መንበሪ ፍቃድ ንምሕዳስ ወይ ምቅባል ትጽበ እንተ ኣለኻ፡ ኣብ ኢጣልያ ክትጸንሕን ኩሉ መሰላትካ ክሕለወልካን መሰል ኣለካ።
ብሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ወጻኢ ዝወጸ መምርሒ ቁጽሪ 11050/M ናይ 5 ነሓሰ 2006 ከምዚ ይብል: መስርሕ ምሕዳስ መንበሪ ፍቓድካ ክሳብ ዝፍጸም ኣብ ኢጣልያ ናይ ምጽናሕን ምስቲ ዘመልከትካዮ መንበሪ ፍቓድ ዝተኣሳሰር ኩሉ መሰላት ክትቅጽልን ምሉእ መሰል ኣለካ።
ኩሎም ኣብ ኢጣልያ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ወጻእተኛታት፡ መንበሪ ፍቓድ ንምሕዳስ ወይ ንምቕያር ኣብ ዘመልክቱሉ እዋን እንተወሓደ ቸደሊኖ (cedolino ) ወይ “ቅብሊት” ተቐቢሎም እዮም። ክልቲኦም እዞም ዝጠቀስናዮም ወረቃቅቲ ሓደ ዓይነት ዋጋ ኣለዎም: ቀዋሚ ፍቓድካ ንኽወሃብ ኣብ እትጽበየሉ እዋን እትጥቀመሉ ግዝያዊ ሰነዳት እዮም።
እቲ ፍልልይ እዚ እዩ፤
- እቲ ቅብሊት (ricevuta)ብቤት ጽሕፈት ፖስታ (Sportello Amico) ይወሃብ።
- ቸደሊኖ (cedolino) ድማ ብቀጠታ ካብ እንዳ ፖሊስ (Questura) ይወሃበካ።
ብምቅጻል እንታይ ምዃኖምን፡ ብኸመይ ከም እትረኽቦምን እንታይ ክትገብር ከም ዘፍቅዱልካን ድማ ንርአ።
እቲ ቅብሊት (ricevuta ) ኣብ እንዳ ፖስታ – ስፖርተሎ ኣሚኮ (Poste Italiane – Sportello Amico) ንናይ መንበሪ ፍቓድካ ንምሃብ፡ ንምሕዳስ ወይ ንምቕያር መመልከቲኻ ከተቕርብ ከለኻ እትረኽቦ ሰነድ እዩ።
እዚ ዝኮነሉ ድማ ፍቓድ ንኽትወሃብ ዝግበር መስርሕ ኣዝዩ ነዊሕ ስለዝኾነ እዩ። ዋላ እኳ እቲ ሕጊ ብዛዕባ መንበሪ ፍቃድ ኽወሃብ 20 መዓልቲ ይጠልብ ዝብል እንተኾነ ብመሰረት ፕረዚደንታዊ ኣዋጅ 394/1999።
በቲ ቅብሊት (ricevuta) ብግቡእ ሕቶ ከም ዘመልከትካን ኩሉ እቲ ብመንበሪ ፍቓድ ዝወሃብ ኣገልግሎትን መሰላትን ከም ዘለካን ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ።
እቲ ቅብሊት ንመንበሪ ፍቓድ ዝወሃብ ኮይኑ፤
ንኣብነት፡
- ተቖጺርካ ምስ ተስርሕን ወይ ወቕታዊ ስራሕን
- ህጻናት ንግዝያዊ እዋን ይኩን ወይ ንነዊሕ ምሕብሓብን ምዕባይን።
- ሃይማኖታዊ ምኽንያታት
- ትምህርቲ
- ምሕዳስ ፖለቲካዊ ዑቕባ፣ ወይ ተመሳሳሊ ዑቅባ
- ናይ ስራሕ ልምምድ ወይ ስልጠና
- ስራሕ ወይ ዜግነት ምጽባይ
- መንበሪ ፍቓድ (carta di soggiorno) ( “ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መንበሪ ፍቓድ ንነዊሕ እዋን ዝነብሩ“)
- ናይ ገዛእ ርእስካ ስራሕ ምህላው
- ስድራቤታዊ ምኽንያታት
ካልኦት ብዙሓት ጉዳያት ድማ ምስ ግዜ ሓድሽ ነገራት ክፍጠር ዝኽእል እዩ ንኣብነት፡ ቆልዑ ምውሳኽ፡ ስም ምቕያር
1ይ ደረጃ – ናይ ፖስታ ኪት (Kit postale)
ናብ ፖስታ ቤት ኬድካ “ብጫ ኪት“ ኣልዕል: ንመመልከቲ ክትመልኦም ዘለካ ቅጥዕታት ዝሓዘ እዩ።
