FAQ - Frequently Asked Questions​

በይኑ ዝመጽእ ወዲ ወጻኢ ዜጋ ማለት (MSNA) በዘይ ወለዱ ወይ ካሊእ ሕጋዊ ሓላፍነት ክወስደሉ ዝኽእል ምስኡ ዘይብሉ ንዓዲ ጥልያን ዝኣቱ ሰብ እዩ። በይንኻ ዝመጻኻ ንኣካለ መጠን ዘይበጸሐ ወዲ ወጻኢ ዜጋ እንተኾንካ ኣብ ጠረፍ ምስበጻሕካ ክመልሱኻ ከምዘይክእሉን ካብ ግዝኣት ጥልያን ከባርሩኻ ከምዘይክእሉን ሕጎም ይድንግግ። ብተወሳኺ ኣብ ዓዲ ጥልያን ምስ ኣተኻ ኣብ ማእከል መዕረፊ ኣጋይሽ ንከዕቁቡካ ወይ ንከጋይሹኻ መሰል ኣለካ። ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ምርካብን ቤት ትምህርቲ ምኻድን ትኽእል።

ብባሕሪ ወይ ብመሬት ዓዲ ጥልያን ምስ ኣተኻ፡ ፖሊስ መንነትካን ዕድሜኻን የጻሪዩ። መንነትካ ከረጋግጹ ከለዉ ተርጓሚ ክህልወካ መሰልካ እዩ። ዝኾነ ሰነድ እንተለካ ( ፓስፖርት፣ ታሴራ፣ ናይ ትምህርቲ ባጀላ፣ ናይ ዝተወለድካሉ ምስክር ወረቐት ወይ ካሊእ )፡ ዋላ እውን ዝወደቐ ይኹን ክልእኩልካ ምስ ዝኽእሉ ሰባት ርክብ ግበር፡ ናይ መንነትካን ናይ ዕድመኻን መረጋገጺ ይኾኑኻ። መንነትካ ኣብ ዘረጋግጹሉ ግዜ ፓስፖርትኻ ክወስድዎ ይኽእሉ። ቅድሚ ምውሳዶም ስእሊ ወይ ፎቶኮፒ ምሓዝካ ኣረጋግጽ።

ምስቶም ናይ መቐበሊ ኣጋይሽ ኦፐሬተራትን ተርጓምን ኣብ ዘለዎ ንቃለ መሕትት ትሳተፍ። እዚ ቃለ መሕትት ናትካ ሓበሬታ (ኢንፎርሜሽን) ንምእካብን ( ዓድኻ ፣ ዕድመኻ ፣ ስድራ ፣ ናይ ጥዕና ኩነታት ወዘተ …) ምፍላጥን፡ ንዘድልዩኻ ነገር ከማልኡልካ ዕድል ይፈጥር። 

ምርመራኦም ንኣካለመጠን ከምዘይበጻሕካ ዘርኢ እንተኾይኑ፣ ንኣካለ መጠን ዘይበጸመ ወዲ ወጻኢ ዜጋ ተባሂልካ (MSNA) ናብ ቤት ፍርዲ ረፖርት ምስ ገበሩ ሞግዚት ወይ ቱቶር ይግበረላካ።

እቲ ሞግዚት ካብቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ወጻኢ ኮይኑ ብቤት ፍርዲ ዝሽየም ሰብ እዩ። እቲ ሞግዚት ብሕጊ ንዓኻ ወኪሉ ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣብ እትወሃሃደሉ ግዜ ብሕጊ ንዝሕተቱ ሓደ ሓደ ኣድለይቲ ነገራት ይሕግዘካ።
አስተውዕል፡ ሞግዚት ክህልወካ መሰልካ እዩ። ንዕኡ ሙሻም ድማ ናይ መንግስቲ ጥልያን ግዴታ እዩ፥ ብሕጊ መሰረት እቲ ቤት ፍርዲ ሞግዚት ክሳብ ዝሾመልካ፡ ኣብ ክንድኡ ናቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ሓላፊ ሓላፍነት ይወስደልካ፡፡

