ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት ፣ ኣፍልጦ ምሃብ ስንክልና

ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ምስ ዘጋጥሙና ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ኣብ ምትእስሳር ስንክልና ዘጋጥመካ ሰብ ዲኻ?

ኣብ ኢጣልያ ንኣፍልጦ ስንክልና ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። (ሕጊ 104/1992) ከም ስንክልና፣ ዓይነ ስውርነት ወይ ድማ ናይ ምስማዕ ጸገምን፣ እዚኦም ዝተጠቀሱ  መሰል ዝተፈላለየ ገንዘባዊ ሓገዛትን ጥቕምታትን ዝህቡ እዮም። ኣብዚ ገጽ እዚ እቲ ኣገባብ ከመይ ከም ዝሰርሕ ንገልጽ።

ስንክልና ክበሃል ከሎ ወይ ድማ፣ ( ኩነታት ስንክልና)

ሓደ ሰብ ንንውሕ ዝበለ እዋን መዓልታዊ ንጥፈታት ንምፍጻም ዝያዳ ዘጸግም ኣካላዊን፡ ኣእምሮኣውን (neurodevelopmental) ወይ ህዋሳዊ ጸገም ምስ ዝህልዎ እዩ። (ንኣብነት ምስራሕ፡ ምንቅስቓስ ወይ ንነብስኻ ምሕብሓብ)። 

እዚ ጸገማት እዚ ምስ ዝተፈላለየ ባህሪ ዘለዎም መሰናኽላት (ንኣብነት ስነ ህንጻዊ ዕንቅፋታት፡ ማሕበራዊ ዕንቅፋታት…) ብዝግበር ምትእስሳር ዝመጽእ እዩ።

 

ኣብ ኢጣልያ ስንክልና ብህዝባዊ ኮሚሽን ኣፍልጦ ይወሃቦ: እቲ ዝምልከቶ ሰብ  ድማ  ክከውን ኣለዎ ነቲ ሕቶ ዘቅርብ።

እቲ ኮሚሽን ድማ ንኣካላዊ፣ ኣእምሮኣዊ ወይ ህዋሳዊ ስንክልናታት (ሲቪላዊ ስንክልና፣ ሲቪላዊ ዓይነ ስውርነት፣ ወይ ድማ ክልቲኡ ናይ ዓይንን እዝንን ጸገም ዘለዎም) ኣፍልጦ ይህብን ይግምግምን።

ከምኡ’ውን እቲ ሰብ ዝጠልቦ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ምስ ዘድልዮ (ማሕበራዊ ገምጋም፡ ሕጊ 104/1992 ይውሰን )

በዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ብክልተ መዳይ ድጋፍ ምርካብ መብዝሕትኡ ግዜ መዛምዲ እዮም። ዋላ  ንወጻእተኛታት ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ  ውን ውሕስነት ኣለዎም።

 

እቶም ክልተ ሓገዛት ብሕጊ መሰረት ዝምልከቱካ ምሕታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ ዝተፈላለዩ ጥቕምታት

ቁጠባዊ ሓገዝ፣  ጥዕና፣ ከምኡ ዉን   ደገፍ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይኹን ኣብ ስራሕ ንምርካብ ቅድመ ኩነት ስለዝኾኑ።

ብመሰረት ሕጊ 104/1992 ናይ ስንክልና ኣፍልጦ ንምርካብ ክትሓትት ትክእል ከምኡ ውን ስንክልና ዓይነ ስውረነትን ናይ ምስማዕ ጸገምን፥ 

 

  • ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ ዜጋታት ኢጣልያ፤
  • ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ ኣብ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ናይቲ ዝነብሩሉ ቀበሌ ዝተመዝገቡ ወጻእተኛታት ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ፤
  • ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዘይኮኑ ወጻእተኛታት ዜጋታት ብውሑዱ ናይ ሓደ ዓመት ስሩዕ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም።

ሕቶ  ኣብ  INPS,  ( ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ማሕበራዊ ድሕነት ) ከተቅርብ ትክእል፣ 

INPS ኣብ ኢጣልያ ንዝሰርሑ ወይ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ሰባት ብዛዕባ ጡረታ፣ ድጎማን; ቁጠባዊ ሓገዝን ዝሰርሕ ቀንዲ መንግስታዊ ኣካል እዩ።

ሕቶ ምቅራብ ብመንገዲ ኢንተርነት ኣብ መርበብ ሓበሬታ INPS፡ ወይ ብመንገዲ  ማሕበር ኣሰለጥቲ ጉዳያት ክቐርብ ይኽእል።

ነቲ ኣገባብ ንምጅማር እዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ክትክተል ኣለካ፤

  1. ብመጀመርታ ናብ ሓኪምካ ብምካድ ናብ INPS መእተዊ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ክሰድድ ክትሓቶ ኣለካ፣ ኮዲቸ ፊስካለን ( codice fiscale) ከምኡ ውን መርመራ ናይቲ ዘለካ ሕማምን። እቲ ሓኪም ነቲ ምስክር ወረቐት ብኢንተርነት መሊኡ ናብ INPS ይልእኾ እሞ ቁጽሪ ምስክር ወረቐት ዘለዎ ቅብሊት የውጽእ።
  2. እቲ ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐት ምስ ረኸብካ፡ ሕቶ ኣብ ተቅርበሉ እዋን ትክክለኛን ፣ጭቡጥን  መመልከቲ ከተቕርብ ኣለካ። ብኽልተ መንገዲ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ፤

– ኣብ መርበብ ሓበሬታ INPS ብኢንተርነት። ንምክፋቱ  SPID (Public Digital Identity System) ዝብል መረጋገጺ የድልየካ፣

CIE (ኤሌክትሮኒካዊ መንነት ካርድ 3.0)፣ ወይ CNS (National Services Card) clicca qui per accedere al servizio

ኣብቲ መመልከቲ፣  ናይ ሓኪም (specialist) ዝሃበካ ናይ ጥዕና ሰነዳት ከተተሓሕዞ ከም ዘለካ ኣይትረስዕ።

ኣስተውዕል: እቲ ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐት ንሲቪላዊ ስንክልና ንምምልካት ን90 መዓልታት እዩ ዘገልግል።

  1. 3. ኣብ መወዳእታ ኮምሽን ብመልክዕ ጸብጻብ እቲ ስንክልና ወይ ዓይነ-ስውርነት ( ብከፊል ወይ ብጠቅላላ) ከምኡ ድማ ናይ ምስማዕ ጸገም ንዘለዎም ብሚእታዊት ናይቲ ዝምልከተካ ኣበል ድማ የውጽእ።

እቲ ጸብጻብ ስንክልና (ሕጊ 104/1992) ከቢድ ኩነታት ኣሎ ድዩ የለን ይገልጽ። 

ኮሚሽን ነቲ ጸብጻብ  ክሰዶ  እዩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ መርበብ ሓበሬታ INPS እውን ክትውከሱ ትኽእሉ  ኢኹም።

ኣስተውዕል: ገምጋም ናይቶም ጸብጻባት ቅኑዕ እዩ ኢልኩም እንተዘይኣሚንኩም ብጠበቓ ኣቢልኩም ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም።

እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም (ዋላ ካብቲ ጉዳይካ ዘረጋገጸልካ ዝተፈለየ ሓኪም ይኹን) ናብ ገዛካ ክትብጻሕ ከምዘለካ  ሕቶ ይልእኾ።

ካብቲ ሕቶ ዝጠለበሉ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት፡ ዕለትን ሰዓትን ናይቲ ናብ ገዛ ምብጻሕ ዝግበረሉ መፍለጢ ይመጸካ።

ገሊኦም ጸብጻባት ምስ ግዜ (ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ክልተ፡ ሰለስተ) ንዝግበር ዳግመ ግምት ይህቡ። እቲ ጸብጻብ ገምጋም እቲ ስንክልና “ክግምገም ዝኽእል” ድዩ ወይስ “ዘይግምገም” ይገልጽ።

እቲ ስንክልና ምስ ግዜ ክቕየር ዝኽእል እንተኾይኑ (ዳግማይ ይርአ)፡ እቲ ጸብጻብ ከም ብሓድሽ ምብጻሕ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ዝግበረሉ ዕለት ክሕብር እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ INPS ባዕሉ ንሓድሽ ምብጻሕ ይጽውዓካ። ከምቲ ናይ መጀመርታ መእተዊ ምስክር ወረቐት  ደሊካ ናብ ሓኪምካ ምምላስ ውን  ኣየድልየካን እዩ። ኣብ እዋን ዳግመ ግምት፡ ሓድሽ ሕክምናዊ ሰነዳት ክትሕተት ኢኻ፡ ሓድሽ ጸብጻብ ድማ ክወጽእ እዩ።

ኣስተውዕል፣ እቲ ሓድሽ ገምጋም ክሳብ ዝውዳእ ጸብጻባት ቅኑዓት ኮይኖም ከም ዝጸንሑ ።

ኩነታትካ ጥዕናካ ምስ ግዜ እንዳ ገደደ እንተ ከይዱ እሞ ክኣ ብክኢላ ሓኪም ዝተሰነየ ጽቡቕ ሰነዳት እንተሃልዩካ፡ ሓድሽ ገምጋም ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

እቲ መስርሕ ከምቲ ናይ መጀመርታ እዩ: 

