ብ 20 ዲክሰምበር 2020 ንስደተኛታት ጉዳይ ብዝምልከት ብሕጊ ቁ. 173 ሓደሽቲ ኣገደስቲ ጉዳያት ኣጽዲቑ።
ሓደሽቲ ሓበሬታታት
ናብ ናይ ስራሕ መንበሪ ክቕየሩ ዝኽእሉ መንበሪ ፍቓዳት ዝርዝር
ብኣንቀጽ 6 ኮማ 1 ቢስ ዝወጸ ናይ ስደተኛታት ሕጊ (ቴስቶ ኡኒኮ) መሠረት፡ ኣድለይቲ መስፈርትታት ምስ ዘማልኡ ናብ ናይ ስራሕ መንበሪ ክቕየሩ ዝኽእሉ መንበሪ ፍቓዳት ክውስኹ ይኽእሉ።
እቶም ንትምህርቲ መንበሪ ፍቓድ ዝወ ሃቡ እውን ናብ ናይ ስራሕ መንበሪ ክቕየሩ ይኽእሉ:
ናይ ፕሮቴስዮነ ስፔቻለ መንበሪ ፍቓድ፡ (እቲ ኣመልካቲ ብኣንቀጽ ቁ. 10 ሕጊ ድንጋገ መሰረት፡ ብኸቢድ ወንጀል ተበኪሉ ናይ ዑቕባ ወረቀት እንተዘይተኸልኪሉ፡ ወይ ብኣንቀጽ 12 መደንገጊ ቁ. 251/2007 ብዝምልከትን ብኣንቀጽ 16 መደንገጊ ቁ. 251/2007 መሰረት፡ ንሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ እንተዘይኮይኑ ጥራሕ)
- ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ
- ንመንበሪ ምርጫ ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ
- ንዜግነት ወይ ንሃገር ኣልባ ዝኾኑ ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ
- ንስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ
- ንስነጥበባዊ ምንቅስቓሳት ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ
- ንሃይማኖታዊ ምኽንያት ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ
- ትሕቲ ዕድመ ንዝኾኑ ንምክንኻን ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ
- ንሕክምና ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ
