
ኤርትራ
ናይ ጥልያን ኤምባሲ ኣብ አስመራ
ኣድራሻ
171-1-171 n.11 – ፖ.ሳ.ቁ. 220 – አስመራ ኤርትራ
https://goo.gl/maps/3r65PKtgPfcEtvJb8
መራኸቢ
ስልኪ ቁ. 002911120160 | 002911120213 | ፋክስ: 002911121115
ኢ-መይል: asmara.segreteria@esteri.it | asmara.ambasciata@esteri.it |
ዝኽፈተሉ ሰዓታት
ብቖጸራ ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ፡
ካብ ሰዓት 9:30 ክሳብ 12:00
ንናይ ስድራ ቤት ምጥርናፍ ዝምልከት ሓበሬታ
ካብ ቤት ጽሕፋት ኢሚግሬሽን ናይ “ኑላ ኦስታ” (ናይ ምጥርናፍ) ፍቓድ ከም ዘሎ ኮይኑ
- ናይ ቤተሰብ ጥርናፈ ሕቶ ንምቕራብ ኣድለይቲ ዝኾኑ ሰነዳት ብምሓዝ በዞም ዝምልከቱ ሰዓታት ናብ ናይ ቪዛ መስኮት ቅረቡ:
- ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ፡
ካብ ሰዓት 9:30 ክሳብ 12:00
- ሰሉስ ካብ ሰዓት 3:00 ክሳብ 4:30 ፡
ብስልኪ ቁ. +2911121852 ካብ ሰዓት 8:00 – 5:00 ብምድዋል ቆጸራ ምስ ትሕዙ ጥራሕ።
- ሕቶ መእተዊ ቪዛ መመልከቲ ሰነድ (ሞዴል ዲ)
- ስእሊ ናይ ታሴራ መጠን ዘለዎ ናይ ቀረባ ግዜ
- ፓስፖርት፡ ናይ መውደቒኡ ግዜ ካብቲ ቪዛ ዝሕተተሉ ግዜ እንተወሓደ ናይ 3 ወርሒ ዘለዎ
- መጠርነፊ ወረቐት (ኑላ ኦስታ) ካብ ስፖርቴሎ ኡኒኮ ተፈሪሙ ዝተወሃበ ካብ ዝፍረም 6 ወርሒ ዘይሓለፎ
- ትሕቲ ዕድመ ንዝኾኑ ቆልዑ ፡ ቪዛ ንምውሃብ ብዝምልከት በቲ ሓደ ወላዲ ዝተፈረመ ናይ ስምምዕ ውዕል
እቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝነብር ወዲ ወጻኢ ናይ ቤተሰብ ኣባል ወይ ናይ በዓል ሓዳር ኩነታት ዝገልጽ መረጋገጺ ሰነድ
ኣድለይቲ ሰነዳት


ብቑጽሪ ስልኪ 800905570 ወይ (+39)3511376335 ብምድዋል ወይ ብኢ-መይል numeroverderifugiati@arci.it ኣብ ኑሜሮ ቬርደ ርኸበና