መእተዊ ምስክር ወረቐት: መመልከቲ: ጥዕናዊ ገምጋም።

ዓይነት ደገፍ ከከም ዘለካ ኩነታት ናይ ጥዕና ጸገም   ይፈላለ እዩ። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ብኻልእ መዐቀኒታት ከም ዕድመ፡ ኣታዊ … ወዘተ እውን ይምርኮስ እዩ።

ብዛዕባ ምጉዳል ስንክልና (ሲቪላዊ ስንክልና፣ ሲቪላዊ ዓይነ ስውርነት፣ ናይ ምስማዕ ጸገም ፣ ክልቲኡ ዘይምስማዕን ዘይምርኣይን ) ጡረታ፣ ኣበልን ካሕሳን ምውሳድ ኣብ ግምት ዝኣተወ እዩ።

ጡረታ: ስንክልናኻ 100% እንተኾይኑን ልዕሊ 18 ዓመት እንተኾንካ እሞ ክኣ ምላእ ብምላእ ወይ ብኸፊል ዓይነ ስዉር እንተኾንካ  ካብ ዝተወሰነ ዓመታዊ ውልቃዊ ኣታዊ (ከባቢ 19,500 ዩሮ) ክትሓልፍ የብልካን።

ኣበል፦ ስንክልናኻ ካብ 74 ክሳብ 99% እንተኾይኑን ልዕሊ 18 ዓመት እንተኾንካን

 ኣታዊካ ድማ ልዕሊ ኣስታት 5,400 እንተዘይኮይኑ።

ተወሳኪ ምስኡ ዝኸይድ ኣበል፤ ዕድመ ወይ ኣታዊ ዕድመ ወይ ኣታዊ ብዘየገድስ፡ ብናጻ ክትከይድ እንተዘይክኢልካ ወይ ቀጻሊ ሓገዝ ምስ እትደሊ ይኽፈልካ። ዋላ ምሉእ ብምሉእ ዓይነ ስዉር እንተኾንካ እዩ ዝወሃብ።

ናይ ተሳትፎ ኣበል፤ ትሕቲ ዕድመ ስንኩላን  ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ማእከላት ተሃድሶ( ክሳብ ትሓዊ ትሕከመሉ ክፍሊ)  ንዝመሃሩ ዝወሃብ እዩ።

 

ብዛዕባ ስንክልና  ሕጊ 104/1992 እንተኾይኑ፡ እቲ ኩነታት ክብደቱ ኣፍልጦ እንተተዋሂብዎ፡ ዝተፈላለየ ሕድገታት ክግበር ይክእል እዩ።

  • እቲ ዝምልከቶ ኣካል ትሕቲ ዕድመ እንተኾይኑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ደገፍ ናይ ምሕታት ተኽእሎ ይኸፍት፤
  • ናይ ስራሕ ቦታ ምቹእነት የፍቅድ ( ፍቃድ ፣ ካብ ስራሕ ጠጠው ምባል፣ ካብ ናይ  ለይቲ ስራሕ ነጻ ሙኻን)
  • ገለ ምጉዳል ግብሪ ናይ ምሕታትን ምርካብን ተኽእሎ ይኸፍት (ወጻኢታት ጥዕና፣ ሓገዛት፣ ረዲኤት ፣ መካይን)።

 ክብደት ዘለዎ ኩነታት ስንክልና  ኣፍልጦ ዝተዋህበ ( recognition )፣ ብማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይተን ቀበሌታት ኣብ ግምት ብምእታው  ፍሉይ  ደገፍን ሓገዝን ንምንቅስቓስ ይግበር።

ኣገደስቲ ሰነዳት

ትምህርቲ፡ ከመይ ጌርና ንሲቪላዊ ስንክልና ዝኸውን ሕክምናዊ ሰነዳት ነተሓሕዝ ትምህርቲ።
ሰነዳት ጥዕና ንምትሕሓዝ ኣብዚ ጠውቑ

NABILA è un Help Desk per cittadini migranti con disabilità e vulnerabilità che assicura assistenza socio legale, mediazione linguistica e orientamento ai servizi sul territorio nazionale.

Attraverso la linea telefonica gratuita 800 999 977, NABILA fornisce:

  • Ascolto e supporto da remoto
  • Orientamento ai servizi sul territorio grazie a JUMA MAP
  • Possibilità di richiedere appuntamenti in presenza (nella sede dell’Ufficio Immigrazione di ARCI Nazionale)

JumaMap እንታይ እዩ?

