ካብ ወጻኢ ሃገር ናብ ውሽጢ ዓዲ ሰራሕተኛታት ንምእታው ሓድሽ ናይ ፍሰት ድንጋገ ተኸፊቱ ኣሎ

ከ. ኣ. ኤ. ብጀንዋሪ 26/2023 ናይ ጠቕላይ ሚንስተር ናይ ሚንስትራት ቤት ምኽሪ ብዲክሰምበር 29/2022 ዝወሰኖ ናይ (ፍሰት ድንጋገ) ኣዊጁ ኣሎ፡ ነዞም ንስራሕ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝኣትዉ ሰራሕተኛታት ኮታ ኣቐሚጡ ኣሎ። 

ዝለዓለ ናይ ዝኣትዉ ቁጽሪ 82.705 ሰባት ክኸውን ከሎ ካብዚኦም ውሽጢ፡–

  • 44,000 ብግዝያዊ ናይ ስራሕ ምኽንያት;
  • 38,705 ግዝያዊ ዘይኮኑ ናይ ስራሕ ምኽንያታት፣ ካብዚኦም ውሽጢ፡-
  • 30.105 ንግዝያዊ ናይ ስራሕ ምኽንያት ዘይኮነ ዝተወሰኑ፤ ንመጎዓዓዚ፣ ንሃነጽቲን ቱሪዝምን ሆተልን፣ ሜካኒክ፣ ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ምድላው መግቢ፣ ኣብ ህንጸት መርከብ ዘርፍታትን ናይ ግሊ ስራሕን  ።

    

መንበሪ ፍቓድ ምልዋጥ፡ ኣብ ታሕቲ ካብ ዝተጠቐሱ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ንኽቕይርዎ ክሓቱ ይኽእሉ፦

  1. ግዝያዊ ናይ ስርሕ መንበሪ ፍቓድ
  2. ብናይ ትምህርቲ ምኽንያት መንበሪ ፍቓድ
  3. ኣብ ካልኦት ናይ ኣውሮጳ ሕብረት ዘይወድቕ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም

ከመይ ምምልካት ይከኣል

ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ካብ ዝነበረ ኣሰራርሓ ፍልይ ብዝበለ፡ ሰራሕተኛ ንሙቕጻር ተመሊኡ ቅድሚ ምልኣኽ፡ እቲ ወሃቢ ስራሕ ኣብቲ ዓዲ ነቲ ስራሕ ዝሽፍን ሰራሕተኛ ከምዘየለ ካብቶም ስራሕ ዝቖጽሩ ማእከል ከረጋግጽ ኣለዎ።

ነዚ መረጋገጺ ንምፍጻም ወሃቢ ስራሕ ነቲ ናይ ሰራሕተኛ መቑጸሪ ሕቶ ሰነድ ብምምላእ ናብቲ ሰራሕተኛታት ዝቑሰሩሉ ማእከል ክልእኽ ኣለዎ። ንመምርሒ ኣብዚ ኣንብብ guida per i datori/datrici di lavoro.

ነቲ ናይ ኑላ ኦስታ ፍቓድ ምልኣኽ ዝከኣል፡ እንድሕር፡–

ሀ) እቲ ዝቖጽር ማእከል ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ እንተዘይሂቡ፡ ሕቶ ካብ ዝቐረበሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልታት፤

ለ) እቲ ስራሕ ዝቖጽር ማእከል ዝለኣኾ ሰራሕተኛ ንወሃቢ ስራሕ እንተዘይተሰማሚዕዎ

ሐ) ካብ ስራሕ ዝህብ ማእከል ዝተላእከ ሰራሕተኛ ንኽዘራረብ ኣብ ቆጸራኡ ብዘይ ምኽንያት ከይቀረበ ምስ ዝተርፍ፡ ካብቲ ናይ ሕቶ መዓልቲ ጀሚሩ እንተወሓደ ን 20 ናይ ስራሕ መዓልታት።


ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኩነታት ሓደ ምዝ ዘጋጥም፡ ወሃቢ ስራሕ ባዕሉ ብዝሰሓፎ መረጋገጺ ናብቲ ናይ ስራሕ ማእከል ኣተሓሒዙ ብምልኣኽ ከፍልጥ ኣለዎ።

ብደንቢ ኣስተውዕሉ፡ ኣብ ብሔራዊ ክልል ውሽጢ ሰራሕተኛታት ከምዘየለዉ ምርግጋጽ፡ ነቶም ግዝያዊ ሰራሕተኛታትን ኣብ ወጻኢ ስልጠና ዝገበሩን ኣይምልከቶምን።   

ሰነዳት ተመሊኦም ምስ ቀረቡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ዝኾነ ዕንቅፋት እንተዘይተረኺቡ፡ እቲ ኑላ ኦስታ ብቐጥታ ብመስመር ይለኣኽ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ሰነድ ኣብ ዓዶም ዘሎ ናይ ጥልያን ተወካሊ (ኤምባሲ) ምስተቐበሎ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት ቪዛ ክህብ ኣለዎ።   

ዝለኣኸሉ መዓልቲ (ክሊክ ደይ)

ኩል ናይ ሕቶ ሰነዳት ካብ ማርች 27/2023 ጀሚሩ ክሳብ እቲ ኮታ ዝውዳእ ክለኣኽ ዝኽእል ኮይኑ ብዝኮነ ምኽንያት ካብ ዲክሰምበር 31/2023 ንደሓር ምልኣኽ ኣይከኣልን።

ብደንቢ ኣስተውዕሉ፡ ኣቐዲሙ ዝተለኣኸ ሰነድ ቀዳምነት ይህልዎ፡ ነዚ እዩ ድማ ሰነዳት ኣቐዲምካ ምድላው ዘድሊ፡ ቀዲሙ ዘይተላእከ ካብ ኮታ ወጻኢ ክኸውን ይኽእል እሞ ተቐባልነት የብሉን ዝብል ስግኣት የጋጥም።  

ኣብ ቀረባ ግዜ ሰነዳት ከመይ ተመሊኦም ከምዝቐርቡን ሓደሽቲ ትሕዝቶታትን ዝሓዘ ሰነድ ካብ ናይ ሚንስተራት ቤት ምኽሪ ሓድሽ ሰርኮላር ክወጽእ እዩ።  

ንዝበለጸ ሓበሬታ፣ ብዛዕባ ኮታ፣ ካልኦት ሕቶታትን ኣካይደኦምን ንዝምልከት ኣብዚ መርበብ ረኣዩ፡ 

decreto flussi

Loading

Asilo e immigrazione

ሓድሽ ውዕል ኤውሮጳ 12 ሰነ 2026

ካብ 12 ሰነ 2026 እንታይ እዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል፧ እቲ ብኤውሮጳዊ ውዕል ስደትን ዑቕባን ዝፍለጥ ሓድሽ ሕጊ ዑቕባን ስደትን ኣብ ግብሪ ይውዕል። ንሓባራዊ ስርዓተ ዑቕባ

Continua a leggere »

JumaMap እንታይ እዩ?

JumaMap – Services for Refugees እዚ ካርታ ብኽንዲ ኣብ ዝቐረብዎ ቦታ ዘሎ ጠቃሚ ኣገልግሎታት ብቐጥታ ክትረኽቡ ተዘጋጅቶ እዩ።
ኣብዚ ቦታ ትኽእል ትርከብ ቦታ ምምፃእ፣ ምብላዕ፣ ጣሊያንኛ ምምሃር፣ እንተኾይኑ ድጋፍ ጤናዊ፣ ሕጊዊ ወይ ስነ–ጸባይ ምቕራብ፣ እንታይ ኣብ ዝሓለፈ ንሰባት ምዕራፍ ዘለዉ ምጽዋዕ ዘለዉ ኣገልግሎታትን ምፍላጥ ትኽእል።

