Categories
Asilo e immigrazione Evidenza

ናይ ዶብ ቅልጡፍ ስነ-ስርዓት

ናይ ዶብ ቅልጡፍ ስነ-ስርዓት ኣብ ዶብ ዝቐርቡ ሕቶታት ዓለም ለኻዊ ሓለዋ (ዑቕባ) ንምምርማር ዝጥቀሙሉ መስርሕ እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ ደረጃታት እቲ ሕቶ፣ ከተኽብሮም ዘለካ ናይ ግዜ ገደባት፣ ከምኡ’ውን መሰላትካን ግዴታታትካን ሓበሬታ ትረክብ። እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ንምፍላጥ፣ ቆጸራታት ንኸይተምልጥ እና ናይ ግዜ ገደባት ንምኽባር፣ ነዞም ደረጃታት ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ብዙሕ ግዜ ዝቐርቡ ሕቶታት – ናይ ዶብ ቅልጡፍ ስነ-ስርዓት

3 ደረጃታት፦

1. ሕቶ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ናይ ምቕራብ ድሌትካ ምግላጽ

ኣብ ዝኾነ ግዜ ሕቶ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ከተቕርብ ድሌት ከም ዘለካ ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ።

ብኣቆጻጽራ ጎርጎርዮሳውያን፣ ካብ 12 ሰነ (June) 2026 ክሳብ 31 ጥቅምቲ (October) 2026፣ እቲ ናይ ድሌትካ መግለጺ ንምቕባል ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ኩዌስቱራ (Questure) ከምኡ’ውን ኣብያተ ጽሕፈት ፖሊስ ዶብ (Uffici della Polizia di Frontiera) እዮም።

2. ምዝገባ ሕቶ

ካብቲ ሕቶ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ከተቕርብ ድሌት ከም ዘለካ ዝገለጽካሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት፣ ሕቶኻ ክምዝገብ ኣለዎ።

ኣብዚ ደረጃ እዚ፣ ፎቶኻን ኣሰር ኣጻብዕካን ኣብ ስርዓት Eurodac ክምዝገቡ እዮም። ብተወሳኺ ድማ ስምካ ዝተጻሕፈሉ ሰነድ ክወሃበካ እዩ። እቲ ሰነድ ፍሉይ ናይ መንነት ኮድን ዕለት ምዝገባን ዝሓዘ ክኸውን እዩ።

3. ሕቶኻ ብወግዒ ምምላእ (Formalizzazione della domanda)

ካብቲ ሕቶኻ ዝተመዝገበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት፣ ሕቶኻ ብወግዒ ክምላእ ኣለዎ።

ንሕቶኻ ናይ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ንምድጋፍ ዝጠቕሙ ኩሎም ሰነዳት፣ እንተሃልዮም፣ ክትእክብ ኣለካ።

ሕቶኻ ብወግዒ ምስ ተመልአ፣ ሓደ ሰነድ ክወሃበካ እዩ (ቀደም ንሕቶ ዑቕባ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ወረቐት ፍቓድ መንበሪ)።

ኣገዳሲ

  • ኣብቲ ድሕሪ ምብጻሕካ ብቕጽበት ዝግበረልካ መስርሕ መርመራ (screening)፣ ኩሎም ናይ ጥዕና ድሌታትካን ፍሉያት ድሌታትካን ክትገልጽ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ኩነታት ተጋላጽነት (vulnerabilità) ዝተዳለዉ ሓለዋታት ንምርካብ ይሕግዝ፣ ንኣብነት፦ ጥንሲ፣ ግዳያት ንግዲ ሰባት፣ ግዳያት ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ዓመጽ፣ ዝኾነ ዓይነት ኣካላዊ እና/ወይ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ወዘተ።
  • ንምሉእ ግዜ ናይ ስነ-ስርዓት ዶብ፣ ሕጊ ናብ ግዝኣት ኢጣልያ ንምእታው ገና ፍቓድ ከም ዘይረኸብካ ይቖጽረካ። ካብቲ ንኣቀባብላኻ ዝተመደበ ቦታ ክትወጽእ ኣይትኽእልን (ብሕጊ ገና ናብ ሃገር ከም ዘይኣተኻ ይቑጸር)።
  • ኣብ መላእ ግዜ ናይቲ ስነ-ስርዓት፣ ኣብቲ ዝተመደበልካ ማእከል ኣቀባብላ ክትነብር ፍቓድ ክወሃበካ እዩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ውሳነ ካብ ፕረፈቶ (Prefetto) ክትቅበል ኢኻ፣ እቲ ውሳነ ድማ እንታይ ግዴታታት ከም ዘለዉኻ ክገልጽ እዩ። ኩሉ ግዜ ደንቢ ናይቲ ማእከል ክትከተል ኣለካ።
  • ኣብ ገለ ኩነታት፣ ኣብ ግዜ ናይቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ከባቢ ዶብ ወይ ንማእሰርቲ ዝተዳለወ ማእከል ተኣሲርካ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።
  • ናይ ዶብ ስነ-ስርዓት ካብቲ ሕቶ ዝተመዝገበሉ ዕለት ጀሚሩ እንተበዝሐ 12 ሰሙን ክቕጽል ይኽእል።
  • እተን 12 ሰሙናት እዚ ዝስዕብ ዘጠቓልላ እየን፦ ሕቶኻ ብወግዒ ምምላእ፣ ቃለ መሕትትን ውሳነ ናይ ከባቢ ኮሚሽን (Commissione Territoriale)፣ እንተሃልዩ ይግባይ፣ ከምኡ’ውን ውሳነ ብዛዕባ መሰረታዊ ጉዳይ እቲ ይግባይን ኣፈጻጽማ እቲ ውሳነ ንግዚኡ ንምድስካል ዝቐረበ ሕቶን።
  • እቲ ናይ ዶብ ስነ-ስርዓት ኣብ ውሽጢ 12 ሰሙን እንተዘይተወዲኡ፣ ናብ ስሩዕ ስነ-ስርዓት (procedura ordinaria) ትኣቱ እሞ ናብ ሃገራዊ ግዝኣት ንምእታው መሰል ይህልወካ።
  • ኣንጻር ውሳነ ናይ ከባቢ ኮሚሽን (Commissione Territoriale) ይግባይ ከተቕርብ እንተደሊኻ፣ ካብቲ ውሳነ ዝተሓበረካሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ክትገብሮ ኣለካ። ይግባይ ኣፈጻጽማ ናይቲ ዝተቓወምካዮ ውሳነ ብኣውቶማቲክ ኣየቋርጾን። ስለዚ፣ ሕቶኻ እንተተነጺጉ እሞ ይግባይ እንተቕሪብካ፣ ጠበቓኻ ኣፈጻጽማ ናይቲ ኣሉታዊ ውሳነ ንግዚኡ ክድስክል እውን ክሓትት ኣለዎ፤ እንተዘይኮይኑ ግን ናብ ሃገርካ ክትምለስ ትኽእል ኢኻ።
  • ስነ-ስርዓት ምምላስ (rimpatrio)፣ ካብቲ ኣሉታዊ ውሳነ ናይ ከባቢ ኮሚሽን ዝተሓበረካሉ ወይ ድማ ቤት ፍርዲ ይግባይካ ከም ዘይተቐበሎ ዝተሓበረካሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 12 ሰሙን ክፍጸም ኣለዎ።
  • እቲ ናይ ምምላስ ስነ-ስርዓት ኣብ ውሽጢ 12 ሰሙን እንተዘይተፈጺሙ፣ ናይ ምስጓግ ውሳነ (decreto di espulsione) ክወሃበካ እዩ።
Categories
aiuti sociali Evidenza

ካርዲ ስንክልና (Disability Card): ምንቅስቓስን ምብጻሕ ኣገልግሎታትን ዝቐልል መሳርሒ

ስንክልና እንተ ተኣሚኑልካ፣ ናይ Disability Card (ካርድ ስንክልና) ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል።

 

Disability Card ንሰባት ስንኩላን ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብቐሊሉ ንክንቀሳቐሱን፣ ከምቲ ኣብቲ ሃገር ዝነብሩ ሰባት ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣገልግሎታት፣ ምቕላላት፣ ባህላዊ ንጥፈታት፣ ስፖርታዊ ትካላት፣ መጓዓዝያን ንስንኩላን ዝተመደበ መዐሸጊ መኪናን ክረኽቡ ዝሕግዝ እዩ።

 

 

 

ካብቶም መሰል ዘለዎም ሰባት፦

 

  • 67% ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝተረጋገጸ ሲቪላዊ ስንክልና ዘለዎም፤
  • ብመሰረት ሕጊ 104 (ዓንቀጽ 3፣ ንኡስ ዓንቀጽ 3) ከቢድ ስንክልና ዝተኣመነሎም፤
  • ናይ ምክትታል ትምህርቲ (Indennità di frequenza) ዝቕበሉ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ፤
  • ናይ ሓገዝ ምስናይ (Indennità di accompagnamento) ዝቕበሉ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ።

 

 

 

 

ካልኦት ጉጅለታት ሰባት ስንኩላን እውን ነዛ ካርድ ክሓቱ ይኽእሉ። ምሉእ ዝርዝር ናይቶም ተጠቀምቲ ኣብ መምርሒ Anffas Nazionale ብዛዕባ ምርግጋጽ ስንክልናን Disability Cardን ኣብ ገጽ 51 (እውን ብPDF ቅርጺ ዝርከብ) ክትረኽቦ ትኽእል።

 

 

INPS ኣብ ናቱ ማህደራት ዘሎ ሓበሬታ ተመርኲሱ፣ እቲ ሰብ ነቲ ዘድሊ መስፈርታት የማልእ እንተ ኾይኑ ብኣውቶማቲክ የረጋ (ካርድ ስንክልና) ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል።

 

 

 

 

 

 

ብዛዕባ ምርግጋጽ ኩነታት ስንክልናን ተዛማዲ ምስክር ወረቓቕትን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ነዘን ዝስዕባ ብዙሕ ግዜ ዝሕተታ ሕቶታት (FAQ) ተመልከቱ፦

 

 

 

ካርድ ስንክልና (ወይ ኣውሮጳዊት ካርድ ስንክልና) ንምሕያው ምስታፍ ሰባት ስንኩላን ኣብ ማሕበረሰብ፣ ንምዕባይ ርእሰ-ምምሕዳርኦምን ንምቕላል ምብጻሕ ኣገልግሎታትን ዝተዳለወት ካርድ እያ።

እዛ ካርድ ኣካል ናይቲ ኣብ ደረጃ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተጀመረ ተበግሶ ኮይና፣ ሰባት ስንኩላን ኣብ ካልእ ሃገር እውን ኩነታቶም ንኽፍለጥን ንኣገልግሎታት፣ ምቕላላትን ፍሉይ ኣተሓሕዛን ብቐሊሉ ክረኽቡ ይሕግዝ።

 

Disability Card እቲ ስንክልና ብስልጣን ዘለወን ህዝባዊ ትካላት ብወግዒ ከም ዝተረጋገጸ ዘረጋግጽ ሰነድ እዩ። ይኹን እምበር፣ መንነት ዘረጋግጽ ሰነድ

(ከም ካርድ መንነት ወይ ፓስፖርት) ኣይትክእን።

…መንነት ዘረጋግጽ ሰነድ ኣይኮነን። ስለዚ፣ ኩሉ ግዜ ምስ ሓደ ዋጋ ዘለዎ ሰነድ መንነት (ንዜጋታት ወጻኢ ሃገር፣ ዋጋ ዘለዎ Permesso di Soggiorno ወይ ድማ ናይ ምሕዳስ መቐበሊ ሰነድ) ብሓባር ክትቀርብ ኣለዋ።

 

እቲ ብዛዕባ ኩነታት ስንክልና ዝምልከት ሓበሬታ፣ ኣብ ድሕሪት እታ ካርድ ዝርከብ QR Code ውሽጢ ይርከብ። እቲ QR Code ነቲ ዋና ካርድ ስንኩል ምዃኑ ጥራይ ንምርግጋጽ ይጥቀም፣ ሕግታት ምሕላው ውልቃዊ ሓበሬታ (privacy) እውን ይኽተል።

 

ኣብ ቅድሚት እታ ካርድ ድማ፣ እቲ ሰብ ተሰናዪ ወይ ዝለዓለ ደረጃ ደገፍ ከም ዘድልዮ እንተ ተኣሚኑሉ፣ ፍሉይ ምልክት ይርአ።

ኩነታት እቲ ሰብ ኣብ ግዜ እንተ ተቐይሩ፣ ብሰንኪ እዚ ጥራይ ሓዲሽ Disability Card ምሕታት ኣየድልን። ምኽንያቱ፣ ኣብ QR Code ዘሎ ሓበሬታ ብመሰረት እቲ INPS ዘመዝገቦ ሓበሬታ ብኣውቶማቲክ ይሕደስ።

 

ይኹን እምበር፣ ብድሕሪኡ ተሰናዪ ወይ ዝለዓለ ደረጃ ደገፍ ከም ዘድሊ እንተ ተኣሚኑ፣ እቲ ሓበሬታ ኣብ ቅድሚት እታ ካርድ እውን ንኽርአ ሓዲሽ Disability Card ምሕታት የድሊ።

 

 

ካርድ ስንክልና ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ክትጥቀመሉ ትኽእል፦

 

 

  • ኣብ ጣልያን፣ ኣብ ህዝባዊን ገለ ብሕታዊ

ትካላትን ኩነታት ስንክልናኻ ንምርግጋጽ።

 

 

ኣብ ጣልያን፣ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳራትን ህዝባዊ ቤት ጽሕፈታትን፣ ኣብ ክንዲ ናይ ወረቐት ሰነዳት (verbali) ብምቕራብ፣ ኩነታት ስንክልናኻ ንምርግጋጽ።

 

 

  • ኣብ ጣልያንን ኣብ ካልኦት እተን ኣውሮጳዊት Disability Card ዝቕበላ ሃገራትን (ሕጂ እዚኣተን ዝስዕባ ሃገራት፦ ቤልጅም፣ ቆጵሮስ፣ ኤስቶንያ፣ ፊንላንድ፣ ማልታ፣ ሮማንያን ስሎቬንያን)፣ ብመሰረት እቲ ኣብ እተን ሃገራት ዘሎ ስምምዓት፣ ኣገልግሎታት፣ ንጥፈታት፣ ኣቕሓትን ዝተፈላለዩ ምቕላላትን ንምርካብ።

 

ዝያዳ ናጽነት ኣብ ምንቅስቓስ

 

ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጥቕምታት Disability Card ምስ መጓዓዝያን ምንቅስቓስን ዝተሓሓዝ እዩ።

 

ኣብ ብዙሓት ከተማታት ጣልያን፣ እዛ ካርድ ኣብ ከባቢያዊ ህዝባዊ መጓዓዝያታት፣ ከም ኣውቶቡሳት፣ ሜትሮን ናይ ዞባ መስመራት ባቡራትን፣ ብመሰረት ሕግታትን ስርዓታትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ትካልን ኩባንያ መጓዓዝያን፣ ዋጋ ቅናሽ፣ ምቕላል ወይ ኣብ ገለ ኩነታት ካብ ክፍሊት ነጻ ምዃን ከተማቻችእ ትኽእል።

 

ካብቶም ዝያዳ ኣገደስቲ ምቕላላት ሓደ እቲ ብTrenitalia ዝቐርብ እዩ።

ዋኖት ናይ Disability Card ኣብ ቅድሚት እታ ካርድ ናይ ምስናይ ዘድሊ ምልክት (ፊደል “A”) ዘለዎም ሰባት፣ ብተወሳኺ ብቕናሽ ዋጋ ትኬት ክረኽቡ ዝኽእሉ ኮይኖም፣ ነቲ ዝስንዮም ሰብ ኣብ ምሉእ መሬት ጣልያን ብነጻ ክጓዓዝ ይኽእል።

እዚ ምቕላል ብመሰረት…

 

እዚ ምቕላል ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ዞባዊ ኣገልግሎታትን፣ ብመሰረት እቲ Trenitalia ዘቕረቦ ኩነታትን ሕግታትን ይፍቀድ።

 

እቶም ምቕላላት ከከም ዓይነት ባቡርን ከባቢን ክፈላለዩ ይኽእሉ። ስለዚ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ህዝባዊን ብሕታዊን ትካላት ዝፈረምዎም ስምምዓት (convenzioni) ኩሉ ግዜ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ።

 

ኣብ Valle d’Aosta ትርከብ እንተ ኾንካ፣ እዚ ገጽ ክጠቕመካ ይኽእል፦

 

Regione Autonoma Valle d’Aosta – Trasporti

 

 

ባህሊ፣ ስፖርትን ግዜ ምዝናይን

Disability Card ብተወሳኺ ኣብ ብዙሓት ቦታታትን ንጥፈታትን ባህሊ፣ ብነጻ ወይ ብቕናሽ ዋጋ ንምእታው የኽእል። ካብዚኣቶም ሙዚየማት፣ ቅርሳዊ ቦታታት፣ ቲያትራት፣ ምርኢታትን ካልኦት ፍጻመታትን ይርከቡ።

