ረፈረንደም ክበሃል ከሎ፣ እቶም ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ሰባት፡ ብዛዕባ ሓደ ሕጊ ናይ ምምራጽን ወይ ድማ ምምሕያሽ ምስ ዘድልዮ ብቐጥታ ሓሳቦም ክገልጹ ዘኽእሎም መሳርሒ እዩ። ኣብ ውሳነታት ሃገር ብንጥፈት እትሳተፈሉ መንገዲ ድማ እዩ። እቲ ድምጺ ውልቃዊ ኮይኑ ማዕረ ንኹሉን፡ ነጻን ፣ምስጢራዊን እዩ (ቅዋም ዓንቀጽ 48)።
ዝተፈላለዩ ዓይነታት ረፈረንደም ኣለዉ። እቲ ኣብ ልዕሊ ዜግነት ዝግበር ረፈረንደም፡ ንሓደ ሕጊ ወይ ንገለ ክፋሉ ንምድምሳስ (ንኽስርዞ) ዘገልግል ረፈረንደም እዩ። ቅኑዕ ንኽኸውን እንተወሓደ 50% ተወሳኪ ሓደ ካብቶም ድምጺ ክህቡ መሰል ዘለዎም ሰባት ክኸይድ ኣለዎ።
እቲ ሕቶ ዓንቀፅ ዕላምኡ ኣብ ምምሕያሽ ዘተኮረ ኮይኑ ብዓንቀጽ 9 ቁ. 91/1992 ዓ.ም.ፈ (ሓድሽ ሕግታት ዜግነት)
ካብ 10 ናብ 5 ዓመት ናይ ግዜ ምንካይ ርእሲ ዕድመን ዜጋታት ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝኮኑ ዜግነት ኢጣልያ ንምምልካት ከኽብርዎ ዘለዎም ብዘይ ምቁራጽ ሕጋዊ መንበሪ ኣብ ኢጣልያ። እቲ ናይ 5 ዓመት ገደብ ግዜ ድሮ በቲ ቅድሚ ሕጂ ካብ 1865 ክሳብ 1992 ዝጸንሐ ሕጊ ዜግነት ተቐሚጡ ነይሩ። እቲ ረፈረንደም ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ዳግማይ ንምቕራብ ዝዓለመ እዩ።
ዜግነት ዝረኽቡ ሰባት ብቀጠታ ናብ ትሕቲ ዕድመ ደቆም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከሕልፍዎ ይኽእሉ።
ብዕለት 8-9/06/2025 ኣብ ሙሉእ ኢጣልያ ምርጫ ይካየድ፣ ኣብ ኑቅጣታት ምርጫ ( መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት ወይ ስፖርታዊ ትካላት ይፍጸም)።
ረፈረንደም 5 ዝተፈላለዩ ሕቶታት ክህልውዎ እዮም፡ ሓደ ካብኣቶም ብዛዕባ ዜግነት ዝምልከት እዩ። ድምጽኻ ንምሃብ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣብነት ጥራይ ምልክት ግበር፤
ኣስተውዕል፣ ናቑጣ ምርጫኹም ኣበይ ከምዘሎ ንምፍላጥ
ኣብዚ ዝስዕብ website link ጠውቅ
https://elezioni.interno.gov.it/ ኣብኡ ብዛዕቡ ዝምለከት ሓበሬታ ኩሉ ክትረክብ ኢካ።
ርእሲ ዕድመ ዝኽኑ ናይ ጥልያን ዜግነት ዘለዎም ጥራይ እዮም ክመርጹ ዝኽእሉ፣ ናይ መምራጺ ካርዶምን፣ ቅኑዕ ናይ መንነት ሰነድን ብምቕራብ።
እወ ዋላ እቶም ድምጾም ክህቡ ዘይክእሉ እውን እንተኾነ ኣፍልጦ ናይቲ ረፈረንደም ንምዕባይ ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም። ንዕኡ ዝምልከት ኣብ ታሕቲ ኣንብብ
ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ website ተመልከት
us soli ክበሃል ከሎ ነቶም ኣብ ኢጣልያ ዝተወለዱ ካብ ወጻእተኛታት ወለዲ ዝተወልዱ (ኣብ ዓመት ከባቢ 500 ሽሕ ሰባት) ዝምልከት እዩ። ከምኡ ድማ እቶም ius scholae ዝበሃሉ፡ ክኣ ኣብ ጣልያን ዘይተወለዱ ወይ ካብ ጣልያናውያን ወለዲ ዘይተወለዱ እዮም።
ኣብዚ ናይ 5 ዓመት ዑደት መጽናዕቲ ይዛዘም (ኣስታት 135 ሽሕ ሰባት ኣብ ዓመት)። እዚ እማመ ግን ብሕጊ ኣብ ኢጣልያ ን5 ዓመት ብሕጋዊ መንገዲ ዝተቐመጡ ሰባትን ትሕቲ ዕድመ ደቆምን (ኣስታት 2.5 ሚልዮን ሰባት) ዝምልከት እዩ።
