ግርዘት ወይ ምኽንሻብ ጛል ኣንስተየቲ ከጋጥመኒ እዩ ብዝብል ሓሳብ ኣብ ሓደጋ ኣለኪ ዲኪ፧
ካብ ስድራ ቤትካ ወይ ሕብረተሰብካ ጸቕጢ ተሰሚዑኪ ድዩ፡ ወይ ፍርሓት ኣለኪ ድዩ ነዚ ልምዲ እዚ ንኽፍጸም ብግዴታ ናብ መበቆል ሃገር መገሻ ምድላው ከይገብሩ፧
ወይስ ሕቶታት ጥራይ ኣለኪ እሞ እንታይ ምዃኑ ብዝበለጸ ክትርድእዮ ትደሊ፧
ኣብዚ ገጽ እዚ፡ ነቲ ኩነታት ንኽትፈልጦን ሓገዝ ብኸመይ ከም እትሓትት ንኽትፈልጥን ዝሕግዙኻ ሓጋዚ መልስታት ክትረክብ ኢኻ።
ንስኪ ወይ ናይ ቀረባ ሰብ ኣብ ሓደጋ እንተሃሊኹም ወይ ሓገዝ እንተድኣ ኣድልዩ፡ ናብ መስመር ቴሌፎን 1522 ጸረ–ዓመጽ ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኪ : ብነጻን ውሑስን ኮይኑ ስምካ ብዘይምግላጽ 24 ሰዓታት ሙሉእ ሰሙን ብብዙሕ ቋንቋታት ኣገልጉሎት ይህብ። በይንኪ ከም ዘይኮንኪ ኣይትረስዒ!
ምቑራጽ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ (FGM) ንኹሎም ብዘይሕክምናዊ ምኽንያት ምቑራጽ፡ ምእላይ (ጠቕላላ ወይ ብኸፊል)፡ ወይ ምጉዳእ ግዳማዊ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘጠቓልል ልምድታት እዩ። ናይ ጥዕና ረብሓ የብሎምን፤ ብኣንጻሩ ግን ከቢድ ኣካላውን ስነ–ኣእምሮኣውን ጉድኣት ከስዕቡ ይኽእሉ።
ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ (FGM) ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ፍሉይ ዓይነት ኣድልዎን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንሚልዮናት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝጸሉ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ዩኒሴፍ (UNICEF)፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 230 ሚልዮን ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ምስ ሳዕቤን ምቑራጽ ኣካላት ይነብራ። ዓመት መጸ ድማ ብሚልዮናት ዝቑጸራ ህጻውንቲ በቲ ተግባር ኣብ ሓደጋ ይወድቃ። ኣብ መንጎ 2020ን 2030ን፡ ውጽኢታዊ ምትእትታው እንተዘይተገይሩ፡ ኣብተን 25 ዝበዝሓ ሃገራት 68 ሚልዮን ኣዋልድ ምቑራጽ ክገብራ ይኽእላ እየን።
ተግባራት ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ብውሑዱ ኣብ 92 ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ኩለን ኣህጉራት ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃን ገለ ክፋል ማእከላይ ምብራቕን ኤስያን ግን ዝያዳ ይዝርጋሕ።
ብብዝሒ ዝተዘርግሑለን ሃገራት ሶማልያ፣ ጊኒ፣ ጅቡቲ፣ ሴራሊዮን፣ ማሊ፣ ግብፂ፣ ሱዳን፣ ኤርትራ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጋምብያ፣ ኢትዮጵያ፣ ሞሪታንያ፣ ቻድን ኢንዶነዥያን እየን።
ኣብ ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ መንጎ ናይ ወጻኢ ሕብረተሰ ወይ ናይ ወጻኢ ትውልዲ ዘለዎም ማሕበረሰባት ካብተን እቲ ተግባር ብባህሊ ሰፊሕ ዝኾነለን ሃገራት እውን ይርከቡ።
እወ። እቲ ተርእዮ እኻ ሕቡእን ንምዕቃኑ ኣጸጋምን እንተኾነ፡ ኣብ ኢጣልያ ኣስታት 88,500 ደቂ ኣንስትዮ ብውሑዱ 8,200 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ግርዘት ( ምኽንሻብ) ከምዝተገብረለን ይግመት። እዚ ድማ ካብቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ (ዩኒቨርሲቲ ሚላኖ–ቢኮካን ዩኒቨርሲቲ ቦሎኛን፡ 2025) እዩ።
