Categories
Covid Evidenza Lavoro Regole e comportamenti Salute

ኣብ ንሰርሓሉ ቦታ ቀጠልያ ይሕለፍ ክህልወካ ናይ ግድን እዩ ክንፈልጦ ዝግባእ እንታይ እዩ

ካብ 15 ኦክቶበር 2021 ጀሚሩ ኣብ ናይ መንግስቲ ይኹን ኣብ ናይ ግሊ ዝሰርሑ ኩሎም ሰራሕተኛታት ናብ ስርሖም ንኽኣትዉ ቀጠልያ ይሕለፍ (ቀጠልያ ሰርተፊኬት) ክህልዎም ኣለዎ። ዝተወሰኑ ሰባት ግን፦

  • ብጥዕና ጸገም ክትባት ክወስዱ ዘይክእሉ ሰባት፡ ነዚ ምኽንያት መደበኛ ናይ ሕክምና ሰርተፊኬት ከርእዩ ኣዎም። ኮይኑ ግን ብነጻ መርመራ ክገብሩ ዕድል ኣለዎም።  
  • ኩሉ ግዜ በዘይገደብ ዝሰርሑ ሰባት (smartworking)

ቀጠልያ ይሕለፍ ዘይብሎም ሰራሕተኛታት እንታይ ይኾኑ

 

  • ኣብ ናይ መንግስቲ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፡ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ግሪን ፓስ ዘየርኢ ዝኾነ ሰራሕተኛ፡ ናይ ቀጠልያ ይሕለፍ ምስክር ወረቐት ክሳብ ዝወሃቦ  በዘይ ምኽንያት ካብ ስራሕ ከም ዝተረፈ ይቑጸር፡ (ናይ ስራሕ ቦትኡ ከይጠፍእ  መሰሉ ዝተሓለወ ኾይኑ)። ስራሕ ካብ ዝተርፍ 5 መዓልቲ ምስ ዝሓልፍ፡ ርክብ ናይ ስርሑ ከምዝተኣገደ ይቑጸር፡ ከምኡ ድማ ካብ ዘብኮረሉ መዓልቲ ጀሚሩ ደሞዙ ናይ ምኽፋል መሰል የብሉን።  
  • ኣብ ናይ ግሊ ዝሰሑ ሰራሕተኛታት ፡ ግሪን ፓስ ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ ከምዘብኮረ  እዩ ዝቑጸር፡ ደሞዙ ክኽፈል እውን መሰል የብሉን (ናይ ስራሕ ቦቱኡ ከይጠፍኦ መሰሉ ሕሉው ኮይኑ)ክሳብ እቲ ቀጠልያ ሰርተፊኬት ዘምጽእ። ካብ 15 ሰራሕተኛታት ንታሕቲ ንዘለዎም ድርጅታት፡ እቲ ወሃቢ ስራሕ ነቲ ግሪን ፓስ ዘይብሉ ሰራሕተኛ ንግዚኡ ዝትክእ ከእቱ ከምዝኽእል ደምቢ ኣሎ። 

 

ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ መን ይቆጻጸር?

ዝቆጻጸሩ እቶም ወሃብቲ ስራሕ እዮም፡ ክሳብ 15 ኦክቶቨር ከመይ ጌሮም ከምዝቆጻጸሩ ቁሩባት ኮይኖም ክጸንሑ ኣለዎም። እቲ ቁጽጽር ናብ ስራሕ ክኣትዉ ከለዉ ሓሓሊፍካ ምሕታት እንተኾነ ይምረጽ።

ኣብ ገዘኦም ሰራሕተኛ ንዝጽውዑ (ንምሳሌ ኢድራውሊኮ ወይ ንቡምባታት ዝጽግን፣ ኤሌክትሪክ ዘዐሪ ወይ ካልእ ቴክኒሻን) ክስረሓሎም እዮም ዝሓቱ ዘለዉ እምበር ወሃብቲ ስራሕ ስለዘይኮኑ ግሪን ፓስ ክቆጻጸሩ የብሎምን። ብድሌቶም ግሪን ፓስ እንተለዎም ናይ ምሕታት መሰል ከምዘለዎ ኮይኑ።

መቅጻዕትታት

ኣብ ናይ መንግስቲ ይኹን ኣብ ናይ ግሊ ነቶም ሕጊ ነጺጎም በዘይ ግሪን ፓስ ዝኣትዉ ሰራሕተኛታት ካብ 600 ክሳብ 1500 ኤውሮ መቕጻዕቲ ይህሉ።

ዝተረጋግኡ መለክዕታት

ናይ ታምፖነ ምርመራ ብምግባር ግሪን ፓስ ምርካብ ይከኣል (ኣገልግሎቱ፡ ነቲ ቁልጡፍ  48 ሰዓታት – 72 ሰዓታት ድማ ንታምፖነ ሞሎኩላረ)። እቶም ክምርምሩ ስምምዕ ዝገበሩ ፋርማሲታት ቁልጡፍ ምርመራ ንምግባር ዘኽፍልዎ ዝተረጋገአ ዋጋ፦ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ንዝኾኑ 15 ኤውሮ8 ኤውሮ ድማ ንትሕቲ ዕድመ ( ካብ 12 ክሳብ 18 ዓመት)።