ካብ 10 ጃንዋሪ ንደሓር ናይ ክትባት ግዴታን ቀጠልያ መሕለፍን ብዝምልከት ፡ ሓደሽቲ ሕግታት

Share on facebook
Share on twitter
Share on linkedin
Share on telegram

obbligo vaccino over 50

ኣብ ጃንዋሪ 10 – 2022፡ ኣብ ልዕሊ ክትባትን ቀጠልያ መሕለፍን ዘለዉ ሕግታት ዘሐድስ ሓድሽ ኣዋጅ ተግባራዊ ኮይኑ። መን’ዩ ናይ ግድን ክትባት ክወስድ ዘለዎ? ሱፐር ቀጠልያ መሕለፊ ከተርኢ ኣድላዪ ዝኾነሉ መዓስ እዩን ቀጠልያ መሕለፊ ጥራሕ ምሓዝ እኹል ዝኾነሉኸ መዓስ እዩ? ክሳብ ማርች 31 2022 ወይ ድማ እቲ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ክሳብ ዝውዳእ ኣብ ተግባር ዝጸንሑ በዚ ሓድሽ ኣዋጅ ዝተጠቕሱ ሓደ ሓደ ብጣዕሚ ኣድለይቲ ሕግታት ኣብዚ ኣለዉ።

ብመጀመርያ ደረጃ፡ ካብ ጃንዋሪ 10 ጀሚሩ ንሳልሳይ መጠን ክትባት ንምውሳድ ግዚኡ ይቕንስ፦ ድሕሪ ካልኣይ ክትባት ኣብክንዲ ድሕሪ 5 ወርሒ ድሕሪ 4 ወርሒ ክኸውን ይኽእል። ብተወሳኺ ካብ 1 ፌብርዋሪ እቲ ቀጠልያ መሕለፊ ካብ 9 ወርሒ ናብ 6 ወርሒ ይወርድ

ካብኡ ንደሓር ንሓደ ሓደ ፍሉይ ምድባት፡ ደምብታት ኣለዉ፦ ኣየኖት እቶም ንርኣዮም።

ካብ 50 ንላዕሊ 

እዚ ሓድሽ ድንጋገ፡ ነዞም ዝስዕቡ ክኽተቡ የገድድ

  • ኩሎም ጠላይንን ደቂ ወጻኢ ዜጋታትን፡ ብውሕድ እቶም 50 ዓመት ዕድመ ዝመልኦም ( ወይ ድማ ክሳብ 15 ጀንዋሪ ዝመልኡ፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ነበርቲ ወይ ኣብ ዓዲ ጥልያን መንበሪ ዘለዎም: ኣብ ሓገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ምዝጉባት ይኹኑ ዘይምዝጉባት ብዘየገድስ

ክኽተቡ ከምዘይክእሉ ናይ ሓኪሞም ሰርተፊኬት ከርእዩ ዝኽእሉ ነጻ እዮም። ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሓኪምካ ዝሃቦ ርኢቶ ብምርኣይ፡ ክትባት ጸረ ሳሪስ ኮቭ 2 (SARS-CoV-2) ክትክተብ ከምዘይትኽእል ሰርተፊኬት ይህበካ፡ እቲ ብጥዕና ሚኒስቴር በዚ ጉዳይ ብዝምልከት ዘውጽኦ ሰልኩላር ብምኽባር።

ካብ 15 ፌብርዋሪ 2022 ጀሚሩ ልዕሊ 50 ዕድመኦም ዝኾኑ ሰራሕተኛታት፡ ናብ ስርሖም ክኣትዉ ከለዉ ግዜ ዝተጠናኸር ቀጠልያ መሕለፊ እንተዘይብሎም፡ ናይ ዝሰርሕዎ ክፍሊት መሰል ዘይብሎም ኮይኖም ካብ ስራሕ በዘይ ምኽንያት ከምዘብኮሩ ይቑጸር፡ ግን ናይ ዲሲፒሊን መዘዝ ዘይብሉ ኮይኑ ናይ ስራሕ ቦተኦም እውን ኣየተኣጓግልን።

ካብ ፌብርዋሪ 15 ክሳብ ጁን 15 – 2022 ሱፐር ቀጠልያ መሕለፊ ኣብ ስራሕ ቦታ እውን ግዴታ ይኸውን። ሰብ ሞያን ፕሮፌሽናል ሰራሕተኛታትን ስርሖም ንምስራሕ ናብ ገዛውቲ ይኹን ናብ ቤት ጽሕፈታት ክሰርሑ ክከዱ ከለዉ ሱፐር ቀተልያ መሕለፊ ክህልዎም ይግባእ።