ምብዛሕትአን ኣብ መበቆል ሃገረን ነቲ ተግባር ተገይሩሎም እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ግን ኣብ ኢጣልያ እውን ይፍጸም።
እተን ብብዝሒ መበቆል ሃገራት፡ ግብጺ፡ ሰኔጋል፡ ናይጀርያ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ኣይቮሪኮስት፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ጊኒን እየን።
ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣብ ኣርባዕተ ዓይነታት ይፈላልዮም፤
ብኸፊል ወይ ምላእ ብምላእ ንጉድበ (clitoris) ምእላይ ወይ ኣብ ከባቢ ዘሎ ሽፋን ቆርበት ምእላይ።
ንጉድበን ናይ ውሽጢ ከንፈር ርሕሚ ምእላይ፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ከማን ደጋዊ ከንፈር ርሕሚ።
ምጽባብ መኽፈቲ ርሕሚ ብምቅራጽን ብምስፋይን ከናፍር ርሕሚ፣ ብምእላይ ወይ ብዘይ ምእላይ ጉድበ (clitoris)።
ኣብ ጾታዊ ኣካል ዝግበር ምብንጫር፡ ምቑራጽ፡ ምሕራር፡ ወይ ምውጋእ።
ስፍየት ውን ልሙድ እዩ ድሕሪ ሕርሲ፡ እዚ ማለት ድሕሪ ምውላድ ዕሸል ዳግማይ ከናፍር ብልዕቲ ምስፋይ። እዚ ተግባር እዚ ብሕጊ እውን ክልኩል እዩ።
ግርዘት ወይ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓጺርን ነዊሕን ግዜ ከቢድ ኣካላውን ስነ–ኣእምሮኣውን ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል።
ቅጽበታዊ ጸገማት፥ ከቢድ ቃንዛ፡ ምፍሳስ ደም፡ ረኽሲ፡ ሴፕሲስ፡ ቴታነስ፡ ምዕቃብ ሽንቲ፡ መጉዳእቲ ኣብ ርሕሚ፡ ሽንቲ ወይ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ቲሹታት ከምኡ ውን ክሳብ ሓደጋ ሞት የብጽሕ።
ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ጸገማት፥ ሕዱር ቃንዛ፡ ተደጋጋሚ ረኽሲ፡ ጽኪ፡ ዕንፍሩር፡ ጸገም ወርሓዊ ጽግያት፡ ጸገም ጾታዊ ርክብ፡ ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ዝፍጠሩ ጸገማት፡ ምውሳኽ ሓደጋ ምትሕልላፍ ኤችኣይቪ።
ምስፋይ ርሕሚ ጛል ኣንሰትይቲ ቅድሚ ጾታዊ ርክብን ሕርስን ርሕሚ ብኢድ ወይ ብመጥባሕቲ ምኽፋት ከድልዮ ይኽእል እዩ፡ እዚ ድማ ንኽልቲኦም ኣደን ህጻንን ርኡይ ሓደጋታት የስዕብ።
ስነ–ኣእምሮኣዊ ጉድኣት፥ ስነ–ኣእምሮኣዊ ስንባደ፡ ጭንቀት፡ ብስጭት።
እቶም ምኽንያታት ካብ ዓውዲ ናብ ዓውዲ ይፈላለዩ እዮም፣ ብሓፈሻ ግን ኣብ ሓሙሽተ ምድባት ይምደቡ፡
ልምዳውን ባህላውን መንነት፡ እንዳ ተወራረሰ ዝመጸ ከም ስርዓት ወይ ድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ ነዚ ጉዳይ እንተ ኣማሊእካ ከም ቅቡል ይቁጸር።
ኣስተውዕል: ካብዞም ምኽንያታት እዚኦም ዝኾነ ይኹን ነቲ ተግባር ምኽንያት ክኾኖ ዝኽእል የለን! ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እዩ። ኣብ ገዛእ ኣካላትካ መሰል ኣሎካ፡ ዝኾነ ሰብ ከገድደካ ኣይክእልን እዩ፡ ብዝኾነ ምኽንያት።
ኣይፋል! ዝኮነ ሃይማኖት ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓትት የለን። ዋላ እኻ ገለ ሰባት ብጌጋ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ብሃይማኖት እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ እንተ ሃለዎም፡ ዝኾነ ሃይማኖት ግን ከምዘይእዝዞ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ሃይማኖትካ ከይጠለምካ ካብ ግርዘት ወይ ምኽንሻብ ክትኣብዪ ትኽእሊ ኢኺ።
