ካብ 1 ኣፕሪል ጀሚሩ ብዛዕባ ጭምብልን (ማስኬራ)ቀጠልያ መሕለፍን ሓደሽቲ ሕግታት

decreto 17 marzo

 

 

 

ናይ ጭምብልን ቀጠልያ መሕለፍን ኣጠቓቕማ ብዝምልከት ሓደሽቲ ሕግታት (decreto del 17 marzo 2022): ካብ 1 ኣፕሪል 2022 ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ዝውዕሉ ቀንዲ ነገራትን ሓደሽቲ ደምብታትን ኣብዚ ኣለዉ።

ኣብ ማርች 31 – 2022 እቲ ንኮቪድ – 19 ዝወጸ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ከብቅዕ እዩ። 

 

ጭምብላት

ክሳብ ኣፕሪል 30 – 2022 ናይ ኤፌፍፒ2 (FFP2)ጭምብል ምጥቃም ናይ ግድን እዩ፦  

 

  • ኣብ ናይ ህዝቢ መመላለስቲ ኣገልግሎታት     
  • ንህዝቢ ክፉት ኣብ ዝኾነ ምርኢት ዝረኣየሉ ቦታታት         

 

ኣብ ስራሕ ቦታ፡ ናይ መተንፈሲ መከላኸሊ መሳርሕታት ምጥቃም እኹል እዩ (ኤፍኤፍፒ2 ጭምብላት ምልባስ ናይ ግድን ኣይኮነን)። 

 

ናይ ቀጠልያ መሕለፊ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ    

ካብ 1 ኣፕሪል ጀሚሩ ኩሎም ሰራሕተኛታት በቲ መሰረታዊ ቀጠልያ መሕለፊ ናብ ስራሕ ቦትኦም ክኣትዉ ይኽእሉ። ካብ መይ ንደሓር ጀሚሩ ግን ግድን ኣይኮነን።

 

እቲ ክትባት ክሳብ ዲክሰምበር 31 – 2022 ፡  ናይ ጥዕና ሰብ ሞያታት፣ ኣብ ሆስፒታላትን፣ ኣብ ናይ ኣረጋውያን መንከባኸቢ ውሽጢ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን ናይ ግድን ኮይኑ ይጸንሕ፤ ነዚ ግዴታ ዘየማልኡ ሰራሕተኛታት ግን ካብ ስራሕ ምእጋዶም ይቕጽል።    

 

ቀጠልያ መሕለፊ ክሳብ 31 ዲክሰምበር ኣረጋውያን ንዝበጽሑ (RSA)ናብ ሆስፒታላትን ናይ ሆስፒታል ክፍልታትን ንዝኸዱ ናይ ግድን ኮይኑ ይጸንሕ፥ ግን ካብ ኮቪድ ንዝሓወዩን ግሪን ፓስ ንዝሓዙን ታምፖነ ምግባር ኣየድልዮምን።

 

ቤት ትምህርቲ 

ንመዋእለ ሕጻናት፣ ቀዳማይ ደረጃን መለስተኛ ደርጃ ቤት ትምህርትታትን፣ ከምኡ ድማ ኩለን ናይ ካልኣይ ደርጃ ቤት ትምህርትታት: ብውሕድ 4 ኣዎንታዊ ወይ ፖዚቲቭ ኣብ ዝርከብሉ ግዜ እቲ ምክትታል ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ይቕጽሉ፤ ከምኡ ድማ ካብ 6 ዓመት ንላዕሊ ንዝኾኑ ተመሃሮ፡ ኣብ ማእከሎም ፖዚቲቭ ዝኾነ ምስ ዝርከብ፡ ካብታ ናይመወዳእታ መዓልቲ ርክብ ንዓሰርተ መዓልታት ናይ ኤፍኤፍፒ2 ማስኬራ ክጥቀሙ ኣለዎም። ኩሎም ብኮቪድ ዝተጠቕዑ ተመሃሮ ምስ ዝልለዩ፡ ብናይ ሕክምና ወረቐት ምስ ዝረጋገጽ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ (DAD) ክከታተሉ ይኽእሉ። ናይ ቅልጡፍ ወይ ሞሎኩላር ኣንቲጀን ምርመራ ጌሮም ኣሉታዊ ወይ ኔጋቲቭ ውጽኢት እንተለዎም ናብ ክፍሎም ክምለሱ ይኽእሉ።

