Aggiornato ad aprile 2025
እወ። ክልተ ሓደ ጾታ ዘለዎም ሰባት ኣብ ኢጣልያ ብሓንሳብ ናይ ምንባር (Unione Civile ) ክምስርቱ ይኽእሉ።
ዘድልዩካ ሰነዳት እዚኦም ዝስዕቡ እዮም፥ ወረቀት መንነት፥ ሰነድ ዘይተመርዓካ ሙኻንካ ዝምስክር ወረቐት፣ እዚ ድማ ኣብ ኢጣልያ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ከምዘይተመርዓኻ ዘረጋግጽ ሰነድ እዩ።
ንምምርዓው ናብቲ ክትምርዓወሉ እትደሊ ቤት ጽሕፈት ሲቪል መዝገብ ናይቲ ቀበሌ ክትራኸብ ኣለካ ዕለት መርዓ ድማ ክሕተም እዩ።
ዜጋታት ኢጣልያ ናይ ዘይምርዕው ምስክር ወረቐት ኣብ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ክወስዱ ይኽእሉ፣ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ግን ነዚ ምስክር ወረቐት ካብ ቆንስላዊ በዓል መዚ ናይታ ዜግነት ዘለዎም ሃገር ክረኽብዎ ይኽእሉ።
Per sposarsi ci si deve rivolgere all’Ufficio di Stato Civile del Comune dove ci si vuole sposare e verrà pubblicata la data delle nozze.
I cittadini italiani possono recuperare il proprio certificato di stato libero presso l’anagrafe, i cittadini stranieri normalmente possono reperire tale certificato presso le autorità consolari del paese di cittadinanza.
እወ፡ እቲ ኣገባብ ግን ቁሩብ ዝተሓላለኸ እዩ።
ሓተትቲ ዑቕባ፣ ምስ ሰበስልጣን መበቆል ሃገሮም ክራኸቡ ዘይክእሉን ገና ውዱእ ሕጋዊ መርገጺ ዘይብሎምን፣
ዘይምርዕው ምስክር ወረቐት ከቕርቡ እንተ ዘይኪኢሎም፥ ናይ ዳኛ ገምጋም ኣድላዪ ይከዉን።
ፍሉይ ኣገባብ ስለዘየለ፡ ነቲ መርዓ ንምቕጻል፡ ሓተቲ ዑቕባ መጀመርያ ምስ ቀበሌ ብምርኻብ ዕለት መርዓ ንኽሕተም ክሓቱ ኣለዎም። እቲ ቀበሌ፣ ክቕጽል እንተዘይኪእሉ፣ ነዚ ሕቶ ክነጽጎ ናይ ግድን ክኸውን እዩ።
ምንጻግ ናይቲ ጉዳይ ብሸነኽ ቀበሌ ብጽሑፍ ክሕበር ኣለዎ፣ ማለት እቲ በዓል ስልጣን ክቕጽል ከምዘይክእል ዘመኽነየሉ መወከሲታት ናይቲ ኮሙን ዘለዎ ሰነድ ከቕርብ ኣለዎ።
በቲ ዝተነጸግካዮ ካብ ቀበሌ ዝመጸ ወረቀት ምስ ጠበቓ ርክብ ብምግባር ኣብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም። ብድሕሪኡ እቲ ዳኛ ነቲ ጉዳይ ከም ብሓድሽ ገምጋም ክወስደሉ እዩ፡ እቲ ቀበሌ ድማ ንዕለት መርዓ ምሕታም ክቕጽል ዘኽእሎ ውሳነ ከውጽእ ይኽእል።
ኣቀዲምካ ክፍለጥ ዝክእል ዝተወሰነ ናይ ግዜ ገደብ የለን፣ ኣብ ቀብሌታትን ኣብያተ ፍርድን ይምርኮስ።
እወ ክትምርዖ ትኽእል ኢኻ!