እወ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ክልኩል እዩ፡ እንኮላይ ኣብ ኢጣልያ ሕጊ ቁጽሪ 7/2006 ይኽልክልን ይቀጽዕን፡
እቲ ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፍ ሰብ ትሕቲ ዕድመ እንተኾይኑ፡ እቲ መቅጻዕቲ ማእሰርትን ክብድ ዝበለ ኩነታትን የጠቓልል።
እወ። ብመሰረት UNHCRን መምርሒታት ኢጣልያን፡ ዝኾነ ሰብ ብምኽንያት ምኽንሻብ ዝተሳቐየ ወይ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ሰብ፡ ኣህጉራዊ ዑቅባ ክረክብ መሰል ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ ከም ከቢድ ስቃይን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ምኻኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ መሰረታዊ መሰላት ዝጥሕስ እዩ፡ ከም ኣካላዊ ቅንዕና፡ ጥዕና፡ ናጽነት፡ ውልቃዊ ድሕነት፡ ከምኡ’ውን መሰል ካብ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ናጻ ዘይምውጻእ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ መበቆል ሃገርካ ካብዚ ዓመጽ እንተዘይተሓሊኻ ናይ ስደተኛነት መሰል ክወሃበካ ይኽእል እዩ።
እቲ ሓደጋ ንዓኻ ወይ ንጓልካ ክጸልወካ ይኽእል እዩ: ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ወላዲ እውን ዑቅባ ክረክብ ይኽእል እዩ። እተን ምኽንሻብ ዝተፈጸመለን ዉን እንተኾና ገና ዑቅባ ክረኽባ ይኽእላ እየን፣ ምኽንያቱ እቲ ተግባር ናይ ምጻኢ ሓደጋታት ውን ክስዕብ ስለ ዝኽእል (ዳግማይ ምስፋይ ፣ ጸቕጢ፣ ዓመጽ)።
ዑቅባ ንምሕታት ሓገዝ ምስ ዘድልየኩም ወይ ሕቶ ዑቅባ ክትጅምር ምስ እትደሊ ፡ ናብ ኣርቺ (Arci) ክትውከሱ ትክእሉ ኢኩም። ናጻ ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን (800 905 570 / WhatsApp +39 3511376335) ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም፡ ወይ ድማ ንማእከላት ጸረ–ዓመጽ ወይ ፍሉያት ትካላት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም (ዝቕጽል ሕቶ ርአ)።
ሓደ ሰብ ነቲ መስርሕ ክትገብርዮ ናብ ዓድኪ ክወስደኪ ይፍትን ከምዘሎ እንተጠርጢርኪ ብቕልጡፍ ሓገዝ ድለዪ! ኣብ ሓደገኛ ኩነታት እንተኣሊኺ፡ ዑቅባ ክትሓትን ክትስምዕን መሰል ኢለኪ። ዝኾነ ሰብ ምኽንሻብ ክትገብሪ ከገድደኪ ኣይክእልን እዩ። ቅጽበታዊ ሓደጋ ናይ ምጉዳእ ወይ ናይ ምግዳድ ሓደጋ እንተሃልዩ፡ ናብ ህጹጽ ቁጽሪ 112 ደውሊ።
እወ። ንስኪ ወይ ናይ ቀረባ ሰብ ኣብ ሓደጋ ኣለና ኢልኪ እንተሓሲብኪ፡ ክትገብርዮም ዘለኪ ነገራታ፥
ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 8-14 ወይ 15-20
ይነጥፍ።
ናብ ቁጽሪ ጸረ ዓመጽ 1522 ደውሉ፡ ነጻን ዉሑስን ኮይኑ ስምካ ከይገለጽካ ድማ ጉዳይካ ክትሕብር ትኽእል፡ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት 24 ሰዓታት ንጡፍ እዩ። እቲ ኣገልግሎት ብቋንቋታት ጥልያን፡ እንግሊዝኛ፡ ፈረንሳ፡ ስጳኛ፡ ዓረብኛ፡ ፋርሲ፡ ኣልባንያ፡ ሩስያ፡ ዩክሬን፡ ፖርቱጋልኛን ፖላንድን ይርከብ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ድማ www.1522.eu ምስ ሓደ ሰራሕተኛ ከተዕሉሉ ትኽእሉ ኢኹም።
