ስድራ ቤት መሊስካ ምትእኽኻብ

ናይ ስድራ ቤትካ ኣባላት ብሕጋውን ውሕስነቱ ብዝሓለወን መንገዲ ናብ ዓዲ ጥልያን ንምምጻእ ዘኽእልን መስርሕ እዩ።

ነዞም ዝስዕቡ ናይ ስድራ ቤትካ ኣባላት ንኽትተኣኻኸብ ክትሓትት ትኽእል፦

 

  • ንሰብ ሓዳር (ሰብኣያ ወይ ሰበይቱ) ብሕጋዊ መንገዲ ዘይተፋትሑን ዕድመኦም እንተነኣሰ 18 ዝመልኡ፣ ወይ ብሕጋዊ መንገዲ ጥርኑፋት (ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ጣልያን) ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዘይነብር ወይ ዘይትነብር ወዲ/ጓል ወጻኢ ዜጋ
  • ንትሕቲ ዕድመ ደቆም፣ ከም ደቆም ንዘዕበይዎም፣ ብሓደራ ዝወሰድዎም፣ ብዕርክነት ወይ ካብ ሓዳር ወጻኢ ንዝተወለዱ፣ ዘይተመርዓዉን ካሊእ ወላዲ እንተሎ ናቱ ፍቓድ ምስ ዝህብን
  • ልዕሊ ዕድመ ኮይኖም ኣብ ትሕቲኦም ንዝነብሩ፣ ምኽንያት ዘለዎ ኣድላዪ ድልየታቶም ከማልኡ ዘይክእሉን ሙሉእ ብሙሉእ ጎዶሎ ኣካላት እንተኾይኖምን
  • ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቶም ንዝርከቡ ክሳብ 65 ዓመት ዕድመኦም ወለዲ፡ ኣብ ዓዶም ወይ ካብቲ ዝመጹሉ ሃገር ካለኦት ደቂ እንተዘይብሎም
  • ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቶም ንዝርከቡ ካብ  65 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ወለዲ፡  ካለኦት ውላድ እንተሃለውዎም እውን ክጥውርዎም ከምዘይክእሉ መረጋገጺ ሰነድን ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ምስ ዝህልዎምን

ትሕቲ 18 ዓመት ኮንካ ካብ ወለድኻ ወይ ሓላፍነት ክወስዱልካ ካብ ዝኽእሉ ስድራቤት ተፈሊኻ ትነብር እንተኾንካ እሞኸኣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ናይ ዑቕባ መንበሪ ወረቐት እንተተዋሂቡካ፡ ኩነታቶምን ዕድመኦምን ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ ናብዘለውዎ ንኽትጥርነፍ መሰል ኣለካ።

ዓለም ለኻዊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎ፡ ስድርኡ መሊሱ ንምጥርናፍ ዘድልይዎ፦

  • መንበሪ ፍቓድ ዘይወደቐ ወይ ኣብ ናይ ምሕዳስ ከይዲ ዘሎ ክኸውን ኣለዎ። በዚ ኩነታት፡ እቲ ሕቶ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ክቐርብ ኣለዎ
  • ፓስፖርት ወይ ናይ ጉዕዞ ሰነድ (እንተሎ)
  • ናይ ዝምድና ርክቦም ፣ ትሕቲ ዕድመን ናይ ቤተሰብነት ሰነድ ዘመልክቱ ሰነዳት (እንተሎ)።


ኣብ ዓዲ ጥልያን ውሽጢ ብኻልእ ዝተፈላለዩ መንበሪ ፍቓዳት ብሕጋዊ ዝነብሩ ሰባት ኣታዊኦምን መንበሪኦም ብቑዕ ሙኻኑ ዘረጋግጹ ሰነዳት ከማልኡ ኣለዎም። ብዝተፈላለዩ መንበሪ ፍቓዳት ንዝነብሩ፡ ስድራኦም ንምጥርናፍ ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣድለይቲ ሰነዳትን ንምፍላጥ፡ ናይ መልቲንግ ፖት ኣውሮጳ Melting pot Europa መርበብ ምርኣይ ይከኣል።

ናይ ስድራቤት መሊስካ ምጥርናፍ ሰነድ ሕቶ (ኑላ ኦስታ)

እቲ መስርሕ ክልተ መንገዲ ኣለዎ፦ ቀዳማይ ናይ ስድራቤት መጠርነፊ ሰነድ፡ ካብ ናይ ስፖርቴሎ ኡኒኮ ኢሚግሬስን ካብቲ ዝምልከቶ ፕሬፌቱራ ዝወሃብ ቀጺሉ ድማ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ናይ ጥልያን ኤምባሲ ተወካሊ ቪዛ ምሕታት። ናይ ስድራቤት ጥርናፈ ንምሕታት፦ 