 

ምግላልን ኳራንቴናን   

ካብ ኣፕሪል 1 ጀሚሩ ብኮቪድ ፖዚቲቭ ምስ ዝኾነ ሰብ ርክብ ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ንባዕሉ ከግልል ወይ ክንጸል የብሉን። ስለዚ እቲ ክግለል ኣለዎ ዝብል ተሰሪዙ ግን ነብስኻ ምቁጽጻር ከምዘድሊ የረጋግጽ፤ ከም ዝተተሓዝኩም ምልክት እንተሎ ድሕሪ 5 መዓልታት ታምፖነ ወይ ምርመራ ምግባር ኣድላዪ እዩ፡ ኣድላይ ጉዳይ እንተሎ ጥራሕ ምውጻእ ይከኣል።

ብኮቪድ ውጽኢቶም ፖዚቲቭ ዝኾኑ ሰባት ክግለሉ ኣለዎም፡ ኣሉታዊ ወይ ኔጋቲቭ ውጽኢት ክሳብ ዝረኽቡ ድማ ኣብ ገዘኦም ክጸንሑ ኣለዎም።

 

ካልእ ሓደሽቲ ዜናታት

ብተወሳኺ ናይ 17 ማርች ኣዋጅ ዘፍልጦ:

 

  • ናይ ዞናት ናይ ቀለም ስርዓት መወዳእታ  
  • ካብ ኣፕሪል 1 ጀሚሩ ካብ ገዛ ወጻእን ኣብ ገዛ ውሽጥን ዘለዉ ናይ ስፖርት መገልገልታት ናብ 100% ኣገልግሎቶም ይምለሱ።

Loading

Asilo e immigrazione

ሓድሽ ውዕል ኤውሮጳ 12 ሰነ 2026

ካብ 12 ሰነ 2026 እንታይ እዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል፧ እቲ ብኤውሮጳዊ ውዕል ስደትን ዑቕባን ዝፍለጥ ሓድሽ ሕጊ ዑቕባን ስደትን ኣብ ግብሪ ይውዕል። ንሓባራዊ ስርዓተ ዑቕባ

Continua a leggere »

JumaMap እንታይ እዩ?

JumaMap – Services for Refugees እዚ ካርታ ብኽንዲ ኣብ ዝቐረብዎ ቦታ ዘሎ ጠቃሚ ኣገልግሎታት ብቐጥታ ክትረኽቡ ተዘጋጅቶ እዩ።
ኣብዚ ቦታ ትኽእል ትርከብ ቦታ ምምፃእ፣ ምብላዕ፣ ጣሊያንኛ ምምሃር፣ እንተኾይኑ ድጋፍ ጤናዊ፣ ሕጊዊ ወይ ስነ–ጸባይ ምቕራብ፣ እንታይ ኣብ ዝሓለፈ ንሰባት ምዕራፍ ዘለዉ ምጽዋዕ ዘለዉ ኣገልግሎታትን ምፍላጥ ትኽእል።

እዚ ፕላትፎርም ብ17 ቋንቋታት ይቐርባ።
ቋንቋ ካብ ላዕሊ ሜኑ ትቕይር ትኽእል። ቋንቋታት፦
ኣልባኒያ፣ ኣማርኛ፣ ዓረብኛ፣ በንጋሊ፣ ቻይንኛ፣ ዳሪ፣ ፋርሲ፣ ፍራንሳይ፣ እንግሊዝኛ፣ ፓሽቱ፣ ፕንጃቢ፣ ራሺያን፣ ሶማልኛ፣ ስፓኒሽ፣ ትግርኛ፣ ዩክሬንኛ፣ ኡርዱ፣ ዎሎፍ።