ምስቶም ናይ መቐበል ኣጋይሽ ኦፐሬተራትን ቱቶርካን ብሙኳንዝተፈላለዩ መንገድታት ክትግምግም ትኽእል፦

  • ንኣካለመጠን ዘይበጽሑ ቆልዑ ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ ምሕታት፥
  • ንናይ ዓለም ለኻዊ ናይ ዑቕባ ሓለዋ ሕቶ ምቕራብ፥
  • ንናይ ማሕበራዊ ሓለዋ ዝወሃብ ፍቓድ ምሕታት፥ 
  • ብቤተሰብ ወይ ብዘዕብዩ ምኽንያት ናይ መንበሪ ፍቓድ ምሕታት።

ንኣካለ መጠን ዘይበጽሑ ዝወሃብ ናይ መበሪ ፍቓድ ዝረኽቡ ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ሙዃኖም ክረጋገጽ ከሎ እዩ። 

እቲ ሕቶ ብቐጥታ ካብቲ ንኣካለ መጠን ዘይበጽሐ መንእሰይ ናብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ወይ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ጉዳዮም ምስ ሞግዚቶም ወይ ናይቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ኣማሓዳሪ ኮይኖም ከቕርቡ ኣለዎም። እቲ መንበሪ ፍቓድ ክሳብ ልዕሊ ዕድመ ትኸውን ይሰርሕ።

ዓለም ለኻዊ ናይ ዑቕባ ሕቶ ዘቕርቡ ኣብ ዓዶም ውግእ፣ ስደት፣ ስቓይ፣ ጥፍኣት ወይ ካሊእ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ንዝፈርሑ ትሕቲ ዕድመ ይሕሉ፡፡ 

ኣብዚ ኣካይዳ ንዓኻ ዝሕግዝ ሞግዚት ወይ ቱቶር ኣብዘለዎ ፡ ኣብ ናይ ፖሊስ ቤት ጽሕፈት ዓለም ለኻዊ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ከተመልክት ትኽእል፡፡ ሕቶኻ ናብቲ ዝምርምር ናይ ዞባ ኮሚሽን (CT) ይቐርብ። ደሓር እቲ ኮሚሽን ዝህበካ መልሲ፤ ዓለም ለኻዊ ናይ ዑቕባ ወረቐት (ስታቱስ ዲ ሪፉጃቶ) ፣ ንኡስ ሓለዋ (ፕሮተስዮነ ሱሲድያርያ) ወይ ድማ ፍሉይ ሓለዋ (ፕሮተስዮነ ስፐቻለ) ዝብል እዩ። እዚ ኣሰራርሓ ኣዋርሕ ክወስድ ዝኽእል እዩ።

ናይ ማሕበራዊ ሓለዋ መንበሪ ፍቓድ ንኣካለ መጠን ዘይበጽሑ መናእሰይ ዝወሃብ ፡ ካብ ናእሽቱ መጥቃዕትታት ወይ ከም ናይ ዝሙት ብዝበዛ ፣ ባርነት ፣ ካብ ሕጊ ወጻኢ ናይ ደቂ ሰባት ዝውውርን ወሲባዊ መጥቃዕትን  ይሕልዎም። ሕቶኻ  ኣብ ቅድሚ ሞግዚትካ ወይ ቱቶርካ  ንፖሊስ ከተቕርብ ትኽእል። ናይ ፖሊስ ቤት ጽሕፈት ሓቂ ሙዃኑ ምስ ኣረጋገጸ፡ ናይ 6 ወርሒ መንበሪ ፍቓድ ክህብ ከሎ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ምሕዳስ ዕድል እውን ይህልዎ።

ብቤተሰብ ምኽንያት መንበሪ ፍቓድ ዝረኽቡ ኣካለ መጠን ዘይበጽሑ ቆልዑ ፦     

  •     ምስ ዘዕብዮ ብሕጋዊ መንገዲ ሓቢሩ ንምንባር፡ ንጣልያናዊ ዜጋ ወይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎ ወዲ ወጻኢ ዜጋ  ብሞግዚትነት ሓቢሩ ክነብር ይወሃብ
  •   ብሓደራ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ንዘሎ ቤተሰብ ክነብር ብሃደራ ይወሃብ (ሓው ፣ ሓፍቲ ፣ ኣቦሓጎ/እኖሓጎ ፣ ሓውቦ/ኣኮ ፣ ኣሞ/ሓትኖ ፣ ደቂ ሓውቦ/ኣኮ)።  