  • ስፒድ ዝበሃል ኣብ መርበብ ትጥቀመሉ መንነት ክህልወካ ኣለዎ። (ኣብ ፖስታ ቤት ከድካ ከተውጽኦ ትኽእል)
  • ናይ 16 ኤውሮ ማርካ ዳ ቦሎ ምግዛእ
  • ብመንነት ናይ ስፒድካ ተጠቂምካ ኣብቲ ትደልዮ መርበብ እቶ www.nullaostalavoro.dlci.interno.it  ደሓር እቲ ሞደል ዝሓቶ ብምምላእ እቲ ቁጽሪ ናይ ማርካ ዳ ቦሎ ኣእትዎ
  • ብድሕሪዚ ካብቲ ካብቲ ከባቢኻ ዘሎ ስፖርተሎ ኡኒኮ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን መጸዋዕታ ምስመጸካ ነዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ሒዝካ ቅረብ፦

 

  • እታ ኦርጅናል ኣብ መርበብ ዝመዝገብካይ ማርካ ዳ ቦሎ  

 

  • ካልኣይቲ ማርካ ዳ ቦሎ ናይ 16 ኤውሮ ኣብቲ ኑላ ኦስታ ትልጠፍ

 

  • መንበሪ ፍቓድ ወረቐትካን ቅዳሕን

 

  • ናይቶም ተምጽኦም በተሰብካ ቅዳሕ ሰነዳት (እንተሎ) 

 

ስድራ ቤትካ ሙኳኖም መርጋገጺ ዝኸውን ናይ ስድርቤት ዝርዝርን መንበሪን ሰነድ (ባዕልኻ ጽሒፍካ ብምፍራም እውን ከተቕርቦ ትኽእል)

 

ኑላ ኦስታ ተቐሪቡ ምስተወሃበካ ናብቲ ዝምልከቶ ቪዛ ዝህብ  ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሒዞሞ ንኽቐርቡ ናብቶም ዝመጹ ስድራቤትካ ኦርጅናል ልኣኽ፡  ከምኡ ድማ እቲ ኤምባሲ እውን ካብ ስፖርተሎ ኡኒኮ ብመርበብ ነቲ ሰነድ ተቐቢልዎ ይጸንሕ።

 

ብድሕሪዚ በቲ ናይ ስፖርተሎ ኡኒኮ ስልኪ ቁጽሪ ስድራኻ ንመዓስ ቆጸራ ከምዝተወሃቦም መልእኽቲ ይመጸካ። ብሓቂ ፡ ስድራቤትካ ናብ ዓዲ ጥልያን ምስ ኣተዉ፡ 8 መዓልታት ኣለካ ንስፖርተሎ ኡኒኮ ከተፍልጦም ብድሕሪኡ መንበሪ ፍቓድ ንክወሃቡ ቆጸራ ከምዝተተሓዘሎም ምሕታት።

ኩሉ እንድሕር ብልክዕ መሊእካዮ እሞ ሕቶኻ ተቐባልነት እንተረኺቡ ካብታ ዝሰደድካላ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት እቲ ስድራኻ ዝጥርነፍሉ ኑላ ኦስታ ትወሃብ። ብዝኾነ ምክንያት እቲ ዘቕረብካዮ ናይ ኑላ ኦስታ ሕቶ እንተተነጺጉ እሞ መሰል ከም ዘለካ እንተኣሚንካሉ ኣብ ትነብረሉ ቦታ ዝርከብ ቤት ፍርዲ (ፍሉይ ቤት ፍርዲ) ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ሕጊ ከምዝብሎ እቲ ቪዛ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክወሃብ ኣለዎ እንተኮነ ግን ካብኡ ንላዕሊ ክወስድ ይኽእል።