ሓበሬታ JumaMap ካብ ስልኪኻ እንኳ ትመልከት ትኽእል። ና ድሕሪት www.jumamap.it

ዋልከም ሰንተር (Welcome Center)

እንተ ሓገዝ ብግልጋሎት ትደሊ ትኽእልካ ብቀረባዊ ትመጽእ ናብ Welcome Center፦

ሰኑይ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣቀናብሪ

ሰሉስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ስነ–ጸባይ ድጋፍ (18–26 ዓመት)
14:00 – 17:00 — ጽሕፈት ድጋፍ ጤና
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ሕጊ

ረቡዕ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ሓሙስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ሕጊ (18–26 ዓመት)
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ዓርቢ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
16:30 – 19:30 — ጽሕፈት ሕጊ

ዲጂታል ድጋፍ

ሰሉስ 9:30 – 14:00
ረቡዕ 10:00 – 15:00
ሓሙስ 9:30 – 16:30

ለመፍለጥ ጥዕና ኣብ ስልኪ ነጻ ቁጥር ለመጻእነትን ለስደተኛታትን

ንሓበሬታ እና ስልኪ ድጋፍ ይደውሉ ናብ ነጻ ቁጥር Arci ንመጻእነትን ንስደተኛታትን፦
800 905 570 (ካብ ጣሊያን)
+39 351 1376335 (WhatsApp፣ Lycamobile እና ካብ ደገ ሃገር)

ይመልስ ሰኑይ–ዓርቢ 9:30–17:00።
መልሲ ብብዙሕ ቋንቋታት እዩ ዘለዎ እና መተርጎምቲ ብ35 ቋንቋታት ይመልሱ።
ኢሜይል ትርከብ ትኽእል፦ numeroverderifugiati@arci.it

ነጻ ቁጥር ንሰባት ዘለዎም ኣካል ጉዳት ዝሰለዉ መዕረፍ ንስደተኛታት

NABILA ንስደተኛታትን ንመጻእነትን ኣካላዊ ጉዳት ወይ ካልእ ድኹምነት ዘለዎም ንሰባት ምስማዕ፣ ድጋፍን ምኽሪን ዝሃብ ኣገልግሎት እዩ።
ብነጻ ቁጥር 800 999 977 ትደውሉ ትኽእል።
እንተ ብቀረባዊ ምናገር ትደሊ ትኽእል ክትሕረት ኣብ ቢሮ ኢሚግሬሽን Arci Nazionale፣
Via dei Monti di Pietralata 16 – Rome.

ቦታ ምስማዕ ንንኡስናን ንወጻኢ ስደተኛታት

U-Report On The Move ደሓን ዘለዎ ቦታ እዩ ፣ እቲ ኣብዚ ክትተወክራ ትኽእል ናይ ሕጊ ድጋፍ፣ እንተዘይኮነ ናይ ስሜትኻ፣ ናይ ጸገምኻን ናይ ጭንቀትኻን ናይ ትሕዝቶ ነገር ብደሓን ክትነግር ትኽእል።
ባለሙያ ይሰማካ እና ኣብ ሓቂ ድጋፍኻ ክትረኽብ ይሕግዘካ።
ኣገልግሎቱ ሰኑይ–ዓርቢ 9:00–18:00 ይሰርሕ።

ክትጠቀም እንተደሊኻ፣ መልእኽቲ ብ Facebook Messenger ናብ U-Report On The Move ይላእ።
ናይ ስነ–ጸባይ ባለሙያት መልእኽት ይመልሱ እና ዝተስተኻኽሉ ድጋፍ ይሃብዎ።