምርካብን ዝያዳ ንምፍላጥን ኣብ ገጽ ጁማ ማፕ ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ ተወከሱ።

ኣብ ኢጣልያ ምዝመዛ ጉልበት ንምምካት ሓያሎ ፕሮጀክትታት ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ትፈልጥ ዶ፧




Piemonte, Friuli Venezia Giulia, Emilia Romagna, Liguria, Veneto
Common Ground 

https://www.piemonteimmigrazione.it/lp/commonground


Lazio, Toscana, Umbria, Molise, Marche
S.O.L.E.I.L.

https://www.jumamap.it/it/soleil/

Umbria
Umbria Legale e Sicura
https://www.regione.umbria.it/-/umbria-legale-e-sicura-interventi-di-supporto-all-integrazione-sociale-sanitaria-abitativa-e-lavorativa


Sicilia, Basilicata, Calabria, Campania, Puglia

Su.Pr.Eme
https://www.supremeitalia.org/focus/helpdesk-anticaporalato/


Sardegna

C.A.S.L.I.S.

https://www.sardegnaimmigrazione.it/index.php?xsl=2420&s=49&v=9&c=95961&es=6603&na=1&n=100&esp=1&tb=15026



ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ብምጥዋቅ ኩሎም ኣብዚ ሰዓት እዚ ዝነጥፉ ፕሮጀክትታት ርአ፡

https://integrazionemigranti.gov.it/it-it/Altre-info/e/2/o/18///id/32/Azioni-e-progetti


እዞም ሕቶታትን መልስን  ብ Arci ኣብ ጽሑፋት  Infomigranti ተመርኲሶም ዝተዳለዉ  እዮም።

https://www.infomigranti.org/services/lavoro/

Loading

Asilo e immigrazione

ሓድሽ ውዕል ኤውሮጳ 12 ሰነ 2026

ካብ 12 ሰነ 2026 እንታይ እዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል፧ እቲ ብኤውሮጳዊ ውዕል ስደትን ዑቕባን ዝፍለጥ ሓድሽ ሕጊ ዑቕባን ስደትን ኣብ ግብሪ ይውዕል። ንሓባራዊ ስርዓተ ዑቕባ

Continua a leggere »

JumaMap እንታይ እዩ?

JumaMap – Services for Refugees እዚ ካርታ ብኽንዲ ኣብ ዝቐረብዎ ቦታ ዘሎ ጠቃሚ ኣገልግሎታት ብቐጥታ ክትረኽቡ ተዘጋጅቶ እዩ።
ኣብዚ ቦታ ትኽእል ትርከብ ቦታ ምምፃእ፣ ምብላዕ፣ ጣሊያንኛ ምምሃር፣ እንተኾይኑ ድጋፍ ጤናዊ፣ ሕጊዊ ወይ ስነ–ጸባይ ምቕራብ፣ እንታይ ኣብ ዝሓለፈ ንሰባት ምዕራፍ ዘለዉ ምጽዋዕ ዘለዉ ኣገልግሎታትን ምፍላጥ ትኽእል።

እዚ ፕላትፎርም ብ17 ቋንቋታት ይቐርባ።
ቋንቋ ካብ ላዕሊ ሜኑ ትቕይር ትኽእል። ቋንቋታት፦
ኣልባኒያ፣ ኣማርኛ፣ ዓረብኛ፣ በንጋሊ፣ ቻይንኛ፣ ዳሪ፣ ፋርሲ፣ ፍራንሳይ፣ እንግሊዝኛ፣ ፓሽቱ፣ ፕንጃቢ፣ ራሺያን፣ ሶማልኛ፣ ስፓኒሽ፣ ትግርኛ፣ ዩክሬንኛ፣ ኡርዱ፣ ዎሎፍ።

ሓበሬታ JumaMap ካብ ስልኪኻ እንኳ ትመልከት ትኽእል። ና ድሕሪት www.jumamap.it

ዋልከም ሰንተር (Welcome Center)

እንተ ሓገዝ ብግልጋሎት ትደሊ ትኽእልካ ብቀረባዊ ትመጽእ ናብ Welcome Center፦

ሰኑይ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣቀናብሪ

ሰሉስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ስነ–ጸባይ ድጋፍ (18–26 ዓመት)
14:00 – 17:00 — ጽሕፈት ድጋፍ ጤና
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ሕጊ

ረቡዕ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ሓሙስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ሕጊ (18–26 ዓመት)
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ዓርቢ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
16:30 – 19:30 — ጽሕፈት ሕጊ

ዲጂታል ድጋፍ

ሰሉስ 9:30 – 14:00
ረቡዕ 10:00 – 15:00
ሓሙስ 9:30 – 16:30

ለመፍለጥ ጥዕና ኣብ ስልኪ ነጻ ቁጥር ለመጻእነትን ለስደተኛታትን

ንሓበሬታ እና ስልኪ ድጋፍ ይደውሉ ናብ ነጻ ቁጥር Arci ንመጻእነትን ንስደተኛታትን፦
800 905 570 (ካብ ጣሊያን)
+39 351 1376335 (WhatsApp፣ Lycamobile እና ካብ ደገ ሃገር)

ይመልስ ሰኑይ–ዓርቢ 9:30–17:00።
መልሲ ብብዙሕ ቋንቋታት እዩ ዘለዎ እና መተርጎምቲ ብ35 ቋንቋታት ይመልሱ።
ኢሜይል ትርከብ ትኽእል፦ numeroverderifugiati@arci.it

ነጻ ቁጥር ንሰባት ዘለዎም ኣካል ጉዳት ዝሰለዉ መዕረፍ ንስደተኛታት

NABILA ንስደተኛታትን ንመጻእነትን ኣካላዊ ጉዳት ወይ ካልእ ድኹምነት ዘለዎም ንሰባት ምስማዕ፣ ድጋፍን ምኽሪን ዝሃብ ኣገልግሎት እዩ።
ብነጻ ቁጥር 800 999 977 ትደውሉ ትኽእል።
እንተ ብቀረባዊ ምናገር ትደሊ ትኽእል ክትሕረት ኣብ ቢሮ ኢሚግሬሽን Arci Nazionale፣
Via dei Monti di Pietralata 16 – Rome.

ቦታ ምስማዕ ንንኡስናን ንወጻኢ ስደተኛታት

U-Report On The Move ደሓን ዘለዎ ቦታ እዩ ፣ እቲ ኣብዚ ክትተወክራ ትኽእል ናይ ሕጊ ድጋፍ፣ እንተዘይኮነ ናይ ስሜትኻ፣ ናይ ጸገምኻን ናይ ጭንቀትኻን ናይ ትሕዝቶ ነገር ብደሓን ክትነግር ትኽእል።
ባለሙያ ይሰማካ እና ኣብ ሓቂ ድጋፍኻ ክትረኽብ ይሕግዘካ።
ኣገልግሎቱ ሰኑይ–ዓርቢ 9:00–18:00 ይሰርሕ።

ክትጠቀም እንተደሊኻ፣ መልእኽቲ ብ Facebook Messenger ናብ U-Report On The Move ይላእ።
ናይ ስነ–ጸባይ ባለሙያት መልእኽት ይመልሱ እና ዝተስተኻኽሉ ድጋፍ ይሃብዎ።