[ITALIANO ] [UCRAINO – український] [RUSSO – РУССО] [INGLESE – ENGLISH]
- ኣብ ዓዲ ጥልያን ምስ በጻሕካ፡ ኣብቲ ጠረፍ ዝርከብ ፖሊስ ብምኻድ
- ኣብ ዝኾነ ግዜ ናብ ፖሊስ ዋና ቤት ጽሕፈት ፡ ናይ ኢሚግረሽን ቤት ጽሕፈት (ኣብ ናይ ጁማ ሊንክ ኣቲኻ ረኣይ) (consulta la mappa)
1)
ድልየትካ ግልጺ ብምግባር ንመጀመርያ ግዜ ናብ ፖሊስ ብምኻድ ዑቕባ ክትሓትት ከምትደሊ ክትዛረብ ኣለካ ወይ ድማ ሽምካ፣ ሽም ኣቦኻ፣ ዝተወለድኻሉ ዕለት ወዘተ… ትጽሕፈሉ ወረቐት ብምድላው ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት ከምትደሊ ብግልጺ ክትጽሕፍ ትኽእል።
እንዳ ፖሊስ ተዓጽዩ እንተረኺብካዮ፡ ዑቕባ ንምሕታት ቆጸራ ንምሕታት ኢ- መይል ክትልእኽ ትኽእል (ባዕልኻ ወይ ምስ ጠበቓኻ ብሙኳን)።
2) እቲ ናይ ፖሊስ ቤት ጽሕፈት ወረቐት ወይ ድማ ቸዶሊኖ (ማሕተምን ፌርማን ዘለዎ)ይህበካ። ከምኡ ድማ ናይ “ዑቕባ ሕቶኻ ትመልኣሉ” ናይ ቆጸራ መዓልቲ ይህበካ።
3)
ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ምቕራብን ፡ ናይ ቺ – 3 ፎርም ምድላውን። ቺ – 3 መሊእካ ምስወዳእካ ን 6 ኣዋርሕ ዝጸንሕን ዝሕደስን ናይ ሓታቲ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትሓትት ትኽእል፡ እዚ ፍቓድ ምስ ተወሃበካ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ክትሰርሕ ትኽእል።
ጥንቃቐ!
በዘይ ቪዛ ናብ ዓዲ ጥልያን እንተኣቲኻን ዓሻራ (ፎቶሰኛላሜንቶ) እንተዘይወሲዶሙልካን፣ እቲ ቤት ጽሕፈት ናይ ፖሊስ ክልተ ቆጸራታት ክህበካ ይኽእል፡ መጀመርያ ዓሻራ ንምውሳድ፡ ካልኣይ ድማ ቺ – 3 ንምምላእ።
ዘክር፡ ቺ – 3 ማለት መንበሪ ፍቓድ ኣይኮነን፡ ግን ኩሉ ግዜ ምሳኻ ሒዝካዮ ክትንቀሳቐስ ኣለካ!
ዝኾነ ሰነድ ኣየድልየካን፡ ኣብ ፖሊስ ብምኻድ እቲ ዝህቡኻ ሰነድ ወይ ፎርም ምምላእ እዩ
ጥንቃቄ!
መለለዪ ሰነዳት ምሳኻ እንተለካ (ንምሳሌ ፓስፖርት) ምስ 4 ጉርዲ ስእልታት ኣተሓሒዝካ ናብ ፖሊስ ዋና ቤት ጽሕፈት ክትህቦም ትሕተት።
እቲ ፓስፖርት ክሳብ እቲ መስርሕ ዝውዳእ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ይጸንሕ።
ብተመሳሳሊ፡ ንናይ ዑቕባ ሕቶይ ክጠቕሙኒ እዮም ትብሎም ሰነዳት (ዲፕሎማ፣ ስእልታት፣ ጋዜጣ፣ ታሴራ)፣ ዕድመኻ፣ ዜግነትካ፣ ዝሓለፍካሎም ሃገራት ዘመልክቱ ሰነዳትን እቲ ናይ ዑቕባ ሕቶ ዝመላእካዮን ብሓባር ከተረክብ ኣለካ ።
ብደምቢ ኣስተውዕል
ኣበይ ከምትነብር ንምፍላጥን ምስቲ መስርሕ ብዝተተሓሓዘ ኩሉ ርክባት ንዓኻ መልሲ ንምልኣኽ ኣድራሻኻ ይሓቱ። ምስ የዕሩኽትኻ ከም ጋሻ ኴንካ ትነብር እንተዄንካን ጋሻኦም ምኻንካ ዝገልጽ እንተሂቦሙኻን፡ ሒዝካሎም ኪድ!
