አሰኞ ኡኒኮ ፋሚልያረ ማለት ብሓደ ሓደ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ሕድ ሕድ ቤተሰብ ንዝነብሩ ንኣካለ መጠን ዘይበጽሑ ቆልዑ ዕድመኦም 21 ክሳብ ዝበጽሕ ዝወሃብ ናይ ኤኮኖሚ ድጋፍ እዩ።
እቲ ዝወሃብ ቸክ ወይ ኣሰኞ ዝኽፈል ካብ ኢንፕስ (INPS) ኮይኑ፡ ብኢሴ (ISEE) ወይ ብናይ ቤተሰብ ናይ ኣታዊኦም ኩነታት ብዘመልክቶ መሠረት እዩ። ነቲ ድጎማ ንምርካብ እቶም ስድራ ቤት ካብ ጃንዋሪ 1 – 2022 ጀሚሮም ንኢንፕስ (INPS) ወይ ናብ ከም ፓትሮናቶ ዝኣመሰሉ ዝሕግዙ ተቋማት ብምኻድ ምምልካት ይከኣል። እቲ ዝወሃብ ድጎማ ካብ ማርች 2022 ጀሚሩ ብኢንፕስ ይኽፈል።
ነዚ ኣሰኞ ክሳብ 30 ጁን 2022 ምሕታት ይከኣል። ከምኡ ድማ ካብ ናይ ዝሓለፈ ወርሓዊ ክፍሊት (ካብ ማርች 2022) ናይ ምኽፋል መሰል ኣሎ።
ነዚ ኣሰኞ መን ከመልክት ይኽእል
ነዚ ኣሰኞ ንምምልካት ነዞም ዝስዕቡ መስፈርትታት ከተማልኡ ይግባእ፦
- ናይ ጥልያን ዜግነት፤ ወይ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ኣባል ሃገር (ወይ ናይ ቤተሰቦም ኣባላት) ዜግነት፤ ወይ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ኣባል ዘይኮነ ዜጋ ኮዩኑ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ መንበሪ ፍቓድ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም፤ ወይ ድማ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ንላዕሊ ብስራሕ ንምንቅስቓስ ዝተፈቐደ መንበሪ ዝተወሃበ ሙኳን ወይ ኣብ ዓዲ ጥልያን ንኽመራመሩ ወይ መጽናዕቲ ከካይዱ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ንላዕሊ ንኽጸንሑ መንበሪ ዝተወሃቡ ሙኳን;
- ኣብ ዓዲ ጥልያን ግብሪ ዝኸፍሉ;
- ብውሕዱ ኣብ ዓዲ ጥልያን ንኽልተ ዓመት ምንባር፣ ዋላ እውን ቀጻሊ እንተዘይኮነ ፣ ወይ ድማ ንሽዱሽተ ወርሒ ዘይቀዋሚ ወይ ቀዋሚ ናይ ስራሕ ውዕል ምህላው
ናይቲ ቸክ ወይ ኣሰኞ ባህሪያት
- እዚ ድጎማ ሓፈሻዊ እዩ፣ ኩሉ ናይ እቶት መጠን መሰል ኣለዎ፣ ቀጻሊ፣ ናይ ኣታዊ መጠን ብዝቐነሰ (ISEE) እቲ ናይ ኣሰኞ መጠን ይውስኽ።
- እዚ ድጎማ ቆልዓ ምስ ዝውለድ ኣብ ውሽጢ 120 መዓልታት ፣ ካብ ሻብዓይ ወርሒ ጥንሲ ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ሓደ ስድራ ዝርከቡ 21 ዓመት ክሳብ ዝበጽሑ ክሓቱ ይኽእሉ። ።
- ዕድሜኦም ካብ 18 ንላዕል ንዝኾኑን፡ ካብ 21 ዓመት ንታሕቲ ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ስድራ ዘለዉ ቆልዑ፡ ነት ድጎማ ንኽረኽቡ ካብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ውሽጢ ሓዲኦም ከማልእ ኣለዎ፦
- ናይ ትምህርቲ ኮርስን ስልጠናን ዝከታተሉ;