ኣይፋል፣ ዜግነት ምሃብ ብቀጠታ ኣይኮነን፤ ብዘይካ’ቲ ኣብ ኢጣልያ ብዘይ ምቁራጽ ነባርነት (እዚ ረፈረንደም ናብ 5 ዓመት ክወርድ ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ )፡ እቶም ካልኦት ክማልኡ ዘለዎም ብህሉው ሕግን ስነ-ፍርድን ዝተቐመጡ ረቛሒታት ግን ኣይተቀየሩን፡ ከም፤
ቋንቋ ጥልያን ምፍላጥ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ርኡይ ኣታዊ ምሓዝ፣ ገበናዊ መዝገብ ዘይምህላው፣ ግዴታ ግብሪ ምኽባር፣ ምስ ድሕነት ሪፓብሊክ ዝተኣሳሰሩ ዕንቅፋታት ዘይምህላው።
እቲ ናይ ዜግነት ረፈረንደም ኣብ ኢጣልያ ምስ መብዛሕትኡ ሕግታት ናይ ኤውሮጳ ዝተማሳሰለ እዩ። እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሕጊ ኢጣልያ ዝተቐመጠ ናይ 10 ዓመት ሕጋዊ መንበሪ ግዜ ኣብ መንጎ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ካብቶም ኣዝዮም ጽኑዕ ዝኾነ እዩ።
ጀርመን ኣብ መጀመርታ 2024 ምስ ጠለባት ናይዚ ረፈረንደም ዝሰማማዕን ዜግነት ንምርካብ ናብ 5 ዓመት ምስ ትነብር ኣብታ ሃገር ዘቐመጠን ሕጊ ኣጽዲቓ።
እዚ ዝገበርሉ ምክንያት ድማ ብዙሓት ወጻእተኛታት ዜጋታት ኣብ ዕብየት እታ ሃገር ዝገብርዎ ኣበርክቶ ንምፍላጥይ እዮም ገይሮምዎ።
እቲ ረፈረንደም ብዘይካ ዜግነት፡ ን ስራሕ ዓለም ዝምልከት ንሰራሕተኛታት ንምክልኻል ዝሕግዙ ተኸታታሊ ስጉምትታት የቕርብ፤
( Jobs ACT ) ሕግታት ምፍናው፣ ዘይፍትሓዊ ምብራር ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ምምላስ ንምርግጋፅ።
Jobs Act ኣብ 2015 ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ጽገና ሕጊ ስራሕ ኮይኑ፡ ብመሰረት ብዙሓት ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ዘይውሕስ ስራሕ ኣዕብዩ፡ ሓለዋ ሰራሕተኛታት ኣጉዲሉን ዝያዳ ዘይርጉእ ቅጥዕታት ውዕላት ዘተባብዕን እዩ ክብሉ ገሊጾም።
ሓበሬታ ትደሊ እንተ ኣሊካ ብዛዕባ ዜግነት ጣልያን ከመይ ገርካ ከም ተመልክት ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ገጽ ተወከስ፣
እወ! ብትምህርቲ፡ ስራሕ ወይ ሕክምናዊ ምኽንያት ካብቲ እትነብረሉ ቀበሌ ወጻኢ ኣብ ካልእ ቀበሌ እንተሃሊኻ፡ ሕጂ’ውን ኣብቲ ብዕለት 8ን 9ን ሰነ ዝካየድ ረፈረንደም ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።
ነዚ ንምግባር ድማ ካብ መንበሪ ገዛኻ ወጻኢ ኣብ ካልእ ቀበሌ እንተወሓደ ን3 ኣዋርሕ ከም ዝነበርካ መረጋገጺ ክህልወካ ኣለዎ።
ካብ ቀበሌካ ርሒቕካ ክትመርጽ እንታይ ክትገብር ኣለካ፧
እዚ ተኽእሎ እዚ ነቶም ካብ መንበሪኦም ኮሙን ርሒቖም ንዝርከቡ ዝምልከት እዩ፤
ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ከም እተመልክት ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ምርጫ ናይቲ እትርከበሉ ቀበሌ ክትውከስ ወይ ድማ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ እትነብረሉ ቀበሌ ክትውከስ ትኽእል ኢኻ።