 

ብዙሓት ማእከላት ስፖርትን መዘናግዕን ምስቲ ዝተፈረመ ስምምዓት ብምስማር፣ ቅናሽ ዋጋን ካልእ ምቕላላትን ይህቡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘለዉ ንጡፋት ኣገልግሎታት ዝርዝር ንምርካብ፣ ኣብዚ ጠውቕ፦

 

https://disabilita.governo.it/it/carta-europea-disabilita-ced/dove-utilizzarla/

 

መመልከቲ ንምውጻእ ካርድ ስንክልና ናብ INPS ብዝተዳለወ ናይ ኦንላይን ኣገልግሎት ክቐርብ ኣለዎ።

 

(ናይ INPS ኦንላይን መድረኽ) ወይ ድማ ብመንገዲ እተን ንሰባት ስንኩላን ዝውክላ እሞ ነቲ ናይ ኦንላይን መስመር ንምጥቃም ፍቓድ ዝተዋህበን ማሕበራት ምቕራብ ይከኣል፦

 

 

ኣብ ጉዳይ ትሕቲ ዕድመ ቈልዓ፣ መመልከቲ ብእቲ ናይ ወላዲ ሓላፍነት ዝፍጽም ሰብ፣ ብሕጋዊ ሓላዊ (tutore legale) ወይ ድማ ብእቲ ኣብ ሓላፍነት ዝተቐበሎ ስድራ ቤት (እቲ ቈልዓ ኣብኡ ክጸንሕ እንከሎ) ክቐርብ ኣለዎ።

 

 

 

 

መመልከቲ ንምቕራብ ብሓፈሻ እዞም ዝስዕቡ ክህልዉ ይግባእ፦

 

 

  • ቀረባ ግዜ ዝተወስደ ናይ ፓስፖርት መጠን ስእሊ (fototessera)፤
  • ኣብ ሓደሽቲ ናይ ኮምፒዩተር ማህደራት ዘይርከቡ ካብ 2010 ቅድሚ ዝኾኑ ናይ ወረቐት ምስክር ሰነዳት (verbali)፤
  • ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነታት ወይ ካልእ ኩነታት ስንክልና ዘረጋግጽ ሰነድ።

 

 

INPS ኣብ ናቱ ማህደራት ዝርከብ ሓበሬታ ተጠቒሙ፣ እቲ ዘድሊ መስፈርታት እንተ ተማሊኡ ብኣውቶማቲክ የረጋግጽ።

ሓታቲ ምስ ተፈቕደሉ፣ እታ ካርድ ብIstituto Poligrafico e Zecca dello Stato ትዳሎ እሞ ናብ…

 

 

 

ብቐጥታ ናብ መንበሪ ገዛ ናይቲ መመልከቲ ዘቕረበ ሰብ ብመንገዲ Poste Italiane ይልኣኽ።

 

እቲ መስርሕ ካብቲ ምሉእ ሓበሬታን እቲ ዘድሊ ሰነዳትን ዝሓዘ መመልከቲ ዝቐረበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ክዛዘም ኣለዎ።

Disability Card ክሳብ 10 ዓመት ዝኸውን ናይ ግዜ ገደብ ኣለዋ። ይኹን እምበር፣ እቲ ናይ ጥዕና ኩነታት ዘድሊ መስፈርታት እንተ ተቐይሩ፣ INPS ቅድሚ እቲ ግዜ ምውዳኡ ክትምልሳ ይኽእል።

 

እታ ካርድ እንተ ጠፊኣ፣ እንተ ተሰቢራ ወይ እንተ ተሰሪቓ፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ INPS ሓዳስ ካርድ ንምሕታት ይከኣል። እዚ ሓድሽ ሕቶ ብኣውቶማቲክ ነታ ቀዳመይቲ ካርድ የሰርዛ።

 

እታ ካርድ እንተ ተሰሪቓ ወይ እንተ ጠፊኣ፣ እቲ ናብ ሓለዋ ሕጊ (Forze dell’ordine) ዝቐረበ ጥርዓን ወይ ሪፖርት ቅዳሕ እውን ምስ መመልከቲ ክተኣሳሰር ኣይትረስዕ።

ካብ ታሕሳስ 2024 ጀሚሩ፣ ካርድ ስንክልና  ኣብ ዲጂታላዊ ቅርጺ እውን ኣብ App IO፣ ኣብቲ ንውልቃዊ ሰነዳት ዝተዳለወ ክፍሊ፣ ክትርከብ ጀሚራ።

 

ነቲ ዲጂታላዊ ቅርጺ ንምጥቃም፣ እዞም ዝስዕቡ ክህልዉ ኣለዎም፦

 

ቀዲምካ ናይ ወረቐት (ፊዚካዊ)ካርድ ስንክልና  ይህልወካ፤

SPID ወይ ድማ Carta d’Identità Elettronica (CIE) ክህልወካ፤

App IO ኣብ መሳርሒኻ ተተኺላ ክትህሉ ኣለዋ።

 

 

እቲ ዲጂታላዊ ቅርጺ ከምቲ ኣብ ፊዚካዊት ካርድ ዘሎ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ይሓዝ፣ ብተወሳኺ ድማ ትኽክለኛነቱ ንምርግጋጽ ዘኽእል QR Code ሓቅነት ይሓዝ።

 

ዲጂታላዊት ካርድ ምስ ፊዚካዊት ካርድ ሓደ ዓይነት ዋጋ ኣለዋ፣ ግን ንፊዚካዊት ካርድ ኣይትትክእን። እታ ፊዚካዊት ካርድ ገና ኣላን ክትጥቀመላን ትኽእል።

ናቢላ ንስንኩላንን ተቓላዕነትን ዘለዎም ስደተኛታት ዜጋታት ዝኸውን ሓገዝ ጣውላ ኮይኑ፡ ማሕበረ-ሕጋዊ ሓገዝ፡ ቋንቋዊ ሽምግልና፡ ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ኣገልግሎታት መምርሒታት ይህብ።

ብመንገዲ እቲ ብነጻ ቁጽሪ 800 999 977፡ ናቢላ፤

ርሑቕ ምስማዕን ደገፍን
ብመንገዲ JUMA MAP ብዛዕባ ናይ ከባቢ ኣገልግሎታት መምርሒ
ብኣካል ቆጸራ ናይ ምሕታት ኣማራጺ (ኣብ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ARCI)
እዚ ፕሮጀክት ብፕረዚደንትነት ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብመገዲ "ሸሞንተ ካብ ሽሕ" (8‰) ምምዳብ እቶት ውልቃዊ ግብሪ እቶት (IRPEF) ዝምወል እዩ።

ናይ ዶብ ቅልጡፍ ስነ-ስርዓት

ናይ ዶብ ቅልጡፍ ስነ-ስርዓት ኣብ ዶብ ዝቐርቡ ሕቶታት ዓለም ለኻዊ ሓለዋ (ዑቕባ) ንምምርማር ዝጥቀሙሉ መስርሕ እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ ደረጃታት እቲ ሕቶ፣ ከተኽብሮም ዘለካ ናይ ግዜ

ንኹሉ ኣንብብ »

መሰል ጥዕና ኣብ ዓዲ ጣልያን

መሰል ክንክን ጥዕና ኣብ ዓዲ ጣልያን ብቅዋም ናይታ ሃገር ዝተሓለወ እዩ። ብመሰረት ዓንቀጽ 32 ሪፓብሊክ  ጥልያን ክንክን ጥዕና ከም መሰረታዊ መሰል ውልቀሰብን ሓባራዊ ረብሓን ትሕሉ፣

Loading

ንኹሉ ኣንብብ »
Categories
Asilo e immigrazione Evidenza

ሓድሽ ውዕል ኤውሮጳ 12 ሰነ 2026

እቲ ብኤውሮጳዊ ውዕል ስደትን ዑቕባን ዝፍለጥ ሓድሽ ሕጊ ዑቕባን ስደትን ኣብ ግብሪ ይውዕል። ንሓባራዊ ስርዓተ ዑቕባ ኤውሮጳ ይጽግኑን ንኣህጉራዊ ሓለዋን ስርዓት ኣቀባብላን ዝምልከት መመልከቲታት ንምምሕዳር ሓድሽ ኣገባባትን ደረጃታትን የተኣታቱ።

ምትእትታው ናይ ወሰን (ዶብ) ኣገባባትን መስርሓትን፡ እዚኦም ንገሊኦም ሓተቲ ዑቕባ ዝምልከቱ ኮይኖም፣ ሕቶኦም ንምምርማር ዝሓጸረ ግዜ ዝወሃቦም እዩ። ከምኡ እውን ኣብቶም ናይ ወሰን (ዶብ) ቦታታት ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ፍሉያት ሕግታት ዘለዎም ኮይኑ፣ ንሓተቲ ዑቕባ ግን ዝወሓደ ውሕስነታት (ናጻነታት) ዝህብ እዩ።

ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ንኣህጉራዊ ሓለዋ ብማእከላይ ገምጋም 20% ወይ ትሕቲኡ ኣፍልጦ ካብ ዘለወን ሃገራት ዝመጹ ኣመልከትቲ፡ ብዘይካ ብሕጊ ዝተቐመጠ ። እዚ ኣገባብ እዚ ነቶም ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝህቡ ወይ መንነቶም ንምውጋድ ናይ ሓሶት ሰነዳት ዘቕረቡ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ንህዝባዊ ስርዓት ሓደጋ ዝኾኑ ተባሂሎም ዝሕሰቡ ሰባት’ውን ዝምልከት ክኸውን እዩ። ብመሰረት ደንቢ ኣሰራርሓታት (ex art.42, comma 1, lettera e, 2024/1348)  ውሑስ ኮይኑ ካብ ዝተባህለ ሳልሳይ ሃገር ዝመጹ ኣመልከትቲ እውን ዝተቐላጠፈ ኣገባብ ክግበረሎም እዩ።

እዚ ናይ ወሰን (ዶብ) ኣሰራርሓ፡ ከም ልሙድ ብኣገባብ፡ ኣብ ውሽጢ 12 ሰሙናት ክዛዘም ኣለዎ፤ ብተወሳኺ እውን ነቲ ብኡንብኡ ዝስዕብ ናይ ምምላስ (rimpatrio) መስርሕ 12 ሰሙናት ይውሰኸሉ::

እዚ ማለት፡ ሓደ ኣመልካቲ ብኣካል ኣብ መሬት እቲ ኣባል ሃገር እኳ እንተሃለወ፡ ንሕቶኡ (ንሕቶ ዑቕባኡ) ንምምርማር ክበሃል ግን፡ ብሕጋዊ መዳይ ገና ናብ ክልል (መሬት) ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዘይኣተወ ጌርካ ይሕሰብ ማለት እዩ።

ኣይፋልን፣ እተን ኣባላት ሃገራት እቲ ኣመልካቲ ኣብ መስርሕ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ ወሰን (ዶብ) ኣሰራርሓ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ ምስቲ ብሕጊ ኤውሮጳ ዝተቐመጠ ረቛሒታት ብምስምማዕ ናይ ምንቅስቃስ ናጽነቱ ዝቐይድ (ዝድርት) ስጉምትታት ክወስዳ ይኽእላ እየን።

እወ። እቲ ስምምዕ ፡ መንነት ምፍላጥ፣ ናይ ባዮሜትሪክ መለለዪታት (ኣሰር ኣጻብዕን ምስልን) ምውሳድ፣ ናይ ጥዕና መርመራታትን ናይ ጸጥታ ምርጋገጻታትን ዘጠቓልል፣ ግዴታዊ ዝኾነ ናይ መጀመርታ መጻረዪ መስርሕ (screening) የተኣታትው።

እተን ሃገራት ነቲ ናይ ምምሕዳርን ፍርዳዊን ኣሰራርሓታተን ምስቲ ሓድሽ ኤውሮጳዊ ድንጋገታት ከም ዝሰማማዕ ክገብራኦ ኣለወን፤ ከምኡ እውን ምስቲ በቶም ሓደሽቲ ሕግታት (Regolamenti) ሓድሽ መምርሒን (Direttiva) ዝተቐመጡ ረቛሒታት ንምምላእ ዘኽእሉ እኹላት መሳለጥያታትን ከውሕሳ ኣለወን።

Categories
Evidenza Faq Salute

ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት፥ ምትዕርራይ ስንክልናን ፡ ሕጊ 104ን፡ ካብ 2026 ጀሚሩ እንታይ ምቅይያራት ገይሩ፧

ምትዕርራይ (ጽገና)  ስንክልና  ካብ 1 መጋቢት 2026 ጀሚሩ  ኣብ ግብሪ ከም  ዝውዕል  ተገይሩ። እቲ ምትዕርራይ 
ኣብ ኢጣልያ ስንክልናን ሲቪላዊ ስንክልናን ኣፍልጦ ዝወሃበሉ ስርዓት ዓሚቅ ለውጢ ዝውክል እዩ።

 

ብሕጋዊ ኣዋጅ 62/2024 ዝተቐመጠ ሓድሽ ሞዴል ዘተኣታቱ ኮይኑ እዞም ዝስዕቡ ኣፈጻጽማኦም ዝቕይር እዩ፤

  • መርመራ ጥዕና
  • ገምጋም ስንክልና
  • ምስ ሲቪላዊ ስንክልናን ሕጊ 104ን ዝተኣሳሰሩ ጸብጻባት ምድላው

 

እቲ ምትዕርራይ (ጽገና) ነቲ መስርሕ ቢሮክራስያዊ  (bureaucracy) ከምዘይከውን ዘተኮረ  ኮይኑ፡ ሕክምናዊ መርመራ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጭቡጥ ጽልዋ ኩነታት ስንክልና ኣብ መዓልታዊ ህይወት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ከእቱ ዝዓለመ እዩ።

ኣይፋልን፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ምትዕርራይ  ኣብ ፈተነ ምዕራፍ ይርከብ።

እዚ ማለት ድማ፤

 

  • ኣብቲ ፈተነ ዝሳተፋ ኣውራጃታት (ነጥቢ 8 ርአ)፡ ሓደስቲ መመልከቲታት ነቲ ሓድሽ ስርዓት ይኽተላ ኣለዋ።

 

ናይ መንግስቲ ዕላማ ፡ ነቲ ሓድሽ ስርዓት  ክሳብ 1 ጥሪ 2027 ኣብ መላእ ሃገር ንምዝርጋሕ እዩ።

በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ኣገባባት ክፈላለ ስለ ዝኽእል፡ ከተመልክት ከለካ ኣበይ ኣውራጃ ከም እተቕርብ ምፍታሽ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ምትዕርራይ (ጽገና) በብቑሩብ ኣብ ሓያሎ ኣውራጃታት ኢጣልያ ተኣታትዩ ኣሎ። ኣብ ታሕቲ ዝርዝር ናይተን ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሳተፋ ዘለዋ ኣውራጃታት ኣሎ፤

 

ኣሌሳንድርያ (Alessandria)           

ኣንኮና (Ancona)

ኣሬዞ (Arezzo)

ኣስኮሊ ፒቸኖ (Ascoli Piceno)

ኣስቲ (Asti)

ቤርጋሞ (Bergamo)

ቦለኛ (Bologna)

ቦልዛኖ / ቦዘን (Bolzano / Bozen)

ብረሺያ (Brescia)

ብሪንዲሲ (Brindisi)

ካልያሪ (Cagliari)

ካልታኒዜታ (Caltanissetta)

ካምፖባሶ (Campobasso)

ካዜርታ (Caserta)

ካታንያ (Catania)

ካታንዛሮ (Catanzaro)

ኬቲ (Chieti)

ኮሞ (Como)

ኮሴንሳ (Cosenza)

ክሮቶነ (Crotone)

ኩኔኦ (Cuneo)

ፊሬንዘ (Firenze)

ፎርሊ-ቸሴና (Forlì-Cesena)

ፍሮዚኖነ (Frosinone)

ጀኖቫ (Genova)

ኢሰርንያ (Isernia)

ላ ስፔስያ (La Spezia)

ለቸ (Lecce)

ማቼርታ (Macerata)

ማንቶቫ (Mantova)

ማሳ ካራራ (Massa Carrara)

ማቴራ (Matera)

መሲና (Messina)

ሚላኖ (Milano)

ፓሌርሞ (Palermo)

ፓቪያ (Pavia)

ፔሩጃ (Perugia)

ፒያቸንሳ (Piacenza)

ፖርዴኖነ (Pordenone)

ፖቴንሳ (Potenza)

ራቬና (Ravenna)

ረጆ-ካላብርያ (Reggio Calabria)

ሪምኒ (Rimini)

ሮማ (Roma)

ሳሌርኖ (Salerno)

ሳሳሪ (Sassari)

ሳቮና (Savona)

ሶንድርዮ (Sondrio)

ቴራሞ (Teramo)

ተርኒ (Terni)

ቶሪኖ (Torino)

ትረቪዞ (Treviso)

ትሪኤስተ (Trieste)

ኡዲነ (Udine)

ቨኔስያ (Venezia)

ቬሮና (Verona)

ቪቦ-ቫለንቲና (Vibo Valentia)

ቪቸንሳ (Vicenza)

እንድሕር ኣብዘን ኣውራጃታት ትነብር ኮንካ እሞ  ሓድሽ መመልከቲ ከተቕርብ እንተድኣ ደሊካ፡ ኩነታትካ በቲ ሓድሽ ስርዓት ክግምገም እዩ። ዕላማ መንግስቲ፡ ነቲ ሓድሽ ሞዴል ክሳብ 1 ጥሪ 2027 ኣብ መላእ ሃገር ንምስፍሕፋሕ እዩ።

  1. 1. ናብ ሓኪምካ ኪድ

ሓፈሻዊ ሓኪም ወይ ክኢላ (specialist) ነቲ መእተዊ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት መሊኡ ብኤሌክትሮኒካዊ ኣገባብ ናብ INPS (ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ማሕበራዊ ድሕነት) ክሰዶ እዩ።

 

እቲ ሓኪም ኩሉ ናብ INPS ይሰዶ። ንስካ ክትገብሮ ዘለካ፤

 

  • ቆጸራ ምሓዝ

 

  • ሰነዳት ምውሳድ

 

  • ቅብሊት ምዕቃብ (ምሓዝ)

 

እዚ  ማለት ነቲ መስርሕ ብኣውቶማቲክ ይጅምርን INPS ብቐጥታ ነቲ መስርሕ የበግሶን ። ስለዚ ካብዚ ሰዓት እዚ ንደሓር  እቲ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ምርካብ ፍሉይ መመልከቲ ምቕራብ ኣድላዪ ኣይኮነን።

ምርካብ ፍሉይ መመልከቲ ምቕራብ ኣድላዪ ኣይኮነን።

 

ኣብ ኢጣልያ ከመይ ጌርካ ሓፈሻዊ ሓኪም ትረክብ ንምፍላጥ ኣብዚ ተወከስ ፡ FAQ – Il diritto alla salute in Italia – JumaMap.