- ናይ ስራሕ ልምዲ ንምርካብ ኮርስ ንዝወስዱን ጠቕላላ ኣታዊኦም ኣብ ዓመት ካብ € 8000 ንታሕቲ ንዝኾነ;
- ወይ ድማ ኣብቲ ናይ ሕዝቢ ናይ ስራሕ ስምሪት ኣገልግሎት ተመዝጊቦም ስራሕ እንዳደለዩ ንዘለዉ;
- ሲቪል ሰርቪስ ዝገበሩ
- ሓንሳብ ምስ ኣመልከቱ እቲ ኣሰኞ ካብ ማርች ወርሒ ብዝኾነ ኣብ 60 መዓልታት ውሽጢ ይፍለጥ።
- እቲ ኣስኞ ዝኽፈል፡ ብጀካ እቶም ናይ ዘግነት ኣታዊ ተጠቀምቲ ዝኾኑ፡ ብባንክ ሒሳብ ቁጽሮም (ኢባን) ወይ ብናይ ዓዲ ውሽጢ ናይ ባንክ ሕሳብ የተሓላልፍሎም።
- እዚ ድጎማ ናይ ቤተሰብ ኣታዊ ኣይትንክፍን።
መተሓሳሰቢ፡ ከተመልክቱ ከለኹም ዝተመጣጠነ ኣሰኞ ንምርካብ ናይ ኢሴ (ISEE) ምስክር ወረቐት ምቕራብ ይከኣል። ናይ ኢሴ ምስክርነት ከየተሓሓዝካ ምስ ዝቐርብ ኣታዊኻ ዝኾነ እንተኾነ ኢንፕስ (INPS) እቲ ዝተሓተ መጠን ጥራሕ ይኸፍለካ።
እዚ ድጎማ ምስ ካልኦት ማሕበራዊ ሓገዛት ዘሎ ኩነታት
ካብ ማርች 2022 ጀሚሩ እቲ ድጎማ፡ ቆልዑ ንዘለዎም ስድራ ቤታት ዘነጻጸረ ሓደ ሓደ ናይ መንግስቲ ኤኮኖምያዊ ሓገዛት ይትክእ።
- እቲ ኣሰኞ ኡኒኮ ፋሚልያረ ንወላዳት ዝወሃብ (ናይ ጽባሕ ኣደ ቦኑስ)፣ ንዝውለድ ዝወሃብ ኣበል(ናይ ሕጻናት ቦኑስ)፣ ኣሰኞ ፋሚልያረ (ናይ ስድራቤት ኣበል) ፡ ካብ 21 ዓመት ንታሕቲ ንዘለዉ ምስ ቤተሰቦም ዝነብሩ ቆልዑ ንዝቕነስ ይትክእ። ።
- ኣሰኞ ፋሚልያረ ወይ ናይ ቤተሰብ ናይ ኤኮኖሚ ድጎማ ፡ ምስ ናይ ዜግነት ኣታውን ናይ ሕጻናት ክንክን ሓገዝን ዝሰማማዕ እዩ።
መተሓሳሰቢ፡ ናይ ዜግነት ኣታዊ ኣቐዲምኩም እንተተቐቢልኩም፡ ቀጻሊ እቲ ኣሰኞ ፋሚልያረ ትቕበሉ።
ነቲ ኣሰኞ ፋሚልያረ ብኸመይ ሕሳብ ንገብሮ
ኣብዚ መርበብ ብምእታው ነቲ ኣሰኞ ከም ናይ ኢንፕስ ተመሳሳሊ ኣሰራርሓ ከተወራርዶ ትኽእል:
https://servizi2.inps.it/servizi/AssegnoUnicoFigli/Simulatore
ካብቲ ኣሰኞ ፋሚልያረ ዝተገለሉ ተጠቀምቲ
ኣብዚ ሕጂ ግዜ ፡ ኣሰኞ ንምርካብ ካብዞም ኣብ ዝርዝር ዘለዉ ናይ መንበሪ ፍቓዳት ወጻኢ ዝተረፉ ክሳብ ሕጂ ኣይተኻተቱን። ነዚ ብዝምልከት ዝኮነ ሓድሽ ለውጢ እንተሎ፡ ኣብዚ ክቐርቡ እዮም።
ከመይ ጌርኩም ተመልክቱ ፡ ንምምልካት ኣብ ናይ ኢንፕስ መርበብ ምእታው የድልየኩም:
https://serviziweb2.inps.it/PassiWeb/jsp/spid/loginSPID.jsp?uri=https%3a%2f%2fservizi2.inps.it%2fservizi%2fAssegnoUnicoFigli&S=S
ወይ ብ 803164 (ካብ መደበኛ ስልኪ) ወይ 06164164 (ካብ ሞባይል)ደውሉ ወይ ድማ ቢኢንፕስ ብዝተፈልጡ ፓትሮናቶታት ኣቢልኩም ሕተቱ https://www.inps.it/servizi-online/servizi-per-i-patronati/informazioni/gli-enti-di-patronato
ቋንቋ ጥልያን ዘይት ዛረቡ እንተኾንኩም ተርጓሚ ኢንተድልዩኩም ኣብቲ ናይ ሓተትቲ ዑቕባን ዑቑባትን ናይ ነጻ ስልኪ ቑጽሪ (ኣርቺ – ARCI) ርኸቡና ፡ 800905570 ፡ ንላይካ ሞባይል 3511376335
