ብናይ ትውልዲ ሃገርካ ሕጊ መሰረት፡ ንኽትምርዖ ዕንቅፋት ከምዘይብልካ ወይ በዓል ሓዳር ከምዘይኮንኻ ዝገልጽ ሰነድ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ናብቲ ዝምልከቶ ናይ መርዓ ቤት ጽሕፈት ከተቕርብ ኣለካ (c.d. “nulla osta”) ።
ኣድላዪ፡ ናይ ዝተወለድካሉ ሃገር ሰብ ስልጣናት ከተዘራርብ እንተዘይኪኢልካ ወይ እንተዘይደሊኻ፡ ኣብቲ ትነብረሉ ዝርከብ ናይ ዞባ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛ፡ ብቤት ፍርዲ ተፈሪሙ ሽዱሽተ ወርሒ ዘይሓለፎ ሰነድ (ኣቶ ኖቶርዮ) ከተቕርብ ኣለካ።
ኣፍልጦ ዝህብ ወረቐት ወይ ኣቶ ኖቶርዮ ክትገብር ትኽእል:
– ኣብ ቤት ፍርዲ ብምኻድ ብሓላፍነትካ ኣብ ቅድሚ ክልተ መሰኻኽር ፣ በዓል ሓድር ዘይሙኻንካ ከተመስክር ኣለካ;
– ክትምርዖ ከምትኽእል ንዝቐርብ ሕቶታት ዝምስክሩ (“መረጋገጺ ዝህቡ”) ክልተ ሰባት ብምሓዝ ናብ ኖታዮ ምኻድ።
– ካብ ሓዳር ነጻ ሙኳንካ ተፍልጠሉ ሰነድ ንምድላው ወይ ንምጽሓፍ ናብቲ ናይ መርዓ ኣስፈጻሚ ናይ ዞባ ቤት ጽሕፈት ወይ ናብ ኖታዮ ምኻድ።
ብናይ ትውልዲ ሃገርካ ሕጊ መሰረት፡ ንኽትምርዖ ዕንቅፋት ከምዘይብልካ ወይ በዓል ሓዳር ከምዘይኮንኻ ዝገልጽ ሰነድ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ናብቲ ዝምልከቶ ናይ መርዓ ቤት ጽሕፈት ከተቕርብ ኣለካ (c.d. “nulla osta”) ።
ኣብ ዓዲ ጥልያን፡ ዩኤንኤችሲአር UNHCR ንስደተኛታት ካብ ሓዳር ነጻ ሙኳኖም መርጋገጺ ሰነድ ዝህብ ድርጅት እዩ።
1. ሽዱሽተ ወርሒ ዘይሓለፎ አቶ ኖቶርዮ (ኦርጅናል)
ኣፍልጦ ዝህብ ወረቐት ወይ ኣቶ ኖቶርዮ ክትገብር ትኽእል:
– ኣብ ቤት ፍርዲ ብምኻድ ብሓላፍነትካ ኣብ ቅድሚ ክልተ መሰኻኽር ፣ በዓል ሓድር ዘሙኻንካ ከተመስክር ኣለካ;
– ክትምርዖ ከምትኽእል ንዝቐርብ ሕቶታት ዝምስክሩ (“መረጋገጺ ዝህቡ”) ክልተ ሰባት ብምሓዝ ናብ ኖታዮ ምኻድ።
– ካብ ሓዳር ነጻ ሙኳንካ ተፍልጠሉ ሰነድ ንምድላው ወይ ንምጽሓፍ ናብቲ ናይ መርዓ ኣስፈጻሚ ናይ ዞባ ቤት ጽሕፈት ወይ ናብ ኖታዮ ምኻድ።
2. ካብ ኮምሽን ዝተወሃበካ ናይ ዑቁብ መረጋገጺ ሰነድ ፎቶ ኮፒ;
3. ዘይወደቐ ናይ መንበሪ ወርቐት ፎቶ ኮፒ;
4. ናይ ትምርዓዋ ወይ ናይ ትምርዓውዮ ዘይወደቐ ናይ መንበሪ ወረቐት ፎቶ ኮፒ
ሰነዳትካ ብፖስታ ናብ UNHCR አድራሻ ፣ ብቪያ ለዮፓርዲ 24 – 00185 ሮማ ወይ ብዝተረጋገጸ (PEC) ኢሜል ምል ኣኽ ትኽእል (unhcr@pec.it)
ብኻልእ ኣማራጺ እቲ ቤት ጽሕፈት ዝኽፈተሉ ስዓታት ብምፍላጥ ናብ ዩኤንኤችሲአር ኢታልያ (UNHCR ITALIA) – ላርጎ ለዮፓርዲ ፡ 22 00185 ሮማ ብቐጥታ ምኻድ ትኽእል። ( https://www.unhcr.org/it/chi-siamo/contatti/ ).
ናይ ዝለኣኽካዮ ሰነዳት መልሲ ንምቕባል ስልኪ ቁጽርኻ፣ ናይ ገዛኻ ኣድራሻን ኣብቲ ደወል ናይ ገዛካ ዘሎ ሽምን ብደምቢ ጽሒፍካ ምልኣኽ ኣይትረስዕ።
ናብ ቤት ፍርዲ ኽትቕርቦ ትኽእል ፣ እቲ ፈራዳይ ንኽትምርዖ ዝኾነ ዕንቅፋት ከምዘየለ ብምግላጽ እቲ መዝጋቢ ናብ ህዝቢ ከምዝዝርጋሕ ክገብሮ ክእዝዝ ይኽእል ፡፡