 

  1. ኣብ  ቆጸራካ ንገምጋም ኪድ

 

እቲ መስርሕ ምስ ጀመርካዮ  ፡ INPS በዞም ዝስዕቡ ኣገባብ ጻውዒት ክግበረልካ  እዩ ፤

 

  • ብመሰጅ (SMS)

 

  • ኢመይል (emai)l

 

  • ደብዳቤ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት

 

  • online ኣብ  መርበብ  ሓበሬታ INPS

 

መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ዝስዕብ  ክወሃበካ እዩ 

  • ናይ ሕክምና መርመራ ትገብረሉ ዕለት 
  • ሰዓታት 
  • ኣድራሻ ቦታን ኣገባባትን 

እቲ ገምጋም እዚ ዝስዕብ  የጠቃልል፡

ናይ ሕክምና መርመራ (ከምቲ ናይ  ዝሓለፈ ፡ ግን ብሓድሽ መምዘኒታት)

 

ኣብ ገሊኡ ኩነታት ድማ ብሰነዳት ዝግበር ገምጋም

 

እቲ ገምጋም ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣብ ግምት የእቱ፦

 

  • ጥዕና
  • ባዕላዊ ተጻዋርነት (ናይ ባዕልኻ ክእለትን ናጽነትን)
  • ማሕበራዊን ናይ ስራሕን ህይወት

 

በዚ ምኽንያት እዩ ድማ ብዙሕ መዳያዊ ገምጋም (Valutazione Multidimensionale) ኢልና ንዛረብ፦ 

 

ዝተፈላለዩ ሞያተኛታት ዘለውዎ ጉጅለ (équipe multidisciplinare)፡ ነቲ ሕማም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ሰብ ዝነብረሉ ኩነታት፡ ድሌታቱን ዘጋጥምዎ ዕንቅፋታትን እውን ይግምግሙ። ስለዚ፡ እቲ መረጋገጺ ኣብ ናይ ሕክምና ሚእታዊት (percentuale) ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ፡ ነቲ ሰብ ዘለዎ ዝተፈላለየ መዳያት ህይወት ኣብ ግምት የእቱ፤ በዚ ኣገባብ እዩ ድማ እቲ ገምጋም “ብዙሕ መዳያዊ” ዝኸውን።

 

  1. ውጽኢት ምርመራኻ ምቅባል

 

እቲ ውጽኢት፡ ኣብ ክንዲ በቲ ናይ ቀደም ናይ ስንክልና ሚእታዊት (percentuale) ዝግለጽ፡ ሕጂ ግን ብመሰረት ኣህጉራዊ መምዘኒታት ICF (International Classification of Functioning) መሰረት ብምግባር፡ ነቲ ዘድልየካ ሓገዝ ኣብ ኣርባዕተ ደረጃታት ይከፍሎ፦

 

  • ቀሊል : ትሑት ዝበለ ደገፍ ወይ ሓገዝ ዘድልዮ።
  • ማእከላይ : መጠናዊ  ሓገዝ ዘድልዮ።
  • ጽዑቕ – ልዑል:  ከቢድ ምስ ናይ ገዛእ ርእስካ  ደረት ዝተኣሳሰር።
  • ጽዑቕ – ኣዝዩ ልዑል: ቀጻሊ ክንክን ዘድልዮም ባዕሎም ነብሶም  ዘይኽእሉ ሰባት።

ናይ ኩነታት ምርጋገጺ

 

እቲ ናይ መወዳእታ ምስክር ወረቐት (certificato)፡  ስንክልና ከም ዘለካ ወይ ከም ዘይብልካ  የረጋግጽ። ብመሰረት እቲ ዝተወሰነ ደረጃ ከቢድነት (ቀሊል፡ ማእከላይ፡ ልዑል ወይ ኣዝዩ ልዑል)፡

 እቲ ውጽኢት ነዞም ዝስዕቡ መሰላት የረጋግጽ፦

 

  • ቁጠባዊ ጥቅምታት  (Benefici economici): እዚ ንናይ ቀደም ጡረታን ክፍሊታትን ዝትክእ ኮይኑ። እቲ ናይ መጀመርታ ገምጋም፡ “ልዑል” (elevato) ወይ “ኣዝዩ ልዑል” (molto elevato) ደገፍ ዘድልዮ ስንክልና ምዃኑ እንተረጋጊጹ፡ ብቀጠታ  ናይ ረድኤት ክፍሊታትን ደገፍን  ወይ  ከም ተሓጋጋዚ  ( ኣላዪ) ኣካል  ይፍቀድ።

  • ጽዑቕ – ኣዝዩ ልዑል: ቀጻሊ ክንክን ዘድልዮም ባዕሎም ነብሶም  ዘይኽእሉ ሰባት።

 

ናይ ኩነታት ምርጋገጺ

 

እቲ ናይ መወዳእታ ምስክር ወረቐት (certificato)፡  ስንክልና ከም ዘለካ ወይ ከም ዘይብልካ  የረጋግጽ። ብመሰረት እቲ ዝተወሰነ ደረጃ ከቢድነት (ቀሊል፡ ማእከላይ፡ ልዑል ወይ ኣዝዩ ልዑል)፡

 እቲ ውጽኢት ነዞም ዝስዕቡ መሰላት የረጋግጽ፦

 

  • ቁጠባዊ ጥቅምታት  (Benefici economici): እዚ ንናይ ቀደም ጡረታን ክፍሊታትን ዝትክእ ኮይኑ። እቲ ናይ መጀመርታ ገምጋም፡ “ልዑል” (elevato) ወይ “ኣዝዩ ልዑል” (molto elevato) ደገፍ ዘድልዮ ስንክልና ምዃኑ እንተረጋጊጹ፡ ብቀጠታ  ናይ ረድኤት ክፍሊታትን ደገፍን  ወይ  ከም ተሓጋጋዚ  ( ኣላዪ) ኣካል  ይፍቀድ።

 

  •  ኣሸላሻል ናይ ግብሪ (ታክስ)ናይ ስራሕ ምፍኳስን፤

እቲ  ውጽኢት ኣወንታዊ ምስ ዝከውን ፡ ካብ ስራሕ ፍቓድ ንምውሳድ (ብመሰረት ሕጊ 104)፡ ንተሽከርከርቲ ወይ ቴክኒካዊ ሓገዛት ናይ ግብሪ ቅናሽ ንምርካብ፡ ከምኡ እውን ንመሓገዚ መሳርሒታት (ausili) ንምዕዳግ ንዝግበር ደገፋት መሰል ይህብ።

እቲ ውጽኢት፡ ብኣውቶማቲክ ኣብቲ ናይ ጥዕና ኤሌክትሮኒካዊ  መዝገብካ (FSE – Fascicolo Sanitario Elettronico) ይስነድ፤ እዚ ድማ ንኹሉ ናይ ጥዕና ታሪኽካ (ሕክምናዊ ሰነዳትካ) ዝእክብ ዲጂታላዊ መሳርሒ እዩ። ነዚ መዝገብ እዚ

ንኽትጥቀም SPID ወይ ኤሌክትሮኒካዊ መንነት ወረቐት (CIE – Carta d’Identità Elettronica) ጌርካ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

 

ናብቲ ናይ ጥዕና ኤሌክትሮኒካዊ   መዝገብካ (FSE) ንምእታው ኣብዚ ጠውቕ!

 

ብሕጽር ዝበለ መገዲ፡ እንታይ ክትረክብ ኢኻ፧ 

ምስ ስንክልና ዘለካ ፍሉይ ኩነታት ዘረጋግጽ ዲጂታላዊ ሰነድ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ሰነድ እዚ ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ዘድሊ እንኮ መረጋገጺ እዩ፦

  1. ካብ INPS ናይ ቁጠባዊ ሓገዝ ክፍሊት ንምቕባል::
  2. ካብ ቤት ጽሕፈት ናይ ግብሪ (Agenzia delle Entrate) ናይ ግብሪ ቅናሽ ንምርካብ።
  3. ኣብቲ ትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ (Comune) ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምኽፋት።

 

እቲ ኣዋጅ (D.Lgs. 62/2024) ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ንምትግባር ዝዓለመ እዩ፦

  1. ኣብ መንጎ ስቪላዊ ስንክልናን (Invalidità Civile) ከምኡ እውን ናይ ስንክልና መረጋገጺ (Disabilità) ዘሎ ምድንጋር ንምውጋድ፦

  • ናይ ሲቪል ስንክልና ቃለ–ጉባኤ (Verbale di Invalidità Civile): እዚ ንናይ ስራሕ ዓቕሚ ምንካይ ይግምግም

(ብሚእታዊት ዝግለጽ፡ ንኣብነት 74%፡ 100%)። ብቐንዱ ድማ ቁጠባዊ ረድኤት (ጡረታ፡ ክፍሊታት) ወይ ናይ ግብሪ ቅናሽ ንምርካብ ዘገልግል እዩ።

 

  • ናይ ስንክልና ቃለ–ጉባኤ (Verbale di Disabilità – ሕጊ 104/92)፦ እዚ ንኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ ወይ ስምዒታዊ (ምስማዕን ምርኣይን) ጉድኣታት ይግምግምን ይፈልጥን (እዚ ድማ ናይ ሲቪል ስንክልና፡ ዕውርነት፡ ጸማምነት፡ ወይ ጸማም–ዕውርነት ዘጠቓልል እዩ)። ከምኡ እውን እቲ ሰብ ዘድልዮ ናይ ሓገዝ ኩነታት የረጋግጽ (ማሕበራዊ ገምጋም፡ ብመሰረት ሕጊ 104/1992)።

 

  1. ነቶም ክልተ ቃለ–ጉባኤታት (verbali) ምውህሃድ

 

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ጽገና  (62/2024)፡ ካብዚ ግዜ እዚ ንደሓር  ዝተፈላለዩ ቃለ–ጉባኤታት (verbali) ኣይክህልዉን እዮም፤ ኣብ ክንድኡ፡ ኩነታት ስንክልና ብንጹር ዝገልጽ ሓደ ወግዓዊ ምስክር ወረቐት (certificato) ጥራይ ክህሉ እዩ።

 

  1. ሓድሽ ኣጸዋውዓ (terminologia) ምትእትታው

እቲ ኣዋጅ፡  ንኩሎም ተራ ሕግታት፡ ነቶም ከም ስንኩል (invalidità)፡ ስንክልና (handicap) ወይ ዝተፈልየ ዓቕሚ ዘለዎ (diversamente abile) ዝብሉ ቃላት ሰሪዙ፤ ኣብ ክንድኦም ድማ ሰብ ምስ ስንክልና (Persona con disabilità) ብዝብል ስም ይትክኦም።

 

  1. መደብ ብዛዕባ ውልቃዊ ሂወት (Progetto di Vita)

 

ኣወንታዊ ውጽኢት ገምጋም፡ ነቶም መንግስታዊ ትካላት (ምምሕዳር ከተማ ከምኡ ድማ ቤት ጽሕፈት ጥዕና)፡ ብጠለብካ መሰረት ናይ ህይወት ውልቃዊ መደብ (Progetto di Vita Individuale) ንኸዳልዉ የገድዶም እዩ። እዚ መደብ እዚ፡ ንኹሎም ዘድልዩኻ ሓገዛት (ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ጥዕናዊን) ብዝተወሃሃደ መገዲ ዝሕዝ መምርሒ እዩ።

 

 

 

እቲ ጽገና ነቲ ኣገባብ ገምጋም ይቕይሮ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ እቲ ገምጋም ብቐንዱ ኣብ ሚእታዊት ስንክልና (percentuale di invalidità) ዝተመርኮሰ እዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሕማም ምስ ሓደ ዝተወሰነ ቁጽሪ ብመልኽዕ ብሚእታዊት ብዘተኣሳስሩ ሰሌዳታት (tabella) እዩ ዝውሰን  ነይሩ።

 

እቲ ሓድሽ ስርዓት ብተወሳኺ እቲ ኩነታት ኣብ ህይወት ሓደ ሰብ ዘለዎ ጽልዋ ይግምግም፣ ገለ ከም ኣብነታት ድማ ነዞም ዝስዕቡ ኣብ ግምት የእቱ፦

 

  • ውልቃዊ ርእሰ–ምሕደራ

 

  • ናይ ስራሕ ዓቕሚ

 

  • ማሕበራዊ ተሳትፎ

 

  • ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት ምጽጋም።

 

እዚ ኣገባብ እዚ፡ ንስንክልና ብዝያዳ ጭቡጥን (realistico) ኣብቲ ሰብ ተኾረ ብዝህብ  መገዲ ንምፍላጥ ዝዓለመ እዩ።

እወ።

 

በዚ ሓድሽ ኣገባብ ገምጋም፡ እቲ ገምጋም ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘጋጥሙ ናይ ሓቂ ዕንቅፋታት ኣብ ግምት የእቱ።

 

ንኣብነት፦ ሓደ ጽቡቕ ጌሩ ገዛእ ርእሱ ዝክእል (autonomia)  ሰብ፡ ምስቲ ተመሳሳሊ ሕማም ወይ ምርመራ (diagnosi) ዘለዎ ግናኸ ዝያዳ ናይ ሓገዝን ደገፍን ድሌት ዘለዎ ካልእ ሰብ ክነጻጸር ከሎ፡ እቲ ዝወሃቦ ገምጋም እተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ።

 

ካብ ዕላማታት እቲ ጽገና ዕላምኡ ሓደ ናይ ስንክልና ምስክር ወረቐት ምትእትታው እዩ።

 

ኣብ መጻኢ ሓደ ምስክር ወረቐት ንዝተፈላለዩ ጥቕምታት ዝውዕል ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት፤

  • ሲቪላዊ ስንክልና
  • ሕጊ 104 ኣፍልጦ ምሃብ
  • ካልኦት ናይ ድሕነት ወይ ደገፍ ስጉምትታት።

 

እቲ ዕላማ ንኣካለ–ስንኩላንን ስድራቤቶምን ዝምልከት መስርሕ ምቕላል እዩ፤

 

  • ተደጋጋሚ ምብጻሕ

 

  • ናይ ምጽባይ ግዜ

● ቢሮክራስያዊ ኣገባባት።

እቲ ጽገና  ነቶም ረብሓታት ንምርካብ ዘድልዩ ረቋሒታት ብቀጠታ ባዕሉ ኣይቅይሮምን እዩ።

 ብፍላይ ድማ፦

 

  • ናይ ጥዕና ደረጃታት ኣይወርድን እዩ።

 

  • ቁጠባዊ ደረት ኣይቅየርን እዩ።

 

  • ዝለዓለ ሚእታዊት ውሕስነት የብሉን።

 

 

