ካብ 21/12 ክሳብ 06/01 ካብ ምሸት ሰዓት 22:00 ክሳብ ንግሆ ሰዓት 5:00 ምንቅስቓስ ክልኩል እዩ
ንዕለት 01/01 ካብ ምሸት ሰዓት 22:00 ክሳብ ሰዓት 7:00 ናይ ንግሆ ምንቅስቓስ ክልኩል እዩነው
ብዘይካ ካብ 25 ዲክሰምበር ክሳብ 26 ዲክሰምበርን 1 ጀንዋሪን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዞባ ዋላ ካብ ዝተፈላለዩ ንኡስ ዞባታት ይኹን ናብ ካልኣይ ገዛኹም ኩሉ መዓልቲ ክትከዱ ትኽእሉ።
ኣብ መንጎ 24 ዲክሰምበር 2020 ን 6 ጀንዋሪ 2020ን ዘሎ ግዜ እንተበዝሐ ክልተ ሰባት ኣብ ዞባኦም ዝርከብ ናይ ግሊ ገዛ ኣ ብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ክኸዱ ይፍቀደሎም። ዕድሜኦም ካብ 14 ዓመት ንታሕቲ ዝኮኑ ደቆምን ወይ ምሰኦም ሓቢሮም ዝነብሩ ስንኩላት ወይ ነብሶም ዘይክእሉ ሰባትን ሕዞም ክኸዱ ይፍቀደሎም።
ኣብ ሙሉእ ዓዲ ጥልያን ኣብ ዞና ቀይሕ፡ ምንቅስቓስ ክልኩል እዩ። ምንቅስቓስ ዝፍቀድ ንኣድላዪ ነገር ጥራሕ እዩ። ናይ መንቀሳቐሲኻ ምኽንያት ዝገልጽ ሰነድ ሒዝካ ክትወጽእ የድሊ።
ዱኳናት ፣ ናይ ጽባቐ ማእከላት ፣ ባራትን ሬስቶራንትታትን ዕጹዋት ኮይኖም ክጸንሑ እዮም። ሒዝካ ምኻድ ክሳብ ሰዓት 22:00 ፍቑድ ኮይኑ ዝተኣዘዘ ናብ ገዛኻ ከምጹልካ ናይ ሰዓት ገደብ የብሉን።
ሱፐር ማርኬታት ፣ ኣድለይቲ ናይ ምግቢ ሸቐጣት ዘቕርቡ ፣ ፋርማሲታትን ፓራፋርማስን ፣ ሽጋራ፡ መጽሔትን ጋዜጣን መሸጢ ፣ናይ ክዳውንቲ መሕጸቢ ፣ ጸጉሪ ዘስተኻኽሉ (ቀምቃማይን ፓሩኴረን)ክፉታት ክኾኑ እዮም።
ኣብ ሙሉእ ዓዲ ጥልያን ፡ ዞና ኣራንቾነ ፦ ኣብ ትነብሩሉ ንኡስ ዞባ በዘይ ገደብ ክትንቀሳቐሱ ትኽእሉ።
ባራትን እንዳ ብልዒን ዑጹኣውት ኮይነን ክጸንሓ እየን።ሒዝካ ምኻድ ክሳብ ሰዓት 22:00 ፍቑድ ኮይኑ ዝተኣዘዘ ናብ ገዛኻ ከምጹልካ ናይ ሰዓት ገደብ የብሉን።
ዱኳናት ክሳብ ሰዓት 21:00 ናይ ምሸት ክፉታት እየን።