  • እቲ ናይ ሕቶ ሰነድ መሊእካ ቅድሚ ምስዳድካ፡ ብሕልፊ ድማ ናይ ስድራቤትካ ስምን መዓልቲ ልደትን ብጥንቃቐ ከምተመልአ ኣረጋግጽ። እቲ ትመልኦ ሽምን መዓልቲ ልደቶምን ምስቲ ፓስፖርቶም ሓደ ክኸውን ኣለዎ።
  • ስድራኻ ዝርከብሉ ናይ ትውልዲ ቦታ ወይ መንበሪ ምልኣዮ። ኣብዘን ሃገራት ናይ ጥልያን ኤምባሲ ዝውክል ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ እንተዘየለ ስድራኻ ኣበይ ሃገር ቪዛ ክሓቱ ከምዝኽእሉ ኣመልክት። ደሓር ስድራካ ዝነብሩሉ ሃገር ምቕያር ይከኣል እዩ፡ ግን ብፕረፌቱራ ዝቕየር ኮይኑ ግዜ ክወስድ እውን ይኽእል።
  • ዓለም ለኻዊ ናይ ሓለዋ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም፡ ነቲ ናይ መንበሪ፣ ኣታውን ናይ ሕክምና ኢንሹራንዝን መልሲ ክህብሉ ኣይምልከቶምን።
  • እቲ ኑላ ኦስታ ካብዝተወሃበሉ ጀሚሩ ን 6 ኣዋርሕ ግዜ ኣለዎ፡ ስለዚ ቅድሚ 6 ወርሒ ናብቲ ኤምባሲ ክኣቱ ኣለዎ። ንቪዛ ዘድሊ ኩሉ ሰነዳት ኣቐዲሙ ምድላዉ ኣረጋግጽ፡ ከምኡ ድማ ካብ ኤምባሲ ናይ ቆጸራ ምድኑጓይ እንተሃልዩ ናብ ኑሜሮ ቨርደ ኣርቺ፣ ኣብ ከባቢካ ንዘለዉ ማሕበራት ወይ ናብ ጠበቓ ኣመልክት።

ብካሪታስ ናይ ዓዲ ጥልያን፣ ኮንሶርስዮ ኮሙኒታስን ዩኤንኤችሲኣርን ዝተዳለወ፡ ንዝበለጸ ሓበሬታ ኣብዚ መርበብ ረኣይ: http://ricongiungimento.it/

ናይ ቪዛ ሕቶ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ናይ ጣልያን ኣዋፈርቲ (ኤምባስን ቆንስላን)at

እንታይ ዓይነት ሰነዳት የድልዩ? ካብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ናይ ጥልያን ኤምባሲታት ዝርከብ ናይ ሰነድ ሓበሬታ ርኸብ

እቲ ኑላ ኦስታ ምስተቐበልካዮ ነቲ ኦሪጂናል ናብ ስድራቤትካ ክትልእኮ ኣለካ። ንሳቶም ምስተቐበልዎ ድማ ኣብ ኤምባሲ ብምኻድ፡ ቪዛ ዝወሃብሉ ቆጸራ ክሕዙ ኣለዎም።

  • ስድራቤት ሙኳንኩም ዘረጋግጹ ሰነዳት ኩሎም ብጥልያን ተቶርጒሞም ሕጋዊ ኩኾኑ ኣለዎም። 
  • ኣድላዪ ኮይኑ ምስ ዝርከብ እቶም ናይ ጥልያን ናይ ዲፕሎማሲ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ተወሳኺ ሰነድ ክሓቱ ይኽእሉ፡ ኩሉ ሰነዳት ብኦርጂናልን ቅዳሕን ክቐርብ ኣለዎ። እቲ ቅዳሕ ምሰኦም ኣትሪፎም እቲ ኦሪጂናል ንኣመልካቲ ይመልስዎ። ናይቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከብ ናይ ስድራ ቤት ኣባል ናይ ፓስፖርቱ ወይ ናይ መንነቱ ቅዳሕ ተቐባልነት የብሉን።
  • ብሽምን ሽም ኣቦን ምግልባጥ ወይ ጉጉይ ናይ ልደት መዓልቲ፡ ኣብ ኑላ ኦስታ ዝተጸሓፈ ናይ በዓል ሓዳር፣ ናይ ውሉድ ወይ ናይ ወለዲ ኣስማት ናይ ፊደል ጌጋ ምስ ዝህልዎም፡ ነቲ ዘመልከትዎ ንኽደናጔ ዕንቅፋት ይኾኑ። ነዚ ንምስትኽኻል ድማ ናይ ጥልያን ፖልስ ቤት ጽሕፈት ሓላፍነት እዩ። ኣብቲ ቪዛ ንምሕታት ዝተመልኤ ሰነድ ናይ ሓታቲ ዝሰርሕ ናይ ሞባይል ስልክን ናይ ኢ – መይል ኣድራሻን ከስፍር ኣለዎ። እቲ ቆንስል ኣድላዪ ዝብሎም ሰነዳት ክልእኽ ስለዝኽእል፡ እቲ ኣመልካቲ  ኢ – መይሉ ክከታተል ኣለዎ። እንተተኻኢሉ ነቲ ሕቶ ብፔክ መልሲ ክወሃበሉ ዝበለጸ። ብፔክ ክለኣኽ ምግባር ይምከር፡ ይከኣል እዩ፡ ነዚ ንምግባር ድማ ናብ ናይ ከባቢ ማሕበራት ወይ ድማ ናብ ጠብቓ ምኻድ። 
  • ኣስተውዕል፡ ንሳልሳይ ኣካል ክፍሊት ብምፍጻም፡ ነቲ ናይ ስድራ ምጥርናፍ ኣሰራርሓ ውጽኢታዊ ወይ ቀሊል ክኸውን እዩ ኢልካ ኣይትሕሰብ፡ ዘራኽብ የብሉን።
  • እዚ ቪዛ ዘገልግሎ ን 1 ዓመት እዩ።
  • ን ዲኤንኤ ምርመራ ብዝምልከት ኣብ ናይ ኑሜሮ ቬርደ  ኣርቺ ናይ ነጻ ስልኪ ቁጽሪ ወይ ኣብ ናይ ዓለም ለኸ ናይ ስደተኛታት ድርጅት ኦይም (OIM) በዞም ዝስዕቡ ስልኪ ቁጽርታት ተወከሶም፦ (OIM: +39 06 441609.225 /233 /260 /210)። ናይቲ ምርመራ ዋጋ ንሓደ ሰብ ናይ 230 ኤውሮ ክፍሊት ኣለዎ። ንመመርመሪ ክትከፍል ዘይትኽእል እንተኾንካ፡ ውሕስነት ናብ ዘለወን ማሕበራት ብምድዋል ብነጻ ንኽግበረልካ ሓገዘን ክትሓትት ትኽእል።
  • ንዝበለጸ ሓበሬታ፣ ድጋፍ ወይ ምኽሪ፤  በዘይ ኣግባብ ሓላፍነቶም ብምጥቃም ንዝወርደካ ግፍዒ ወይ ናይ መሰል ምጥሓስ ምስ ዘጋጥመካ ናብ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዘለዋ ናይ ከባቢ ማሕበራት ወይ ናብ ዝኽፈሎ ጠበቓ ተወከስ።