ይኹን እምበር፡ እቲ ኣገባብ ናይ  ገምጋም ይቕየር ስለዘሎ፡ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ህይወት ሓደ ሰብ ኣብ ግምት ንምእታው ዝዓለመ እዩ።

ንሲቪላዊ ስንክልና ወይ ሕጊ 104ን ንምምልካት፡ 

ክትገብሮም ዘለካ  ነገራት፤

 

  1. እዋናዊ መዛግብቲ ሕክምናን ፡ ዝርዝር ሕክምናዊ ምስክር ወረቐትን ምእካብ

 

ናብ ሓኪምካ ነዞም  ዝስዕቡ  ውሰድ፡

  • እዋናዊ ጸብጻብ ክኢላታት (specialist)

 

  •  መርመራታት (ናይ ቀረባ እዋን እንተተኻኢሉ)

 

  • ናይ ሆስፒታል ምስክር ወረቐት

 

  • ዝኾነ ቅድሚ ሕጂ ዝቐረበ ጸብጻባት

 

እቶም ሰነዳት ንጹር፡ ተነባቢ፡ ብቋንቋ ጥልያን ክኾኑ ኣለዎም፡ ከምኡ’ውን እቲ ስንክልና ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ክገልጹ ኣለዎም።

 

  1. ምስ ሓኪም ጽቡቕ ጌርካ ተዘራረብ፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ንዘጋጥሙ ጸገማት ብንጹር ግለጽ፣ ዝኾነ ናይ ስራሕ ወይ ማሕበራዊ ድሩትነት ድማ ጸብጻብ።

እቲ ሓኪም ( ናህካ ሓኪም ወይ ስፔሻሊስት) ነቲ ምስክር ወረቐት ክመልኦ ኣለዎ፣  እዞም  ዝስዕቡ ድማ ክማልኡ ኣለዎም፤

 

  • ኩሉ ሕክምናዊ ኩነታት 

 

  • ዘለካ ጭቡጥ ምልክታት

 

  • ግብራዊ ጸገማት (ምጉዓዝ፡ ምስራሕ፡ ንብስካ ምኽኣል ወዘተ)

መተሓሳሰቢ፡ ነቲ ኩነታት ኣቃሊልካ ኣይትግበሮ፤ እዚ እውን መሰረት ናይቲ ገምጋም እዩ።

 

  1. ምምሕዳራዊ ረቛሒታት ምፍታሽ

 

ቅድሚ ምጅማርካ ፡ ከምዚ ዝስዕብ ኣረጋግጽ፤

  • ብቁዕ ናይ ግብሪ ኮድን (codice fiscale) መለለዪ መንነትን ይሃልኻ

 

  • ኣብ ዓዲ ጥልያን ነባሪ ክትከውን ኣለካ 

 

  • ከም በዓል SPID/CIE (ንመስርሕ ንምክትታል ጠቓሚ) ክህልወካ ኣለዎ

 

  1. ዝኾነ ተወሳኺ ሰነድ ምድላው

 

ምስቲ ጉዳይ ክትኣሳሰር ዝኽእል፤

 

  • ናይ ስራሕ ምስክር ወረቐት (ትሰርሕ እንተኮንካ)

 

  • መዛግብቲ ቤት ትምህርቲ (ንትሕቲ ዕድመ)

 

  • ማሕበራዊ ዝምድና ወይ ድሕነት ዝምልከት መዛግብቲ

 

ብፍላይ ነቲ ጽገና ዝጠልቦ ዝያዳ “ምሉእ” ገምጋም ጠቓሚ እዩ።

መስርሕ እቲ ጽገና (reform) ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦ ድሕሪ እቲ ናይ ፈተነ ግዜ ፡ እቲ ሓድሽ ስርዓት ካብ

ጥሪ 1፡ 2027 ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢጣልያ ስራሕ ክጅምር እዩ።

 

ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ መዳያት ክትትል ክግበረሎም እዩ፡ ገለ  ካብኣቶም ድማ፤

 

  • መርመራ ንምግባር ናይ ቆጸራ ግዜ  

 

  • ኣገባብ ኣሰራርሓ ጸብጻባት

 

  • ኣብ ፋይናንሳውን ሓገዝውን ጥቕምታት ጽልዋ ኣለዎ።

 

ስለምንታይ እዩ ሓበሬታ ምርካብ ኣገዳሲ ዝዀነ ፧

 

ኣብ እዋን ናይ ምስግጋር ምዕራፍ፡ ኣገባብ ኣሰራርሓ ካብ ኣውራጃ ናብ ኣውራጃ ክፈላለ ይኽእል።

 

ሓደስቲ ባህርያት ናይቲ ጽገና ምፍላጥን ነቲ ሰነዳት ብግቡእ ምድላውን፡ ንዓኻን ስድራቤትካን ነቲ መስርሕ መመልከቲ ብዝያዳ ብሓበሬታ ክትቀርብዎ ክሕግዘኩም ይኽእል።

 

እቲ ጽገና ገና ኣብ መስርሕ ትግባረ ስለ ዘሎ፡ ብጭቡጥ ካብ ጥሪ 2027 ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ምውዓሉ ንምርግጋጽ፡ ነቲ መስርሕ ክትከታተሎ ንመክረካ።

NABILA è un Help Desk per cittadini migranti con disabilità e vulnerabilità che assicura assistenza socio legale, mediazione linguistica e orientamento ai servizi sul territorio nazionale.

Attraverso la linea telefonica gratuita 800 999 977, NABILA fornisce:

  • Ascolto e supporto da remoto
  • Orientamento ai servizi sul territorio grazie a JUMA MAP
  • Possibilità di richiedere appuntamenti in presenza (nella sede dell’Ufficio Immigrazione di ARCI Nazionale)
Questo progetto è finanziato dalla Presidenza del Consiglio dei ministri con la quota Irpef dell’otto per mille
 
Categories
Faq Faq

ተደጋጋሚ ሕቶታት፡ መሰል ናይ መንበሪ ፍቓድ ምሕዳስ ወይ ምቅባል ዝጽበዩ ሰባት

መንበሪ ፍቃድ ንምሕዳስ  ወይ ምቅባል  ትጽበ እንተ ኣለኻ፡  ኣብ ኢጣልያ ክትጸንሕን ኩሉ መሰላትካ ክሕለወልካን  መሰል ኣለካ።



ብሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ወጻኢ ዝወጸ መምርሒ ቁጽሪ 11050/M ናይ 5 ነሓሰ 2006 ከምዚ ይብል: መስርሕ ምሕዳስ መንበሪ ፍቓድካ ክሳብ ዝፍጸም ኣብ ኢጣልያ ናይ ምጽናሕን ምስቲ ዘመልከትካዮ መንበሪ ፍቓድ ዝተኣሳሰር ኩሉ መሰላት ክትቅጽልን ምሉእ መሰል ኣለካ።



ኩሎም ኣብ ኢጣልያ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ወጻእተኛታት፡ መንበሪ  ፍቓድ ንምሕዳስ ወይ ንምቕያር ኣብ ዘመልክቱሉ እዋን እንተወሓደ ቸደሊኖ  (cedolino ) ወይ “ቅብሊት” ተቐቢሎም እዮም። ክልቲኦም  እዞም  ዝጠቀስናዮም ወረቃቅቲ ሓደ ዓይነት ዋጋ ኣለዎም: ቀዋሚ ፍቓድካ ንኽወሃብ ኣብ እትጽበየሉ እዋን እትጥቀመሉ ግዝያዊ ሰነዳት እዮም።

እቲ ፍልልይ እዚ እዩ፤



  • እቲ ቅብሊት (ricevuta)ብቤት ጽሕፈት ፖስታ (Sportello Amico) ይወሃብ።



  • ቸደሊኖ (cedolino) ድማ ብቀጠታ ካብ እንዳ ፖሊስ  (Questura) ይወሃበካ።

ብምቅጻል እንታይ ምዃኖምን፡ ብኸመይ ከም እትረኽቦምን እንታይ ክትገብር ከም ዘፍቅዱልካን ድማ ንርአ።

እቲ  ቅብሊት (ricevuta ) ኣብ እንዳ ፖስታ   – ስፖርተሎ ኣሚኮ  (Poste Italiane – Sportello Amico) ንናይ መንበሪ ፍቓድካ ንምሃብ፡ ንምሕዳስ ወይ ንምቕያር መመልከቲኻ ከተቕርብ ከለኻ እትረኽቦ ሰነድ እዩ።

 

እዚ ዝኮነሉ  ድማ  ፍቓድ ንኽትወሃብ ዝግበር መስርሕ ኣዝዩ ነዊሕ ስለዝኾነ እዩ። ዋላ እኳ እቲ ሕጊ ብዛዕባ መንበሪ ፍቃድ ኽወሃብ 20 መዓልቲ ይጠልብ ዝብል እንተኾነ ብመሰረት ፕረዚደንታዊ ኣዋጅ 394/1999።

በቲ ቅብሊት (ricevuta) ብግቡእ ሕቶ ከም ዘመልከትካን ኩሉ እቲ ብመንበሪ ፍቓድ ዝወሃብ ኣገልግሎትን መሰላትን ከም ዘለካን ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ቅብሊት  ንመንበሪ ፍቓድ ዝወሃብ ኮይኑ፤

ንኣብነት፡

  • ተቖጺርካ ምስ  ተስርሕን ወይ  ወቕታዊ ስራሕን
  • ህጻናት ንግዝያዊ እዋን ይኩን ወይ ንነዊሕ ምሕብሓብን ምዕባይን።
  • ሃይማኖታዊ ምኽንያታት
  • ትምህርቲ
  • ምሕዳስ ፖለቲካዊ ዑቕባ፣ ወይ ተመሳሳሊ ዑቅባ 
  • ናይ ስራሕ ልምምድ ወይ ስልጠና
  • ስራሕ ወይ ዜግነት ምጽባይ
  • መንበሪ ፍቓድ (carta di soggiorno)  ( “ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መንበሪ ፍቓድ ንነዊሕ እዋን ዝነብሩ“)
  • ናይ ገዛእ ርእስካ ስራሕ ምህላው 
  • ስድራቤታዊ ምኽንያታት

ካልኦት ብዙሓት ጉዳያት ድማ ምስ  ግዜ  ሓድሽ ነገራት ክፍጠር ዝኽእል እዩ ንኣብነት፡ ቆልዑ ምውሳኽ፡ ስም ምቕያር

1ይ ደረጃ    –   ናይ ፖስታ ኪት (Kit postale)

ናብ ፖስታ ቤት ኬድካ “ብጫ ኪት“ ኣልዕል: ንመመልከቲ ክትመልኦም ዘለካ ቅጥዕታት ዝሓዘ እዩ።



2ይ ደረጃ – ምምላእ ( ነቲ ቅጥዒ ምዝዛም)ቅጥዕታት መሊእካ ነቲ ዝተኸፍተ ፖስታ ንስፖርተሎ ኣሚኮ (Sportello Amico) ኣረክቦ። ዝኾነ ጸገም እንተሃልዩካ ናብ ኣሳለጥቲ ጉዳይት ወይ ፍሉይ ማሕበር ነቲ ጉዳይ ኽሕግዙካ ዝክእሉ  ተወከስ።  ንኣብነት  ከም በዓል  Patronato, CAF ዝኣመሰሉ።

3ይ ደረጃ – ቆጸራ ምስ ቤት ጽሕፈት ፖሊስኣሰር ኣጻብዕትኻ (finger print) ንምቕራብ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ቆጸራ ክትወሃብ ኢካ  ኢኻ።

4ይ ደረጃ – ኩነታት ዘመልከትካዮ ኣብ  ምንታይ  ደረጃ ከም ዘሎ  ምፍታሽ፡ 

ኩነታት ናይቲ ዘመልከትካዮ  ኣብዚ ዝስዕብ  መርበብ ሓበሬታ ክትከታተሎ ትኽእል ኢኻ PortaleImmigrazione.it  ወይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፖሊስ Polizia di Stato ። 

ቸደሊኖ (cedolino) ዝወሃብ፡ እቲ መመልከቲ ኣብ ፖስታ ቤት እንተ ዘይኮይኑ እሞ ብቐጥታ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ (Questura)  ምስ ዝቐርብ እዩ።



ናይቲ ኣመልካቲ ውልቃዊ ሓበሬታ (ስም፡ ዕለት ልደት፡ ስእሊ፡ ማሕተም ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ) ዝሓዘ እዩ።

 

ቸደሊኖ (cedolino ) ምስ “ቅብሊት” (ricevuta)  ተመሳሳሊ ዋጋ ኣለዎ: ናይ መወዳእታ ሰነድ እናተጸበኻ ኣብ ኢጣልያ ብሕጋዊ መንገዲ ክትነብርን ክትሰርሕን የኽእለካ።

 

መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ምልክታ  ዘቕርቡ እዩ ዝወሃብ፤

ንሳቶም ድማ፡ 

  • ኣህጉራዊ ዑቅባ  (ናይ 6 ወርሒ ብጫ ፍቓድ)
  • ንመጀመርታ ግዜ ፖለቲካዊ ዑቕባ ፍቓድ ንምውሳድ
  • ንመጀመርታ ግዜ ናይ protezione sussidiaria ፍቓድ ንምውሳድ 
  • ንመጀመርታ ግዜ ንፍሉይ  ጉዳያት ዝወሃብ  ፍቃድ ንምውሳድ
  • ፍቃድ  ንትሕቲ ዕድመ  ቆልዑ 
  • ፍቃድ ንሕክምናዊ ምኽንያት 

ናብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ (Questura) ብምኻድ ወይ ድማ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ (ናይ ስደተኛታት ካምፕ) እንተሃሊኻ  ብሕጋውያን ወከልቲ ክትረኽቦ  ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገለ ከተማታት፡  ቤት ጽሕፈት እንዳ ፖሊስ (Questura)  ብ መስመር ኢንተርነት ክትሕዝ የኽእለካ።

እወ፡ ቸደሊኖን (cedolino)  ቅብሊትን (ricevuta ) ሕጋዊ ዋጋ ኣለዎም (ዓንቀጽ 1 ናይ ፕረዚደንታዊ ኣዋጅ ቁጽሪ 445 ናይ 28 ታሕሳስ 2000)።  ብናይ ኢጣልያ ህዝባዊ ምምሕዳር ዝወጹ ሰነዳት ኮይኖም፣ ምስ ስእሊ፣ ከምኡ’ውን ከም ግዝያዊ መተካእታ መንበሪ ፍቓድ ኣገልግሎት ይህቡ።



ኣስተውዕል፡ ቸደሊኖን (cedolino)  ቅብሊትን (ricevuta)  እቲ ሓድሽ ፍቓድ ክሳብ ዝወሃብ፡  ከም ቅኑዕ መንበሪ ፍቓድ ይቑጸር። ኩሎም ብመንበሪ ፍቓድ ዝወሃቡ መሰላት ንሙሉእ ንውሓት ግዜ  ክሳብ መስርሕ ምሕዳስ ዝፍጸም ቅኑዓት ኮይኖም ይቕጽሉ። እዚ መሰላት   ክጠፍእ እንተ ኾይኑ እቲ ምሕዳስ ብዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ምስ ዝንጸግ፡ ምስ ዝስረዝ ወይ ምስ  ዝድምሰስ ጥራይ እዩ።

ቸደሊኖን (cedolino)  ቅብሊትን (ricevuta)  መንበሪ ፍቃድ ንምውሳድ  ዘመልከትካዮ  ድሮ ሕጋዊ ፍቓድ ከም ዘለካ ጌርካ ብዙሕ ንጥፈታት ክትፍጽም ትኽእል ኢኻ።

ዘመልከትካዮ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ክሳብ ዘሎ፡ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ሕጋዊ መንገዲ ኣለካ።                                                   

ይኹን እምበር፡ ገለ ኣማራጺታት ኣብ ዓይነት ፍቓድ ይምርኰሱ።

ስለዚ ገለ ካብኡ 

  • ብስሩዕ ምስራሕ 

ኣስተውዕል፦ እንድሕር ድኣ ኣህጉራዊ  ዑቅባ ኣመልኪትካ  ኮንካ፡ መመልከቲካ  ምስ ኣቕረብካ  ድሕሪ 60 መዓልታት ስራሕ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።

 

  • ኣብ ዩንቬርስቲ (university) ክትምዝገብ ምኽኣል

ኣስተውዕል: ገለ ዩኒቨርሲቲታት ንሓተቲ ዑቕባ ምሉእ ምዝገባ ኣይፈቕዳን እየን፣  ንዉሱን  ኮርሳት ጥራይ እምበር።



  •  ክራይ ገዛ ውዕል ምፍርራም 



  • መምርሒ ፍቃድ መኪና  ምሓዝ 

 

  • ናይ ባንኪ ሕሳብ ምኽፋት

 

  • ኣብ  ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር  ተመዝጊብካ መንነት ወረቐት ምውሳድ

 

  • ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (SSN) ምምዝጋብ

 

  • ኣብ ቤት ጽሕፈት  ማእከል  መድለዪ ስራሕ ምምዝጋብ

 

  • ካብ  ስራሕ ምስ ትዛናበል ናይ  ስራሕ ኣልቦነት ሓገዝ ወይ ካልእ ናይ INPS ሓገዝ ምቕባል

 

  • ናብ መበቆል ሃገርካ ምጉዓዝ፣  ብኻልኦት ሃገራት ሸንገን ከይሓለፍካ

ኣስተውዕል: ዑቅባ ዝሓተቱ   ካብ ጣልያን ክወጹ ኣይክእሉን እዮም።  ኣህጉራዊ ዑቅባ ዝሓተትካ  ስደተኛ ወይ  ንኡስ ሓለዋ (protezione sussidiaria) እንተ ኮንካ፡ እሞ ናብ መበቆል ዓድካ ክትምለስ እንተ ወሲንካ፡ ምስ ተመልካ ሰበስልጣን ኢጣልያ ምኽንያት መገሻካ  ከረጋግጹ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪ ደጊም ኣብታ መበቆል ሃገር ዝኾነ ሓደጋ እንተዘይሃልዩካ ዑቅባካ  ደው ክብል ይኽእል እዩ።



  • ንስድራቤትካ  ንምጥርናፍ ፍቓድ ንምርካብ ምሕታት

 

ኣስተውዕል፦ እዚ ኣብ ዓይነት  ዘለካ  መንበሪ ፍቓድ እዩ ዝምርኮስ፤  ንኣብነት ገለ  ካብቶም  ሓተቲ ዑቅባ  ሰባት ንጥርናፈ ስድራቤት ከመልክቱ ኣይክእሉን እዮም።




Riferimenti: art. 5, comma 9-bis, D.Lgs. 286/1998 (Testo Unico Immigrazione); Circolare Ministero dell’Interno 17 ottobre 2006.