Per saperne di più:
JumaMap – Services for Refugees እዚ ካርታ ብኽንዲ ኣብ ዝቐረብዎ ቦታ ዘሎ ጠቃሚ ኣገልግሎታት ብቐጥታ ክትረኽቡ ተዘጋጅቶ እዩ።
ኣብዚ ቦታ ትኽእል ትርከብ ቦታ ምምፃእ፣ ምብላዕ፣ ጣሊያንኛ ምምሃር፣ እንተኾይኑ ድጋፍ ጤናዊ፣ ሕጊዊ ወይ ስነ–ጸባይ ምቕራብ፣ እንታይ ኣብ ዝሓለፈ ንሰባት ምዕራፍ ዘለዉ ምጽዋዕ ዘለዉ ኣገልግሎታትን ምፍላጥ ትኽእል።
እዚ ፕላትፎርም ብ17 ቋንቋታት ይቐርባ።
ቋንቋ ካብ ላዕሊ ሜኑ ትቕይር ትኽእል። ቋንቋታት፦
ኣልባኒያ፣ ኣማርኛ፣ ዓረብኛ፣ በንጋሊ፣ ቻይንኛ፣ ዳሪ፣ ፋርሲ፣ ፍራንሳይ፣ እንግሊዝኛ፣ ፓሽቱ፣ ፕንጃቢ፣ ራሺያን፣ ሶማልኛ፣ ስፓኒሽ፣ ትግርኛ፣ ዩክሬንኛ፣ ኡርዱ፣ ዎሎፍ።
ሓበሬታ JumaMap ካብ ስልኪኻ እንኳ ትመልከት ትኽእል። ና ድሕሪት www.jumamap.it
እንተ ሓገዝ ብግልጋሎት ትደሊ ትኽእልካ ብቀረባዊ ትመጽእ ናብ Welcome Center፦
ሰኑይ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣቀናብሪ
ሰሉስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ስነ–ጸባይ ድጋፍ (18–26 ዓመት)
14:00 – 17:00 — ጽሕፈት ድጋፍ ጤና
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ሕጊ
ረቡዕ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
ሓሙስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ሕጊ (18–26 ዓመት)
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
ዓርቢ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
16:30 – 19:30 — ጽሕፈት ሕጊ
ዲጂታል ድጋፍ
ሰሉስ 9:30 – 14:00
ረቡዕ 10:00 – 15:00
ሓሙስ 9:30 – 16:30
ንሓበሬታ እና ስልኪ ድጋፍ ይደውሉ ናብ ነጻ ቁጥር Arci ንመጻእነትን ንስደተኛታትን፦
800 905 570 (ካብ ጣሊያን)
+39 351 1376335 (WhatsApp፣ Lycamobile እና ካብ ደገ ሃገር)
ይመልስ ሰኑይ–ዓርቢ 9:30–17:00።
መልሲ ብብዙሕ ቋንቋታት እዩ ዘለዎ እና መተርጎምቲ ብ35 ቋንቋታት ይመልሱ።
ኢሜይል ትርከብ ትኽእል፦ numeroverderifugiati@arci.it
NABILA ንስደተኛታትን ንመጻእነትን ኣካላዊ ጉዳት ወይ ካልእ ድኹምነት ዘለዎም ንሰባት ምስማዕ፣ ድጋፍን ምኽሪን ዝሃብ ኣገልግሎት እዩ።
ብነጻ ቁጥር 800 999 977 ትደውሉ ትኽእል።
እንተ ብቀረባዊ ምናገር ትደሊ ትኽእል ክትሕረት ኣብ ቢሮ ኢሚግሬሽን Arci Nazionale፣
Via dei Monti di Pietralata 16 – Rome.
U-Report On The Move ደሓን ዘለዎ ቦታ እዩ ፣ እቲ ኣብዚ ክትተወክራ ትኽእል ናይ ሕጊ ድጋፍ፣ እንተዘይኮነ ናይ ስሜትኻ፣ ናይ ጸገምኻን ናይ ጭንቀትኻን ናይ ትሕዝቶ ነገር ብደሓን ክትነግር ትኽእል።
ባለሙያ ይሰማካ እና ኣብ ሓቂ ድጋፍኻ ክትረኽብ ይሕግዘካ።
ኣገልግሎቱ ሰኑይ–ዓርቢ 9:00–18:00 ይሰርሕ።
ክትጠቀም እንተደሊኻ፣ መልእኽቲ ብ Facebook Messenger ናብ U-Report On The Move ይላእ።
ናይ ስነ–ጸባይ ባለሙያት መልእኽት ይመልሱ እና ዝተስተኻኽሉ ድጋፍ ይሃብዎ።