JumaMap – Services for Refugees እዚ ካርታ ብኽንዲ ኣብ ዝቐረብዎ ቦታ ዘሎ ጠቃሚ ኣገልግሎታት ብቐጥታ ክትረኽቡ ተዘጋጅቶ እዩ።
ኣብዚ ቦታ ትኽእል ትርከብ ቦታ ምምፃእ፣ ምብላዕ፣ ጣሊያንኛ ምምሃር፣ እንተኾይኑ ድጋፍ ጤናዊ፣ ሕጊዊ ወይ ስነ–ጸባይ ምቕራብ፣ እንታይ ኣብ ዝሓለፈ ንሰባት ምዕራፍ ዘለዉ ምጽዋዕ ዘለዉ ኣገልግሎታትን ምፍላጥ ትኽእል።

እዚ ፕላትፎርም ብ17 ቋንቋታት ይቐርባ።
ቋንቋ ካብ ላዕሊ ሜኑ ትቕይር ትኽእል። ቋንቋታት፦
ኣልባኒያ፣ ኣማርኛ፣ ዓረብኛ፣ በንጋሊ፣ ቻይንኛ፣ ዳሪ፣ ፋርሲ፣ ፍራንሳይ፣ እንግሊዝኛ፣ ፓሽቱ፣ ፕንጃቢ፣ ራሺያን፣ ሶማልኛ፣ ስፓኒሽ፣ ትግርኛ፣ ዩክሬንኛ፣ ኡርዱ፣ ዎሎፍ።

ሓበሬታ JumaMap ካብ ስልኪኻ እንኳ ትመልከት ትኽእል። ና ድሕሪት www.jumamap.it

ዋልከም ሰንተር (Welcome Center)

እንተ ሓገዝ ብግልጋሎት ትደሊ ትኽእልካ ብቀረባዊ ትመጽእ ናብ Welcome Center፦

ሰኑይ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣቀናብሪ

ሰሉስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ስነ–ጸባይ ድጋፍ (18–26 ዓመት)
14:00 – 17:00 — ጽሕፈት ድጋፍ ጤና
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ሕጊ

ረቡዕ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ሓሙስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ሕጊ (18–26 ዓመት)
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ዓርቢ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
16:30 – 19:30 — ጽሕፈት ሕጊ

ዲጂታል ድጋፍ

ሰሉስ 9:30 – 14:00
ረቡዕ 10:00 – 15:00
ሓሙስ 9:30 – 16:30

ለመፍለጥ ጥዕና ኣብ ስልኪ ነጻ ቁጥር ለመጻእነትን ለስደተኛታትን

ንሓበሬታ እና ስልኪ ድጋፍ ይደውሉ ናብ ነጻ ቁጥር Arci ንመጻእነትን ንስደተኛታትን፦
800 905 570 (ካብ ጣሊያን)
+39 351 1376335 (WhatsApp፣ Lycamobile እና ካብ ደገ ሃገር)

ይመልስ ሰኑይ–ዓርቢ 9:30–17:00።
መልሲ ብብዙሕ ቋንቋታት እዩ ዘለዎ እና መተርጎምቲ ብ35 ቋንቋታት ይመልሱ።
ኢሜይል ትርከብ ትኽእል፦ numeroverderifugiati@arci.it

ነጻ ቁጥር ንሰባት ዘለዎም ኣካል ጉዳት ዝሰለዉ መዕረፍ ንስደተኛታት

NABILA ንስደተኛታትን ንመጻእነትን ኣካላዊ ጉዳት ወይ ካልእ ድኹምነት ዘለዎም ንሰባት ምስማዕ፣ ድጋፍን ምኽሪን ዝሃብ ኣገልግሎት እዩ።
ብነጻ ቁጥር 800 999 977 ትደውሉ ትኽእል።
እንተ ብቀረባዊ ምናገር ትደሊ ትኽእል ክትሕረት ኣብ ቢሮ ኢሚግሬሽን Arci Nazionale፣
Via dei Monti di Pietralata 16 – Rome.

ቦታ ምስማዕ ንንኡስናን ንወጻኢ ስደተኛታት

U-Report On The Move ደሓን ዘለዎ ቦታ እዩ ፣ እቲ ኣብዚ ክትተወክራ ትኽእል ናይ ሕጊ ድጋፍ፣ እንተዘይኮነ ናይ ስሜትኻ፣ ናይ ጸገምኻን ናይ ጭንቀትኻን ናይ ትሕዝቶ ነገር ብደሓን ክትነግር ትኽእል።
ባለሙያ ይሰማካ እና ኣብ ሓቂ ድጋፍኻ ክትረኽብ ይሕግዘካ።
ኣገልግሎቱ ሰኑይ–ዓርቢ 9:00–18:00 ይሰርሕ።

ክትጠቀም እንተደሊኻ፣ መልእኽቲ ብ Facebook Messenger ናብ U-Report On The Move ይላእ።
ናይ ስነ–ጸባይ ባለሙያት መልእኽት ይመልሱ እና ዝተስተኻኽሉ ድጋፍ ይሃብዎ።