እዚ ፕላትፎርም ብ17 ቋንቋታት ይቐርባ።
ቋንቋ ካብ ላዕሊ ሜኑ ትቕይር ትኽእል። ቋንቋታት፦
ኣልባኒያ፣ ኣማርኛ፣ ዓረብኛ፣ በንጋሊ፣ ቻይንኛ፣ ዳሪ፣ ፋርሲ፣ ፍራንሳይ፣ እንግሊዝኛ፣ ፓሽቱ፣ ፕንጃቢ፣ ራሺያን፣ ሶማልኛ፣ ስፓኒሽ፣ ትግርኛ፣ ዩክሬንኛ፣ ኡርዱ፣ ዎሎፍ።

ሓበሬታ JumaMap ካብ ስልኪኻ እንኳ ትመልከት ትኽእል። ና ድሕሪት www.jumamap.it

ዋልከም ሰንተር (Welcome Center)

እንተ ሓገዝ ብግልጋሎት ትደሊ ትኽእልካ ብቀረባዊ ትመጽእ ናብ Welcome Center፦

ሰኑይ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣቀናብሪ

ሰሉስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ስነ–ጸባይ ድጋፍ (18–26 ዓመት)
14:00 – 17:00 — ጽሕፈት ድጋፍ ጤና
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ሕጊ

ረቡዕ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ሓሙስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ሕጊ (18–26 ዓመት)
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ዓርቢ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
16:30 – 19:30 — ጽሕፈት ሕጊ

ዲጂታል ድጋፍ

ሰሉስ 9:30 – 14:00
ረቡዕ 10:00 – 15:00
ሓሙስ 9:30 – 16:30

ለመፍለጥ ጥዕና ኣብ ስልኪ ነጻ ቁጥር ለመጻእነትን ለስደተኛታትን

ንሓበሬታ እና ስልኪ ድጋፍ ይደውሉ ናብ ነጻ ቁጥር Arci ንመጻእነትን ንስደተኛታትን፦
800 905 570 (ካብ ጣሊያን)
+39 351 1376335 (WhatsApp፣ Lycamobile እና ካብ ደገ ሃገር)

ይመልስ ሰኑይ–ዓርቢ 9:30–17:00።
መልሲ ብብዙሕ ቋንቋታት እዩ ዘለዎ እና መተርጎምቲ ብ35 ቋንቋታት ይመልሱ።
ኢሜይል ትርከብ ትኽእል፦ numeroverderifugiati@arci.it

ነጻ ቁጥር ንሰባት ዘለዎም ኣካል ጉዳት ዝሰለዉ መዕረፍ ንስደተኛታት

NABILA ንስደተኛታትን ንመጻእነትን ኣካላዊ ጉዳት ወይ ካልእ ድኹምነት ዘለዎም ንሰባት ምስማዕ፣ ድጋፍን ምኽሪን ዝሃብ ኣገልግሎት እዩ።
ብነጻ ቁጥር 800 999 977 ትደውሉ ትኽእል።
እንተ ብቀረባዊ ምናገር ትደሊ ትኽእል ክትሕረት ኣብ ቢሮ ኢሚግሬሽን Arci Nazionale፣
Via dei Monti di Pietralata 16 – Rome.

ቦታ ምስማዕ ንንኡስናን ንወጻኢ ስደተኛታት

U-Report On The Move ደሓን ዘለዎ ቦታ እዩ ፣ እቲ ኣብዚ ክትተወክራ ትኽእል ናይ ሕጊ ድጋፍ፣ እንተዘይኮነ ናይ ስሜትኻ፣ ናይ ጸገምኻን ናይ ጭንቀትኻን ናይ ትሕዝቶ ነገር ብደሓን ክትነግር ትኽእል።
ባለሙያ ይሰማካ እና ኣብ ሓቂ ድጋፍኻ ክትረኽብ ይሕግዘካ።
ኣገልግሎቱ ሰኑይ–ዓርቢ 9:00–18:00 ይሰርሕ።

ክትጠቀም እንተደሊኻ፣ መልእኽቲ ብ Facebook Messenger ናብ U-Report On The Move ይላእ።
ናይ ስነ–ጸባይ ባለሙያት መልእኽት ይመልሱ እና ዝተስተኻኽሉ ድጋፍ ይሃብዎ።