እወ።

መንበሪ  ፍቓድ ከም ዘመልከትካ ዘረጋግጽ ወረቀት ቸደሊኖ (cedolino)  ወይ ቅብሊት (ricevuta ) እንተሃልዩካ ብመሰረት ሕጊ (ዓንቀጽ 5፡ ሕጡበ–ጽሑፍ 9-bis፡ ናይ ኢሚግሬሽን  ሕጊ) ፍቓድካ ንኽወሃብ ወይ ንኽሕደስ እናተጸበኻ ብስሩዕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢካ። እንተኾነ ግን ዘመልከትካዮ ሕቶ እንተተነጺጉ ካብታ ህሞት እቲኣ ጀሚርካ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ።



ሓታቲ ዑቕባ ውሳነ እናተጸበየ ክሰርሕ ይኽእል ዶ፧

 

ኣወ፡ ግን  ድሕሪ 60 መዓልታት።

 

ንኣህጉራዊ ዑቅባ  ዘመልከቱ ሰባት፡ እቲ ውሳነ ገና እንተዘይ መጽይዎም መመልከቲኦም ምስ ኣቕረቡ ድሕሪ 60 መዓልታት ክሰርሑ ይኽእሉ። ቸደሊኖ (cedolino) ወይ  ስማዊ ምስክር ወረቐትን (ቅጥዒ C3) ናይቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ከም ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ቅቡል እዩ።

መወከሲ፡ art. 4, comma 3, D.Lgs. 142/201

እወ።

ምዝገባ ኣብ ምምሕዳር፡ ናህካ ኣድራሻ ምህላውን ከምኡ ውን መንነት ወረቀትን፡ ኣገልጉለት ጥዕናን ንምርካብ ይሕግዝ።



ነዞም ዝስዕቡ እንተ ኣማሊእካ ኣብ ምምሕዳር ክትምዝገብ ትኽእል ኢካ፡

  • ቡቑዕ ፓስፖርት ( ናኣህጉራዊ  ዑቅባ ዝሓተቱ ሰባ ኣይምልከቶምን እዩ)

 

  • መእተዊ ቪዛ (እዚ ጠለብ  እዚ ንሓተትቲ ኣህግራዊ  ዑቕባ ዘለዎም ሰባት ኣየድልን እዩ)
  • ቸደሊኖ (cedolino)  ወይ ቅብሊት (ricevuta ) ንመንበሪ ፍቃድ ንምውሳድ ዝሓተትካሉ፡

 

  • ቅዳሕ  ፍቓድ ብስራሕ ወይ ብጥርናፈ  ስድራቤት እንተኣቲኻ።




መወከሲ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቁጽሪ 43 ናይ 2 ነሓሰ 2007።

እወ።

በቲ ንመንበሪ ፍቃድ  ዝሓተትካሉ ቸደሊኖ (cedolino)  ወይ ቅብሊት (ricevuta )  (ዋላ ናይ መጀመርታ ዘመልከትካ  ወይ ምሕዳስ ይኹን)፡ ኣብ  ኣገልግሎት ጥዕና (SSN) ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።


ኣብ ካርታ ጁማ  ተወከስ፡  FAQ- Il diritto alla salute in Italia.

እወ። 

ናይ መንበሪ ፍቓድ ቸደሊኖን (cedolino) ቅብሊትን (ricevuta) ናይ ግብሪ ኮድን (codice fiscale) መሰረታዊ ናይ ባንክ ወይ ናይ ፖስታ ቤት ሕሳብ ንምኽፋት እኹል እዩ።

መንበሪ ፍቓድ ኣየድልን።

 ሓተትቲ ዑቕባ እውን ካብቲ ንኣህጉራዊ ዑቅባ  ዘቕረብዎ መመልከቲ ብቸደሊኖን (cedolino)   ወይ ቅብሊት (ricevuta) (ምስ ስእልን ሓበሬታን) መሰረታዊ ሕሳብ ክኸፍቱ ይኽእሉ እዮም።

 

መወከሲ፡ Circolare ABI del 19 aprile 2019.

እወ።

 

ኢንፕስ (INPS) ኣነጺሩዎ ከም ዘሎ  (መልእኽቲ ሓምለ 25, 2022ን መልእኽቲ ቁጽሪ 1589 ሚያዝያ 22, 2024ን) እቶም ፍቓድ ምሕዳስ ዘመልከቱ  ፋይናንሳዊ ጥቕምታት ከም   NASpI፡  Dis-Coll፡  ሓገዝ ቤት ትምህርቲ መዋእለ ህጻናት ኣበል ,,,,ወዘተ ክረኽቡ መሰል ኣለዎም። NASpI, Dis-Coll, bonus asilo nido, assegno unico

እዞም መሰላት እዚኦም ክሳብ እቲ ውሳነ ምሕዳስን ወይ ምቕያርን ዝውሰን ቅኑዓት ኮይኖም ይቕጽሉ።

 

እወ።

ብቅብሊት (ricevuta) ናይ መንበሪ ፍቃድ ክትገብሮም  ትኽእል፡



  • ክልሰ-ሓሳብን (theory)፡ ተግባራውን ፈተናታት (practical exams )ምምዝጋብ፤



  • ምሕዳስ ወይ ድማ ናይ ወጻኢ ሃገር መምርሒ ፍቃድ መኪና ምቅያር፡



  • ሰነዳት ተሽከርከርቲ ወይ ቅዳሕ ምርካብ።

መወከሲ፡ ሰርኩላር ሚኒስትሪ ትሕተ ቅርጽን መጓዓዝያን፡ 6 ሕዳር 2023።

ሕግታት መገሻ ኣብቲ ዝሓተትካዮ ወይ ዝተቀበልካዮ ዓይነት መንበሪ ፍቓድ ይምርኮስ፤

 

  • ኣህግራዊ ዑቅባ ዝሓተተ ካብ ኢጣልያ ከርሕቅ ኣይክእልን እዩ።



  •  ድሮ ኣህግራዊ ናይ  ስደተኛታት ዑቅባ ዝወሰዱ ወይ  (protezione sussidiaria)  ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ከለዉ ኣዝዮም ክጥንቀቑ ኣለዎም: እዚ ድማ ዑቅብኦም ኣብ ሓደጋ ከእቱ ይኽእል እዩ።

 

 ካልእ ዓይነት መንበሪ  ፍቓድ ዘለዎም ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ጉዕዞ ግን ቀጠታዊ ክኸውን ኣለዎ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ሸንገን መዕረፊ ወይ መተሓላለፊ ዘይብሉ።

ንኣብነት፡ ብኻልኦት ሃገራት ሸንገን ከይተሰጋገርካ ፡ ካብን ናብን ኢጣልያ ጥራይ ክትከይድ ትኽእል።



ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝኮና  ሃገራት ግን  ደው ክትብል (Transit)  ትኽእል ኢኻ፣  ግን  በቲ ዘለካ ፓስፖርት  ናብተን ሃገራት ክትኣቱ ትኽእል እንተ ኮንካ  እዩ።

 

ኣስተውዕል:  መንበሪ ፍቓድ ከም ቪዛ ኣብ ውሽጢ ከባቢ ሸንገን ጥራይ እዩ ዝሰርሕ፤   ቸደሊኖ (cedolino)  ወይ ቅብሊት (ricevuta ) ሃገራት ሸንገን ከም ቪዛ ኣፍልጦ ኣይወሃቦን።

ኣብ እዋን ጉዕዞካ ምሳካ ክህልዉ ዘለዎም ሰነዳት፡

  • ብቑዕ ፓስፖርት

 

  • እቲ ዝወደቀ መንበሪ ፍቃድ 

 

  • መንበሪ ፍቃድ ተውጽእ ወይ ተሐድስ ከም ዘለካ ዝምስክር  ቅብሊት ናይ እንዳ ፖስታ ወይ ናይ  እንዳ  ፖሊስ   ቸደሊኖ (cedolino) ።




ሓድሽ ፍቓድ ክሳብ ዘይረኸብካ፡ ብቱሪዝም፡ ስራሕ ወይ ካልእ ምኽንያት ናብ ካልኦት ሃገራት ከባቢ ሸንገን ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ፡   ካልእ  ብፉሉይ ፍቓድ እንተዘይተዋሂብካ።

ኣብ እዋን ህጹጽ ኩነታት ወይ ኣድላይነት ዘለዎ ነገር  ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፡  ዋላ’ውን እቲ መስርሕ ቅድሚ ምዝዛሙ  ኣብ ውሽጢ ከባቢ ሸንገን ንግዚኡ ክትጓዓዝ ዘኽእለካ ግዝያዊ  ወረቐት መንበሪ ፍቓድ ክህበካ ይኽእል።



ናይ መጀመርታ መንበሪ ፍቓድ ክዋሃበካ ትጽበ እንተ ኣለኻ፡ 

 

ንነዊሕ ኣገልጉሎት ዝህብ ቪዛ (ዓይነት D) እንተ ሃልዩካ፡ 90 መዓልታት ኣብ  ነፍሲ ወከፍ 180 መዓልታት ናብ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ፡ እዚ ክበሃል ከሎ ግን እቲ ቪዛ ቅድሚ ዕለተ ምውዳቁ ክከዉን  ኣለዎ።

እንድሕር  እቲ  ቪዛ ወዲቁ እሞ ክኣ ገና መንበሪ ፍቃድ  ኣይሓዝካን፡ ካብ  ኢጣልያ ወጻኢ ክትንቀሳቀስ ኣይትኽእልን ኢካ።



ሕጋዊ መወከሲታት፡ መምርሒ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት 5 ነሓሰ 2006፤ ኣብ ውሽጢ ከባቢ ሸንገን ብዛዕባ ትራንዚት ዝምልከት ድንጋገታት፤ ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኢጣልያ።




እዞም FAQs ብኣርቺ (Arci) ዝተዳለዉ ኮይኖም፡ ኣብ ጽሑፋት  ገጻት ውህደት ንስደተኛታት ዝተመርኮሱ እዮም።

 

https://www.integrazionemigranti.gov.it/it-it/Ricerca-news/Dettaglio-news/id/3501/Quali-sono-i-diritti-dello-straniero-nellattesa-del-rilascio-rinnovo-o-conversione-del-permesso?utm_source=chatgpt.com

Categories
Salute

መሰል ጥዕና ኣብ ዓዲ ጣልያን

መሰል ክንክን ጥዕና ኣብ ዓዲ ጣልያን ብቅዋም ናይታ ሃገር ዝተሓለወ እዩ። ብመሰረት ዓንቀጽ 32 ሪፓብሊክ  ጥልያን ክንክን ጥዕና ከም መሰረታዊ መሰል ውልቀሰብን ሓባራዊ ረብሓን ትሕሉ፣ ከምኡ’ውን ንጽጉማት ማለት ነቶም ኣብ ፍጹም ድኽነት ዝነብሩ ማለት ነቶም ዝኮነ ነገር ዘይብሎም  ነጻ ክንክን ጥዕና ውሕስነት ትህብ።







እዚ ማለት ኩሎም ኣብ መሬት  (ግዝኣት) ጥልያን ዝርከቡ  ሰባት፡ 

ዜግነቶም፡ ሕጋዊ ደረጃ፡ ቁጠባዊ ዓቕሞም ብዘየገድስ፡ ኣገዳሲ ሕክምናዊ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። እዚ መሰል እዚ ኣድማሳዊ ኮይኑ፣ ስለዚ ንኹሉ ዝምልከት እዩ።




ነዚ መሰል ንምውሓስ ድማ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (SSN) ተፈጢሩ፡  እዚ ድማ ኣብ መላእ ኢጣልያ ክንክን ጥዕና ዝህብ ህዝባዊ ስርዓት እዩ። ናይ ከባቢ  ኣገልግሎት ጥዕና ዋሃብቲ (ASL) ምስ ነጻ ሆስፒታላት ብሓባር ብደረጃ ከባቢ ንህዝቢ ክንክን ጥዕና ዘውሕሱ መሓውራት እዮም።

እቲ ኣወዳድባን፡ ኣገባብ ምብጻሕን ካብ ዞባ ናብ ካልእ ክፈላለ ይኽእል እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ኣብታ እትነብረላ ከተማ ASL (ከባብያዊ በዓል መዚ ጥዕና) ምምዝጋብ ኣገዳሲ ዝከውን።












ኣስተውዕል፦ ASL ከባብያዊ በዓል መዚ ጥዕና ASL  (Aziende Sanitarie Locali) ዝብል ቃል እቲ ዝበዝሐ ዝውቱር ኮይኑ ብብዙሓት ዞባታት ከም በዓል Campania, Lazio e Sardegna ዝጥቀመሉ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ካልእ ከባቢታት ኢጣልያ እዞም መሳለጥያታት ዝተፈላለየ ኣስማት ኣለዎም።

 

ንኣብነት፡




  • ATS (Agenzia di Tutela della Salute), ኣብ ኣውራጃ ሎምባርድያ (Lombardia) ይጥቀምሉ፡
  • ASST (Azienda Socio Sanitaria Territoriale), እዚ እውን ኣብ ሎምባርድያ (Lombardia) 

 

  • ASP (Azienda Sanitaria Provinciale), ዝበሃል ከም በዓል ሲሲልያ (Sicilia) ዝኣመሰላ ኣውራጃታት ዝትቀማሉ እዩ።

  • ULSS (Unità Locali Socio-Sanitarie)

ኣብ ቨኔቶ (Veneto) ዝዝውተር እዩ።


Azienda USL (Azienda Unità Sanitaria Locale), እዚ ውን ኣብ Toscana, Emilia-Romagna ከምኡ ውን Umbria ዝጥቀማሉ እዩ።

ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንምርካብ፡ ኣብ ሃገራዊ ስርዓተ ጥዕና ተመዝጊብካን ናይ ጥዕና ካርድ ክህልወካን ኣለዎ፡  (ወይ STP ካርድ – እዚ ማለት ክኣ ኣገዳሲ ኮድ ኮይኑ፡ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዘይኮኑ ዜጋታት ኣብ ዓዲ ጣልያን ብዘይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዝነብሩ ዝተወሰነ ኣገልግሎታት ክንክን ጥዕና ንምርካብ ዝወሃብ እዩ)።

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት፡ ዋላ  ህጻናት፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ጥዕና ካርድ (tessera sanitaria) ወይ STP ካርድ ክህልዎ ኣለዎ።



ናይ ጥዕና  ታሴራ ኣብ ሃገራዊ ስርዓተ ጥዕና ምስ  ተመዝገብካ ክዋሃበካ እዩ። ምስ ናይ መንበሪ ፍቓድካ ማዕረ ንውሓት ግዜ ዘለዎ ኮይኑ ፍቓድካ ምስ ኣሐደስካ እዩ ዝሕደስ። 

ንእንታይ እዩ ከ ዝጠቅም፧



  •  ናብ ሓኪም ብነጻ ክትከይድ።



  • ብሓኪም ዝተኣዘዘ መድሃኒት ንምግዛእ።

 

