ናይ ሚኒስትራት ቤት ምኽሪ ናይ ፕረሲደንት ኣዋጅ (Decreto): ሓድሽ ናይ ዞናታት ገደብ

Share on facebook
Share on twitter
Share on linkedin
Share on telegram

ኣብ ዞናታት ዘሎ ገደባት

ኣብዚ ዓንቀጽ ተሓዲሶም ዝቐረቡ (ብቐይሕ፣ ብኣራንቾነ፣ ብቢጫን ጻዕዳን ዞናታት ተመቓቒሉ) ናይ ዓዲ ጥልያን ኣድለይቲ ቦታታት በቲ ሓደስቲ ድንጋጌታት ዝወጹ ገደብቲ እርምጃታት የመልክት።

ዞና ጻዕዳ
Abruzzo, Basilicata, Calabria, Campania, Emilia Romagna, Friuli Venezia Giulia, Lazio, Liguria, Lombardia, Marche, Molise, Piemonte, Provincia Autonoma di Bolzano, Provincia Autonoma di Trento, Puglia, Sardegna, Sicilia, Toscana, Umbria, Valle D’Aosta, Veneto

ዞና ቢጫ

ዞና ኣራንቾነ

ዞና ቀይሕ

ዞና ጻዕዳ

  • ኩሉ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ምኽፋት ሰዓት ሕላፍን ናይ ምንቅስቓስ እገዳን ምልዓል።
  • ሰዓት ሕላፊ የለን ኣብ ዝኾነ ሰዓት ከም ድላይካ ብነጻ ምንቅስቓስ ይከኣል።
  • ናብ ዞና ጻዕዳ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት በዘይ ገደብ በዘይ ሰዓት ሕላፍን በዘይ ምኽንያትን ምፍጻም።
  • ናብ ዞና ቢጫ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት፡ ናይ መንቀሳቐሲ ምኽንያትን ከየድለየ፡ ናይቲ ምንቅስቓሳት ሰዓታት ብምኽባር ምንቅስቓስ ይከኣል። 
  • ኣብ ባራትን ቤት ምግብታትን ውሽጢ ምሳሕን ድራርን ይጥለብ።
  • ዓበይቲ ናይ ዕዳጋ ምእኸላት ድማ ኣብ ድሮ በዓላትን ኣብ ናይ በዓላት መዓልትን ይኽፈቱ። 
  • ሙዘይማትን ኤግዚቪሽናትን ይኽፈቱ።
  • ናይ መጻወቲ ኣዳራሻት ናይ ውርርድ ፣ ናይ ቢንጎን ናይ ቁማር ማሽናትን ምንቅስቓስ ምኽፋት።
  • መሐምበሲ ፒሺናታት፣ ፓለስትራታት፣ ናይ ስፖርት ማእከላት፣ ትያትራትን ቺነማታትን ምኽፋት።

ዞና ቢጫ

  • ካብ ጁንዮ 7 ጀሚሩ ናይ ሰዓት ሕላፊ እገዳ ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ ሰዓት 5:00 ናይ ንግሆ ይቕጽል። ካብ 21 ጁንዮ ድማ ኣብ ዞና ቢጫ ዘሎ እገዳ ይለዓል።
  • ዓበይቲ ናይ ዕዳጋ ምእኸላት ድማ ኣብ ድሮ በዓላትን ኣብ ናይ በዓላት መዓልትን ይኽፈቱ።
  • ሙዘይማትን ኤግዚቪሽናትን ይኽፈቱ።
  • ኣብ ባራትን ቤት ምግብታትን ውሽጢ ምሳሕን ድራርን ይጥለብ።
  • ክሳብ 1 ጁላይ ናይ መጻወቲ ኣዳራሻት ናይ ውርርድ፣ ናይ ቢንጎን ናይ ቁማር ማሽናትን ምንቅስቓስ ተኣጊዱ ይቕጽል፡ ኣብ ባራትን ናይ ሽጋራ መሸጢ ዱካናት እውን ከምኡ።
  • ኣብ ክፉት ቦታ ዝርከባ መሐምበሲታት (ኣብ ዕጹው ካብ 1 ሓምለ ጀሚሩ) ፓለስትራታት፣ ናይ ስፖርት ማእከላት ትያትራትን ቺነማታትን ይኽፈታ።
ዞና ቢጫ