መጽንሒ ቦታ እንተዘይብልካ ብፕረፌቱራ ወይ በት ምምሕድዳር ዝመሓደር ናይ ሕዝቢ መቐበሊ ማእከል ናይ ምእታው መሰል ኣለካ። ኣብዚ መጽለሊ ማእከል እቲ መስርሕ ክሳብ ዝውዳእ ኣብኡ ክትጸንሕ መሰል ኣለካ።
ኣድራሻ እንተዘይብልካ እውን ዑቕባ ናይ ምሕታት መስል ኣለካ!
ናይ ዑቕባ ሕቶ ምስ ኣቕረብካ፡ ናይ ፖሊስ ዋና ቤት ጽሕፈት ናብቲ ዞባ ዝርከብ ኮሚሽን ይልእኮ (መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኩለን ዞባታት ናይ ጥልያን እንተወሓደ ሓደ ኮሚሽን ኣሎ)። እቲ ናይ ዞባ ኮሚሽን ምስ ሓተቲ ዑቕባ ቃለ ምልልስ ዘካይደሉን ናይ ዑቕባ መሰል መልሲ ዝህበሉን ቤት ጽሕፈት እዩ።
ኣብቲ ኮሚሽን ብዘካየድ ናይ ቃለ መሕትት ውጽኢት፡ ነዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ከተሓላልፍ ይኽእል:
- ናይ ዓለም ለኸ ናይ ስደተኛታት ሓለዋ (ስታቱስ ዲ ሪፉጃቶ) ኣፍልጦ፦ ነዚ ብዝምልከት “ዝለዓለ” ዓለም ለኻዊ ናይ ዑቕባ ሓለዋ ረኺብካ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ናብ ትውልዲ ሃገርካ ኣብ ትምለሰሉ ግዜ ከምዘሳድዱኻን ንሂወትካ ከምትሰግእን ይቑጸር። በዚ ውሳኔ ናብ ናይ ፖሊስ ዋና ቤት ጽሕፈት ብምኻድ “ንዑቑባት” ዝወሃብ በቢ 5 ዓመት ዝሕደስ መንበሪ ፍቓድን ንዑቑባት ዝወሃብ ናይ ጉዕዞ ሰነድን ምርካብ ትኽእል።
- ናይ ንኡስ ሓለዋ (ፕሮቴስዮነ ሱሲድያርያ) ኣፍልጦ ምሃብ፦ ካልእ ናይ ዓለም ለኸ ናይ ሓለዋ ዓይነት ኮይኑ ኣብ 5 ዓመት ዝሕደስ ናይ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ።
- ፍሉይ (ፕሮቴስዮነ ስፔቻለ) ናይ ሓለዋ ኣፍልጦ፦ እዚ “ሃገራዊ” ናይ ሓለዋ ፍቓድ እዩ፡ ስለዚ ኣብ ፖሊስ ዋና ቤት ጽሕፈት ብምኻድ ናይ 2 ዓመት ናይ መንበሪ ፍቓድ ትረክብ ከምኡ ድማ ዝሕደስን ናብ ናይ ስራሕ ፍቓድ ናይ ምልዋጥን መሰል ኣለካ።
- ንኣድላዪ ሕክምና ወይ ብናይ ጥዕና ሽግር ምክንያት (ነቸሲታ መዲከ) ዝወሃብ ኣፍልጦ፦ “ከቢድ ናይ ስነ ልቦናን ኣካላውን ኩነታት ወይ ከቢድ ሕማም” ኣብ ዝህልወሉ ግዜ እንተበዝሐ ንሓደ ዓመት ፍቓድ ይወሃበካ፡ ዝሕደስ ኮይኑ ናብ ስራሕ ምኽንያት እውን ክቕየር ይኽእል።
- ምኽልካል (ዲኔጎ)፡ እቲ ኮምሽን ንዓለም ለኻዊ ወይ ንፍሉይ ሓለዋ ኣፍልጦ ናይ ምርካብ ኩነታት ከምዘየለ ገምጊሙ።
ጥንቃቐ!
ንሓድሽ ቃለ መሕትት ክትጽዋዕ ትኽእል። እዚ ከጋጥም ዝኽዕለሉ ሙሉእ ናይ ግሊ ታሪኽካ ክርደኦምን ውሳነ ንምሃብ እኹል ኣብዘይኮነሉን እዩ። ክትጭነቕ የብልካን። እዚ ማለት ዝተወሳሰበ ጉዳያት ኣለዎ ማለት እዩ!