  • ሕክምናዊ መርመራታት ወይ ናብ ሓኪም ምብጻሕ (ሓፈሻዊ ሕክምናዊ ምብጻሕ ኣብ ክሊኒክ፡ ሕክምናዊ ምብጻሕ ናብ ስፔሻሊስት፡ ሕክምናዊ ምብጻሕ ኣብ ገዛካ ፡ ክታበት፡ መርመራ ደም፡ ራጂ፡ ኣልትራሳውንድ) ንምግባር።






  •  ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ንምርካብ።

 

  • ኣብ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ሕክምና ንምርካብ፡ ካርድ መድሕን ጥዕና ኤውሮጳ ንምርካብ ናብ ናይ ከባቢኻ በዓል መዚ ጥዕና (ASL) ከተመልክት ኣለካ።

 

ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ  እንተዘይብልካ፡  ግዝያዋኢ  ንወጻእተኛ  ዝወሃብ ካርድ  ( STP)  ናብ በዓል መዚ ጥዕና (ASL) ብምካድ ክትሓትት ትክእል ኢካ። 

 

(ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈት ንምርካብ ኣብ ካርታ ርአ፡

https://www.jumamap.it/map/litemap.php?ser=san)

 

STP ካርድ ህጹጽን ኣገዳስን ክንክን ጥዕና ብነጻ ክትረክብ ዘኽእለካ ሰነድ (ግዝያዊ ኮድ ግብሪ) እዩ። እቲ ካርድ ብናይቲ ከባቢ በዓል መዚ ጥዕና (ASL) ዝወሃብ ብነጻ ኮይኑ፡  ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ይህብ፡ ድሕሪኡ ዋላ ኩነታትካ ስሩዕ እንተዘይገበርካዮ ክሕደስ ይኽእል።

ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (SSN) ምዝገባ ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ግዴታ እዩ፤



  • ሰራሕተኛታት፡
  • ናይ ገዛእ ርእሱ ወናኒ ስራሕ
  • ስድራቤታዊ ምኽንያት፣
  • ሙሉእ ዑቅባ ዘለዎ ስደተኛ 
  • ንኡስ ዑቅባ (protezione sussidiaria)
  • ፍሉያት ጉዳያት፣
  • ፍሉይ መከላኸሊ (protezione speciale)
  • ሕክምናዊ ክንክን (ብፍላይ ኣብ መበቆል ሃገር ብእኹል መንገዲ ክሕከሙ ዘይክእሉ ከበድቲ ሕማማት ኣብ ዝህልዉሉ እዋን)፣
  • ሕቶ ዑቕባ (ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ኢጣልያ ምስ ኣተዉ ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ካብ ምኽፋል ነጻ እዮም)፣
  • ንውዕል ወዲ ጡብነት ዝጽበዩ (waiting for adoption)
  • መግዙይነት 
  • ዜግነት ዝሃዙ።

 

መሰነይታ ዘይብሎም ናይ ወጻኢ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከም ተቓላዕቲ ጉጅለ ይቑጸሩ፣ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (ASL)  ምዝገባ ግዴታውን ነጻን እዩ።

 እቲ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ መንበሪ ፍቓድ ይጽበ እንተሃለወ እውን ሕክምናዊ ክንክን ክረክብ  ይኽእል እዩ።

ካብዚኦም ወጻኢ ካልእ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልዩካ (ንኣብነት ንትምህርቲ  ወይ ከም au pair )   ሕጂ’ውን ሕማም፡ መጉዳእቲ ወይ ሕርሲ ኣብ ዘጋጥመካ ውሕስነት ኣለካ።

 ስለዚ ክትገብሮም  ትኽእል  ነገራት፤




  • ናይ ብሕቲ መድሕን ጥዕና ምውሳድ (ናይ ጥልያን ወይ ናይ ወጻኢ፡ ግን ኣብ ኢጣልያ ዝሰርሕ)፤

 

  • ብወለንታኻ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (SSN) ተመዝገብ፣ ዓመታዊ ክፍሊት እናኸፈልካ (ዝኾነ ሓድሽ ባህርያት ወይ ቅናስ እንተሃልዩ ተኸታተል)።



ኣስተውዕል፡  ብምርጫካ  ዝተመርኮሰ ኣድራሻ መንበሪ ፍቃድ (permesso di soggiorno per “residenza elettiva”) ምስ ዝህልወካ፡ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣካለ–ስንኩላን ወጻእተኛታት ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (SSN) ብነጻ ምዝገባ ክገብሩ መሰል ኣይህቦምን እዩ። እዞም ክመዚ ዓይነት ጉዳይ ዘለዎም ሰባት ዋላ ከማን ከምቶም መንበሪ ፍቃድ ዘይብሎም  ወጻእተኛታት “ህጹጽን ኣገዳስን” ክንክን ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ኣማራጺ ሽፋን የድሊ መድሕን ወይ ወለንታዊ ምዝገባ፡ ብዝተኻእለ መጠን።

 

ንሓበሬታ፡ ንነጻ መስመር ቴሌፎን 800 999 977፡ NABILA፡ Help Desk  ንስንኩላንን ተቓላዕቲ ኩነታትን ስደተኛታት ዜጋታት  (ኣብ ገጽ ካርታ ጁማ ተወከሱ)።

https://www.jumamap.it/it/disabilita/

ንምምዝጋብ፡ ናብ በዓል መዚ ጥዕና ከባቢኻ (ASL) ክትከይድ ኣለካ፤

 

መንበሪ ፍቓድካ (ወይ መንበሪ ፍቓድ ትጽበ ከምዘለኻ ዝምስክር ቅብሊት)።



  • ኣድራሻኻ ዘረጋግጽ ሰነድ (ውዕል ክራይ፡ ወይ ጋሻ ኮንካ ተዓቂብካ ከም ዘለካ ዝምስክር ሰነድ ወዘተ)።





ንኣብነት ኣብ ሮማ ትነብር እንተኾንካ፡ ዘድሊ ሰነዳት ሒዝካ ናብቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ASL ክትከይድ ኣለካ።


ምዝገባን ካርድን ብነጻ እዩ፡ ግን ናይ ግብሪ ኮድ (codice fiscale)  ክህልወካ ኣለዎ።

 

ንግዚኡ ወይ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኢጣልያ እንተሃሊኹም፤

 

  • መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ ናይ ወጻኢ ዜጋ እንተኾንካን ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝኾነት ሃገር (ንኣብነት፡ ኣመሪካ፡ ጋምብያ፡ ኣፍጋኒስታን) እንተመጺእካ፡ ሕጂ’ውን ኣገዳስን ህጹጽን ሕክምናዊ ክንክን ክትረክብ መሰል ኣለካ። መንግስታዊ ሆስፒታላት ዋላ ዓቕሚ እንተዘይብልካ ክንክን ክህባካ  ግዴታ ኣለወን።






ሓገዝ ንምርካብ፡  STP  (Temporarily Present Foreigner) ካርድ  ክህልወካ ይኽእል እዩ። STP ግዝያዊ ናይ ግብሪ ኮድ (codice fiscale provvisorio)ዝሃዘ  ኮይኑ፡ ብነጻን ህጹጽን ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ  (ንህይወት ወይ ንጥዕና ብዘይ ሓደጋ ክናዋሕ ዘይክእል) ከምኡ’ውን ኣገዳሲ ክንክን (ኣብ ሓጺር ግዜ ሓደገኛ ዘይኮኑ ኩነታት፡ ግን ከኣ ምስ ግዜ ኣብ ህይወት እቲ ሰብ ዝዓበየ ጉድኣት ወይ ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእል ኩነታት ኣገልጉለት ጥዕና ምርካብ ይሕግዝ)።





ኣብነታት መን STP  ካርድ ክረክብ ከም ዝኽእል፤



ዝኾነ ሰብ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮ ግን ከኣ ኣብ ኢጣልያ ዝተነጸረ ሕጋዊ ደረጃ ዘይብሉ። 

 

ንኣብነት፥



  • በጻሕቲ (tourists) ኣብ ኢጣልያ ንሓጺር እዋን ዝጸንሑ ኮይኖም ህጹጽ ክንክን ዘድልዮምን ምስ  ዘድልዮም።

 

  • መንበሪ ፍቓድ ዝጽበዩ ሓተትቲ ዑቕባ።

 

  • ኣብ ገለ ዞባታት፡ መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ወጻእተኛታት ገና ናብ ዓዲ ጥልያን ዝኣተዉን መንበሪ ፍቓድ ዝጽበዩን።

 

  • ኣብ ዘይስሩዕ ኩነታት ዝርከቡ ወጻእተኛታት፡ ዝኮነ ኮይኑ ህጹጽ ክንክን ክረኽቡ ይኽእሉ።



ሓደ ሰብ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ መጺኡ ትሕቲ ሽዱሽተ ወርሒ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልይዎ፡ ግዝያዊ ናይ ጥዕና  ወረቐት  ይረክብ።  በዚ ናይ ጥዕና ወረቀት  ውን ሕክምናዊ ክንክን ክረክብ ይኽእል ኢዩ፡ ግን ንውሓት ናይቲ ግዝያዊ  ናይ ጥዕና  ምስቲ ዘለካ መንበሪ  ፍቓድካ ዝተተሓሓዘ እዩ።

ሓፈሻዊ ሓኪም (ወይ ሓኪም ስድራቤትካ) እቲ መሰረታዊ ሕክምናዊ ክንክን ዝህበካን ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ናብቲ ዘድልየካ ፍሉይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝመርሓካን  እዩ።




እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም እንታይ ይገብር፧



  • ልሙዳት ሕማማት (ጉንፋዕ፡ ሕማም ርእሲ፡ ሰዓል ወዘተ) ይምርምረካ።

 

  • መድሃኒታት ይእዝዝን፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ናብ ክኢላ ሓኪም (specialist doctor) ይሰደካን።

 

  • ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐት ይህብ።



ቅልል ዝበለ ምልክታት እንተሃልዩካ፡ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል ካብ ምኻድ፡ ኩሉ ግዜ መጀመርታ ንሓኪምካ ክትውከስ ይግባእ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ምሉእ ብምሉእ ነጻ ኣገልግሎት እዩ ዝህብ።

ድሕሪ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (SSN) ምስ ተመዝገብካ፡ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ክትመርጽ ትኽእል ወይ ድማ ሓደ ብኣውቶማቲክ ክምደበልካ እዩ።

ኣብ ኢጣልያ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ንምምራጽ፡ ምስቲ ኣብ እትነብረሉ ከባቢ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ASL (በዓል መዚ ጥዕና ከባቢ) ክትራኸብ ኣለካ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ሓፈሻዊ ሓካይም ክሕብረካ  እዩ፣ ሓደ ክትመርጽ ድማ ትሕተት (እቲ ቤት ጽሕፈት ግን ንክተመርጾ ዘለካ ክመኽረካ  ኣይክእልን እዩ)።

ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ናብ ቤት ጽሕፈት ሓኪም ክትድውል ወይ ብኣካል ክትበጽሕ ትኽእል ኢካ።

ገለ ሓካይም እውን ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓቶም ብዘይ ቆጸራ  ይቕበሉ እዮም።





ኣስተውዕል: ቋንቋ ጥልያን ጽቡቕ ጌርካ እንተ ዘይትኽእል ኮንካ ፡ ናብቲ ናይ ሓፈሻዊ ሓኪም ቆጸራኻ ተርጓሚ ሒዝካ ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ። ምስ ሓኪምካ ብንጹር ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ: ተርጓሚ ምህላው ንሓድሕድኩም ብዝበለጸ ክትረዳድኡን፡ ዝያዳ ቅኑዕ ክንክን ክትረክብን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (NHS) ምርካብ  ካብ ካልእ ሃገር ንዝመጹ  ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ብፍላይ ምስ ሰነዳትን ቢሮክራስያዊ ስርዓታትን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት።



ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጸገም ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዝጽበዩ ዝምልከት እዩ።

 ብፍላይ ድማ፤



እቶም ዑቕባ ዝሓተቱ መብዛሕትኡ ግዜ ቅብሊት  (ዑቅባ  ከም ዝሓተቱ ዘረጋግጽ ወረቀት) ጥራይ ኣለዎም፤  ግን ገና ወግዓዊ መንበሪ ፍቓድ የብሎምን።




  • ብዘይ ፍቓድ መንበሪ ፍቓድ ቀዋሚ  ግብሪ ኮድ (codice fiscale) ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ SSN ንምምዝጋብ የድሊ። 

 

ገለ ሓተትቲ ዑቕባ  ቁጽሪ ጥራይ ዝሓዘ ናይ  ግብሪ ኮድ (codice fiscale numerico)  ይረኽቡ፡ እዚ ግን ኩሉ ግዜ ብስርዓት ክንክን ጥዕና ተቐባልነት የብሉን።



ክኸውን ዝኽእል መፍትሒ፡ ጠበቓታት ነቲ ዝወሃበካ ቅብሊት (cedolino) ከም ቅኑዕ ሰነድ ንናይ ግብሪ ኮድ (codice fiscale) ንምሕታት ወይ ግዝያዊ ናይ ግብሪ ኮድ ( STP Card – Temporarily  Present Foreigner) ክትወስድ ይመኽሩ።




ጠበቓ ወይ ሕጋዊ  ኣገልግሎት ሓገዝ ዝህብ  ተወከስ።

 

https://www.jumamap.it/map/litemap.php?ser=leg


መሰነይታ ዘይብሎም ናይ ወጻኢ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ እውን ኣብ መጀመርታ ወግዓዊ ሰነዳት ኣብ ዝጽበዩሉ እዋን ጸገማት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሃገራዊ ስርዓተ ጥዕና ግዴታውን ነጻን ምዝገባ ከም ዘለዎምን ከም ኩሎም ካልኦት ትሕቲ ዕድመ ኣብ ኢጣልያ ክሕገዙ  ከም ዘለዎምን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ንቐሊል ናይ ጥዕና ጸገማት (ሕማም ርእሲ፡ ሰዓል፡ ዝተፈላለየ ቃንዛን ቃንዛን) ናብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ክትከይድ ኣለካ። ሓፈሻዊ ሓኪምካ ናይ ስፔሻሊስት ምብጻሕ ወይ መርመራታት ክእዝዘልካ ይኽእል።




  • ብለይቲ፡ ኣብ ሰሙን ዕረፍቲ፡ ወይ ኣብ በዓላት፡ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ኣብ ዘይርከበሉ እዋን ንዝፍጠሩ ጸገማት ድማ ሓላዊ ሕክምና (guardia medica)  ክትከይድ ኣለካ።




ናብ ክፍሊ ቀዳማይ ረድኤት ንኸቢድ ህጹጽ ኩነታት፡ ከም ጸገም ምስትንፋስ፡ ከቢድ ስንባደ፡ ከቢድ ቃንዛ ኣፍልቢ ወዘተ ጥራይ ኢኻ ክትከይድ ዘለካ።

 

ኣስተውዕል፡ ንኮዳት ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ኣቓልቦ ሃብ፤

ኣብ ሆስፒታል ምስ በጻሕካ፡ ነርስ ንኹነታትካ ብምግምጋም  ሕብራዊ ኮድ ክምደበካ እዩ፤



  • ቀይሕ: ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሓደጋ ዘመልክት ኮይኑ፡ ቅልጡፍ ሕክምናዊ ክንክን የድልዮ።
  • ብጫ: ከቢድ ጸገም ከምዘሎ ዘመልክት እዩ፣ ቅልጡፍ ምብጻሕ የድሊ።
  • ቀጠልያ፦  ውሕድ ዝበለ ጸገም ከም ዘሎ የመልክት፣ ምጽባይ የድሊ።

 

  • ጻዕዳ፡ ህጹጽ ከምዘይኮነ ዘመልክት ኮይኑ፡ ነዊሕ ምጽባይ ወይ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ  ክትከይድ ከም ዘለካ ሓበሬታ ይወሃበካ።




ኩነታትካ ህጹጽ እንተዘይኮይኑ፡ ንሓያሎ ሰዓታት ክትጽበ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ድማ እዩ ቅድሚ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ምኻድካ ምስ ናይ ሓፈሻዊ  ሓኪምካ ወይ   ናይ ሓለዋ ኣገልግሎት (guardia medica ) ምውካስ ኣገዳሲ ዝኸውን።

ሓፈሻዊ ሓኪም እቲ ናይ ጥዕና ጸገም ተወሳኺ ገምጋም የድልዮ እዩ ኢሉ እንተ ኣሚኑ፡ ነቲ ሕሙም ናብ ክኢላ (specialist)፡ ናብ ሓደ ፍሉይ ዓውዲ ዝነጥፍ ሓኪም (ንኣብነት፡ ሓኪም ዓይኒ፡ ሓኪም ጭዋዳታት፡ ሓኪም ልቢ፡ ወዘተ) ክሰዶ ይኽእል።





