ኣየኖት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝግበሩ ናይ ጸረ ኮቪድ ክትባት እዮም ኣብ ዓዲ ጥልያን ናይ ቀጠልያ መሕለፊ ንምርካብ ተቐባልነት ዘለዎም፦
- ኮቪሺልድ (ናይ ህንዲ ናይ /ሴረም ተቋም),
- አር – ኮቪ (አር ፋርም) R-CoVI (R-Pharm)
- ኮቪድ-19 ክትባት– ዳግማይ (ፊዮክሩዝ) Covid-19 vaccine recombinant (Fiocruz),
ነቲ ትኽክለኛ ኣፍልጦ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ፦
- ናይ ጣልያን ዜጋታት (ኮላይ ኣብ ወጻኢ ነበርትን) ምሰኦም ዝነብሩ ቤተሰቦምን
- ንስራሕ ወይ ንትምህርቲ ምኽንያት ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከቡ ደቂ ወጻኢ ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ወይ ኣብ “SASN” (ንሰራሕተኛታት ናይ ጥዕና ርዳእታ) ዝተመዝገቡ ይኹኑ ኣይኹኑ
- ኩሎም ኣብ ሃገራዊ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ዝተመዝገቡን ኣብ ወጻኢ ሃገር ጸረ SARS – COV -2 ዝተኸተቡን
እቲ ዝተወሃቦም ናይ ክትባት ምስክር ወረቐታት ኣፍልጦ ምስቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝተወሃበ ቀጠልያ ናይ ኮቪድ 19 ሰርተፊኬት ምስ( EU ፡ ናይ ኣውሮጳ ሕብረት ዲጂታል ኮቪድ ሰርተፊኬት) ተመሳሳሊ ይኸውን።