ስደተኛ እንተኾንካ፣ ስለዚ ድማ ምስ ሰበስልጣን መበቆል ሃገርካ ክትራኸብ ዘይትኽእን /ዘይትደሊ እንተኮንካ፥ ናይ ዘይምርዕው ምስክር ወረቐት ከተቕርብ ኣይትክእልን ኢካ (il nulla osta al matrimonio).
ካብ 2022 ጀሚሩ ግን ምስ እትነብረሉ ቀበሌ ፣ ወይ ድማ ነቲ ክትምርዓወሉ እትደሊ ቀበሌ ርክብ ብምግባር፣ ኣብ ጣልያን ይኹን ወይ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከምዘይተመርዓኻ እትእውጅሉ “Declaration in lieu of a notariized act” ምግባር እኹል እዩ፣ ስለዚ ዘይተመርዓካ ሙካንካ መረጋገጺ እዩ።
ነዚ መግለጺ ንምሃብ ክትመልእዎም ዘለኩም ቅጥዕታት ኣብ ኣብያተ ጽሕፈትን ቀበሌን ክትረኽብዎም ትክእሉ ኢኹም።
ኣብ ናይ UNHCR መርበብ ሓበሬታ ፈትሽ (italiano) (inglese)
ኣስተውዕል: ነቲ ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ናይ UNHCR ሓበሬታ ወረቐትን ዝመጸ ሰርኩላር ኣሕቲምካ ምሳኻ ሒዝካ ምምጻእካ ነቲ ርእሰ ምስክር ወረቐት ኣብ እተቕርበሉ እዋን ናብ ቀበሌ ኣብ ትከደሉ እዋን ምርኣይ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እወ፡ ኣብ ጉዳይካ ዘሎ ኣገባብ ግን ቁሩብ ዝተሓላለኸ እዩ።
ምስ በዓል መዚ መበቆል ሃገሮም ክራኸቡ ዘይክእሉ protezione sussidiaria ዘለዎም ሰባት፡ ናይ ዘይምርዕው ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ኣይክእሉን እዮም፡ ንዕኡ ድማ ገምጋም ዳኛ የድሊ።
| ፍሉይ ዝኮነ ኣገባብ ስለዘየለ ነቲ መርዓ ንምቕጻል መጀመርታ ምስ ቀበሌ ርክብ ብምግባር ዕለት መርዓ ንኽሕተም ክትሓትት ኣለካ።
እቲ ቀበሌ ከሳልጦ እንተዘይኪኢሉ ነዚ ሕቶ ክነጽጎ ናይ ግድን ክኸውን እዩ። እቲ ምንጻግ ካብቲ ቀበሌ ብጽሑፍ ክሕበር ኣለዎ፣ ማለት እቲ በዓል ስልጣን ክቕጽል ከምዘይክእል ዘመኽነየሉ መወከሲታት ናይቲ ቀበሌ ዘለዎ ሰነድ ከቕርብ ኣለዎ። |
ብጽሑፍ እቲ ካብ ቀበሌ ዝተነጽገ ወረቀት ምስ ጠበቓ ርክብ ብምግባር ኣብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም። ብድሕሪኡ እቲ ዳኛ ነቲ ጉዳይ ገምጋም ብምግባር፥ ንቀበሌ ዕለት መርዓ ምሕታም ክቕጽል ዘኽእሎ ውሳነ ከውጽእ ይኽእል።
ኣቐዲሙ ክፍለጥ ዝክእል ናይ ግዜ ገደብ የለን፣ ኣብ ቀበሌታትን ኣብያተ ፍርድን ይምርኮስ።
JumaMap – Services for Refugees እዚ ካርታ ብኽንዲ ኣብ ዝቐረብዎ ቦታ ዘሎ ጠቃሚ ኣገልግሎታት ብቐጥታ ክትረኽቡ ተዘጋጅቶ እዩ።
ኣብዚ ቦታ ትኽእል ትርከብ ቦታ ምምፃእ፣ ምብላዕ፣ ጣሊያንኛ ምምሃር፣ እንተኾይኑ ድጋፍ ጤናዊ፣ ሕጊዊ ወይ ስነ–ጸባይ ምቕራብ፣ እንታይ ኣብ ዝሓለፈ ንሰባት ምዕራፍ ዘለዉ ምጽዋዕ ዘለዉ ኣገልግሎታትን ምፍላጥ ትኽእል።