2ይ ደረጃ – ምምላእ ( ነቲ ቅጥዒ ምዝዛም)ቅጥዕታት መሊእካ ነቲ ዝተኸፍተ ፖስታ ንስፖርተሎ ኣሚኮ (Sportello Amico) ኣረክቦ። ዝኾነ ጸገም እንተሃልዩካ ናብ ኣሳለጥቲ ጉዳይት ወይ ፍሉይ ማሕበር ነቲ ጉዳይ ኽሕግዙካ ዝክእሉ ተወከስ። ንኣብነት ከም በዓል Patronato, CAF ዝኣመሰሉ።
3ይ ደረጃ – ቆጸራ ምስ ቤት ጽሕፈት ፖሊስኣሰር ኣጻብዕትኻ (finger print) ንምቕራብ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ቆጸራ ክትወሃብ ኢካ ኢኻ።
4ይ ደረጃ – ኩነታት ዘመልከትካዮ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዘሎ ምፍታሽ፡
ኩነታት ናይቲ ዘመልከትካዮ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ክትከታተሎ ትኽእል ኢኻ PortaleImmigrazione.it ወይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፖሊስ Polizia di Stato ።
ቸደሊኖ (cedolino) ዝወሃብ፡ እቲ መመልከቲ ኣብ ፖስታ ቤት እንተ ዘይኮይኑ እሞ ብቐጥታ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ (Questura) ምስ ዝቐርብ እዩ።
ናይቲ ኣመልካቲ ውልቃዊ ሓበሬታ (ስም፡ ዕለት ልደት፡ ስእሊ፡ ማሕተም ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ) ዝሓዘ እዩ።
ቸደሊኖ (cedolino ) ምስ “ቅብሊት” (ricevuta) ተመሳሳሊ ዋጋ ኣለዎ: ናይ መወዳእታ ሰነድ እናተጸበኻ ኣብ ኢጣልያ ብሕጋዊ መንገዲ ክትነብርን ክትሰርሕን የኽእለካ።
መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ምልክታ ዘቕርቡ እዩ ዝወሃብ፤
ንሳቶም ድማ፡
- ኣህጉራዊ ዑቅባ (ናይ 6 ወርሒ ብጫ ፍቓድ)
- ንመጀመርታ ግዜ ፖለቲካዊ ዑቕባ ፍቓድ ንምውሳድ
- ንመጀመርታ ግዜ ናይ protezione sussidiaria ፍቓድ ንምውሳድ
- ንመጀመርታ ግዜ ንፍሉይ ጉዳያት ዝወሃብ ፍቃድ ንምውሳድ
- ፍቃድ ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ
- ፍቃድ ንሕክምናዊ ምኽንያት
ናብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ (Questura) ብምኻድ ወይ ድማ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ (ናይ ስደተኛታት ካምፕ) እንተሃሊኻ ብሕጋውያን ወከልቲ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገለ ከተማታት፡ ቤት ጽሕፈት እንዳ ፖሊስ (Questura) ብ መስመር ኢንተርነት ክትሕዝ የኽእለካ።
እወ፡ ቸደሊኖን (cedolino) ቅብሊትን (ricevuta ) ሕጋዊ ዋጋ ኣለዎም (ዓንቀጽ 1 ናይ ፕረዚደንታዊ ኣዋጅ ቁጽሪ 445 ናይ 28 ታሕሳስ 2000)። ብናይ ኢጣልያ ህዝባዊ ምምሕዳር ዝወጹ ሰነዳት ኮይኖም፣ ምስ ስእሊ፣ ከምኡ’ውን ከም ግዝያዊ መተካእታ መንበሪ ፍቓድ ኣገልግሎት ይህቡ።
