ናይ ሕዝቢ ውድድራት መመሓየሺ (ብ ኦገስት 6/2021 ናብ ሕጊ ቁጽሪ 113 ዝተለወጠ ኣዋጅ ቁጽሪ 80/2021) ኣብ ናይ ሕዝቢ ምምሕድዳር ዘሎ ናይ ስራሕ ሙቕጻር ብጽሒታት ንምምሕያሽ ዝግበር ኣድለይቲ ለውጥታት የፋልጥ። ካብቶም ኣድለይቲ ለውጥታት፦፡–
– ካብ ናይ ጥልያን ዜጋታት ብተወሳኺ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም፣ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ዘጋታትን ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ኣውሮጳ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎምን፡ ናብቲ ውድድር ከምልክቱ ይኽእሉ፤ – ንወላዳት፣ ንጾታዊ ማዕርነትን ንፍልይ ዝበለ ናይ ምምሃር ዓቕሞም ጸገም ንዘለዎምን ፍሉይ ሓለዋን ውሕስነትን ይወሃቦም። – ነዚ ውድድር ንምስታፍ ዝተመደበሉ ዝለዓለ ግዜ ንሽድሽተ ኣዋርሕ እዩ፤ – ናብዚ ውድድር ንምስታፍ ወይ ንምምልካት ኣብ “inPA” ናይ ናይ ምልመላ ፖርታል ወይ መርበብ ጥራሕ ምጥቃም ኣድላዪ ይኸውን – www.InPA.gov.it ። ኣብዚ መርበብ ንምምዝጋብ ብነጻ ክኸውን ከሎ ብ SPID፣ CIE ን CNS ዝበሉ ጥራሕ ክካየድ ይኽእል። “SPID: እንታይ ከምዝኾነ መን ክጥቀመኩ ከምዝኽእልን ብኸመይን ንዝብሉ ኣብዚ መርበብ ረኣዩ – “SPID: a cosa serve, chi può richiederlo e come” እዚ መርበብ ሕዝባዊ ናይ ስራሕ ምምልካት ድልየትን ማእከልን ንዘሎ ኣኼባች ዘቃልልን ዘቀላጥፍን ዲጂታል ስርዓት ብምጥቃም ናይ ሕዝቢ ምሕደራን ናይ ምልመላ ጽርየትን ንምምሕያሽ ዝሓለነ እዩ። |
ንዝበለጸ ሓበሬታ ኣብዚ ጠውቑ Clicca qui per maggiori info |
676 Visite totali, 13 visite odierne