እዚ ፕላትፎርም ብ17 ቋንቋታት ይቐርባ።
ቋንቋ ካብ ላዕሊ ሜኑ ትቕይር ትኽእል። ቋንቋታት፦
ኣልባኒያ፣ ኣማርኛ፣ ዓረብኛ፣ በንጋሊ፣ ቻይንኛ፣ ዳሪ፣ ፋርሲ፣ ፍራንሳይ፣ እንግሊዝኛ፣ ፓሽቱ፣ ፕንጃቢ፣ ራሺያን፣ ሶማልኛ፣ ስፓኒሽ፣ ትግርኛ፣ ዩክሬንኛ፣ ኡርዱ፣ ዎሎፍ።
ሓበሬታ JumaMap ካብ ስልኪኻ እንኳ ትመልከት ትኽእል። ና ድሕሪት www.jumamap.it
እንተ ሓገዝ ብግልጋሎት ትደሊ ትኽእልካ ብቀረባዊ ትመጽእ ናብ Welcome Center፦
ሰኑይ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣቀናብሪ
ሰሉስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ስነ–ጸባይ ድጋፍ (18–26 ዓመት)
14:00 – 17:00 — ጽሕፈት ድጋፍ ጤና
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ሕጊ
ረቡዕ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
ሓሙስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ሕጊ (18–26 ዓመት)
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
ዓርቢ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
16:30 – 19:30 — ጽሕፈት ሕጊ
ዲጂታል ድጋፍ
ሰሉስ 9:30 – 14:00
ረቡዕ 10:00 – 15:00
ሓሙስ 9:30 – 16:30
ንሓበሬታ እና ስልኪ ድጋፍ ይደውሉ ናብ ነጻ ቁጥር Arci ንመጻእነትን ንስደተኛታትን፦
800 905 570 (ካብ ጣሊያን)
+39 351 1376335 (WhatsApp፣ Lycamobile እና ካብ ደገ ሃገር)
ይመልስ ሰኑይ–ዓርቢ 9:30–17:00።
መልሲ ብብዙሕ ቋንቋታት እዩ ዘለዎ እና መተርጎምቲ ብ35 ቋንቋታት ይመልሱ።
ኢሜይል ትርከብ ትኽእል፦ numeroverderifugiati@arci.it
NABILA ንስደተኛታትን ንመጻእነትን ኣካላዊ ጉዳት ወይ ካልእ ድኹምነት ዘለዎም ንሰባት ምስማዕ፣ ድጋፍን ምኽሪን ዝሃብ ኣገልግሎት እዩ።
ብነጻ ቁጥር 800 999 977 ትደውሉ ትኽእል።
እንተ ብቀረባዊ ምናገር ትደሊ ትኽእል ክትሕረት ኣብ ቢሮ ኢሚግሬሽን Arci Nazionale፣
Via dei Monti di Pietralata 16 – Rome.
U-Report On The Move ደሓን ዘለዎ ቦታ እዩ ፣ እቲ ኣብዚ ክትተወክራ ትኽእል ናይ ሕጊ ድጋፍ፣ እንተዘይኮነ ናይ ስሜትኻ፣ ናይ ጸገምኻን ናይ ጭንቀትኻን ናይ ትሕዝቶ ነገር ብደሓን ክትነግር ትኽእል።
ባለሙያ ይሰማካ እና ኣብ ሓቂ ድጋፍኻ ክትረኽብ ይሕግዘካ።
ኣገልግሎቱ ሰኑይ–ዓርቢ 9:00–18:00 ይሰርሕ።
ክትጠቀም እንተደሊኻ፣ መልእኽቲ ብ Facebook Messenger ናብ U-Report On The Move ይላእ።
ናይ ስነ–ጸባይ ባለሙያት መልእኽት ይመልሱ እና ዝተስተኻኽሉ ድጋፍ ይሃብዎ።