ኣስተውዕል፡ ቸደሊኖን (cedolino) ቅብሊትን (ricevuta) እቲ ሓድሽ ፍቓድ ክሳብ ዝወሃብ፡ ከም ቅኑዕ መንበሪ ፍቓድ ይቑጸር። ኩሎም ብመንበሪ ፍቓድ ዝወሃቡ መሰላት ንሙሉእ ንውሓት ግዜ ክሳብ መስርሕ ምሕዳስ ዝፍጸም ቅኑዓት ኮይኖም ይቕጽሉ። እዚ መሰላት ክጠፍእ እንተ ኾይኑ እቲ ምሕዳስ ብዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ምስ ዝንጸግ፡ ምስ ዝስረዝ ወይ ምስ ዝድምሰስ ጥራይ እዩ።
ቸደሊኖን (cedolino) ቅብሊትን (ricevuta) መንበሪ ፍቃድ ንምውሳድ ዘመልከትካዮ ድሮ ሕጋዊ ፍቓድ ከም ዘለካ ጌርካ ብዙሕ ንጥፈታት ክትፍጽም ትኽእል ኢኻ።
ዘመልከትካዮ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ክሳብ ዘሎ፡ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ሕጋዊ መንገዲ ኣለካ።
ይኹን እምበር፡ ገለ ኣማራጺታት ኣብ ዓይነት ፍቓድ ይምርኰሱ።
ስለዚ ገለ ካብኡ
- ብስሩዕ ምስራሕ
ኣስተውዕል፦ እንድሕር ድኣ ኣህጉራዊ ዑቅባ ኣመልኪትካ ኮንካ፡ መመልከቲካ ምስ ኣቕረብካ ድሕሪ 60 መዓልታት ስራሕ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።
- ኣብ ዩንቬርስቲ (university) ክትምዝገብ ምኽኣል
ኣስተውዕል: ገለ ዩኒቨርሲቲታት ንሓተቲ ዑቕባ ምሉእ ምዝገባ ኣይፈቕዳን እየን፣ ንዉሱን ኮርሳት ጥራይ እምበር።
- ክራይ ገዛ ውዕል ምፍርራም
- መምርሒ ፍቃድ መኪና ምሓዝ
- ናይ ባንኪ ሕሳብ ምኽፋት
- ኣብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ተመዝጊብካ መንነት ወረቐት ምውሳድ
- ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (SSN) ምምዝጋብ
- ኣብ ቤት ጽሕፈት ማእከል መድለዪ ስራሕ ምምዝጋብ
- ካብ ስራሕ ምስ ትዛናበል ናይ ስራሕ ኣልቦነት ሓገዝ ወይ ካልእ ናይ INPS ሓገዝ ምቕባል
- ናብ መበቆል ሃገርካ ምጉዓዝ፣ ብኻልኦት ሃገራት ሸንገን ከይሓለፍካ
ኣስተውዕል: ዑቅባ ዝሓተቱ ካብ ጣልያን ክወጹ ኣይክእሉን እዮም። ኣህጉራዊ ዑቅባ ዝሓተትካ ስደተኛ ወይ ንኡስ ሓለዋ (protezione sussidiaria) እንተ ኮንካ፡ እሞ ናብ መበቆል ዓድካ ክትምለስ እንተ ወሲንካ፡ ምስ ተመልካ ሰበስልጣን ኢጣልያ ምኽንያት መገሻካ ከረጋግጹ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪ ደጊም ኣብታ መበቆል ሃገር ዝኾነ ሓደጋ እንተዘይሃልዩካ ዑቅባካ ደው ክብል ይኽእል እዩ።
- ንስድራቤትካ ንምጥርናፍ ፍቓድ ንምርካብ ምሕታት
ኣስተውዕል፦ እዚ ኣብ ዓይነት ዘለካ መንበሪ ፍቓድ እዩ ዝምርኮስ፤ ንኣብነት ገለ ካብቶም ሓተቲ ዑቅባ ሰባት ንጥርናፈ ስድራቤት ከመልክቱ ኣይክእሉን እዮም።
Riferimenti: art. 5, comma 9-bis, D.Lgs. 286/1998 (Testo Unico Immigrazione); Circolare Ministero dell’Interno 17 ottobre 2006.
