ካብ 1 ኣፕሪል ጀሚሩ ብዛዕባ ጭምብልን (ማስኬራ)ቀጠልያ መሕለፍን ሓደሽቲ ሕግታት

Share on facebook
Share on twitter
Share on linkedin
Share on telegram

decreto 17 marzo

 

 

 

ናይ ጭምብልን ቀጠልያ መሕለፍን ኣጠቓቕማ ብዝምልከት ሓደሽቲ ሕግታት (decreto del 17 marzo 2022): ካብ 1 ኣፕሪል 2022 ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ዝውዕሉ ቀንዲ ነገራትን ሓደሽቲ ደምብታትን ኣብዚ ኣለዉ።

ኣብ ማርች 31 – 2022 እቲ ንኮቪድ – 19 ዝወጸ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ከብቅዕ እዩ። 

 

ጭምብላት

ክሳብ ኣፕሪል 30 – 2022 ናይ ኤፌፍፒ2 (FFP2)ጭምብል ምጥቃም ናይ ግድን እዩ፦  

 

  • ኣብ ናይ ህዝቢ መመላለስቲ ኣገልግሎታት     
  • ንህዝቢ ክፉት ኣብ ዝኾነ ምርኢት ዝረኣየሉ ቦታታት         

 

ኣብ ስራሕ ቦታ፡ ናይ መተንፈሲ መከላኸሊ መሳርሕታት ምጥቃም እኹል እዩ (ኤፍኤፍፒ2 ጭምብላት ምልባስ ናይ ግድን ኣይኮነን)። 

 

ናይ ቀጠልያ መሕለፊ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ    

ካብ 1 ኣፕሪል ጀሚሩ ኩሎም ሰራሕተኛታት በቲ መሰረታዊ ቀጠልያ መሕለፊ ናብ ስራሕ ቦትኦም ክኣትዉ ይኽእሉ። ካብ መይ ንደሓር ጀሚሩ ግን ግድን ኣይኮነን።

 

እቲ ክትባት ክሳብ ዲክሰምበር 31 – 2022 ፡  ናይ ጥዕና ሰብ ሞያታት፣ ኣብ ሆስፒታላትን፣ ኣብ ናይ ኣረጋውያን መንከባኸቢ ውሽጢ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን ናይ ግድን ኮይኑ ይጸንሕ፤ ነዚ ግዴታ ዘየማልኡ ሰራሕተኛታት ግን ካብ ስራሕ ምእጋዶም ይቕጽል።    

 

ቀጠልያ መሕለፊ ክሳብ 31 ዲክሰምበር ኣረጋውያን ንዝበጽሑ (RSA)ናብ ሆስፒታላትን ናይ ሆስፒታል ክፍልታትን ንዝኸዱ ናይ ግድን ኮይኑ ይጸንሕ፥ ግን ካብ ኮቪድ ንዝሓወዩን ግሪን ፓስ ንዝሓዙን ታምፖነ ምግባር ኣየድልዮምን።

 

ቤት ትምህርቲ 

ንመዋእለ ሕጻናት፣ ቀዳማይ ደረጃን መለስተኛ ደርጃ ቤት ትምህርትታትን፣ ከምኡ ድማ ኩለን ናይ ካልኣይ ደርጃ ቤት ትምህርትታት: ብውሕድ 4 ኣዎንታዊ ወይ ፖዚቲቭ ኣብ ዝርከብሉ ግዜ እቲ ምክትታል ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ይቕጽሉ፤ ከምኡ ድማ ካብ 6 ዓመት ንላዕሊ ንዝኾኑ ተመሃሮ፡ ኣብ ማእከሎም ፖዚቲቭ ዝኾነ ምስ ዝርከብ፡ ካብታ ናይመወዳእታ መዓልቲ ርክብ ንዓሰርተ መዓልታት ናይ ኤፍኤፍፒ2 ማስኬራ ክጥቀሙ ኣለዎም። ኩሎም ብኮቪድ ዝተጠቕዑ ተመሃሮ ምስ ዝልለዩ፡ ብናይ ሕክምና ወረቐት ምስ ዝረጋገጽ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ (DAD) ክከታተሉ ይኽእሉ። ናይ ቅልጡፍ ወይ ሞሎኩላር ኣንቲጀን ምርመራ ጌሮም ኣሉታዊ ወይ ኔጋቲቭ ውጽኢት እንተለዎም ናብ ክፍሎም ክምለሱ ይኽእሉ።