ሓደ ሓደ ግዜ፡ እቲ ክኢላ ነቲ ጸገም ብዝበለጸ ንምርዳእ፡ ከም ራጂ (RX)  ወይ MRIs ዝኣመሰሉ መርመራታት መርመራ ይሓትት። ይኹን እምበር፡ ነዞም መርመራታት ዘድልዮም ሰባት ልዑል ቁጽሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ምጽባይ ነዊሕ ክኸውን ይኽእል እዩ።



ቀዳምነት ብኸመይ ይቐውም፧

 

ሓፈሻዊ  ሓኪም ነቲ ናይ ስፔሻሊስት ምብጻሕ ሕቶ ህጹጽ ኮድ ይምድበሉ፤



  • U (Urgente):  ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ምብጻሕ።
  • B (Breve): ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ

 

  • D (Differibile): ምብጻሕ ካብ 30 ክሳብ 60 መዓልታት።



  • P (Programmabile): ህጹጽ ኣይኮነን፡ ቡዙሕ ግዜ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ።



እቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣዝዩ ነዊሕ እንተኾይኑ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል ።

  1. ኣብ ቀረባ ከተማታት ዝርከባ ካልኦት ትካላት ሆስፒታል ምፍታሽ፣ ኣብኡ ድማ ውሑድ ምጽባይ ክህሉ ይኽእል እዩ።




  1. ምስ ናይ ብሕቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ቆጸራታት እንተሃልዮም ሕተት፣ ናይ ቲኬት ክፍሊት ጥራይ ትኸፍል (እንተሃልዩ) ። 


3. ንማእከላት ክንክን ጥዕና ብምርኻብ ህጹጽ ኩነታት ምሕባርን ነቲ ምብጻሕ ንቕድሚት ንምምጻእ ምፍታን።

እንተ ቋንቋ ጥልያን ጽቡቕ ጌሩ ዘይርዳኣካ ኮይኑ፡ ኣቀዲምካ ንሰራሕተኛታት ሕክምና ክትሕብር ኣለካ፡ ብኡ መሰረት ድማ  ኣብ እዋን ቆጸራካ ቶርጋሚ ከዳልዉልካ ይክእሉ።

ሓኪም ህጻናት ማለት ንጥዕና ህጻናትን ቖልዑን  ዝከናኸን ሓኪም እዩ።

ዕብየቶም ይከታተል፣ ሕማማትን ጸገማትን ይሕክም፣ ግቡእ መድሃኒታትን  ክታበትን ድማ ይእዝዝ፣ ንጥዕናዊ ድሌታት ንኣሽቱ ህጻናት (ምምጋብ፣ ድቃስ፣ ናይ ባህሪ ጉዳያት ወዘተ) ምኽሪ ይህብ። ኣብ ዓዲ ጥልያን ኩሉ ህጻን ሓኪም ህጻናት ክህልዎ መሰል ኣለዎ።





ኣብ ኢጣልያ ሓኪም ህጻናት ንምርካብ፡ ዝርዝር ናይቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሓካይም ህጻናት ክትፍትሽ ትኽእል ኢኻ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ክንክን ጥዕና (ASL) ይርከብ። ከም ኣማራጺ ድማ፡ ንኣዕሩኽትኻ፡ ኣዝማድካ፡ ወይ ኣብ ከባቢኻ ንዝነብሩ ሰባት ምኽሪ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

  • ናብ 112 (ነጻ ቁጽሪ ሃገራዊ ህጹጽ ረድኤት) ደውል።

  • ናብ ኣብ ቀረባ ዝርከብ ሆስፒታል  ክፍሊ ቀዳማይ ሕክምና ህጻናት ምኻድ።


  • ንሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ምልክታት ወይ ህጹጽ ኩነታት ብንጹር ግለጽ።


  • ኩሉ ግዜ ቁጽሪ ሓኪም ህጻናትካ ኣብ ኢድካ ምሓዝ።

ሕሙማት እዞም ዝስዕቡ መሰል ኣለዎም፤

 

  • ብዛዕባ ጥዕንኦም ሓበሬታ ይረኽቡ፣

 

  • ሕክምና ክትቅበልን ዘይክትቅበልን ምምራጽ (ብሓበሬታ ዝተሰነየ ፍቓድ)፣

 

  • ምስጢራዊነት ናይ ጥዕና ዳታኦም (health data) ምሕላው፣

 

  • ሕክምናዊ መዛግብቶም ምውካስ።




ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ምስ ናይ ከባቢኻ በዓል መዚ ጥዕና (ASL) ወይ ምስ ሕሙማት  ዝነትጥፋ ማሕበራት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።



ካርታ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ተወከስ፡

 

https://www.jumamap.it/map/litemap.php?ser=san

 

እዞም FAQs ብ Arci ኣብ ጽሑፋት Infomigranti ተመርኲሶም ዝተዳለዉ እዮም።

https://www.infomigranti.org/services/salute/

Categories
Evidenza Faq Lavoro

ተደጋገምቲ ሕቶታት – መሰል ስራሕ፡ ሓጋዚ ሕቶታትን መልስታትን

ድሕነት ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ክበሃል ከሎ፡ ኩሎም
ሕግታትን መሳርሕን ተጠቂምካ ኣብ ስራሕ ቦታ ክኽሰቱ
ዝኽእሉ ጎዳእቲ ፍጻመታት ምክልኻል እዩ። ( ሓደጋን
መጉዳእትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሰራሕተኛታት፡
ምጅማር ወይ ምምዕባል ሕማማት ኣብ ቦታ ስራሕ እዩ)
ስለዚ ድማ ናይ ስራሕ ቦታታት ውሑስ ምግባር።

ሕግታት ድሕነትን ጽሬትን ምኽታል ኣገዳሲ እዩ፣ ንዝኾነ
ሓደገኛ ኩነታት ኣቓልቦ ምሃብ፣ ኩሎም ብዛዕባ ድሕነት
ዝዋሃቡ ሓብረታት ድማ ምኽትታል። ኣብ ቦታ ስራሕ
ውን ጉቡእ ዝኮነ ንነብስካ መከላከሊ መሳርሒ
ምጥቃም።
ንኣብነት፥ ጫማ ናይ ስራሕ፥ ቆቢዕ፥ ጛንቲ ወዘተ።
ንሱ ድማ ብኣስራሒ ክቐርብ ኣለዎ። ዝኾነ ሓደገኛ ወይ
ዘይተለምደ ኩነታት እንተ ታዓዚብካ ምሕባር ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ኢጣልያ ብሓፈሻዊ ምሉእ ግዜ ናይ ስራሕ ሰዓታት
ኣብ ሰሙን 40 ሰዓታት ኮይኑ፡ ኣብ ዝገበርካዮ ውዕል
ግን ይምርኮስ። እቲ ናይ ስራሕ ኩንትራትካ ውን
ተወሳኪ ሰዓታት (overtime) ከማልእ ይክእል።
ብሓላፍነት ናይ ኣስራሒ ክከዉን ዘለዎ ኮይኑ
ብመልክዕ ጽሑፉን ሕግውነት ዝለበሰን ክከዉን
ኣለዎ።
ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 24 ሰዓታት 11 ኸታተልቲ
ሰዓታት ዕረፍቲ ክረክብ ኣለዎ፡ ኣብ ሰሙን ድማ ብሓፈሻ
ምስ ሰንበት ብምግጥጣም እንተወሓደ ን24 ተኸታተልቲ
ሰዓታት ናይ ዕረፍቲ ግዜ ክረክብ መሰል ኣለዎ።
ዓመታዊ ዕረፍቲ እንተወሓደ ንኣርባዕተ ሰሙን ክወሃብ
ዘለዎ ኮይኑ ናይ ግድን ድማ እዩ።

ኣይፋል፡ ኢጣልያ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ
ዝተሓተ ደሞዝ ዘይብለን ሃገራት እያ።
ብመሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ዝተሓተ
ደሞዝ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 7 ክሳብ 9 ዩሮ ኣብ
ሰዓት ይከውን።

ብዛዕባ ምዝመዛ ኣብ ስራሕ ክበሃል ከሎ፣ ሓደ ሰብ
ብዘለዎ ብጸገማት ተገዲዱ ክሰርሕ ከሎ እዩ። ( ብትሑት
ዶሞዝ ወይ ብዘይ ሕጋዊ ኩንትራት ) ዘይፍትሓዊ ኩነታት
ስራሕ ድማ ይቅበል።
እቲ ኣስራሒ ጉልበት ሰብ መዝሚዙ ይከስብ።
መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ግዳይ ምዝመዛ ኮይኑ ዘሎ ሰራሕተኛ
ይምዝመዝ ከም ዘሎ ከማን ኣይስተባህለሉን እዩ።

ብመሰረት ሕጊ ኢጣልያ ምዝመዛ ኣሎ ክበሃል
እንተኾይኑ፤
– እቲ ደሞዝ ምስ ሃገራዊ ደረጃታት ወይ ምስ
ዝተሰርሐ ሰዓታት ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ትሑት እዩ፥
– ብዘይ ዕረፍቲ ምስራሕ፥ ኣብ በዓላት ዕረፍቲ
ዘይምርካብ ወይ ናይ ሕማም ፍቃድ
ዘይምርካብ፤
– ኣብ ስራሕ ሕግታት ድሕነት ኣይክበሩን።
– ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ቁፅፅር ብዘዋርድ ወይ
ዘሕፍር ኣገባብ ይፍጸም፤
– ኩነታት ትቅመጠሉ ገዛውቲ ምቹእ ኣይኮነን፥
እቲ ገበን ኣዝዩ ከቢድ ይከውን እንተ እዞም ኣብ ታሕቲ
ተቂሶም ዘለዉ ኮይኑ፡
– ልዕሊ 3 ሰራሕተኛታት ዘሳትፍ ምስ ዝከዉን
– ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ዕድምኦም ንስራሕ
ዘይኣከለ
– ንሰባት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምእታው

እቶም ተግባራት ብዓመጽ ወይ ምፍርራሕ ዝፍጸሙ
እንተኾይኖም፡ ቅልጡፍ ግዴታዊ ማእሰርቲ ይብገስ: ኣብዚ
ጉዳይ እዚ ብዛዕባ ከቢድ ምዝመዛ ኣብ ስራሕ ኢና ንዛረብ።

ምዝመዛ ኣብ ስራሕ ምስ ካልኦት ከበድቲ ገበናት

– ባርነት
– ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት (ንጉልበት፡
ምንዝርና፡ ልመና፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣካላት)፡

– ምዕዳግ ወይ ምሻጥ ባሮት።

ሕጊ ኢጣልያ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝኾኑ ሰባት
ንምክልኻል ተኸታታሊ ስጉምትታት ይህብ፣ ባርነትን
ምዝመዛ ኣብ ስራሕ ይውግድ። ብፍላይ ድማ እቲ ቀዳማይ
ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ መሳርሒ ዓንቀጽ .18 እዩ። እዚ
ዓንቀጽ እዚ ድማ፡ ኣብ ጉዳይ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር
ሰባት ወይ ኩነታት ዓመጽ ወይ ከቢድ ምዝመዛ ኣብ ስራሕ
ዝኾኑ ወጻእተኛታት፡ "ንፍሉይ ጉዳያት መንበሪ ፍቓድ"
ዝበሃል ፍሉይ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምሃብ ተኽእሎ ዝህብ
እዩ።

እወ፥ እቶም ኣገባባት ግን  ከከም  ኩንታቱ ይፈላለዩ፥



  • ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ዓመጽ ወይ ከቢድ ምዝመዛ እንተሃልዩ እቲ ሰብ ን”ፍሉይ ጉዳያት” መንበሪ ፍቓድ ክሓትት ይኽእል። ( ዓንቀጽ 18 Testo Unico Immigrazione)  ክትወስደሉ ትኽእል ድማ  ክልተ  መንገድታት ኣለዉ።

 

  • ጸብጻብ ከይሃብካ ፡ ግን ከኣ ናብ መስርሕ ማሕበራዊ ሓለዋ ምእታው (ብማእከላት ጸረ ዓመጽ፡ ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት መሓውራት)፤
  • ናብ ሕጊ ጠሪዕካ ገበናዊ መስርሕ  ምጅማር።

 

እዚ ፍቓድ ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ብሕጋዊ ምኽንያት ንሓደ ዓመት ወይ ልዕሊኡ ክሕደስ ይኽእል።

  • እቲ ገበን   ብዛዕባ ምዝመዛ  ኣብ  ስራሕ ዝምልከት ኣብ እዋን ፈተሻ፡  ወይ መርመራ እንተተረኪቡ፡

“ፍሉይ ጉዳያት – ዓንቀጽ 18 ተር” ዝብል መንበሪ ፍቓድ ክረክብ ይከኣል፡ እዚ እውን ን6 ኣዋርሕን ዝሕደስን እዩ።

ዋል እቶም ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ኣባላት ስድራቤት ናይቲ ግዳይ ከይተረፉ ብስድራቤታዊ ምኽንያት ፍቓድ ክረኽቡ ይኽእሉ፣  ካብቲ ተቓላዕነታዊ ኩነታት ንምውጻእ (ንምድሓን)።

ኣይፋል፡ ንፍሉያት ጉዳያት መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዝቐረበ

 ሕቶ ስዒቡ፡ ዳኛ ነቲ መስርሕ የቋርጾ፡ መንበሪ ፍቓድ እንተተዋሂቡ ድማ፡ እቲ ጉዳይ ክስረዝ ይእዝዝ፡ ነቲ መስርሕ ድማ ይዛዝሞ።

እቲ ምዝመዛ  እንድሕር ኣብ እዋን  ናይ  ፖሊስ መርመራ  ወይ ኣብ ሕጋዊ መስርሕ እንተተረኺቡ፡ እቲ ሕጊ ግድን ነቲ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ  ክሕብር ኣይግድድን።

ግን ኣብ እዋን ገበናዊ መስርሕ ንመለለዪ ተሓተትቲ  ሰባት ዝገብሮ ጠቓሚ ኣበርክቶ ጥራይ እዩ።



እንተኾነ ግን፡ ተቖጻጻሪ ስራሕ (መሰል ሰራሕተኛታት ዝከታተል ህዝባዊ ኣካል) ነቲ ምዝመዛ እንተድኣ ብመልኽዕ ጸብጻብ ኣቅሪቡ፡ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ኣወንታዊ ርእይቶ ክህብ ይኽእል።

ኣይፋል፡ መንበሪ ፍቃድ ንክትወሃብ ብሕጊ ትሕተቶ ኣይኮነን። ብስድራ ምኽንያት መንበሪ ፍቓድ ክጥቀሙ ንዝኽእሉ ኣባላት ስድራቤት ግን ግዴታ ድዩ ኣይኮነን ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።

ብዝኾነ ኮይኑ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ትሓተሉ እዋን፡ ብመሰረት ኣብ ዓንቀጽ 18-ter ዝተጠቕሰ  እቲ ሰብ ክነብረሉ ዝሓሰበሉ ቦታ ምምልካት የድሊ።

 

 መደበር  ፖሊስ – ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ኣገዳሲ ረቛሒ ኮይኑ እንተረኺብዎ፡ ብጽሑፍ ምኽንያት ምሕታትን ጠበቓ ምውካስን ይምከር።

ዝርዝር ሕጋዊ ሓገዝ ብነጻ ዝህባ ኣብ ታሕቲ  ተወከስ፤

 

https://www.jumamap.it/map/litemap.php?ser=leg

ካርታ ናይ ከባቢ ተቖጻጸርቲ ስራሕ ተወከስ፤

https://www.ispettorato.gov.it/lagenzia/struttura-organizzativa/le-sedi-inl/cerca-le-sedi-territoriali/

እቲ “ፍሉይ ጉዳያት” ዝብል መንበሪ ፍቓድ፡ ኣገልግሎት ድሕነትን ትምህርትን ንምርካብ፥   ኣብ ህዝባዊ ቤት ጽሕፈት  ቀብሌ ( comune)ምምዝጋብ ከምኡ ውን  ማእከላት ስራሕ ንምስታፍ  የኽእል።

እወ፡ እቶም  መንበሪ ፍቓድ ዘመልከቱ ስራሕ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም። 

እቲ  ንመንበሪ ፍቃድ ምስ ሓተትካ ዝዋሃበካ ቅብሊት ወረቀት ኣብ ኢጣልያ ክትጸንሕን፡ ክትሰርሕን የኽእለካ እዩ፡  ዋላ እኻ እቲ ዕላዊ መንበሪ ፍቃድ እንተዘይተዋህበካ።

ዝነበረካ ናይ ስራሕ ቦታ ምጥፋእ ዝተዋህበካ  መንበሪ ፍቓድ ንምስራዝ ምኽንያት ክከውን ኣይክእልን  ብመሰረት ዓንቀጽ 18-ter።