እዚ ምርጫ ምስቲ ንኣካለ መጠን ዘይበጽሐ ቆልዓ ሓቢርካ ብጥንቃቐ ብምግምጋም ከም ክሎም መንበሪ ፍቓዳት ናብ ናይ ፖሊስ ቤት ጽሕፈት ክቐርብ ኣለዎ።

ዓሰርተ ሾሞንተ ዓመቱት ምስ መለአ ፡ ኣካለ መጠን ዘይበጽሐ ዝብል ዝተወሃቦ ኣፍልጥ መንበሪ ይቋረጽ። ምስ ሞግዚትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብሙዃን ዕድሚኡ 18 ከይመልአ ክልተ ኣማራጺታት ይግምገሙ ፦ 

  • እቲ ንኣካለ መጠን ዝበጽሐ መንእሰይ ንናብርኡ ናይ ምውሓድ ከይዲ ንውሕ ዝበለ ሓገዝ የድዮ እዩ ተባሂሉ ምስ ዝሕሰብ እቲ ናይ ምሕደራ ቀጻልነት ክሳብ 21 ዓመቱ ክናወሓሉ ይኽእል፡፡ 
  • ንኣካለ መጠን ዘይበጽሑ ቆልዑ ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ ምስተወደአ ፡ ብትምህርቲ ፣ ብስራሕ ወይ ስራሕ ንምርካብ ብምጥብባቕ ምኽንያት ብዝብል መንበሪ ፍቓድ ይቕየረሉ። ነዚ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከምዝሳተፍ ወይ ስራሕ ንምድላይ ከምተመዝገብ ዘረጋግጽ ደጋፊ ሰነዳት ከቕርብ ኣድላዪ ይኸውን።

እወ ኣብ ካሊእ ናይ ኣውሮጳ ግዝኣት ምስ ዘሎ ቤተሰብካ ክትተኣኻኸብ ትኽእል። ኣብ ናይ ቤተሰብ ምትእኽኻብ መስርሕ፡ ቱቶርካን ናይቲ ትነብረሉ ማእከል ኦፐሬተራትን ይሕግዙኻ። ነዚ ንምፍጻም ዝተወሰኑ ሰነዳት ናብ ናይ ፖሊስ ቤት ጽሕፈት ምእታውን ምስቲ ቤተሰብካ እንታይ ዓይነት ዝምድና ከምዘለካን ንክሕዘካ ዘለዎ ክእለትን ምርግጋጽ የድሊ ፡፡

እወ ፡ ክትመሃር መሰል ኣለካ። ንኽትምዝገብ ሞግዚትካ ወይ ናይቲ ትነብረሉ ምእከል ኣማሓዳሪ ይሕግዙኻ።

እወ ፡ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። እቲ ቱቶርካ ኣብቲ ዞባኻ ናብዘሎ ሃገራዊ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ከመዝግበካ ኣለዎ፡፡  

ሓድሽ ብሙኻንካ ዘይተመዝገብካ እንተኾካ እውን በትናይ ዞባ ኮድ ካርድ STP (Straniero Temporaneamente Presente) ብምሃብ ናይ ጥዕናካ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ፡፡ ኣብዚ መርበብ www.jumamap.it/map ንዓኻ ቀረባ ዝኾነ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ክትረክብ ትኽእል፡

ዑቕባ ንዝሓቱን ንዑቑባትን በዘይ ክፍሊት ነጻ ቁጽሪ – Numero verde (አርቺ ፡ ብ ዩኤንኤችሲአር ድጋፍ – Arci – con il supporto di Unhcr)

Numero verde  ኣብ ዓዲ ጥልያን ነጻ ናይ ሕግን ምኽርን፡ ካብ 35 ንላዕሊ ዝተፈላለይ  ቋንቋታት ብምቱርጓም  ኣገልግሎት ይህብ። ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 9:30 ክሳብ 17:30 ኣገልግሎት ይህብ።
ነፃ ቁጥሪ: 800 90 55 70
ንላይካ ሞባይል: 351 1 37 63 35  

 