ኩሉ ግዜ ቃልካ ክትህብ ከለኻ ዘለዉኻ መሰላት፦
- እቲ ቃለ መሕትት ኣፍካ ብዝኸፈትካሉ ቋንቋ (ወይ ብደምቢ ብትፈልጦ ቋንቋ) ወይ ድማ ብኣስተርጓሚ ሓገዝ ምምራሕ;
- ነቲ ኮምሽን ትህቦ ቃል ብምስጢር (ብስቱር) ክተሓዝ፡ (ምስ ናይ ሃገርካ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘይራኸብ)
- ናይ ጠበቓ ሓገዝ ምርካብ
- ምስቲ ዝትርጉመልካ ዘይትረዳዳእ እንተኾንካ፡ ደው ንኸተብሎ ምዝራብ
- ዕረፍቲ ምሕታት
- ከቢድ ኩነታት ምስዘጋጥመካ ክቋረጽ ምሕታት (ንምሳሌ ብጥዕና ምኽንያት)
- እቲ ዝገበርካዮ ቃለ መሕትት እንደገና ክንበበልካ ምግባርን ዝኾነ ዓይነት እርማት ዘድልዮ ምእራም
ከም ሓስብ፡ ኣመልኪትካ ምስ ኣቕረብካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ነቲ ናይ ዓለም ለኻዊ ዑቕባ ሕቶካ መልሲ ክትረክብ ኣለካ። ብተግባር ግን፡ ብዙሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል፡ ስለዚ ብርግጽ ክፍለጥ ኣይክእልን።
አስተውዕል
ክሳብ መልስኻ ትረክብ ናይ ዑቕባ ሓታቲ መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ ትጸንሕ።
ክሳብ መልሲ ትረክብ፡ ናይ 6 ወርሒ ክሕደስ ዝኽእል ናይ ሓታቲ ዑቕባ መንበሪ ይወሃበካ። እቲ ቤት ፍርዲ ዝህቦ ናይ ዑቕባ ዓይነታት፦ ዓለም ለኻዊ ዑቕባ (ኣዚሎ)፣ ፕሮቴስዮነ ሱሲድያርያ (ንኡስ ሓለዋ)፣ ፕሮቴስዮነ ስፔቻለ (ፍሉይ ሓለዋ)፣ ኩረ ሜዲከ (ሕክምና) – ካብዚኦም ኣፍልጦ ክወሃበካ ወይ ኣሉታዊ መልሲ ክውስን ይኽእል። እቲ ቤት ፍርዲ ኣሉታዊ መልሲ እንተሂቡካ ፡ ንዓለም ለካዊ ዑቕባ ከም ሓዲሽ ከተመልክት ትኽእል (ዑቕባ ንምሕታት ሓደሽቲ ምክንያታት እንተለካ “ከምብሓድሽ ምድጋም” (ሬተራታ) ይበሃል)፡ ወይ ድማ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ምባል። ኣስተውዕል – ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ምባል ማለት ነቲ ኣሉታዊ መልሲ የልግሶ ማለት ኣይኮነን፣ ስለዚ ከባርሩኻ ከምዝኽእሉ ስግኣት ኣሎ!
እኹል ገንዘብ እንተዘይሃለወካ እውን ብጠበቓ ይግባይ ክትብል ትኽእል፣ “ነጻ ናይ ሕጊ ድጋፍ” (ግራትዊቶ ፓትሮቺን ዮ)ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ኣገልግሎት ብምርካብ እቲ ዞባ ነቲ ጠበቓ ይኸፍሎ፡ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት እቲ ጠበቓ ናይ ኣታዊኻ መጠን ተረጋግጸሉ ባዕልኻ ተዳልዎ ሓደ ሓደ ወረቓቕቲ የፈርመካ።
ትኣምኖ ጠበቓ እንተዘይብልካ ኣብ ጥቓካ ዘሎ ቤት ፍርዲ ብምኻድ ዘለዉ ናይ ሕጊ ሰብ ሞያ ዝርዝር ክትርኢ ትኽእል፣ እንተደሊኻ ድማ ኣብ ጥቓኻ ናብ ዝርከብ ናይ ኣርቺ (ARCI) ክለብ ርኸብ፡ ናብ ቀረባ ዘለዉ ናይ ሕጊ ኣማኸርት ክሰዱኻ ይኽእሉ። ኣብ jumamap.it (https://www.jumamap.it/) ብምእታው: ኣብ ትነብረሉ ከተማ ዘለዉ ናይ ሕጊ ኣማኸርቲ ሽም ዝርዝር ክትረክብ ትኽእል።
እንተዘይኮይኑ፡ ንሓተትቲ ዑቕባን ንዑቑባትን ናይ ነጻ ስልኪ ቑጽሪ ክትድውሉ ትኽእሉ። ካብ መደበኛ ስልኪ (800 905 570) ካብ ሞባይል ስልኪ (3511376335) ክድወለሎም ዝከኣል ናይ ነጻ ስልኪ ቑጽርታት ክኾኑ ከለዉ ናይ ሕጊ ድጋፍን ናይ ምኽርን ኣገልግሎት ክትረኽቡ ትኽእሉ።