  መሰረታዊ ቀጠልያ መሕለፊ   

      ካብ 20 ጃንዋሪ ጀሚሩ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ግድን ይኸውን፦

  • ናብ እንዳ ቀምቃማይ ፣ እንዳ መሻጢትን ናይ ጽባቐ ሳሎንን ንምኻድ  

ነዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ካብ 1 ፌብርዋሪ ጀሚሩ መሰረታዊ ቀጠልያ መሕለፊ ምርኣይ ኣድላዪ ይኸውን፦

  • ናብ ባንኪ ንምእታው 
  • ናብ ፖስታ ቤት ንምካድ 
  • ናይ ምግቢ ሸቀጣትን ፋርማስን ከይሓወስካ ናብ ኩሉ ናይ ንግዲ ቦታታት ምእታው  

ሱፐር ቀጠልያ መሕለፊ   

ካብ 10 ጃንዋሪ ናይ ግድን ይኸውን፦

  • ዝኾነ ናይ ሕዝቢ መመላለሲ ኣገልግሎት ንምጥቃም  
  • ናብ ናይ ሕዝቢ መአከቢ ከም ፡ እንዳ ብልዕን መስተን ፣ ሙዘይማት ፣ ሆቴላትን   
  • ወደ መዋኛዎችና  ጂሞች ለመሳተፍ  

ክትባቱን ያልወሰዱ 

ያልተከተቡ ሰዎች ከፌብሩዋሪ 15 ጀምሮ የሚሰራ የተጠናከረ አረንጓዴ ማለፊያ ለማግኘት የመጀመሪያውን መጠን እስከ ጃንዋሪ 31 ድረስ መውሰድ አለባቸው።

ክትባት ዘይወሰዱ ካብ ፌብርዋሪ 1 ጀሚሩ ኣብ ታሕቲ ናብ ዝተጠቐሱ ክኣትዉ ኣይክእሉን፦

  • ኣብ ዝኮነ ናይ ሕዝቢ መመላለሲ ኣገልግሎት
  • ናብ እንዳ መስተን እንዳ መግብን  
  • ናብ ሆቴላትን ሙዘይማትን  
  • ናብ መሐምበስን ፓሌስትራን  

ዘይተኸተቡ ሰባት ናብ ፋርማሲ፣ ሱፐርማርኬት፣ መሸጢ ሽጋራን ፌራሜንታን ናብ ዝኣመሰሉ ኣድለይቲ ሸቐጣት ዝሸጡ ሹቓት ጥራሕ ክኣትዉ ይኽእሉ።

ሕጊ ንዘየኽብሩ ሰባት ዘለዉ መቕጻዕትታት   

ናይዚ ክትባት ግዴታ ክሳብ ጁን 15 ጸኒዑ ክቕጽል እዩ። ካብ ፌብርዋሪ 1 – 2022 ጀሚሩ ንዘይተኸተቡ ሰባት ናይ 100 ኤውሮ መቕጻዕቲ ክህሉ እዩ። ቁጽጽር ዝካየድ ብኣጀንስያ ደለ ኤንትራተ እዩ፡ ብናይ ጥዕና ካርድን ታሴራን ብምርኣይ ቁጽጽር የካይዱ። ናይ ክትባት ግዴታ ከይማልኡ ናብ ስራሕ ንዝኸዱ ሰባት መቕጻዕቶም ይቕጽል። ናዚ ዝጥሕሱ ካብ 600 ክሳብ 1000 ኤውሮ ይቕጽዑ። ወሃብቲ ስራሕ ነዚ እንተዘይኣኽቢሮም መቕጻዕቶም ካብ 400 ክሳብ 1500 ኤውሮ ይበጽሕ።  

 1,448 Visite totali,  2 visite odierne

Evidenza

ናይ ሕዝቢ ውድድራት ንዝግበር መረጻ መመሓየሺ: ኣብቲ ምምራጽ ስደተኛታትን ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ምክታት

ናይ ሕዝቢ ውድድራት መመሓየሺ (ብ ኦገስት 6/2021 ናብ ሕጊ ቁጽሪ 113 ዝተለወጠ ኣዋጅ ቁጽሪ 80/2021) ኣብ ናይ ሕዝቢ ምምሕድዳር ዘሎ ናይ ስራሕ ሙቕጻር ብጽሒታት ንምምሕያሽ

 711 Visite totali,  6 visite odierne

Continua a leggere »
Violenza di genere

ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝግበር ናይ ደቂ ሰባት ዝውውር ከቢድ ናይ ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰት እዩ።

ብኸምዚ ዓይነት ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ብዝበዛ ትነብር እንተኔርካ ወይ ትነብር እንተለኻ፡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ብ 800290290 ደውል ብነጻን ሽም ብዘይምጥቃስን ን24 ሰዓታት ይሰርሕ   ኣብ

 1,918 Visite totali,  6 visite odierne

Continua a leggere »