አሰኞ ኡኒኮ ፋሚልያረ

አሰኞ ኡኒኮ ፋሚልያረ ማለት ብሓደ ሓደ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ሕድ ሕድ ቤተሰብ ንዝነብሩ ንኣካለ መጠን ዘይበጽሑ ቆልዑ ዕድመኦም 21 ክሳብ ዝበጽሕ ዝወሃብ ናይ ኤኮኖሚ ድጋፍ እዩ።   

እቲ ዝወሃብ ቸክ ወይ ኣሰኞ ዝኽፈል ካብ ኢንፕስ (INPS) ኮይኑ፡ ብኢሴ (ISEE) ወይ ብናይ ቤተሰብ ናይ ኣታዊኦም ኩነታት ብዘመልክቶ መሠረት እዩ። ነቲ ድጎማ ንምርካብ እቶም ስድራ ቤት ካብ ጃንዋሪ 1 – 2022 ጀሚሮም ንኢንፕስ (INPS) ወይ ናብ ከም ፓትሮናቶ ዝኣመሰሉ ዝሕግዙ ተቋማት ብምኻድ ምምልካት ይከኣል። እቲ ዝወሃብ ድጎማ ካብ ማርች 2022 ጀሚሩ ብኢንፕስ ይኽፈል።

ነዚ ኣሰኞ ክሳብ 30 ጁን 2022 ምሕታት ይከኣል። ከምኡ ድማ ካብ ናይ ዝሓለፈ ወርሓዊ ክፍሊት (ካብ ማርች 2022) ናይ ምኽፋል መሰል ኣሎ።

ነዚ ኣሰኞ መን ከመልክት ይኽእል  

ነዚ ኣሰኞ ንምምልካት ነዞም ዝስዕቡ መስፈርትታት ከተማልኡ ይግባእ፦

  • ናይ ጥልያን ዜግነት፤ ወይ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ኣባል ሃገር (ወይ ናይ ቤተሰቦም ኣባላት) ዜግነት፤ ወይ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ኣባል ዘይኮነ ዜጋ ኮዩኑ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ መንበሪ ፍቓድ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም፤ ወይ ድማ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ንላዕሊ ብስራሕ ንምንቅስቓስ ዝተፈቐደ መንበሪ ዝተወሃበ ሙኳን ወይ ኣብ ዓዲ ጥልያን ንኽመራመሩ ወይ መጽናዕቲ ከካይዱ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ንላዕሊ ንኽጸንሑ መንበሪ ዝተወሃቡ ሙኳን;
  • ኣብ ዓዲ ጥልያን ግብሪ ዝኸፍሉ; 
  • ብውሕዱ ኣብ ዓዲ ጥልያን ንኽልተ ዓመት ምንባር፣ ዋላ እውን ቀጻሊ እንተዘይኮነ ፣ ወይ ድማ ንሽዱሽተ ወርሒ ዘይቀዋሚ ወይ ቀዋሚ ናይ ስራሕ ውዕል ምህላው

ናይቲ ቸክ ወይ ኣሰኞ ባህሪያት 

  • እዚ ድጎማ ሓፈሻዊ እዩ፣ ኩሉ ናይ እቶት መጠን መሰል ኣለዎ፣ ቀጻሊ፣ ናይ ኣታዊ መጠን ብዝቐነሰ (ISEE) እቲ ናይ ኣሰኞ መጠን ይውስኽ።
  • እዚ ድጎማ ቆልዓ ምስ ዝውለድ ኣብ ውሽጢ 120 መዓልታት ፣ ካብ ሻብዓይ ወርሒ ጥንሲ ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ሓደ ስድራ ዝርከቡ 21 ዓመት ክሳብ ዝበጽሑ  ክሓቱ ይኽእሉ።   ።
  • ዕድሜኦም ካብ 18 ንላዕል ንዝኾኑን፡ ካብ 21 ዓመት ንታሕቲ ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ስድራ ዘለዉ ቆልዑ፡ ነት ድጎማ ንኽረኽቡ ካብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ውሽጢ ሓዲኦም ከማልእ ኣለዎ፦
    • ናይ ትምህርቲ ኮርስን ስልጠናን ዝከታተሉ;
    • ናይ ስራሕ ልምዲ ንምርካብ ኮርስ ንዝወስዱን ጠቕላላ ኣታዊኦም ኣብ ዓመት ካብ € 8000 ንታሕቲ ንዝኾነ; 
    • ወይ ድማ ኣብቲ ናይ ሕዝቢ ናይ ስራሕ ስምሪት ኣገልግሎት ተመዝጊቦም ስራሕ እንዳደለዩ ንዘለዉ;
    • ሲቪል ሰርቪስ ዝገበሩ
  • ሓንሳብ ምስ ኣመልከቱ እቲ ኣሰኞ ካብ ማርች ወርሒ ብዝኾነ ኣብ 60 መዓልታት ውሽጢ ይፍለጥ። 
  • እቲ ኣስኞ ዝኽፈል፡ ብጀካ እቶም ናይ ዘግነት ኣታዊ ተጠቀምቲ ዝኾኑ፡ ብባንክ ሒሳብ ቁጽሮም (ኢባን) ወይ ብናይ ዓዲ ውሽጢ ናይ ባንክ ሕሳብ የተሓላልፍሎም።
  • እዚ ድጎማ ናይ ቤተሰብ ኣታዊ ኣይትንክፍን።