ወጻእተኛ ኣብ ቦታ ስራሕ ግዳይ ዝኮነ ኣብዚ  ታሕቲ ዘሎ link ብምካድ ክምዝገብ መሰል ኣለዎ።

SIISL, il Sistema informativo per l’Inclusione Sociale e Lavorativa፣ እዚ platform ኮይኑ  ናትካ  curriculum vitae ከማኡ ድማ ኣብኡ  ዳህሲስካ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ንምውሳድ ይሕግዝ። ኣብ SIISL ውን ክትምዝገብ ትኽእል ብቀጠታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ INPS ወይ ድማ ናብ ታሓጋገዝቲ ኣሳለጥቲ ጉዳያት ብምካድ፡ እዚ ኩሉ ንምግባር ግን identità digitale (SPID o CIE) የድልየካ።

እወ! ወነንቲ መንበሪ ፍቃድ “ፍሉይ ጉዳያት“ ዘለዎም እዚ ዝስዕብ መሰል ኣለዎም፡



  • Assegno di inclusione ዝብሃል ኣበል ይምልከተካ፣ ብዘይገድስ  ኩነታት ምንባርካን፡ ዘለካ እቶትን ንብረትን።
  • ኣበል ን ቆልዑት ደቅካ (Assegno unico e universale per  i figli a carico )



እቲ ናይ ሓገዝ ኣገልግሎት መመልከቲ በቲ መጸበዪ ወረቀት  ቅድሚ ዕላዊ መንበሪ ፍቃድ ዝወሃበካ ቅብሊት ክትሓትት ትኽእል ኢካ።

ኣብ መላእ ሃገር ጽዑቕ ናይ ደገፍ፡ ሓበሬታን መምርሕን መርበብ ኣሎ። 

ብነጻ ተሌፎን መን ሙኻንካ ከይነገርካ( ስምካ ከይነገርካ) ናብ 800290290 ምድዋል ይከኣል።  ወይ ድማ ምስ ኣገልጉላት ዝህባ ማሕበራት ኣብቲ ትነብረሉ ቀበሌ (comune ) ብምካድ።





ዝርዝር ናይ ሓገዝ ዝህባ ቤት ጽሕፈት  ኣንጻር ኣብ ስራሕ ምዝመዛ ተወከስ፤

https://www.jumamap.it/it/soleil/

 

ዝርዝር ናይ ሕጊ ኣብያተ ጽሕፈት ርአ፤

https://www.jumamap.it/map/litemap.php?ser=leg

እወ! ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ብፍላይ ድማ እቲ ኣስራሒ ድሕሪ 3 መዓልቲ ናብ INAIL ክሕብር ኣለዎ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ሓደጋ ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ሰራሕተኛ።

ዋላ ሕማም ምስ ዘጋጥም ብሰንኪ እቲ ስራሕ ናብ INAIL  ናይ ግድን ክሕበር ኣለዎ ብመንገዲ ኣስራሕን ሰራሕተኛን።

ክትገብሮም ዘለካ ነጋራት ኣብ ስራሕ ሓደጋ  ምስ  ዘጋጥመካ፡

  •  ዋላ እቲ መጉዳእቲ ፎኪስ እንተመሰለ፡ ንኣስራሒኻ ብቁልጡፍ ኣፍልጦ። ከምኡ እንተዘይገይርካ፡ ቅድሚ እቲ ሓበሬታ ምሃብካ ዘሎ ግዜ ወይ መዓልታት ክትካሓሶ ዝግባኣካ ክትስእኖ ትክእል።



  • ንኣስራሒካ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብቲ  ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ዘሎ ሃብ ( መለለዪ ቁጽሪ፡ ዕለትን ግዜን ክትሓውየሉ ተባሂሉ ብገምጋም ተወሲዱሉ ዘሎ ግዜ) ከምኡ’ውን ናይ ዝኾነ ስዒቡ ዝመጽእ ምስክር ወረቐት።



ብትሰርሖ ስራሕ ምኽንያት ግዳይ ሕማም ምስ ትከውን ክትገብሮም ዘለካ ነጥብታት፡ 

 

  • ካብቲ ዘጋጥመካ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ንኣስራሒካ ሓብር። እንድሕር ዶንጊካ ሓበሬታ ሂብካ መሰል ናይ ካሕሳ ቅድሚ ሓበሬታ ዝሃብካዮ ግዜ ተጥፍእ።




  • ከምኡ ውን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኩሉ ሓበሬታ  ካብቲ ናይ መጀመርታን ስዒቡን ዘሎ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ምሃብ።




እቲ ኣስራሒ፡ ነቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ INAIL ዝርከብ ቅጥዒ ተጠቒሙ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት፡ ልዕሊ ሰለስተ መዓልታት ከምዘይተረኽበ ዘመልክት ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ዝሓዘ ብኤሌክትሮኒካዊ መንገዲ ጸብጻብ ከቕርብ ኣለዎ።

ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ ሓደጋ ወይ ብሰንኪ እቲ  ስራሕ ሕማም ምስ ዘጋጥሞም ቅልጡፍ ሕክምናዊ ክንክንን ካሕሳን  መሰል ኣለዎም። ኣስራሕቲ ንውሕስነት ናይ ስራሕ ቦታ ሓላፍነት ዝስከሙ ኮይኖም ውሑስ ናይ ስራሕ ሃዋህው ክህቡ ኣለዎም።

ኣስራሒኻ ነቲ ዝገበርካዮ ውዕል ኣብ ስራሕን ማሕበራውን መሰላትካ ኣየኽብርን ኣሎ ኢልካ እንተኣሚንካ፡ ነቲ ዘይፍትሓዊ ኩነታት መወዳእታ ንምግባርን ምስ ማሕበር ሰራሕተኛታት ወይ ጠበቓ ክትራኸብን ነቲ ዝወረደካ ጉድኣት ካሕሳ ክትሓትትን ትኽእል ኢኻ።

ዝኾነ ዓይነት ምግፋዕ ወይ ኣድልዎ ኣብ ስራሕ ብቕልጡፍ ናብ ኣስራሒኻ ወይ ንሓላፊ ድሕነት ናይ ስራሕ ቦታ ምሕባር ኣገዳሲ እዩ፡ ወይ ድማ ምስ ከም ፖሊስ ዝኣመሰሉ ሰበስልጣን (ፖሊስ፡ ካራቢኒየሪ ወዘተ) ወይ ናይቲ ከባቢ ተቖጻጻርቲ ስራሕ ዝኣመሰሉ ማሕበራት  ርክብ ግበር። 

መሰል ሰራሕተኛታት ኣብ ዝግህሰሉ እዋን፡ ክትረኽቦም ዘለካ ብቑዓት ትካላትን ሰበስልጣንን ኣለዉ።



ኣብ ስራሕ ቦታ ብሰንኪ ዓሌትነት፡ ጾታዊ ምፍልላይ፡  ጽልኢ  ኣብ ልዕሊ ግብረ ሰዶማውያን ፡ ወይ  ብኩነታት ጥዕና ካብ ዝፍጸም ኣድልዎ ንምክልኻል፡  ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ተወከሱ፡

https://www.jumamap.it/it/faq/discriminazioni/


ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቦታ ስራሕ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ  ዝኮነ ይኩን ግዜ  ግዳይ ምግፋዕን፡ ዓመጽን ዝኾና  ናብ ሃገራዊ ናጻ ቁጽሪ 1522 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም፡  ምስ ምሉእ ውሕስነት ስሞ ከይገለጽኩም ኮይኑ፡  እዚ ድማ ኣብ ቀረባኹም ሓገዝን ደገፍን ትኽእሉ ኢኹም።


ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ትካል ንምርካብን ዝያዳ ንምፍላጥን ኣብ ገጽ ጁማ ማፕ ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ ተወከሱ።

ኣብ ኢጣልያ ምዝመዛ ጉልበት ንምምካት ሓያሎ ፕሮጀክትታት ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ትፈልጥ ዶ፧




Piemonte, Friuli Venezia Giulia, Emilia Romagna, Liguria, Veneto
Common Ground 

https://www.piemonteimmigrazione.it/lp/commonground


Lazio, Toscana, Umbria, Molise, Marche
S.O.L.E.I.L.

https://www.jumamap.it/it/soleil/

Umbria
Umbria Legale e Sicura
https://www.regione.umbria.it/-/umbria-legale-e-sicura-interventi-di-supporto-all-integrazione-sociale-sanitaria-abitativa-e-lavorativa


Sicilia, Basilicata, Calabria, Campania, Puglia

Su.Pr.Eme
https://www.supremeitalia.org/focus/helpdesk-anticaporalato/


Sardegna

C.A.S.L.I.S.

https://www.sardegnaimmigrazione.it/index.php?xsl=2420&s=49&v=9&c=95961&es=6603&na=1&n=100&esp=1&tb=15026



ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ብምጥዋቅ ኩሎም ኣብዚ ሰዓት እዚ ዝነጥፉ ፕሮጀክትታት ርአ፡

https://integrazionemigranti.gov.it/it-it/Altre-info/e/2/o/18///id/32/Azioni-e-progetti


እዞም ሕቶታትን መልስን  ብ Arci ኣብ ጽሑፋት  Infomigranti ተመርኲሶም ዝተዳለዉ  እዮም።

https://www.infomigranti.org/services/lavoro/

Categories
Evidenza Lavoro

ምትእስሳስ ስራሕ ኣጥፊኦ: 18 ኣገልግሎት መድረኽታት ኣብ ላቲዮ ኣብ ንቕናዕ

Categories
Evidenza Faq

ረፈረንደም ዜግነት

Loading

Categories
Evidenza Lavoro

ናይ ሕዝቢ ውድድራት ንዝግበር መረጻ መመሓየሺ: ኣብቲ ምምራጽ ስደተኛታትን ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ምክታት

ናይ ሕዝቢ ውድድራት መመሓየሺ (ብ ኦገስት 6/2021 ናብ ሕጊ ቁጽሪ 113 ዝተለወጠ ኣዋጅ ቁጽሪ 80/2021) ኣብ ናይ ሕዝቢ ምምሕድዳር ዘሎ ናይ ስራሕ ሙቕጻር ብጽሒታት ንምምሕያሽ ዝግበር ኣድለይቲ ለውጥታት የፋልጥ። ካብቶም ኣድለይቲ ለውጥታት፦፡–

– ካብ ናይ ጥልያን ዜጋታት ብተወሳኺ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም፣ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ዘጋታትን ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ኣውሮጳ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎምን፡ ናብቲ ውድድር ከምልክቱ ይኽእሉ፤

– ንወላዳት፣ ንጾታዊ ማዕርነትን ንፍልይ ዝበለ ናይ ምምሃር ዓቕሞም ጸገም ንዘለዎምን ፍሉይ ሓለዋን ውሕስነትን ይወሃቦም።

–  ነዚ ውድድር ንምስታፍ ዝተመደበሉ ዝለዓለ ግዜ ንሽድሽተ ኣዋርሕ እዩ፤

– ናብዚ ውድድር ንምስታፍ ወይ ንምምልካት ኣብ “inPA” ናይ ናይ ምልመላ ፖርታል ወይ መርበብ ጥራሕ ምጥቃም ኣድላዪ ይኸውን –  www.InPA.gov.it ። ኣብዚ መርበብ ንምምዝጋብ ብነጻ ክኸውን ከሎ ብ SPID፣ CIE ን CNS ዝበሉ ጥራሕ ክካየድ ይኽእል።

“SPID: እንታይ ከምዝኾነ መን ክጥቀመኩ ከምዝኽእልን ብኸመይን ንዝብሉ ኣብዚ መርበብ ረኣዩ – “SPID: a cosa serve, chi può richiederlo e come”

እዚ መርበብ ሕዝባዊ ናይ ስራሕ ምምልካት ድልየትን ማእከልን ንዘሎ ኣኼባች ዘቃልልን ዘቀላጥፍን ዲጂታል ስርዓት ብምጥቃም ናይ ሕዝቢ ምሕደራን ናይ ምልመላ ጽርየትን ንምምሕያሽ ዝሓለነ እዩ።

ንዝበለጸ ሓበሬታ ኣብዚ ጠውቑ Clicca qui per maggiori info

Loading

JumaMap እንታይ እዩ?

JumaMap – Services for Refugees እዚ ካርታ ብኽንዲ ኣብ ዝቐረብዎ ቦታ ዘሎ ጠቃሚ ኣገልግሎታት ብቐጥታ ክትረኽቡ ተዘጋጅቶ እዩ።
ኣብዚ ቦታ ትኽእል ትርከብ ቦታ ምምፃእ፣ ምብላዕ፣ ጣሊያንኛ ምምሃር፣ እንተኾይኑ ድጋፍ ጤናዊ፣ ሕጊዊ ወይ ስነ–ጸባይ ምቕራብ፣ እንታይ ኣብ ዝሓለፈ ንሰባት ምዕራፍ ዘለዉ ምጽዋዕ ዘለዉ ኣገልግሎታትን ምፍላጥ ትኽእል።

እዚ ፕላትፎርም ብ17 ቋንቋታት ይቐርባ።
ቋንቋ ካብ ላዕሊ ሜኑ ትቕይር ትኽእል። ቋንቋታት፦
ኣልባኒያ፣ ኣማርኛ፣ ዓረብኛ፣ በንጋሊ፣ ቻይንኛ፣ ዳሪ፣ ፋርሲ፣ ፍራንሳይ፣ እንግሊዝኛ፣ ፓሽቱ፣ ፕንጃቢ፣ ራሺያን፣ ሶማልኛ፣ ስፓኒሽ፣ ትግርኛ፣ ዩክሬንኛ፣ ኡርዱ፣ ዎሎፍ።

ሓበሬታ JumaMap ካብ ስልኪኻ እንኳ ትመልከት ትኽእል። ና ድሕሪት www.jumamap.it

ዋልከም ሰንተር (Welcome Center)

እንተ ሓገዝ ብግልጋሎት ትደሊ ትኽእልካ ብቀረባዊ ትመጽእ ናብ Welcome Center፦

ሰኑይ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣቀናብሪ

ሰሉስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ስነ–ጸባይ ድጋፍ (18–26 ዓመት)
14:00 – 17:00 — ጽሕፈት ድጋፍ ጤና
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ሕጊ

ረቡዕ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ሓሙስ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ሕጊ (18–26 ዓመት)
14:00 – 18:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ

ዓርቢ
10:00 – 14:00 — ጽሕፈት ማሕበራዊ
16:30 – 19:30 — ጽሕፈት ሕጊ

ዲጂታል ድጋፍ

ሰሉስ 9:30 – 14:00
ረቡዕ 10:00 – 15:00
ሓሙስ 9:30 – 16:30

ለመፍለጥ ጥዕና ኣብ ስልኪ ነጻ ቁጥር ለመጻእነትን ለስደተኛታትን

ንሓበሬታ እና ስልኪ ድጋፍ ይደውሉ ናብ ነጻ ቁጥር Arci ንመጻእነትን ንስደተኛታትን፦
800 905 570 (ካብ ጣሊያን)
+39 351 1376335 (WhatsApp፣ Lycamobile እና ካብ ደገ ሃገር)

ይመልስ ሰኑይ–ዓርቢ 9:30–17:00።
መልሲ ብብዙሕ ቋንቋታት እዩ ዘለዎ እና መተርጎምቲ ብ35 ቋንቋታት ይመልሱ።
ኢሜይል ትርከብ ትኽእል፦ numeroverderifugiati@arci.it

ነጻ ቁጥር ንሰባት ዘለዎም ኣካል ጉዳት ዝሰለዉ መዕረፍ ንስደተኛታት

NABILA ንስደተኛታትን ንመጻእነትን ኣካላዊ ጉዳት ወይ ካልእ ድኹምነት ዘለዎም ንሰባት ምስማዕ፣ ድጋፍን ምኽሪን ዝሃብ ኣገልግሎት እዩ።
ብነጻ ቁጥር 800 999 977 ትደውሉ ትኽእል።
እንተ ብቀረባዊ ምናገር ትደሊ ትኽእል ክትሕረት ኣብ ቢሮ ኢሚግሬሽን Arci Nazionale፣
Via dei Monti di Pietralata 16 – Rome.

ቦታ ምስማዕ ንንኡስናን ንወጻኢ ስደተኛታት

U-Report On The Move ደሓን ዘለዎ ቦታ እዩ ፣ እቲ ኣብዚ ክትተወክራ ትኽእል ናይ ሕጊ ድጋፍ፣ እንተዘይኮነ ናይ ስሜትኻ፣ ናይ ጸገምኻን ናይ ጭንቀትኻን ናይ ትሕዝቶ ነገር ብደሓን ክትነግር ትኽእል።
ባለሙያ ይሰማካ እና ኣብ ሓቂ ድጋፍኻ ክትረኽብ ይሕግዘካ።
ኣገልግሎቱ ሰኑይ–ዓርቢ 9:00–18:00 ይሰርሕ።

ክትጠቀም እንተደሊኻ፣ መልእኽቲ ብ Facebook Messenger ናብ U-Report On The Move ይላእ።
ናይ ስነ–ጸባይ ባለሙያት መልእኽት ይመልሱ እና ዝተስተኻኽሉ ድጋፍ ይሃብዎ።