ናይ መንቀሳቐሲና ምኽንያት ብዝኾነ መንገዲ ክግለጽ ኣለዎ ዶ? መረጋገጺ ባዕልና ክንቅርብ ኣድላዪ ድዩ?
ካብ ሰዓት 5:00 ክሳብ ሰዓት 24:00 መረጋገጺ ምሓዝ ኣድላዪ ኣይኮነን። ካብ ምሸት ሰዓት 24:00 ክሳብ ሰዓት 5: 00 ናይ ንግሆ ግን ናይቲ ምንቅስቓስ ጉዳይ ከምቲ ሕጊ ዝፈቅዶ መረጋገጺ ከነርኢ ቅሩባት ሙኳን የድሊ።

ንባዕሉ ከላዕል ዘይክእል ዘመድ ወይ ዓርኪ ንምሕጋዝ ክኸይድ ይኽእል ዶ?
እወ፡ ኣድላዪ እዩ፡ ስለዝኾነ ድማ ናይ ግዜ ገደብ የብሉን። ከምዝኾነ ካብ ሰዓት 12:00 ክሳብ ሰዓት 5:00 ዘሎ ግዜ ግን ምኽንያቱ ምግላጽ የድሊ።

ተፈላልየ / ተፋቲሐ እየ፡ ንትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ደቀይ ክረኽቦም ክኸይድ ይኽእል ዶ?
እወ፡ ዕድመኦም ዘይኣኸለ ቆልዑ፡ ምስቲ ሓደ ወላዲ ወይ ብዝኾነ ምኽንያት ምስ ዘዕብዮም ዘለዉ ንምርካብ ወይ ምሳኻ ንኽትወስዶም ንትገብሮ ምንቅስቓስን ኣብ ዝተፈላለዩ ንኡስ ዞባታትት ክትንቀሳቐስን ይፍቀድ።

ናብ ቤተክርስትያን ወይ ናብ ናይ ኣምልኾ ቦታ ክኸይድ ይኽእል ዶ?
እወ፡ ካብ ሰዓት 5:00 ክሳብ ሰዓት 24:00 ጥራሕ።

ኣብ ሓደ ንኡስ ዞባ ዝነብር ኮይነ ኣብ ካልእ ንኡስ ዞባ ዝሰርሕ እንተኾይነ፡ “ክመላለስ” ይኽእል ዶ?
እወ

ካብ ገዝኡ፣ ካብ ከባቢኡ ወይ ካብ መንበሪኡ ወጻኢ ዝርከብ ሰብ ክምለስ ይኽእል ዶ?
እወ

Violenza di genere

ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝግበር ናይ ደቂ ሰባት ዝውውር ከቢድ ናይ ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰት እዩ።

ብኸምዚ ዓይነት ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ብዝበዛ ትነብር እንተኔርካ ወይ ትነብር እንተለኻ፡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ብ 800290290 ደውል ብነጻን ሽም ብዘይምጥቃስን ን24 ሰዓታት ይሰርሕ   ኣብ

 351 Visite totali,  2 visite odierne

Continua a leggere »
decreto flussi
Asilo e immigrazione

ካብ ወጻኢ ሃገር ናብ ውሽጢ ዓዲ ሰራሕተኛታት ንምእታው ሓድሽ ናይ ፍሰት ድንጋገ ተኸፊቱ ኣሎ

ከ. ኣ. ኤ. ብጀንዋሪ 26/2023 ናይ ጠቕላይ ሚንስተር ናይ ሚንስትራት ቤት ምኽሪ ብዲክሰምበር 29/2022 ዝወሰኖ ናይ (ፍሰት ድንጋገ) ኣዊጁ ኣሎ፡ ነዞም ንስራሕ ናብ ዓዲ ጥልያን

 451 Visite totali,  2 visite odierne

Continua a leggere »

ናይ ጥልያን ኤምባሲ ኣብ አስመራ

ኤርትራ ናይ ጥልያን ኤምባሲ ኣብ አስመራ ኣድራሻ 171-1-171 n.11 – ፖ.ሳ.ቁ. 220 – አስመራ ኤርትራ https://goo.gl/maps/3r65PKtgPfcEtvJb8   መራኸቢ ስልኪ ቁ. 002911120160 | 002911120213 | ፋክስ:

 851 Visite totali,  2 visite odierne

Continua a leggere »
PHP Code Snippets Powered By : XYZScripts.com