እወ።
መንበሪ ፍቓድ ከም ዘመልከትካ ዘረጋግጽ ወረቀት ቸደሊኖ (cedolino) ወይ ቅብሊት (ricevuta ) እንተሃልዩካ ብመሰረት ሕጊ (ዓንቀጽ 5፡ ሕጡበ–ጽሑፍ 9-bis፡ ናይ ኢሚግሬሽን ሕጊ) ፍቓድካ ንኽወሃብ ወይ ንኽሕደስ እናተጸበኻ ብስሩዕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢካ። እንተኾነ ግን ዘመልከትካዮ ሕቶ እንተተነጺጉ ካብታ ህሞት እቲኣ ጀሚርካ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ሓታቲ ዑቕባ ውሳነ እናተጸበየ ክሰርሕ ይኽእል ዶ፧
ኣወ፡ ግን ድሕሪ 60 መዓልታት።
ንኣህጉራዊ ዑቅባ ዘመልከቱ ሰባት፡ እቲ ውሳነ ገና እንተዘይ መጽይዎም መመልከቲኦም ምስ ኣቕረቡ ድሕሪ 60 መዓልታት ክሰርሑ ይኽእሉ። ቸደሊኖ (cedolino) ወይ ስማዊ ምስክር ወረቐትን (ቅጥዒ C3) ናይቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ከም ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ቅቡል እዩ።
መወከሲ፡ art. 4, comma 3, D.Lgs. 142/201
እወ።
ምዝገባ ኣብ ምምሕዳር፡ ናህካ ኣድራሻ ምህላውን ከምኡ ውን መንነት ወረቀትን፡ ኣገልጉለት ጥዕናን ንምርካብ ይሕግዝ።
ነዞም ዝስዕቡ እንተ ኣማሊእካ ኣብ ምምሕዳር ክትምዝገብ ትኽእል ኢካ፡
- ቡቑዕ ፓስፖርት ( ናኣህጉራዊ ዑቅባ ዝሓተቱ ሰባ ኣይምልከቶምን እዩ)
- መእተዊ ቪዛ (እዚ ጠለብ እዚ ንሓተትቲ ኣህግራዊ ዑቕባ ዘለዎም ሰባት ኣየድልን እዩ)
- ቸደሊኖ (cedolino) ወይ ቅብሊት (ricevuta ) ንመንበሪ ፍቃድ ንምውሳድ ዝሓተትካሉ፡
- ቅዳሕ ፍቓድ ብስራሕ ወይ ብጥርናፈ ስድራቤት እንተኣቲኻ።
መወከሲ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቁጽሪ 43 ናይ 2 ነሓሰ 2007።
እወ።
በቲ ንመንበሪ ፍቃድ ዝሓተትካሉ ቸደሊኖ (cedolino) ወይ ቅብሊት (ricevuta ) (ዋላ ናይ መጀመርታ ዘመልከትካ ወይ ምሕዳስ ይኹን)፡ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና (SSN) ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ካርታ ጁማ ተወከስ፡ FAQ- Il diritto alla salute in Italia.
እወ።
ናይ መንበሪ ፍቓድ ቸደሊኖን (cedolino) ቅብሊትን (ricevuta) ናይ ግብሪ ኮድን (codice fiscale) መሰረታዊ ናይ ባንክ ወይ ናይ ፖስታ ቤት ሕሳብ ንምኽፋት እኹል እዩ።
መንበሪ ፍቓድ ኣየድልን።
ሓተትቲ ዑቕባ እውን ካብቲ ንኣህጉራዊ ዑቅባ ዘቕረብዎ መመልከቲ ብቸደሊኖን (cedolino) ወይ ቅብሊት (ricevuta) (ምስ ስእልን ሓበሬታን) መሰረታዊ ሕሳብ ክኸፍቱ ይኽእሉ እዮም።
መወከሲ፡ Circolare ABI del 19 aprile 2019.
እወ።
ኢንፕስ (INPS) ኣነጺሩዎ ከም ዘሎ (መልእኽቲ ሓምለ 25, 2022ን መልእኽቲ ቁጽሪ 1589 ሚያዝያ 22, 2024ን) እቶም ፍቓድ ምሕዳስ ዘመልከቱ ፋይናንሳዊ ጥቕምታት ከም NASpI፡ Dis-Coll፡ ሓገዝ ቤት ትምህርቲ መዋእለ ህጻናት ኣበል ,,,,ወዘተ ክረኽቡ መሰል ኣለዎም። NASpI, Dis-Coll, bonus asilo nido, assegno unico
እዞም መሰላት እዚኦም ክሳብ እቲ ውሳነ ምሕዳስን ወይ ምቕያርን ዝውሰን ቅኑዓት ኮይኖም ይቕጽሉ።
እወ።
ብቅብሊት (ricevuta) ናይ መንበሪ ፍቃድ ክትገብሮም ትኽእል፡