Helpline Minori Migranti (Save the Children) ሄልፕላይን ሚኖሪ ሚግራንቲ (ሰይቭ ቺልድረን)
ነጻ ናይ ስልኪ ኣገልግሎት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ፡ ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት ፲።00 ክሳብ ሰዓት ፩፯።00
ነፃ ቁጥሪ: 800 14 10 16 
ንላይካ ሞባይል: 351 2 20 20 16 

 

Miniila App (Missing Children Europe) – ሚኒላ ኣፕ (ሚሲንግ ቺልድረን ኣኡሮፓ)
ንትሕቲ ዕድመ ዝኮኑ መንእሰያት ኣድለይቲ ሓበሬታ ዝህብ ንዝማርትፎን ዝኸውን ኣፕሊኼሽን እዩ። እዚ ዝተገበርሉ ምኽን ያት ድማ ነድለይቲ ሓበሬታታት ብቀሊሉ ንምርካብ ከም ሆስፒታል ፣ ምግቢ ዝብልዓሉን ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ናይ ሕክምና ኣገልግሎታት ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት ይህብ።
ኣፕሊኬሽን ንምውራድ: https://miniila.com/ 

 

U-Report on the Move  –  ሬፖርት ኦን ሙቭ (Arci – con il supporto di Unicef –  አርቺ ዩኒሴፍ ድጋፍ
ኣብ ዓዲ ጥልያን ንኣካለ መጠን ዘይበጽሑ ቆልዑን መናእሰያትን ከገልግል ዝተቐረበ መድረኽ ወይ ፕላትፎርም ኮይኑ ሓበሬታታትን ናይ ሕጊ ድጋፍን ምሕደራን ፣ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ኣገልግሎታት ሓበሬታ ፣ ናይ ስነ ልቦና ሓገዝን (ናይ ስነ ልቦና ሰብ ሞያታትን ሓኻይምን ቦታ ዝህብ ወይ ዝሰምዕ) እዩ ።
ንዓና ንምዝርራብ: http://bit.ly/messageUROTM

 

JumaMap – Services for Refugees ጁማ ማፕ ሰርቪስስ ፎር ረፍዩጅስ (አርቺ ፡ብዩኤንኤችሲአር ድጋፍ – Arci – con il supporto di Unhcr)
ንስደተኛታት፣ ንሓተትቲ ዑቕባን ዑቑባትን ብቡዙሕ ቋንቋታት ናይ ሕጊ፣ ሕክምና፣ ናይ ስነ ልቦና፣ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ፣ ጸረ ሁውከት ማእከላት፣ ንስንኩላት ኣገልግሎት ናይ ስራሕ ምኽርን ምግቢ ዝብልዓሉን ዝከፋፈለሉን ኣገልግሎት ዝህብ ማፕ እዩ፡፡
https://www.jumamap.it/map/

 

ካልኦት ጠቀምቲ መራኸቢታት:

Telefono azzurro – ቴሌፎኖ አዙሮ
114 Emergenza Infanzia ማለት ኩሉ ሰብ፡ ንሕጻናትን ንመናእሰይን ሓደጋ ኣብ ዘጋጥም ግዜ ክድውሉ ንዝደልዩ ናይ ህጹጽ መጸውዒ ኣገልግሎት እዩ። እዚ ኣገልግሎት ን 24 ሰዓታት ክፉት ኮይኑ ኣብ ሶሙን ን 7 መዓልቲ ይሰርሕ።   
ናይ ሓደጋ ጊዜ ቁጥር: 114
ናይ መስምዒ መስመር: 1 96 96

 

ንዝጠፍኡ ሕጻናት ቀጥታ ናይ ቴሌፎን መስመር 
116000 እዚ ቁጽሪ ሕጻናትን መንእሰያትን እንተጠፊኦም ተመልክትሉ ነጻ ናይ ቴሌፎን መስመር እዩ። ኣብዚ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ን 24 ስዓታት ኣገልግሎት ብምሃብ ኣመልከትቲ ዝሃቡዎ ጻውዒታት ብምእካብ ናብ ፖሊስ የመሓላልፍዎ። ተረኺቡ ወይ ሪኢናዮ ኢልካ ምድዋል እውን ይከኣል እዩ።

Minori stranieri non accompagnati