ካብ ወጻኢ ሃገር ናብ ውሽጢ ዓዲ ሰራሕተኛታት ንምእታው ሓድሽ ናይ ፍሰት ድንጋገ ተኸፊቱ ኣሎ

Share on facebook
Share on twitter
Share on linkedin
Share on telegram

ከ. ኣ. ኤ. ብጀንዋሪ 26/2023 ናይ ጠቕላይ ሚንስተር ናይ ሚንስትራት ቤት ምኽሪ ብዲክሰምበር 29/2022 ዝወሰኖ ናይ (ፍሰት ድንጋገ) ኣዊጁ ኣሎ፡ ነዞም ንስራሕ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝኣትዉ ሰራሕተኛታት ኮታ ኣቐሚጡ ኣሎ። 

ዝለዓለ ናይ ዝኣትዉ ቁጽሪ 82.705 ሰባት ክኸውን ከሎ ካብዚኦም ውሽጢ፡

  • 44,000 ብግዝያዊ ናይ ስራሕ ምኽንያት;
  • 38,705 ግዝያዊ ዘይኮኑ ናይ ስራሕ ምኽንያታት፣ ካብዚኦም ውሽጢ፡-
  • 30.105 ንግዝያዊ ናይ ስራሕ ምኽንያት ዘይኮነ ዝተወሰኑ፤ ንመጎዓዓዚ፣ ንሃነጽቲን ቱሪዝምን ሆተልን፣ ሜካኒክ፣ ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ምድላው መግቢ፣ ኣብ ህንጸት መርከብ ዘርፍታትን ናይ ግሊ ስራሕን 

    

መንበሪ ፍቓድ ምልዋጥ፡ ኣብ ታሕቲ ካብ ዝተጠቐሱ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ንኽቕይርዎ ክሓቱ ይኽእሉ፦

  1. ግዝያዊ ናይ ስርሕ መንበሪ ፍቓድ
  2. ብናይ ትምህርቲ ምኽንያት መንበሪ ፍቓድ
  3. ኣብ ካልኦት ናይ ኣውሮጳ ሕብረት ዘይወድቕ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም

ከመይ ምምልካት ይከኣል

ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ካብ ዝነበረ ኣሰራርሓ ፍልይ ብዝበለ፡ ሰራሕተኛ ንሙቕጻር ተመሊኡ ቅድሚ ምልኣኽ፡ እቲ ወሃቢ ስራሕ ኣብቲ ዓዲ ነቲ ስራሕ ዝሽፍን ሰራሕተኛ ከምዘየለ ካብቶም ስራሕ ዝቖጽሩ ማእከል ከረጋግጽ ኣለዎ።

ነዚ መረጋገጺ ንምፍጻም ወሃቢ ስራሕ ነቲ ናይ ሰራሕተኛ መቑጸሪ ሕቶ ሰነድ ብምምላእ ናብቲ ሰራሕተኛታት ዝቑሰሩሉ ማእከል ክልእኽ ኣለዎ። ንመምርሒ ኣብዚ ኣንብብ guida per i datori/datrici di lavoro.

ነቲ ናይ ኑላ ኦስታ ፍቓድ ምልኣኽ ዝከኣል፡ እንድሕር፡

ሀ) እቲ ዝቖጽር ማእከል ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ እንተዘይሂቡ፡ ሕቶ ካብ ዝቐረበሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልታት፤

ለ) እቲ ስራሕ ዝቖጽር ማእከል ዝለኣኾ ሰራሕተኛ ንወሃቢ ስራሕ እንተዘይተሰማሚዕዎ

ሐ) ካብ ስራሕ ዝህብ ማእከል ዝተላእከ ሰራሕተኛ ንኽዘራረብ ኣብ ቆጸራኡ ብዘይ ምኽንያት ከይቀረበ ምስ ዝተርፍ፡ ካብቲ ናይ ሕቶ መዓልቲ ጀሚሩ እንተወሓደ ን 20 ናይ ስራሕ መዓልታት።


ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኩነታት ሓደ ምዝ ዘጋጥም፡ ወሃቢ ስራሕ ባዕሉ ብዝሰሓፎ መረጋገጺ ናብቲ ናይ ስራሕ ማእከል ኣተሓሒዙ ብምልኣኽ ከፍልጥ ኣለዎ።

ብደንቢ ኣስተውዕሉ፡ ኣብ ብሔራዊ ክልል ውሽጢ ሰራሕተኛታት ከምዘየለዉ ምርግጋጽ፡ ነቶም ግዝያዊ ሰራሕተኛታትን ኣብ ወጻኢ ስልጠና ዝገበሩን ኣይምልከቶምን   

ሰነዳት ተመሊኦም ምስ ቀረቡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ዝኾነ ዕንቅፋት እንተዘይተረኺቡ፡ እቲ ኑላ ኦስታ ብቐጥታ ብመስመር ይለኣኽ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ሰነድ ኣብ ዓዶም ዘሎ ናይ ጥልያን ተወካሊ (ኤምባሲ) ምስተቐበሎ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት ቪዛ ክህብ ኣለዎ።   

ዝለኣኸሉ መዓልቲ (ክሊክ ደይ)

ኩል ናይ ሕቶ ሰነዳት ካብ ማርች 27/2023 ጀሚሩ ክሳብ እቲ ኮታ ዝውዳእ ክለኣኽ ዝኽእል ኮይኑ ብዝኮነ ምኽንያት ካብ ዲክሰምበር 31/2023 ንደሓር ምልኣኽ ኣይከኣልን።

ብደንቢ ኣስተውዕሉ፡ ኣቐዲሙ ዝተለኣኸ ሰነድ ቀዳምነት ይህልዎ፡ ነዚ እዩ ድማ ሰነዳት ኣቐዲምካ ምድላው ዘድሊ፡ ቀዲሙ ዘይተላእከ ካብ ኮታ ወጻኢ ክኸውን ይኽእል እሞ ተቐባልነት የብሉን ዝብል ስግኣት የጋጥም።  

ኣብ ቀረባ ግዜ ሰነዳት ከመይ ተመሊኦም ከምዝቐርቡን ሓደሽቲ ትሕዝቶታትን ዝሓዘ ሰነድ ካብ ናይ ሚንስተራት ቤት ምኽሪ ሓድሽ ሰርኮላር ክወጽእ እዩ።  

ንዝበለጸ ሓበሬታ፣ ብዛዕባ ኮታ፣ ካልኦት ሕቶታትን ኣካይደኦምን ንዝምልከት ኣብዚ መርበብ ረኣዩ፡ 

decreto flussi
Violenza di genere

ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝግበር ናይ ደቂ ሰባት ዝውውር ከቢድ ናይ ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰት እዩ።

ብኸምዚ ዓይነት ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ብዝበዛ ትነብር እንተኔርካ ወይ ትነብር እንተለኻ፡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ብ 800290290 ደውል ብነጻን ሽም ብዘይምጥቃስን ን24 ሰዓታት ይሰርሕ   ኣብ

 353 Visite totali,  4 visite odierne

Continua a leggere »

ናይ ጥልያን ኤምባሲ ኣብ አስመራ

ኤርትራ ናይ ጥልያን ኤምባሲ ኣብ አስመራ ኣድራሻ 171-1-171 n.11 – ፖ.ሳ.ቁ. 220 – አስመራ ኤርትራ https://goo.gl/maps/3r65PKtgPfcEtvJb8   መራኸቢ ስልኪ ቁ. 002911120160 | 002911120213 | ፋክስ:

 853 Visite totali,  4 visite odierne

Continua a leggere »

ናይ ጥልያን ኤምባሲ ኣብ ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ ናይ ጥልያን ኤምባሲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ፣ የመን፣ ጂቡቲ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ንዝነብሩ ዜጋታት ብቑዕ ኤምባሲ አድራሻ ቪላ ኢታልያ ቀበና ፖ. ሳ. ቁ. 1105 አዲስ

 581 Visite totali,  1 visite odierne

Continua a leggere »
PHP Code Snippets Powered By : XYZScripts.com