- ክልሰ-ሓሳብን (theory)፡ ተግባራውን ፈተናታት (practical exams )ምምዝጋብ፤
- ምሕዳስ ወይ ድማ ናይ ወጻኢ ሃገር መምርሒ ፍቃድ መኪና ምቅያር፡
- ሰነዳት ተሽከርከርቲ ወይ ቅዳሕ ምርካብ።
መወከሲ፡ ሰርኩላር ሚኒስትሪ ትሕተ ቅርጽን መጓዓዝያን፡ 6 ሕዳር 2023።
ሕግታት መገሻ ኣብቲ ዝሓተትካዮ ወይ ዝተቀበልካዮ ዓይነት መንበሪ ፍቓድ ይምርኮስ፤
- ኣህግራዊ ዑቅባ ዝሓተተ ካብ ኢጣልያ ከርሕቅ ኣይክእልን እዩ።
- ድሮ ኣህግራዊ ናይ ስደተኛታት ዑቅባ ዝወሰዱ ወይ (protezione sussidiaria) ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ከለዉ ኣዝዮም ክጥንቀቑ ኣለዎም: እዚ ድማ ዑቅብኦም ኣብ ሓደጋ ከእቱ ይኽእል እዩ።
ካልእ ዓይነት መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ጉዕዞ ግን ቀጠታዊ ክኸውን ኣለዎ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ሸንገን መዕረፊ ወይ መተሓላለፊ ዘይብሉ።
ንኣብነት፡ ብኻልኦት ሃገራት ሸንገን ከይተሰጋገርካ ፡ ካብን ናብን ኢጣልያ ጥራይ ክትከይድ ትኽእል።
ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝኮና ሃገራት ግን ደው ክትብል (Transit) ትኽእል ኢኻ፣ ግን በቲ ዘለካ ፓስፖርት ናብተን ሃገራት ክትኣቱ ትኽእል እንተ ኮንካ እዩ።
ኣስተውዕል: መንበሪ ፍቓድ ከም ቪዛ ኣብ ውሽጢ ከባቢ ሸንገን ጥራይ እዩ ዝሰርሕ፤ ቸደሊኖ (cedolino) ወይ ቅብሊት (ricevuta ) ሃገራት ሸንገን ከም ቪዛ ኣፍልጦ ኣይወሃቦን።
ኣብ እዋን ጉዕዞካ ምሳካ ክህልዉ ዘለዎም ሰነዳት፡
- ብቑዕ ፓስፖርት
- እቲ ዝወደቀ መንበሪ ፍቃድ
- መንበሪ ፍቃድ ተውጽእ ወይ ተሐድስ ከም ዘለካ ዝምስክር ቅብሊት ናይ እንዳ ፖስታ ወይ ናይ እንዳ ፖሊስ ቸደሊኖ (cedolino) ።
ሓድሽ ፍቓድ ክሳብ ዘይረኸብካ፡ ብቱሪዝም፡ ስራሕ ወይ ካልእ ምኽንያት ናብ ካልኦት ሃገራት ከባቢ ሸንገን ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ካልእ ብፉሉይ ፍቓድ እንተዘይተዋሂብካ።
ኣብ እዋን ህጹጽ ኩነታት ወይ ኣድላይነት ዘለዎ ነገር ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፡ ዋላ’ውን እቲ መስርሕ ቅድሚ ምዝዛሙ ኣብ ውሽጢ ከባቢ ሸንገን ንግዚኡ ክትጓዓዝ ዘኽእለካ ግዝያዊ ወረቐት መንበሪ ፍቓድ ክህበካ ይኽእል።
ናይ መጀመርታ መንበሪ ፍቓድ ክዋሃበካ ትጽበ እንተ ኣለኻ፡
ንነዊሕ ኣገልጉሎት ዝህብ ቪዛ (ዓይነት D) እንተ ሃልዩካ፡ 90 መዓልታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ 180 መዓልታት ናብ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ፡ እዚ ክበሃል ከሎ ግን እቲ ቪዛ ቅድሚ ዕለተ ምውዳቁ ክከዉን ኣለዎ።
እንድሕር እቲ ቪዛ ወዲቁ እሞ ክኣ ገና መንበሪ ፍቃድ ኣይሓዝካን፡ ካብ ኢጣልያ ወጻኢ ክትንቀሳቀስ ኣይትኽእልን ኢካ።
ሕጋዊ መወከሲታት፡ መምርሒ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት 5 ነሓሰ 2006፤ ኣብ ውሽጢ ከባቢ ሸንገን ብዛዕባ ትራንዚት ዝምልከት ድንጋገታት፤ ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኢጣልያ።
እዞም FAQs ብኣርቺ (Arci) ዝተዳለዉ ኮይኖም፡ ኣብ ጽሑፋት ገጻት ውህደት ንስደተኛታት ዝተመርኮሱ እዮም።
![]()