ነዚ ሰነድ ንምምላእ፡ ሓበረታን ሓገዝን ንምርካብ ንመን ክውከስ ወይ ክሓትት ይኽእል?

ናይ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ናይ ነጻ ስልኪ ቁጽሪ ኑሜሮ ቬርደ ኣርቺ ደውል ፦ 800905570 ወይ (+39)3511376335 

 ወይድማ ናብዚ ኢ- መይል ጸሓፍ

numeroverderifugiati@arci.it

ንዝበለጸ ሓበሬታ፣ ድጋፍ ወይ ምኽሪ፤ 

በዘይ ኣግባብ ሓላፍነቶም ብምጥቃም ንዝወርደካ ግፍዒ ወይ ናይ መሰል ምጥሓስ ምስ ዘጋጥመካ ናብ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዘለዋ ናይ ከባቢ ማሕበራት ወይ ናብ ዝኽፈሎ ጠበቓ ተወከስ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለዉ ናይ ጥልያን ኤምባሲታት ዘሎ ናይ ሓበሬታ ወረቓቕቲ

ብናይ ቤተሰብ ምኽንያት ዝሕተት መንበሪ ፍቓድ

ስድራ ቤትካ ኣብ ኣዲ ጥልያን ምስ ኣተዉ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት፡ ዝነብሩሉ ቦታ ዝጠቅስ ሰነድ (ዲክያራስዮነ ዲ ኦስፒታሊታ) ሒዝካ ናብ ፖሊስ (ኴስቱራ)ኪድ።

ኣብ ውሽጢ 8 መዓልታት ስድራ ቤትካ ዓዲ ጥልያን ከምዝኣተዉ ናብቲ ስፖርተሎ ኡኒኮ ናይ ስደትኛታት ቤት ጽሕፈት ከይዶም ምስኣፍለጡ ብናይ ቤተሰብ ምኽንያት ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ ዝሐቱሉ ዝሓዘ ሰነድ (ኪት) ይወሃቦም።

እዞም ሕበሬታታት ዝተዳለዉ ምስ ፓሌርሞ አርቺ ፖርኮ ሮሶ ብምትሕብባር እዩ።

I VIDEO

JumaMap እንታይ እዩ?