ፖሊስ/ካራቢኒየሪ፡ ቅጽበታዊ ሓደጋ መጉዳእቲ ወይ ገዲድካ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ምውሳድ እንተሃልዩ፡ ናብታ ንጽል ቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት 112 ደውሉ። ነጻን 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ ኣገልግሎት ይህብ።
ነጻን 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ ኣገልግሎት ይህብ።
ንዝያዳ ኣፍልጦ
Linee guida e materiali utili per operatori/trici:
JumaMap – Services for Refugees እዚ ካርታ ብኽንዲ ኣብ ዝቐረብዎ ቦታ ዘሎ ጠቃሚ ኣገልግሎታት ብቐጥታ ክትረኽቡ ተዘጋጅቶ እዩ።
ኣብዚ ቦታ ትኽእል ትርከብ ቦታ ምምፃእ፣ ምብላዕ፣ ጣሊያንኛ ምምሃር፣ እንተኾይኑ ድጋፍ ጤናዊ፣ ሕጊዊ ወይ ስነ–ጸባይ ምቕራብ፣ እንታይ ኣብ ዝሓለፈ ንሰባት ምዕራፍ ዘለዉ ምጽዋዕ ዘለዉ ኣገልግሎታትን ምፍላጥ ትኽእል።
እዚ ፕላትፎርም ብ17 ቋንቋታት ይቐርባ።
ቋንቋ ካብ ላዕሊ ሜኑ ትቕይር ትኽእል። ቋንቋታት፦
ኣልባኒያ፣ ኣማርኛ፣ ዓረብኛ፣ በንጋሊ፣ ቻይንኛ፣ ዳሪ፣ ፋርሲ፣ ፍራንሳይ፣ እንግሊዝኛ፣ ፓሽቱ፣ ፕንጃቢ፣ ራሺያን፣ ሶማልኛ፣ ስፓኒሽ፣ ትግርኛ፣ ዩክሬንኛ፣ ኡርዱ፣ ዎሎፍ።
ሓበሬታ JumaMap ካብ ስልኪኻ እንኳ ትመልከት ትኽእል። ና ድሕሪት www.jumamap.it
እንተ ሓገዝ ብግልጋሎት ትደሊ ትኽእልካ ብቀረባዊ ትመጽእ ናብ Welcome Center፦
ሰኑይ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣቀናብሪ
ሰሉስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ስነ–ጸባይ ድጋፍ (18–26 ዓመት)
14:00 – 17:00 — ጽሕፈት ድጋፍ ጤና
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ሕጊ
ረቡዕ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
ሓሙስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ሕጊ (18–26 ዓመት)
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
ዓርቢ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
16:30 – 19:30 — ጽሕፈት ሕጊ
ዲጂታል ድጋፍ
ሰሉስ 9:30 – 14:00
ረቡዕ 10:00 – 15:00
ሓሙስ 9:30 – 16:30
ንሓበሬታ እና ስልኪ ድጋፍ ይደውሉ ናብ ነጻ ቁጥር Arci ንመጻእነትን ንስደተኛታትን፦
800 905 570 (ካብ ጣሊያን)
+39 351 1376335 (WhatsApp፣ Lycamobile እና ካብ ደገ ሃገር)
ይመልስ ሰኑይ–ዓርቢ 9:30–17:00።
መልሲ ብብዙሕ ቋንቋታት እዩ ዘለዎ እና መተርጎምቲ ብ35 ቋንቋታት ይመልሱ።
ኢሜይል ትርከብ ትኽእል፦ numeroverderifugiati@arci.it
NABILA ንስደተኛታትን ንመጻእነትን ኣካላዊ ጉዳት ወይ ካልእ ድኹምነት ዘለዎም ንሰባት ምስማዕ፣ ድጋፍን ምኽሪን ዝሃብ ኣገልግሎት እዩ።
ብነጻ ቁጥር 800 999 977 ትደውሉ ትኽእል።
እንተ ብቀረባዊ ምናገር ትደሊ ትኽእል ክትሕረት ኣብ ቢሮ ኢሚግሬሽን Arci Nazionale፣
Via dei Monti di Pietralata 16 – Rome.
U-Report On The Move ደሓን ዘለዎ ቦታ እዩ ፣ እቲ ኣብዚ ክትተወክራ ትኽእል ናይ ሕጊ ድጋፍ፣ እንተዘይኮነ ናይ ስሜትኻ፣ ናይ ጸገምኻን ናይ ጭንቀትኻን ናይ ትሕዝቶ ነገር ብደሓን ክትነግር ትኽእል።
ባለሙያ ይሰማካ እና ኣብ ሓቂ ድጋፍኻ ክትረኽብ ይሕግዘካ።
ኣገልግሎቱ ሰኑይ–ዓርቢ 9:00–18:00 ይሰርሕ።
ክትጠቀም እንተደሊኻ፣ መልእኽቲ ብ Facebook Messenger ናብ U-Report On The Move ይላእ።
ናይ ስነ–ጸባይ ባለሙያት መልእኽት ይመልሱ እና ዝተስተኻኽሉ ድጋፍ ይሃብዎ።