መተሓሳሰቢ፡ ከተመልክቱ ከለኹም ዝተመጣጠነ ኣሰኞ ንምርካብ ናይ ኢሴ (ISEE) ምስክር ወረቐት ምቕራብ ይከኣል። ናይ ኢሴ ምስክርነት ከየተሓሓዝካ ምስ ዝቐርብ ኣታዊኻ ዝኾነ እንተኾነ ኢንፕስ (INPS) እቲ ዝተሓተ መጠን ጥራሕ ይኸፍለካ።

እዚ ድጎማ ምስ ካልኦት ማሕበራዊ ሓገዛት ዘሎ ኩነታት  

ካብ ማርች 2022 ጀሚሩ እቲ ድጎማ፡ ቆልዑ ንዘለዎም ስድራ ቤታት ዘነጻጸረ ሓደ ሓደ ናይ መንግስቲ ኤኮኖምያዊ ሓገዛት ይትክእ።

 

  • እቲ ኣሰኞ ኡኒኮ ፋሚልያረ ንወላዳት ዝወሃብ (ናይ ጽባሕ ኣደ ቦኑስ)፣ ንዝውለድ ዝወሃብ ኣበል(ናይ ሕጻናት ቦኑስ)፣ ኣሰኞ ፋሚልያረ (ናይ ስድራቤት ኣበል) ፡ ካብ 21 ዓመት ንታሕቲ ንዘለዉ ምስ ቤተሰቦም ዝነብሩ ቆልዑ ንዝቕነስ ይትክእ። ። 
  • ኣሰኞ ፋሚልያረ ወይ ናይ ቤተሰብ ናይ ኤኮኖሚ ድጎማ ፡ ምስ ናይ ዜግነት ኣታውን ናይ ሕጻናት ክንክን ሓገዝን ዝሰማማዕ እዩ።

መተሓሳሰቢ፡ ናይ ዜግነት ኣታዊ ኣቐዲምኩም እንተተቐቢልኩም፡ ቀጻሊ እቲ ኣሰኞ ፋሚልያረ ትቕበሉ።

ነቲ ኣሰኞ ፋሚልያረ ብኸመይ ሕሳብ ንገብሮ   

ኣብዚ መርበብ ብምእታው ነቲ ኣሰኞ  ከም ናይ ኢንፕስ ተመሳሳሊ ኣሰራርሓ ከተወራርዶ ትኽእል:

https://servizi2.inps.it/servizi/AssegnoUnicoFigli/Simulatore

ካብቲ ኣሰኞ ፋሚልያረ ዝተገለሉ ተጠቀምቲ       

ኣብዚ ሕጂ ግዜ ፡ ኣሰኞ ንምርካብ ካብዞም ኣብ ዝርዝር ዘለዉ ናይ መንበሪ ፍቓዳት ወጻኢ ዝተረፉ ክሳብ ሕጂ ኣይተኻተቱን። ነዚ ብዝምልከት ዝኮነ ሓድሽ ለውጢ እንተሎ፡ ኣብዚ ክቐርቡ እዮም።

ከመይ ጌርኩም ተመልክቱ ፡ ንምምልካት ኣብ ናይ ኢንፕስ መርበብ ምእታው የድልየኩም:

https://serviziweb2.inps.it/PassiWeb/jsp/spid/loginSPID.jsp?uri=https%3a%2f%2fservizi2.inps.it%2fservizi%2fAssegnoUnicoFigli&S=S

ወይ ብ 803164 (ካብ መደበኛ ስልኪ) ወይ 06164164 (ካብ ሞባይል)ደውሉ ወይ ድማ ቢኢንፕስ  ብዝተፈልጡ ፓትሮናቶታት ኣቢልኩም ሕተቱ  https://www.inps.it/servizi-online/servizi-per-i-patronati/informazioni/gli-enti-di-patronato

ቋንቋ ጥልያን ዘይት ዛረቡ እንተኾንኩም ተርጓሚ ኢንተድልዩኩም ኣብቲ ናይ ሓተትቲ ዑቕባን ዑቑባትን ናይ ነጻ ስልኪ ቑጽሪ (ኣርቺ – ARCI) ርኸቡና ፡ 800905570 ፡ ንላይካ ሞባይል 3511376335

assegno unico
Pidgin English
Bambara
Pular
Soninke

Loading

Asilo e immigrazione

ሓድሽ ውዕል ኤውሮጳ 12 ሰነ 2026

ካብ 12 ሰነ 2026 እንታይ እዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል፧ እቲ ብኤውሮጳዊ ውዕል ስደትን ዑቕባን ዝፍለጥ ሓድሽ ሕጊ ዑቕባን ስደትን ኣብ ግብሪ ይውዕል። ንሓባራዊ ስርዓተ ዑቕባ

Continua a leggere »

JumaMap እንታይ እዩ?