JumaMap – Services for Refugees እዚ ካርታ ብኽንዲ ኣብ ዝቐረብዎ ቦታ ዘሎ ጠቃሚ ኣገልግሎታት ብቐጥታ ክትረኽቡ ተዘጋጅቶ እዩ።
ኣብዚ ቦታ ትኽእል ትርከብ ቦታ ምምፃእ፣ ምብላዕ፣ ጣሊያንኛ ምምሃር፣ እንተኾይኑ ድጋፍ ጤናዊ፣ ሕጊዊ ወይ ስነ–ጸባይ ምቕራብ፣ እንታይ ኣብ ዝሓለፈ ንሰባት ምዕራፍ ዘለዉ ምጽዋዕ ዘለዉ ኣገልግሎታትን ምፍላጥ ትኽእል።

እዚ ፕላትፎርም ብ17 ቋንቋታት ይቐርባ።
ቋንቋ ካብ ላዕሊ ሜኑ ትቕይር ትኽእል። ቋንቋታት፦
ኣልባኒያ፣ ኣማርኛ፣ ዓረብኛ፣ በንጋሊ፣ ቻይንኛ፣ ዳሪ፣ ፋርሲ፣ ፍራንሳይ፣ እንግሊዝኛ፣ ፓሽቱ፣ ፕንጃቢ፣ ራሺያን፣ ሶማልኛ፣ ስፓኒሽ፣ ትግርኛ፣ ዩክሬንኛ፣ ኡርዱ፣ ዎሎፍ።

ሓበሬታ JumaMap ካብ ስልኪኻ እንኳ ትመልከት ትኽእል። ና ድሕሪት www.jumamap.it

ዋልከም ሰንተር (Welcome Center)

እንተ ሓገዝ ብግልጋሎት ትደሊ ትኽእልካ ብቀረባዊ ትመጽእ ናብ Welcome Center፦

ሰኑይ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣቀናብሪ

ሰሉስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ስነ–ጸባይ ድጋፍ (18–26 ዓመት)
14:00 – 17:00 — ጽሕፈት ድጋፍ ጤና
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ሕጊ

ረቡዕ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ሓሙስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ሕጊ (18–26 ዓመት)
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ዓርቢ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
16:30 – 19:30 — ጽሕፈት ሕጊ

ዲጂታል ድጋፍ

ሰሉስ 9:30 – 14:00
ረቡዕ 10:00 – 15:00
ሓሙስ 9:30 – 16:30

ለመፍለጥ ጥዕና ኣብ ስልኪ ነጻ ቁጥር ለመጻእነትን ለስደተኛታትን

ንሓበሬታ እና ስልኪ ድጋፍ ይደውሉ ናብ ነጻ ቁጥር Arci ንመጻእነትን ንስደተኛታትን፦
800 905 570 (ካብ ጣሊያን)
+39 351 1376335 (WhatsApp፣ Lycamobile እና ካብ ደገ ሃገር)

ይመልስ ሰኑይ–ዓርቢ 9:30–17:00።
መልሲ ብብዙሕ ቋንቋታት እዩ ዘለዎ እና መተርጎምቲ ብ35 ቋንቋታት ይመልሱ።
ኢሜይል ትርከብ ትኽእል፦ numeroverderifugiati@arci.it

ነጻ ቁጥር ንሰባት ዘለዎም ኣካል ጉዳት ዝሰለዉ መዕረፍ ንስደተኛታት

NABILA ንስደተኛታትን ንመጻእነትን ኣካላዊ ጉዳት ወይ ካልእ ድኹምነት ዘለዎም ንሰባት ምስማዕ፣ ድጋፍን ምኽሪን ዝሃብ ኣገልግሎት እዩ።
ብነጻ ቁጥር 800 999 977 ትደውሉ ትኽእል።
እንተ ብቀረባዊ ምናገር ትደሊ ትኽእል ክትሕረት ኣብ ቢሮ ኢሚግሬሽን Arci Nazionale፣
Via dei Monti di Pietralata 16 – Rome.

ቦታ ምስማዕ ንንኡስናን ንወጻኢ ስደተኛታት

U-Report On The Move ደሓን ዘለዎ ቦታ እዩ ፣ እቲ ኣብዚ ክትተወክራ ትኽእል ናይ ሕጊ ድጋፍ፣ እንተዘይኮነ ናይ ስሜትኻ፣ ናይ ጸገምኻን ናይ ጭንቀትኻን ናይ ትሕዝቶ ነገር ብደሓን ክትነግር ትኽእል።
ባለሙያ ይሰማካ እና ኣብ ሓቂ ድጋፍኻ ክትረኽብ ይሕግዘካ።
ኣገልግሎቱ ሰኑይ–ዓርቢ 9:00–18:00 ይሰርሕ።

ክትጠቀም እንተደሊኻ፣ መልእኽቲ ብ Facebook Messenger ናብ U-Report On The Move ይላእ።
ናይ ስነ–ጸባይ ባለሙያት መልእኽት ይመልሱ እና ዝተስተኻኽሉ ድጋፍ ይሃብዎ።