 

ምግላልን ኳራንቴናን   

ካብ ኣፕሪል 1 ጀሚሩ ብኮቪድ ፖዚቲቭ ምስ ዝኾነ ሰብ ርክብ ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ንባዕሉ ከግልል ወይ ክንጸል የብሉን። ስለዚ እቲ ክግለል ኣለዎ ዝብል ተሰሪዙ ግን ነብስኻ ምቁጽጻር ከምዘድሊ የረጋግጽ፤ ከም ዝተተሓዝኩም ምልክት እንተሎ ድሕሪ 5 መዓልታት ታምፖነ ወይ ምርመራ ምግባር ኣድላዪ እዩ፡ ኣድላይ ጉዳይ እንተሎ ጥራሕ ምውጻእ ይከኣል።

ብኮቪድ ውጽኢቶም ፖዚቲቭ ዝኾኑ ሰባት ክግለሉ ኣለዎም፡ ኣሉታዊ ወይ ኔጋቲቭ ውጽኢት ክሳብ ዝረኽቡ ድማ ኣብ ገዘኦም ክጸንሑ ኣለዎም።

 

ካልእ ሓደሽቲ ዜናታት

ብተወሳኺ ናይ 17 ማርች ኣዋጅ ዘፍልጦ:

 

  • ናይ ዞናት ናይ ቀለም ስርዓት መወዳእታ  
  • ካብ ኣፕሪል 1 ጀሚሩ ካብ ገዛ ወጻእን ኣብ ገዛ ውሽጥን ዘለዉ ናይ ስፖርት መገልገልታት ናብ 100% ኣገልግሎቶም ይምለሱ።

 3,870 Visite totali,  1 visite odierne

Violenza di genere

ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝግበር ናይ ደቂ ሰባት ዝውውር ከቢድ ናይ ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰት እዩ።

ብኸምዚ ዓይነት ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ብዝበዛ ትነብር እንተኔርካ ወይ ትነብር እንተለኻ፡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ብ 800290290 ደውል ብነጻን ሽም ብዘይምጥቃስን ን24 ሰዓታት ይሰርሕ   ኣብ

 820 Visite totali,  6 visite odierne

Continua a leggere »
decreto flussi
Asilo e immigrazione

ካብ ወጻኢ ሃገር ናብ ውሽጢ ዓዲ ሰራሕተኛታት ንምእታው ሓድሽ ናይ ፍሰት ድንጋገ ተኸፊቱ ኣሎ

ከ. ኣ. ኤ. ብጀንዋሪ 26/2023 ናይ ጠቕላይ ሚንስተር ናይ ሚንስትራት ቤት ምኽሪ ብዲክሰምበር 29/2022 ዝወሰኖ ናይ (ፍሰት ድንጋገ) ኣዊጁ ኣሎ፡ ነዞም ንስራሕ ናብ ዓዲ ጥልያን

 931 Visite totali,  6 visite odierne

Continua a leggere »

ናይ ጥልያን ኤምባሲ ኣብ አስመራ

ኤርትራ ናይ ጥልያን ኤምባሲ ኣብ አስመራ ኣድራሻ 171-1-171 n.11 – ፖ.ሳ.ቁ. 220 – አስመራ ኤርትራ https://goo.gl/maps/3r65PKtgPfcEtvJb8   መራኸቢ ስልኪ ቁ. 002911120160 | 002911120213 | ፋክስ:

 1,300 Visite totali,  6 visite odierne

Continua a leggere »