JumaMap – Services for Refugees እዚ ካርታ ብኽንዲ ኣብ ዝቐረብዎ ቦታ ዘሎ ጠቃሚ ኣገልግሎታት ብቐጥታ ክትረኽቡ ተዘጋጅቶ እዩ።
ኣብዚ ቦታ ትኽእል ትርከብ ቦታ ምምፃእ፣ ምብላዕ፣ ጣሊያንኛ ምምሃር፣ እንተኾይኑ ድጋፍ ጤናዊ፣ ሕጊዊ ወይ ስነ–ጸባይ ምቕራብ፣ እንታይ ኣብ ዝሓለፈ ንሰባት ምዕራፍ ዘለዉ ምጽዋዕ ዘለዉ ኣገልግሎታትን ምፍላጥ ትኽእል።

እዚ ፕላትፎርም ብ17 ቋንቋታት ይቐርባ።
ቋንቋ ካብ ላዕሊ ሜኑ ትቕይር ትኽእል። ቋንቋታት፦
ኣልባኒያ፣ ኣማርኛ፣ ዓረብኛ፣ በንጋሊ፣ ቻይንኛ፣ ዳሪ፣ ፋርሲ፣ ፍራንሳይ፣ እንግሊዝኛ፣ ፓሽቱ፣ ፕንጃቢ፣ ራሺያን፣ ሶማልኛ፣ ስፓኒሽ፣ ትግርኛ፣ ዩክሬንኛ፣ ኡርዱ፣ ዎሎፍ።

ሓበሬታ JumaMap ካብ ስልኪኻ እንኳ ትመልከት ትኽእል። ና ድሕሪት www.jumamap.it

ዋልከም ሰንተር (Welcome Center)

እንተ ሓገዝ ብግልጋሎት ትደሊ ትኽእልካ ብቀረባዊ ትመጽእ ናብ Welcome Center፦

ሰኑይ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣቀናብሪ

ሰሉስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ስነ–ጸባይ ድጋፍ (18–26 ዓመት)
14:00 – 17:00 — ጽሕፈት ድጋፍ ጤና
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ሕጊ

ረቡዕ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ሓሙስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ሕጊ (18–26 ዓመት)
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ዓርቢ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
16:30 – 19:30 — ጽሕፈት ሕጊ

ዲጂታል ድጋፍ

ሰሉስ 9:30 – 14:00
ረቡዕ 10:00 – 15:00
ሓሙስ 9:30 – 16:30

ለመፍለጥ ጥዕና ኣብ ስልኪ ነጻ ቁጥር ለመጻእነትን ለስደተኛታትን

ንሓበሬታ እና ስልኪ ድጋፍ ይደውሉ ናብ ነጻ ቁጥር Arci ንመጻእነትን ንስደተኛታትን፦
800 905 570 (ካብ ጣሊያን)
+39 351 1376335 (WhatsApp፣ Lycamobile እና ካብ ደገ ሃገር)

ይመልስ ሰኑይ–ዓርቢ 9:30–17:00።
መልሲ ብብዙሕ ቋንቋታት እዩ ዘለዎ እና መተርጎምቲ ብ35 ቋንቋታት ይመልሱ።
ኢሜይል ትርከብ ትኽእል፦ numeroverderifugiati@arci.it

ነጻ ቁጥር ንሰባት ዘለዎም ኣካል ጉዳት ዝሰለዉ መዕረፍ ንስደተኛታት

NABILA ንስደተኛታትን ንመጻእነትን ኣካላዊ ጉዳት ወይ ካልእ ድኹምነት ዘለዎም ንሰባት ምስማዕ፣ ድጋፍን ምኽሪን ዝሃብ ኣገልግሎት እዩ።
ብነጻ ቁጥር 800 999 977 ትደውሉ ትኽእል።
እንተ ብቀረባዊ ምናገር ትደሊ ትኽእል ክትሕረት ኣብ ቢሮ ኢሚግሬሽን Arci Nazionale፣
Via dei Monti di Pietralata 16 – Rome.

ቦታ ምስማዕ ንንኡስናን ንወጻኢ ስደተኛታት

U-Report On The Move ደሓን ዘለዎ ቦታ እዩ ፣ እቲ ኣብዚ ክትተወክራ ትኽእል ናይ ሕጊ ድጋፍ፣ እንተዘይኮነ ናይ ስሜትኻ፣ ናይ ጸገምኻን ናይ ጭንቀትኻን ናይ ትሕዝቶ ነገር ብደሓን ክትነግር ትኽእል።
ባለሙያ ይሰማካ እና ኣብ ሓቂ ድጋፍኻ ክትረኽብ ይሕግዘካ።
ኣገልግሎቱ ሰኑይ–ዓርቢ 9:00–18:00 ይሰርሕ።

ክትጠቀም እንተደሊኻ፣ መልእኽቲ ብ Facebook Messenger ናብ U-Report On The Move ይላእ።
ናይ ስነ–ጸባይ ባለሙያት መልእኽት ይመልሱ እና ዝተስተኻኽሉ ድጋፍ ይሃብዎ።